ማርያም መግደላዊት ካብቶም ደቀ መዛሙርቲ ሓንቲ ዀይና፡ ካብተን ንጐይታና ናብ ዝኸዶ ዅሉ ዝሰዓባኦ ቅዱሳት ኣንስቲ ነበረት። ጐይታ ነቶም ኣብኣ ዝሓደሩ ሾብዓተ ኣጋንንቲ ኣውጺኡ ምሕረት ዝሃባ ፈዋሲኣ ስለ ዝነበረ ኣዝያ ተፈቅሮ ነበረት (ሉቃ 8፡2-3)። እንተ ዀነ፡ ነቲ እተፍቅሮ ጐይታ፡ እቲ ሕሱም ሞት ካብኣ ፈልዩ ስለ ዝወሰዶ ናብ ዓሚቚ ሓዘን ኣተወት። እቲ ቕድሚ ሞቱ ኺግበረሉ ዚግባእ ኵሉ ተማሊኡ ዘይተገብረሉ ዀይኑ ስለ ዝተሰምዓ፡ ገና ጸልማት ከሎ ኣንጊሃ ናብቲ መቓብር መጸት።
እቲ መቓብር ዚኽደነሉ እምኒ ተፈንቒሉ፡ ስጋ ጐይታኣ ድማ ኣብኡ ዘየሎ ዀይኑ ጸንሓ። ብስምባደ ናብ ሃዋርያ ጴጥሮስን ሃዋርያ ዮሃንስ ከይዳ እቲ ዝዀነ ኪትነግሮም ተመልሰት። ንሳቶም ነቲ ዝበለቶም ኣረጋጊጾም ናብ ቤቶም ተመልሱ። ንሳ ግና ካብቲ መቓብር ከይከደት፡ ሞቱ ኸይኣክል ስጋኡ ተሰሪቕዋ ሓዘና ተደራሪቡ ተልቅስ ነበረት። ንምምላስ ዘይምህዋኻ፡ ኣብቲ ንሱ ዝነበሮ ኣብቲ ቕድሚ ሳልስቲ ዝሓደገቶ ኽትጸንሕ ምምራጻ ግና ኣዝዩ ጠቐማ። ክልተ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ዝተኸድኑ መላእኽቲ ተገሊጾም ተራእይዋ እሞ፡ “ኣቲ ሰበይቲ፡ እንታይ የብክየኪ ኣሎ፧” ኢሎም ሓተትዋ። ሕቶኦም ንርእሱ መልሲ እዩ ዝነበረ። እንተ ዀነ ንሳ ኣየስተውዓለቶን። ጊዜ ብኽያት ከም ዘብቅዐ ኼዘኻኽርዋ እዮም ዝሓተትዋ እምበር፡ እቲ ዘብክያ ዘሎስ ጠፊእዎም ኣይነበረን። ስለዚ እታ ነቶም ክልተ ምርኡያት ሃዋርያት ዝነበረቶም ቃል ደገመትሎም። “ንጐይታ ወሲዶምዎ፡ ኣበይ ከም ዘንበርዎ ኸኣ ኣይፈልጥን” በለቶም። ነቲ ጐይታ “ኣነ ንነፍሰይ በጃ ኸሕልፋ፡ መሊስውን ክወስዳ እየ እሞ፡ ስለዚ ኣቦ የፍቅረኒ እዩ። ባዕለይ እየ በጃ ዘሕልፋ እምበር፡ ካባይ ዚወስዳስ የልቦን። በጃ ኸሕልፋ ስልጣን ኣሎኒ፡ መሊሰ ኽወስዳውን ስልጣን ኣሎኒ።” ዝበሎ ቓል ፈጺማ ኣይዘከረቶን (ዮሃ 10፡17-18)። ነቲ ንዅሎም ደቀ መዛሙርቱ ንበይኖም ፈልዩ፡ “እንሆ፡ ናብ ኢየሩሳሌም ንድይብ ኣሎና፡ ንወዲ ሰብ ከኣ ንሊቃውንቲ ኻህናትን ንጻሓፍትን ኣሕሊፎም ኪህብዎ፡ ሞትውን ኪፈርዱሉ እዮም። ኬላግጹሉን፡ ኪገርፍዎን ኪሰቕልዎን፡ ነህዛብ ኣሕሊፎም ክህብዎን እዮም፡ ብሳልሳይቲ መዓልቲ ግና ኪትንስእ እዩ።” ኢሉ ስለስተ ሳዕ ዝነበሮም ቃላት፡ ከም ሰባ ሰሚዓቶምም ኽነሳ ፈጺሙ ትዝ ኣይበላን (ማቴ 20፡17-20 ማቴ 17፡22-23 ማቴ 16፡ 21)። ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ይባልህካ እባ ደኣ ጐይታይ፡ እዝስ ኣይብጻሕካ” ኢሉ ንጐይታ ኺገንሖ ብምፍታኑ፡ ጐይታኣ ተቘጢዑ “ካባይ ርሓቕ፡ ሰይጣን፡ ናይ ሰብ እምበር ናይ ኣምላኽ ኣይትሓስብን ኢኻ እሞ፡ ንኣይ መዓንቀፊ ኢኻ” ኢሉ ዝተጋንሓሉ መዓልቲውን ርሑቕ ኣይገበረን (ማቴ 16፡22-23)። እዚ ዅሉ ጸገም ዘጋጠመ ድማ፡ ነቲ መከራን ሞትን ከም ዝቕበል ዝተዛረቦ እምበር፡ ነቲ ብሳልሳይ መዓልቲ ኸም ዚትንስእ ዝተዛረቦ ቓል ፈጺምም ስለ ዘየቕለቡሉ እዩ። ኣቕሊቦምሉ እንተ ዚዀኑ፡ በቲ ብትንሳኤ ዚዛዘም ሞት ምተሓበኑን፡ ንምርኣዩ ምተሃንጠዩን እምበር ከቶ ኣይምጐሃዩን ነይሮም። ዓዲ ደሓን ከሎን፡ ሽዑ ብውዑዩ ኸሎ ዘየቕለቡሉ ቓል፡ መዓልቲ ምስ በልዐን፡ ሞትን ፍርሃትን ንልቦም ምስ ከብዶን ኪዝክርዎ ፈጺምካ ዘይሕስብ እዩ። ምስጢራዊ ብዝዀነ ኣገላልጻ ድማ፡ ትእምርቲ ዮናስ ኣብ ልዕሊኡ ኸም ዚፍጸም “ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓብዪ ዓሳ ሰለስተ መዓልትን ስለስተ ለይትን ከም ዝገበረ፡ ከምኡ ወዲ ሰብ ኣብ ውሽጢ ምድሪ ስለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ኪገብር’ዩ” ብምባል ብድሕሪኡ ግና ኸም ዚትንስእ ነጊርዎም እዩ (ማቴ 12፡38-41)። ብድሕሪኡ ንቤት መቕደስ ቤት ዕዳጋ ኻብ ምዃን ኣጽረያ፡ “እዚ ትገብር ካብ ኰንካስ፡ እንታይ ትእምርቱኸ ከተርእየና ኢኻ፧” ኢሎም ንዝሓተትዎ ተቓወምቱ፡ ” ነዛ ቤት መቕደስ ኣፍርስዋ፡ ኣነ ኸኣ ብሰለስተ መዓልቲ ኸልዕላ እየ” ኢሉ ብዛዕባ መቕደስ ስጋኡ ኺዛረብ ከሎውን ሰሚዖምዎ እዮም (ዮሃ 2፡19)። ማርያም’ውን ከም ኵሎም ደቀ መዛመርቱ ሰሚዓቶ ኽነሳ፡ ንጐይታኣ ሰብ ከም ዝወሰደላ እምበር ንሞት ስዒሩ ምትንሳኡ ኽትዝክሮን ክትኣምንን ኣይከኣለትን።
ነቲ ባዶ መቓብሩ ዝባና ሂባቶ ኽትከይድ ዘይምድላያ፡ ይትረፍ ብህይወቱ ኸሎ ኣብ ጊዜ ሞቱውን ንእኡ ኻብ ምድላይ ከም ዘየቋረጸት ዝረኣየ ጐይታ ግና፡ ኣብቲ ጊዜ ሓጐስ ክትሓዝን ስለ ዘይደለየ፡ ሕቶ ናይቶም መላእኽቲ ደጊሙ፡ “ኣቲ ሰበይቲ እንታይ የብክየኪ ኣሎ፧ ንመንከ ትደልዩ ኣሎኺ፧” በላ። ንሳ ብትርኢቱ ኣየለለየቶን፡ በታ ወርትግ ዚጽውዓ ስማ “ማርያም” ምስ በላ ግና፡ እቲ ሓላው ኣታኽልቲ መሲሉ ዝተራእየ ሰብ፡ ጐይታኣ ምዃኑ ፈሊጣ፡ “ረቡኒ፡ መምህረይ” ኢላ መለሰትሉ። ጐይታ ድማ ቀዳመይቲ ኣበሳሪት ትንሳኤኡ ናይ ምዃን ክብሪ ሃባ። ነቶም ምስክር ትንሳኤኡ ኪዀኑ ዝተሓርዩ ሃዋርያት፡ ምስክር ኰይና ዘበሰረቶም ንሳ ዀነት።
ተስፋ ትንሳኤ ዘጥፍኣ ኣእምሮ ዅሉ ጊዜ ብሓዘን እዩ ዚምላእ። ዋላ ኣብቲ ኪሕጐስሉ ዚግባእ ጊዜ እዩ ዚሓዝን። ተስፋ ትንሳኤ ዘይብሉ ሰብ ብሓይሊ ሞት እናረዓደ እዩ ዚነብር። እቲ ነዚ ዝፈለጦ ሃዋርያ፡ ንሰብ ተሰሎንቄ “ግናኸ ኣሕዋተየ፡ ከምቶም ተስፋ ዜብሎም ካልኦት ምእንቲ ኸይትሓዝኑ፡ ብዛዕባ እቶም ደቂሶም (ሞይቶም) ዘለዉ በዘይ ፍልጠት ክትኰኑ ኣይፈቱን እየ።” ምስ በሎም፡ ኣብ መወዳእታ፡ “ደጊም በዘን ቃላት እዚኣተን ንሓድሕድኩም ተጸናንዑ” ኢሉ መዓዶም (1ተስ 4፡13,18)። ተስፋ ትንሳኤ ዚህልወና ድማ ብትንሳኤ ክርስቶስ እዩ። በቲ ጐይታና ዝተንስኦ ተንሳኤ ኢና ንሕና’ውን ትንሳኤ እንረክብ። ስለዚ ድማ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ንሰብ ቈረንቶስ፡ “ንምውታት ዘየተንስኦም እንተ ዀይኑ፡ ክርስቶስ’ውን ኣይተንስኣን። ክርስቶስ ዘይተንስኣ እንተ ዀይኑ ድማ፡ እምነትኩም ከንቱ እያ ንስኻትኩምውን ገና ኣብ (ምስ) ሓጢኣትኩም ኢኹም ዘሎኹም። እቶም ኣብ እምነት ክርስቶስ ከለዉ ዝሞቱ ኸኣ ጥፉኣት እዮም። ኣብ ክርስቶስ ዘላትና ተስፋ ኣብዛ ህይወት እዚኣ ጥራይ እንተደኣ ዀይና፡ ካብ ኵሉ ሰብ እነደንግጽ ምዀንና ሄርና።” ብምባል ትርጉም ትንሳኤ ገለጸሎም (1ቈረ 15፡16-20)።
ተስፋ ትንሳኤ ዘይብሉ ሰብ፡ ኣብ ኵሉ ዕድሚኡ ብፍርሃት ሞት ተዋሒጡ ኸም ዚነብር’ውን በቲ፡ “እቶም ውሉድ ስጋን ደምን ዝለበሱ ሰባት ስለ ዝዀኑ፡ ኢየሱስውን ከምኣቶም ሰብ ኰነ። እዚ ኸኣ፡ ብሞቱ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሞት ስልጣን ዘለዎ ዲያብሎስ ምእንቲ ኺስዕር፡ ነቶም ብናይ ሞት ፍርሃት ምሉእ ዕድሚኦም ባሮቱ ዀይኖም ዝነበሩ ኸኣ ሓራ ምእንቲ ኼውጽእ ኢሉ እዩ።” ዚብል ሃዋርያዊ ቓል ተረጋጊጹልና ኣሎ፡ (እብ 2፡14)። እምበር ካብዚ ቓል እዚ ኸም እንርድኦ፡ እቲ ተስፋ ትንሳኤ ዘይብሉ ሰብ እዩ ባርያ ሓጢኣትን ሞትን ኰይኑ ዚነብር። እቲ ተስፋ ትንሳኤ ኣብ ልቡ ዘለዎን፡ ንእኡ እናሓስቦ ዚነብርን ስብ ግና፡ ሓጢኣት ኪገብር ኣይኰነሉን እዩ። ምኽንያቱ፡ ሓጢኣት ውሉድ ትንሳኤ ኻብ ምዃን ከም ዜትርፎ ይፈልጥ እዩ። ዕዳ ሓጢኣትካ ምእንቲ ኪኻፍልን ቅዱስ ህይወት ክትነብር ምእንቲ ኬኽእለካን ኢሉ ነቲ ኽቡር ደሙ ብመሪር ስቓይን ውርደትን ድሕሪ ምፍሳሱ ኣብ ሓጢኣት ትቈማጣዕ እንተ ኼንካ ነቲ ናይ ክርስቶስ ናይ ሞቱን ትንሳኤን ዕላማ ተቓልሎን ትጻሮርን ኣሎካ ማለት እዩ። ትንሳኤ ክርስትስ ሓጐስናን በዓልናን ዚኸውን፡ ንሕና ካብቲ ትንሳኤኡ፡ ተኻፈልቲ ምስ እንኸውን እዩ። ኣብ ትንሳኤ ዘጉባኤ ተንሲእና ተኻፈልቲ ክብርን ህይወትን ናይ ክርስቶስ ዘይንኸውን እንተ ኼንና፡ ትንሳኤ ክርስቶስ ብድምቀት ምብዓልና ዋላ ሓንቲ ዋጋ የብሉን። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ምስጢረ ጥምቀት ምስ ናይ ክርስቶስ ሞትን ትንሳኤን እንሓብረሉ ምስጢር ምዃኑ፡ “እምበኣርከ እንታይ ክንብል ኢና፧ ጸጋ ምእንቲ ኺዓዝዝሲ፡ ኣብ ሓጢኣትዶ ንጽናዕ፧ ያኣ ኣይፋልናን። ንሕና (ብጥምቀት) ካብ ሓጢኣት ዝሞትና፡ ከመይ ኢልና ሕጂ ኣብኡ ኽነብር፧ ወይስ ብክርስቶስ ኢየሱስ እተጠመቕና ዘበልና ዅልና ብሞቱ ኸም እተጠመቕናዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እምበኣርሲ ከምቲ ክርስቶስ ብኽብሪ ኣብኡ ኻብ ምውታት ዝተንስአ፡ ከምኡ ኸኣ ብሓዳስ ህይወት (ብዘይ ሓጢኣት) ምእንቲ፡ ኽንመላለስ፡ ናብ ሞት ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርና፡ ሞትና ንሞቱ መሲሉ ሕቡራቱ እንተ ኼንናስ፡ ከምኡ ኸኣ ብትንሳኤኡ ኽንሓብሮ ኢና። እቲ (ብጥምቀት) ዝሞተ፡ ኻብ ሓጢኣት ሓራ ወጺኡ እዩ እሞ፡ እዚ ደጊም ንሓጢኣት ከይግዛእ፡ እቲ ናይ ሓጢኣት ስጋ ምእንቲ ኸይጠፍእ፡ እቲ ኣረጊት ሰብና ምስኡ ኸም እተሰቕለ ፈሊጥና ኣሎና። እቲ ኻብ ምውታት ዝተንስኣ ክርስቶስ መሊሱ ኸም ዘይመውት፡ ሞት’ውን ኣብኡ ኸም ዘይመልኽ ፈሊጥና፡ ንሕና (ካብ ሓጢኣት ) ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትናስ፡ ምስኡ ድማ ብህይወት (ብጽድቂ) ከም እንነብር ንኣምን። ማለት፡ ሞቱ ሓንሳእ ንዅሉ ጊዜ ኻብ ሓጢኣት እዩ ዝሞተ፡ ህይወቱ ግና ንኣምላኽ እዩ ዚነብር። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ካብ ሓጢኣት ከም ዝሞትኩም፡ ብክርስቶስ ግና ንኣምላኽ ህያዋን ከም ዝዀንኩም፡ ርእስኹም ቍጸሩ።” ብምባል ገሊጹልና ኣሎ (ሮሜ 6፡ 1-11)። እምበኣር እቲ ኻብ ሓጢኣት ሞይቱ ብጽድቂ ዚነብር ኵሉ፡ ንሱ ውሉድ ትንሳኤ እዩ። ትንሳኤ ክርስቶስ ንእኡ ዓወቱን ክብረቱን እዩ። እዚ ሰብ እዚ ንበዓለ ትንሳኤ ብድምቀት እንተ ኣኽበረ፡ ዚግብኦ እዩ ዝገበረ፡ ብጽሒቱ እዩ ዘልዓለ። እቲ ብኣንጻሩ ንጽድቂ ምውት ንሓጢኣት ግና ህያው ኰይኑ ዚነብር “ክርስትያን” ግና ትንሳኤ ክርስቶስ ልክዕ ከም ሰይጣን ኬፍርሆን ከሰምብዶን እምበር በዓል ኪዀነሉን ኬሕጕሶን ኣይግባእን። ምኽንያቱ እቲ ንሓጢኣት ኬርሕቕ ዝሞተን ዝተንስኣን ክርስቶስ፡ ኣብ መዓልቲ ትንሳኤ ዘጕባኤ (ትንሳኤ ሙታን)፡ “ኣታ ገባር ዓመጻ፡ ካበይ ምዃንካ ኣይፈልጠካን እየ’ሞ፡ ኪድ ካባይ ርሓቕ ኪብሎ እዩ። እምበኣር ዝኸበርካ/ኪ ክርስትያን፡ ካብ ሓጢኣት ከም ዝሞትካ/ኪ፡ ንጽድቂ ድማ ከም ዝተንሳእካ/ኪ ርግጸኛ ብምዃን፡ ገዛእ ርእስካ/ኪ ተኻፋሊ(ት) ትንሳኤን ክብርን ናይ ክርስቶስ ግበራ/ሪ እሞ፡ ንትንሳኤ ጐይታ ብኽብሪ ኣብዕሎ!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ
ዕዕለት፥ ሰንበት ሚያዝያ 8, 2018 (መጋቢት 30, 2010 ግእዝ) |
||
ናይቲ መዓልቲ ስብከት (መዝ 78(77)፡ 65-66) ወተንሥአ እግዚኣብሄር ከመ ዘንቃህ እምንዋም ወከመ ኃያል ወኅዳገ ወይን ወቀተለ ጸሮ ብድኅሬሁ። ሽዑ እግዚኣብሄር ከም ደቂሱ ዝነበረ፡ ከምቲ ብወይኒ ሰኺሩ ዚጭድር ጅግና ዀይኑ ተንስኤ። ንጸላእቱ ድማ ኣብ ድሕሪኦም ወቕዖም፡ ዘለኣለማዊ ነውሪ ሀቦም። |
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት |
|
ንባብ |
ኣንባቢ |
|
1ቈረ 15፡ 20-45 |
ዲያቆን |
|
ወንጌል፡ ዮሃ 20፡ 1-19 |
1ጴጥ 1፡ 1-13 |
ንፍቀ ዲያቆን |
ቅዳሴ፡ ዲዮስቆሮስ |
ግብ 2፡ 22-37 |
ንፍቀ ካህን |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ