ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ነዚ ሰንበትን ሳምንትን እዚ “ገብር ሄር” ወይ ከኣ “ሕያዋይ ባርያ” ኢላ’ያ እትጽውዖ። ነፍሲ ወከፍ ኣገልጋልን ምእመንን ብዛዕባ’ቲ ከከም ዓቕሙ ኻብ ኢድ ኣምላኽ ዝተቐበሎ ዓይነትን መጠንን ናይ መክሊት ኬስተንትንን ርእሱ ኺምርምርን ዝተሰርዐ ኣገዳሴ ጊዜ ድማ እዩ። ኣብዚ ናይ ጾም ጊዜ ኣዚና ኽንሓስበሉ ዚግብኣና ኣርእስቲ ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ጾም እናጾምናዮ ኽነስና፡ ብዛዕባ’ቲ ኣምላኽ ብሕድሪ ዝሃበና መክሊት ርእስና ምምርማርን፡ ዘጉደልናዮ ምፍጻምን እንተ ረሲዕናዮ፡ ነቲ ጾምና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነትን ክብርን ከም ዜስእኖ ኸነስተውዕል ዝተመደበልና ጊዜ እዩ።
እዚ ናይ ሎሚ ናይ ወንጌል ንብባ፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ ጥቓ ኢየሩሳሌም ኣብ ዚርኸብ ደብረዘይቲ ኣብ ዚብሃል ከረን ኰይኑ ዝተዛረቦ እዩ። ስለዚ ድማ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን፡ ነዚ ሰንበትን ሰሙንን፡ “ደብረ ዘይት” ኢላ ብምስማይ ብዛዕባ ምጽኣት ጐይታና እንመሃረሉን እነስተንትነሉን ኪኸውን መዲባቶ ትርከብ።
እዛ ሰንበት እዚኣ፡ መጋቢት 4, 2018፡ ራብዐይቲ ሰንበት ኣብዚ ኣቲናዮ ዘሎና ናይ ጾመ ኣርብዓ እዋን እያ። “መጻጕዕ” ተባሂላ ድማ ትስመ። መሰረተ ሓሳብ ናይዚ በዛ መዓልቲ ዝመሓላለፍ መልእኽቲ ድማ ካብ ታሪኽ ናይቲ ን38 ዓመት ተደኒሱ ዝነበረ ሰብኣይ እሞ ጐይታ ዝፈወሶ ዝነቐለ እዩ።
እዚ ሰንበት እዚ፡ ለካቲት 25, 2018 ሳልሳይ ሰንበት ኣብዚ ዘለናዮ ግዜ ጾመ ኣርብዓ እዩ። ምኵራብ ተባሂላ ድማ ትስመ። መንቀሊ ሓሳባት ናይዚ ዕለት መልእኽቲ ድማ ካብቲ ኣብ ወንጌል ዮሃንስ ምዕራፍ 2 ሰፊሩ ዘሎ፡ ጐይታ ናብ ቤት መቕደስ ኣትዩ፡ ቤት ዕዳጋ ኰይኑ ምስ ረኸቦ ካብ ገመድ ጭጕራፍ ሰሪሑ፡ ንኵሎም ሰጒጉ ዘውጽኣሉ ፍጻመ እዩ።
እዛ ሰንበት፡ ለካቲት 18, 2018 ካልኣይ ሰንበት ኣብዚ ኣቲናዮ ዘሎና ናይ ዓብይ ጾም እዋን እያ። ‘ቅድስት’ ተባሂላ ድማ ትጽዋዕ። ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ትምህርትና ድማ ንቅድስና ዝምልኸት ትምህርቲ ክንከታተል ኢና።
እምበኣርከስ ኣቱም ፍቁራተይ! እዚ ኹሉ ተስፋ እዚ ካብ ዝህልወናስ ካብቲ ሥጋን መንፈስን ዜርክስ ዘበለ ኹሉ ርእስና ነንጽህ። ንኣምላኽ እናፈራህና ኸኣ ብቕድስና ፍጹማት ንኹን። ልብኹም ኣግፊሕኩም ክፈቱልና።
ንሕና ንሓደ እኳ ኣይዓመጽናን፥ ንሓደ እኳ ኣይጎዳእናን፥ ንሓደ ኣኳ ኣይተበለጽናሉን። እዚ ዝብለኩም ዘሎኹ ኽወቕሰኩም ኢለ ኣይኮንኩን። ከመይ ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልኩኹም ንኣኻትኩም ልብና ኽፉት እዩ። ብህይወት እንተ ኣሎና ወይ እንተ ሞትና ኹሉ ሳዕ ምሳኻትኩም ኢና። ኣባኻትኩም ብዙሕ እምነት ኣሎኒ። ብኣኻትኩም ከኣ ኣዝየ እየ ዝሕበን። ተጸናኒዐ ኣሎኹ፥ ብዙሕ ጸበባ እኳ እንተ ኣሎና ሓጎሰይ ወሰን የብሉን (2 ቆሮ 7፡1-4)።
መእተዊ፥ እዚ ሰንበት እዚ፡ ጾመ ኣርብዓ ዝኣትዋሉ ሰንበት እዩ። ጾመ ኣርብዓ፡ እቲ ዝዓበየ ናይ ቤተ ክርስትያንና ናይ ጾም እዋን እዩ። በብሰሙኑ ድማ ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ካብ ምውራዱ ጀሚሩ ክሳብ ትንሳኤኡ ዝሓለፎ ህይወት ብምስትንታን እንዝክረሉ፡ ኣብቲ ናቱ ስራሕ ሓቢርና ምህላውና ድማ ርእስና እንምርምረሉ ክቡር ግዜ እዩ። ኣብ ናይ ሎሚ ትምህርትና እምበኣር፡ ሕጽር ዝበለ ትምህርቲ ብዛዕባ ጾምን፡ ብዛዕባ ትርጉም እዛ ሰንበት ተሰምያትሉ ዘላ መጸውዒ “ዘወረደ” ብዛዕባ ምውራድ ወልድ ዋህድን፡ ዕላማ ምስጋዉን ክንርኢ ኢና።
እዚ ሰንበት እዚ ሓሙሻይ ሰንበት ኣብዚ ዘሎናዮ ዘመነ ልድት እዩ። ናይ ሎሚ ናይ ወንጌል ትምህርትና ድማ ንህይወትን ኣገልግሎትን፡ ሃና ጓል ፋኑኤል ዝድህስስ ኪከውን እዩ።
እዛ ኣደ እዚኣ ብዓሌታ ካብ ነገድ ኣሴር እያ። ኣሴር ሓደ ካብቶም 12 ነገዳት እስራኤል እዩ። ገና ብንእስነታ ሓዳር ጌራ ክትነብር ጀመረት።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ