እዚ ሰንበት እዚ፡ 28 ጥሪ 2018፡ ራብዓይ ሰንበት ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎናዮ ቅነ፡ ቅነ ልደት እዩ። ትሕዝቶ ናይ ወንጌል ምንባብና ድማ ካብቲ ብዛዕባ ናይ ጐይታና ዕቤትን፡ ወዲ 12 ዓመት ምስ ዀነ ኣብ መዓልቲ ፋሲካ ኣብ ማእከል ሊቃውንቲ ብምዝርራቡ ዘርኣዮ ምስትውዓልን ዝገለጾ ሓቅታትን ዝድህስስ እዩ።
ሕጻን ክርስቶስ ክዓቢ ከሎ ኣርባዕተ ርኡያት ነጥብታት ዕቤት ነበርዎ። እቲ ቀዳማይ፡ ብቑመት ስጋ ምዕባይ እዩ (ሉቃ 2፡52)። እዚ ድማ ከም ዝዀነ ሰብ መጠን ዝዓብዮ ዕቤት እዩ። እቲ ካልኣይ ዕቤት ድማ ናይ መንፈስ ዕቤት እዩ ነይሩ። ክድልድል ዚኽእል ዝዓበየ ጥራይ እዩ። ስለዚ እቲ ብመንፈስ ምድልዳሉ፡ ብመንፈስ ናይ ምዕባዩ ንጹር ምልክት እዩ። ብመንፈስ ምዕባይ ከኣ፡ ኣብ ዝዀነ ክርስትያን ኪህሉ ዝግብኦ ባህርይ እዩ (2ቈረ 9፡10፣ ኤፌ 4፡11-15፣ ቆሎ 1፡10፣ 1ተሰ 3፡12፣ 1ተሰ 4፡10፣ እብ 6፡1፣ 1ጴጥ 2፡2፣ 2ጴጥ 1፡5-8፣ 1ቈረ 13፡11፣ 1ቈረ 14፡20፣ እብ 5፡14፣ 1ዮሃ 2፡14)። ብምዕባዮም ዝተመስከረሎም ሰባት ብዙሓት እዮም (1ሳሙ 2፡26፣ ሉቃ 1፡80፣ ግብ 9፡22፣ 2ተሰ 1፡3)። እቶም ዘይዓብዩ ከኣ ኣዝዮም ይንቀፉ (1ቈረ 3፡12፣ 1ቈረ 14፡20፣ ገላ 4፡1-3፣ ኤፌ 4፡14፣ እብ 5፡12፣ 1ጴጥ 2፡2)። መንፈሳዊ ዕቤት ብዘይ ኣምላኽ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ (መዝ 71፡21፣ ኤፌ 4፡16)። እቲ ሳልሳይ ከኣ፡ ጥበብ ዝመልኦ ምንባሩ እዩ። ክርስቶስ ብጥበብ ዝተመልአ ከም ዝኸውን፡ ብነብያት ተነጊሩ ነበረ (ኢሳ 11፡1-2)። ዓለም ድማ ጥበብ ጐይታ ርእያ ኣድኒቓቶ እያ (ማቴ 13፡54፣ 1ቈረ 1፡24፣ ቆሎ 2፡3)። ክርስቶስ ፍጥረት ክፈጥር ከሎ ድማ ብጥበብ እዩ ገይርዎ (ዮሃ 1፡1-4፣ መዝ 104፡24፣ ምሳ 3፡19፣ ኤር 10፡7፣ ዳን 2፡20፣ 1ቈረ 1፡25)። ሰባት እውን ከም ጐይታኦም ብጥበብ ክነብሩ ይግብኦም (እዮ 28፡28፣ ምሳ 1፡7፣ እዮ 32፡7-8፣ መዝ 111፡10፣ ምሳ 1፡20፣ ምሳ 4፡7፣ ምሳ 9፡1)። እታ ሰብ ኪነብረላ ዝግባእ ጥበብ ሰማያዊት ደኣ እምበር ምድራዊት ኣይኰነትን (ያእ 3፡17)። ስለዚ ንጥበብ ክንደልያን ንምቕባላ ክንጽልን ይግብኣና (2ዜና 1፡10፣ መዝ 90፡12፣ ምሳ 2፡6፣ ኤፌ 1፡17፣ ቆሎ 1፡9፣ ያእ 1፡5፣ እዮ 28፡12,20፣ መዝ 119፡169፣ መክ 1፡13፣ መክ 2፡12፣ መክ 7፡25፣ መክ 8፡16)። ብጥበብ ተመሪሕና ክንመላለስን ክንዋጋእን የድልየና (ምሳ 24፡6፣ ምሳ 20፡18)። እቲ ራብዓይ ከኣ፡ ጸጋ ኣምላኽ ኣብኡ ምንባሩ እዩ። እዚ ካብ ሕጻንነቱ ሒዙ ምስኡ ዝነበረ ሃብቲ እዚ፡ ንእኡ ጥራይ ዘይኰነስ ንዓለም ብምልእታ ዝኣክል ጸጋ እዩ (2ቈረ 8፡9፣ 2ቈረ 12፡9፣ ኤፌ 4፡7፣ 1ጢሞ 1፡12፣ 2ጢሞ 2፡1፣ ራእ 22፡2፣ ሮሜ 3፡24)።
ንበዓል ፋስጋ በብዓመት ናብ ኢየሩሳሌም ይኸዱ ነይሮም። ፋሲካ ብእብራይስጢ “ፖሳሕ” ይበሃል። ትርጉሙ ከኣ “ሓሊፉ” ማለት እዩ። ደቂ እስራኤል ኣብ ግብጺ ገንሸል ሓሪዶም፡ ደሙ ኣብ ልዳት ቤቶም ብምልካይ፡ ካብቲ ቊጥዓ ኣምላኽ ድሒኖም። መልኣኽ እግዚኣብሄር በታ ለይቲ እቲኣ ንግብጻውያን ኪቐዝፍ ከሎ፡ ነቶም ደም ብእምነት ኣብ ልዳት ቤቶም ዝገበሩ ግን ከይቀዘፎም ብምሕረት ስለ ዝሓለፈ፡ እታ መዓልቲ ፋሲካ (ሓሊፋ) ተባሂላ። ስለዚ ድማ ንፋሲካ ዝሕረድ በጊዕ “ገንሸል ፋሲካ” ተባሂሉ ይጽዋዕ (ዘጸ 12፡1-17)። እዚ በዓል እዚ ኣብታ ቀዳማይቲ ወርሒ ናይታ ዓመት ኣብ መበል 14 መዓልቲ እዩ ዝኽበር። ካብታ ምሸት እቲኣ ክሳዕ ሓደ ሰሙን (7 መዓልቲ) ዝኣክል ብኹዕ ነገር ክበልዑ ስለ ዘይተፈቕደሎም፡ እቲ ሰሙን በዓል ቅጫ ተባሂሉ ይስመ ነበረ። ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቕለሉ ሰሙን፡ ኣብዚ ናይ ፋሲካ ሰሙን (በዓል ቅጫ) እዩ ዝነበረ (ሉቃ 22፡14-16፣ ዮሃ 18፡38-40)። ኣብቲ ሰሙን እቲ ገንሸል ኣምላኽ ኰይኑ ደሙ ስለ ዘፍሰሰልና “ገንሸል ፋሲካና ክርስቶስ” ተባሂሉ (1ቈረ 5፡7፣ 1ጴጥ 1፡18-19)። ስለዚ ድማ ትንሳኤ ክርስቶስ “በጊዕ ፋሲካና” ተባሂሉ ዝጽዋዕ። ዝዀነ ይኹን ተባዕታይ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣብ ኢየሩሳሌም በዓላት ከብዕል ናይ ግድን እዩ ነይሩ። እተን በዓላት ከኣ በዓል ፋሲካ (በዓል ቅጫ)፡ በዓል ሓምሳ (በዓል ሰሙናት)፡ በዓል ዳስን እየን። ስለዚ ክርስቶስ ከም ተባዕታይ መጠን ናብቲ በዓል ክድይብ ናይ ግድን እዩ (ዘጸ 23፡14-17፣ ዘዳ 16፡16)።
“እተን መዓልታት ኣእኪሎም ኪምለሱ ከለዉ” ዝተባህለ፡ ነተን ድሕሪ እታ ፋሲካ ዘለዋ ሾብዓተ መዓልታት ናይ በዓል ቅጫ ማለት እዩ። ንእአን ከየእከልካ ምምላስ ኣይፍቀድን እዩ (ዘዳ 16፡5,7)። ክርስቶስ እቲ ወዲ 12 ዓመት ሕጻን (ቆልዓ)፡ ኣብ ኢየሩሳሌም ካብ ወለዱ ተሪፉ። እቶም ስድርኡ ናብ ቤቶም ክህወኹ ከለዉ፡ ክርስቶስ እቲ ቆልዓ ግን ናብ ቤት ኣቦኡ ንምእታው ተሃዊኹ። ንክርስቶስ ሓዲጎም ምኻድ ግን ትርፉ ድኻም ጥራይ እዩ። መገዲ ሓደ መዓልቲ ቀሊል መገዲ ኣይኰነን። ነዚ ብዛዕብኡ ብዙሕ ዝተባህለሉ ሕጻን እዚ፡ ካብ ኢድካ ክትፈልዮ ዜገርም እዩ። ዋላ ምስ ሰብ መገዲ እንተሃለወውን፡ ምስኦም ኣይኰነን ዘሎ። ንኽረኽብዎ ንሰለስተ መዓልታት ዝኣክል ክንደይ ከርተት ኢሎም። እዚ ዅሉ ኪኸውን ከሎ ግን፡ እቲ ቆልዓ ክርስቶስ ኣብ ጸወታ ዘይኰነስ ብቓል ኣምላኽ ምስ ሊቃውንቲ ኣብ ቤት ኣቦኡ ኰይኑ ይመያየጥ ነበረ። ኣብ ማእከል ቈልዑ ዘይኰነስ፡ ኣብ ማእከል መምህራን እዩ ነይሩ። ስለዚ ኵሎም ቈልዑ፡ ከም ክርስቶስ ኣብ እዋን ንእስነቶም ኣብ ቤት ኣምላኽ ክርከቡ ከም ዚግባእ ዓብይ ትምህርቲ ይህበና።
ክርስቶስ፡ ነቶም ሊቃውንቲ በቲ ዝሓተቶ ሕቶን በቲ ተሓቲቱ ዝህቦ መልስን ኣዝዩ ኣገረሞም። ክርስቶስ ካብታ ዝተወልደላ ጀሚሩ ንዝረኣይዎን ዝሰምዕዎን ኵሎም ብምግራም ይመልኦም ነበረ። ብኹሉ ነገሩ መስተንክር እዩ (ማቴ 13፡54፣ ማቴ 15፡31፣ ማቴ 22፡22-33፣ ማር 2፡12፣ ማር 4፡41፣ ማር 7፡37፣ ማር 10፡24፣ ሉቃ 8፡25)። ማርያምን ዮሴፍን ድማ ኣብዚ ቦታ እዚ ምስ ረኸብዎ ሰምቢዶም። ሰለስተ መዓልቲ ምሉእ ክደልይዎ ከለዉ፡ ናብዚ ቦታ እዚ ኣይመጹን። ምናልባት ከም ናይ መወዳእታ ኣማራጺ እዮም ናብዚ መጺኦም ዝዀኑ። ንእኡ ግን ቀዳማይ ምርጭኡ እዩ ነይሩ። ንክርስቶስ መጀመርያ፡ ኣብዚ ግቡእ ቦትኡ ደልዮምዎ እንተ ዝዀኑ፡ ምናልባት ሽዑ ንሽዑ ምረኸብዎ ኔሮም ይዀኑ።
“ስለምንታይ’ከ ከምዚ ገበርካና፧” ክትብሎ ከላ ከም ዝበደለ ጌራ ትግስጾ ኣላ። እቲ ጌጋ፡ ክርስቶስ ኣብ ቤት መቕደስ ምትራፉ ድዩ ወይስ ንሳቶም ክርስቶስ ከይሓዙ ብምኻዶም፧ “ኣነን ኣቦኻን እናጉሄና ንደልየካ ኔርና” ኢላ፡ ካብ ናይ ወላዲት መንፈስ ተበጊሳ ተዛረበቶ። ማርያም፡ ዮሴፍ ንክርስቶስ ኣቦኡ ከም ዘይኰነ ትፈልጥ እያ። ግን “ኣነን ኣቦኻን” ምባላ፡ ከም ኣቦ ኰይኑ የዕብዮ ስለ ዝነበረ ጥራይ እዩ። እዚ ኣበሃህላ እዚ፡ እቲ ቆልዓ መን ምዃኑን እቲ ብዛዕባኡ ዝተነግረ ነገርን ካብ ምዝንጋዕ ዝላዓል ኣበሃህላ እዩ። እቲ ብመልኣኽን ብነብያትን ብዛዕባኡ ዝተነግረ እንተዝዝክሩ፡ ጐይታ ጠፊኡ ከይተርፍ ኣይምፈርሁን ኔሮም።
መልሲ ክርስቶስ ከኣ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽናዮ ሓሳብ እዩ ዝድግፈና። “ንምንታይ እትደልዩኒ” ኢልዎም። እዚ ቃል እዚ፡ ነቲ ድኻሞምን ጓሂኦምን ግዲ ስለ ዘይገበረሉ ዝበሎ ቃል ኣይኰነን። ቃል ድፍረትውን ኣይኰነን። ነዚ ድኻሞምን ጓሂኦምን ምኽንያት ዝዀነ ዝረስዕዎ ዓብይ ነጥቢ ክሕብሮም ስለ ዝደለየ ጥራይ እዩ። “ኣብቲ ናይ ኣቦይ ዘበለ ኪኸውን ከም ዚግብኣኒ’ዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም” ኢሉ ነቲ ኣዲኡ፡ “ኣነን ኣቦኻን” ኢላ ዝተዛረበቶ ቃል መሊስዎ ማለት እዩ። ብዛዕባ እቲ ዝለኣኾ ሰማያዊ ኣቦኡ ሓቢርዎም። እቲ ቤት መቕደስ ቤቱን ቤት ኣቦኡን እዩ ዝነበረ። ስለዚ ከኣ እዩ ዳሕራይ፡ እቲ ቤት መቕደስ ዕዳጋ ኰይኑ ምስ ጸንሖ ብቕንኣት ዝተቖጥዐ (ዮሃ 2፡14-17)። ንሳቶም ግን ነቲ ዝበሎም ገና ኣየስተውዓልዎን። ክርስቶስ ዝበሎ እሞ ሰማዕቱ ከየስተውዓልዎ ዝሓለፉ ዘረባ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ (ማር 9፡32፣ ሉቃ 9፡45፣ ሉቃ 18፡34፣ ዮሃ 12፡16)። ምስትውዓል ካብ ክርስቶስ እዩ ዝርከብ (ሉቃ 24፡45)፡ ብዝዀነ ግን ብዝሰማዕናዮ ዘበለ ክንጥንቀቕ ከም ዚግብኣና ዘይከሓድ እዩ (ማር 4፡24)።
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ
ዕለት፥ ሰንበት 28 ጥሪ 2017 (20 ጥሪ 2010 ግእዝ) |
||
ናይቲ መዓልቲ ስብከት መዝ 118:27 እግዚአብሔርሰ እግዚእ አስተርአየ ለነ። ግበሩ በዐለ በትፍሥሕት በኅበ እለ ያስተሐምምዎ እስከ አቅርንቲሁ ለምሥዋዕ። እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ እዩ፣ ንሱውን ኣብረሀልና፣ ነቲ መስዋእቲ በዓል ዓመት ክሳዕ ኣቕርንቲ መሰውኢ ብገመድ እሰሩ። |
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስንባባት |
|
ንባብ |
ኣንባቢ |
|
2 ቈረ 1፡ 13-ፍጻሜ |
ዲያቆን |
|
ወንጌል፡ ሉቃ 2፡42-ፍጻሜ |
1 ዮሃ 2፡22-ፍጻሜ |
ንፍቀ ዲያቆን |
ቅዳሴ፡ ዘዲዮስቆሮስ (እምቅድመ ዓለም |
ግሃ 13።20-28 |
ንፍቀ ካህን |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ