ጐይታና ደጊሙ፡ ካብ ምግፋፍ ዓሳ ናብ ምግፋፍ ሰብ ምስ መለሶም፡ ንሃዋርያ ጴጥሮስ ብስሙ ረቝሑ ኣዝዩ በዳሂ ሕቶ ሓተቶ። ነቲ ሕቶ ብውክልና ናይ ኵላቶም፡ ንሃዋርያ ጴጥሮስ ፈልዩ እንተ ኣቕረበሉ እኳ፡ ንዅላቶም ኣብኡ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርትን፡ ብድሕሪኦም ንዝመጹ ዅላቶም ወለዶታትን ዚምልከት እዩ ዝነበረ። በእምሮና፡ “እዚ ሕቶ’ዚ ንጴጥሮስ ጥራይ ዝተሓትተ ሕቶ እዩ” ኢልና ዘይንሓስብ እኳ እንተ ዀንና፡ ብግብሪ ግና መዓልታውን ምሉእ ዕድሜናን ኸም ዘይምልከተና ጌርና ኸም እንርእዮ ኣሉ ኺበሃል ዘይከኣል ሓቂ እዩ።
እዚ ናይዚ ዕለት ንባብ ወንጌል፡ ኣብ ምድሪ ገሊላ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ጥብርያዶስ ዝተፈጸመ ኣስተርእዮ (ግልጸት) ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። እቲ ኽሳዕ እዚ እዋን’ዚ ብእኩባቶም ክልተ ሳዕ ዝተራእዮም፡ ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም’ዩ ዝነበረ። በቲ፡ “ናብ ገሊላ ኽቕድመኩም እየ” ዝበሎም መሰረት ናብ ዓዶም ተመሊሶም ነበሩ።
ጐይታና፡ ኵሎም ደቀ መዛሙርቱ ብፍርሃት ተዋሒጦም፡ ነቲ ዝነበሩሉ ገዛ ኣጽንዖም ሸጒሮም ይነብሩ ኸም ዘለው ምስ ረኣየ፡ ካብዚ ሳቓዪ ፍርሃትን ዘይምእማንን ምእንቲ ኼናግፎም ኪረኣዮም ወሰነ። ከምቲ ዝነበሮም ፍርሃትን ምጥርጣርን፡ ኣብ ኣፍደገ ማዕጾ ደዉ ኢሉ ብምዅሕኳሕ ኪኸፍትዎ እንተ ዚሓትቶም ኪኸፍትዎ ምተጸገሙ ነይሮም።
ኣብ ስዊዘርላንድ እትነብሩ ውሉደ-ክህነትን ምእመናን፣ ኣብ ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን ኬንያ ዘለኹም መንእሰያትን ወለድን፣ ኣብ እስራኤል እትርከቡ ካህናትን ዲያቆናትን፣ ብሓፈሽኡ ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ፋሕ ኢልኩም ዘለኹም ምእመናንን ውሉደ-ክህነትን "ነቲ ነፍስን ስጋን ዚቐትል ኣምላኽ እምበር" ንኻልእ ኪትፈርሁ ኣይግባእን። ንኣምላኽ ኣሚኑ ዝመጎተ ኣይተሳዕረን: ስለ እምነቱ ጸኒዑ ዝተቓለሰ ድማ ዓስቡ ኣይሰኣነን እሞ: ንዓስቢ ዓወትኩም ሓደ እኳ ከየሕድገኩምሲ ጸኒዑኩም ተቓወሙ። እዚ ኹሉ ዚወርደኩም ዘሎ መከራ ስለ እምነትኩም እምበር ዝፈጸምኩሞ በደል ከም ዘየለ ንስኻትኩም ትፈልጥዎ። በዚ ድማ ደስ ክብለኩም ይግባእ ምኽንያቱ እቲ ሓቂ ምስ ተቐልዐ፡ እቲ ጎይታ ጎይቶት መድኃኔ ዓለም ምስ ተገልጸ ዓስቢ ዓወትኩም ከም እትረኽቡ እግዚኣብሔር እሙን እዩ። Read more...
እዚ ናይዚ ዕለት ወንጌል ንባብ፡ ብዛዕባ ናብ ኤማሁስ ገጾም ዚኸዱ ዝነበሩ ኽልተ ደቀ መዛሙርትን ጐይታን መድሃኒን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገበርዎ ዝርርብ ዚገልጽ እዩ። ካብዞም ክልተ እቲ ሓደ ቀለዮጳ እዩ ዚበሃል። ናብ ኣማሁስ ገጾም ዚኸዱ ዘለዉ ድማ ምስክርነት ናይተን መላእኽቲ ዝተራእይወን ቅዱሳን ኣንስትን፡ ናይቶም ናብ መቓብር ከይዶም ስጋ ክርስቶስ ዝሳኣኑ ክልተ ሃዋርያትን ድሕሪ ምስምዖም እዩ። ነቲ ክርስቶስ ዝነገሮም ቃል ምዝካር፡ ነቲ ናይ ትንሳኤኡ ምስክር ድማ ምእማን ሓዲጎም ኪዘራረቡን ኪመራመሩን ዝመረጹ ሰባት ነበሩ።
ድምፀይ ኣልዒለ ናብ እግዚኣብሔር ኣእዊ ኣሎኹ፥ ናብ እግዚኣብሔር እምህለል ኣሎኹ። ጓህየይ ኣብ ቅድሚኡ እኽዑ፥ ሽጋረይ ኣብ ቅድሚኡ እነግር ኣሎኹ። ተስፋ ክቖርጽ ምስ ቀረብኹ፥ ንሱ እንታይ ክገብር ከም ዚግብኣኒ ይፈልጥ እዩ። በታ ዝሓልፈላ መገዲ ጸላእተይ መፈንጠራ ሓብኡለይ። የማነ ጸጋም ጠሚተ ዚረድኣኒ ሰብ ሰኣንኩ፥ ዘዕቍበኒ ሰብ ሰኣንኩ፥ ብኣይ ዚግደስ ሰብ የልቦን።
እዚ “ዳግማይ ትንሳኤ” ኢልና ነብዕሎ ዘሎና መዓልቲ እቶም ደቂ መዛሙርቱ ብሓደ ኣብ ሓንቲ ገዛ ተኣኪቦም ከለዉ ንመጀመርታ ጊዜ ዝተጋህደሉ መዓልቲ ንምዝካር ዝዓለመ በዓል እዩ። ቅድሚ ንኣታቶም ምርኣዩ፡ ንሒደት ቅዱሳት ኣንስትን ንሰብ ኤማሁስን ተራእይዎም እዩ። እተን ኣንስቲ መጺአን ከም ዝረኣያኦ ምስ ነገራኦም፡ እቲ ዘረባ’ቲ ኣብ ቅድሚኦም ከም ዕሽነት መሲሉ ተራእይዎምሲ ፈጺሞም ኣይኣመንወንን ነበሩ። ጐይታ ድማ ነዚ ዘይምእማኖም እዚ ምእንቲ ኺፍውስ፡ ንዅሎም ኪረኣዮም መረጸ። ምኽንያቱ ናይ ትንሳኤኡ ምስክር ኰይኖም ንምልእቲ ዓለም ዚሰብክዋ ንሳቶም እዮም።
ኣቱም ፍርዲ እትፍንፍኑ፡ ቅኑዕ ዘበለ እትጠውዩ፡ ንጽዮን ብደም ንየሩሳሌም ከአ ብኣበሳ እትሀንጹ ኣሕሉቕ ቤት ያእቆብን መሳፍንቲ ቤት እስራኤልን፡ እዚ ኾታ ስምዑ፡ ሓላቑኣ ብመማለጃ ይፈርዱ፡ ካህናታ ብዋጋ ይምህሩ፡ ነብያታ ብገንዘብ ይንበዩ፡ ምስናይ እዚ ኸአ፡ እግዚኣብሄርዶ ኣብ ማእከልና ኣይኮነን፡ መዓት ኣይወርደናን እዩ፡ ኢሎም ኣብ እግዚኣብሄር ይጽግዑ። ስለዚ ብሰርኹም ጽዮን ከም ግራት ክትሕረስ፡ የሩሳሌም ከአ ኩምራ ኣእማን ክትከውን፡ ደብሪ እታ ቤትውን ኩርባ ዱር ኪኸውን እዩ (ሚክያስ 3. 9-12)።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ