S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብሉጽ ፍቕሪ!!

ጐይታና ደጊሙ፡ ካብ ምግፋፍ ዓሳ ናብ ምግፋፍ ሰብ ምስ መለሶም፡ ንሃዋርያ ጴጥሮስ ብስሙ ረቝሑ ኣዝዩ በዳሂ ሕቶ ሓተቶ። ነቲ ሕቶ ብውክልና ናይ ኵላቶም፡ ንሃዋርያ ጴጥሮስ ፈልዩ እንተ ኣቕረበሉ እኳ፡ ንዅላቶም ኣብኡ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርትን፡ ብድሕሪኦም ንዝመጹ ዅላቶም ወለዶታትን ዚምልከት እዩ ዝነበረ። በእምሮና፡እዚ ሕቶ ንጴጥሮስ ጥራይ ዝተሓትተ ሕቶ እዩኢልና ዘይንሓስብ እኳ እንተ ዀንና፡ ብግብሪ ግና መዓልታውን ምሉእ ዕድሜናን ኸም ዘይምልከተና ጌርና ኸም እንርእዮ ኣሉ ኺበሃል ዘይከኣል ሓቂ እዩ።

እስኪካብቶም ኣብ ከባቢና ዘለው ሰባት ኣብሊጽና ነፍቅሮ ምዃንናን ዘይምዃንናን ገዛእ ርእስና  ዝሓተትናሉን ዝመርመርናሉን መዓልቲ እንተልያ ንዘክር። እዚ ሕቶ ንሓትት ሰባት፡ ካብ ቍጽሪ ኣጻብዕ ናይ ሓደ ሰብ ከም ዘይንበዝሕ ኣምላኽ ህያው ምስክር እዩ። ካብ ቍጽሪ ናይቶም ጽውዓት፡ ቍጽሪ ናይቶም ሕሩያት ኣዝዩ ኺውሕድ ዝገበረ እኮ፡ እዚ ክርስቶስ ንገዛእ ርእስና ኽንሓትተሉ ዝሃበና ወርቃዊ ሕቶ ስለ ዝደርበናዮ እዩ። እዚ ሕቶ እዚ መዓልታዊ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ህሞትን ክስተትን ኪሕተት ዚግብኦ እዩ። ምኽንያቱ ንክርስቶስ ዘሎና ብሉጽ ፍቕሪ፡ በቲ ኣብ ውሽጥና ዚስምዓና ውዕውዕ ፍቕራዊ ስምዒት ዘይኰነስ፡ በቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ እንገብሮ ግብርታትን እንፍጽሞ ኣገልግሎትን ዚግለጽ። ሓጢኣት ክትገብር ዚዕድም ኵነት ኬጋጥመካ ኸሎ፡ ካብቲ ንክርስቶስ ዘለካ ብሉጽ ፍቕሪ ዝተላዕለ፡ ነቲ ናይ ሓጢኣት ዕድመ ተሓሲምካ፡ ነቲ ንክርስቶስ ዜኽብር ሰናይ ግብሪ ምስ እትመርጽ፡ ሽዑ ብሉጽነት ናይ ፍቕርኻ ዚረኣይ። ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ኣብ እትፍጽመሉ እዋን ድማ፡ ከምቲ ክርስቶስ ገይሩ ዘገልገሎ እንተ ኣገልገልካ፡ ናይ ብሓቂ ልብኻ ብፍቕሪ ክርስቶስ መሊኡ ኸም ዘሎ ፍጹም ዘየጠራጥር እዩ። እተን ክትጓስየን ዝተዋህበኻ ኣባጊዕን ዕያውትን ከምቲ ዚግባእ ጌርካ ሰኣን ምምጋብካ ኣብ ዓጸቦን ሕማምን ይወድቃ እንተልየን፡ ከምቲ ዚግባእ ጌርካ ሰኣን ምሕላውካውን ብዝመጸ ኣራዊት ይብልዓን ይቘስላን እንተልየን፡ ፍቕሪ ርእስኻ እምበር ፍቕሪ ክርስቶስ ከም ዘይብልካ ንጹር እዩ። ጐይታና በዚ ምስ ሃዋርያኡ ዝገበሮ ምልልስ ኬሕልፈልና ዚደልይ ዘሎ መልእኽቲ ንሱ እዩ። ብሉጽ ፍቕሪ ዚበሃል፡ እቲ ብግብሪ ዚግለጽ ፍቕሪ ጥራይ እዩ።

ጓሳ ቤተ ክርስቲያን ዝዀነ ኣገልጋሊ ነቶም ኣባጊዕ ክርስቶስ ዝዀኑ ምእመናን፡ ከከም ደረጃ ዕድሚኦም፡ ትምህርቶም፡ መንፈሳዊ ጥዕናኦም፡ ህልዊ ኵነታቶም ኪምግቦምን ኪሕልዎምን እንተ ኪኢሉ ጥራይ ብተራ ዘይኰነስ ብብሉጽ ፍቕሪ ንክርስቶስ ከም ዜፍቅሮ ዚረጋገጽ። እቲ ሕያዋይ ጓሳን ሓለቓ ዅሎም ጓሶትን ዝዀነ ጐይታ፡ እቶም ኣሰሩ ዝሰዓቡ ቅዱሳን ሃዋርያትን፡ ዘይሃስስ ኣርኣያ ጕስነት ሓዲጎምልና እዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ንመራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ኤፌሶን ኣብ ቅድሚኦም ደው ኢሉ፡ካብታ ናብ እስያ ዝኣተዅላ ቀዳመይቲ መዓልቲ ጀሚሩ ዅሉ ጊዜ ምሳኻትኩም ከመይ ከም ዝነበርኩ፡ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። ብዅሉ ትሕትናን ብብዙሕ ንብዓትን ብውዲት ኣይሁድ ብዝበጽሓኒ ፈተናን ንጐይታ ኸመይ ገይረ ኸም ዘገልገልክዎ፡ ንኣይሁድን ንጽርኣውያንን ብንስሓ ናብ ኣምላኽ ኪምለሱ ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኪኣምኑ እናመስከርኩ ዚጠቅም ዘበለ እናሰበኽኩልኩም ኣብ ዋዕላ ዀነ ኣብ ቤት ኰነ ምምሃርኩም ከቶ ኣየብኰርኩን። ጕያይን ብጐይታና ኢየሱስ እተቐበልክዎ መልእኽተይን ክፍጽም ወንጌል ጸጋ ኣምላኽ እናመስከርኩ ህይወተይውን ብኣይሲ ኸም ክብርቲ ገይረ ኣይርእያን እየ፡ ኵሉ ምኽሪ ኣምላኽ ነገርኩኹም እምበር ዘትረፍኩልኩም የብለይን እሞ፡ ካብ ደም ኵልኻትኩም ንጹህ ምዃነይ ሎም መዓልቲ እምስክረልኩም ኣለኹ። ስለዚ ንርእስኹምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ማሕበር ጐይታን ክትጓስዩ፡ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስ ቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኵሉ መጓሰ ሓልው። . . . ስለዚ ሰለስተ ዓመት ምሉእ ለይትን መዓልትን ብንብዓት ንነፍሲ ወከፍኩም ምምዓድ ከም ዘየብኰርኩ፡ እናዘከርኩም ንቕሑ።ብምባል ብትብዓት ዝተዛረቦ ቓል፡ ብሉጽ ፍቕሪ ክርስቶስን ምእመናንን ዘለዎ ሰብ ጥራይ እዩ ብግብሪ ኺትርጕሞ ዚኽእል። (ግብ 2017- 21,24,26,27,31) ካብ ከምዚ ዝበለ ብብሉጽ ፍቕሪ ዝተደረኸ ኣገልግሎት ዝበዀረ ሰብ፡ ነቲ ንቤተ ክርስቲያን ዝዓደገ ኽቡር ደም ክርስቶስ እዩ ዜሕስር። ንደሙ እናሕሰርካሉ ድማንእኡ ፍቕሪ ኣሎኒኽትብል ብድዐ እዩ። ስለዚ እቲ ንመጓሴኡ ኸም ዚግባእ ዘይምግብ ጓሳ፡ ብዕዳ ደም ክርስቶስን ብዕዳ ደም ናይቲ መጓሴኡን እዩ ዚሕተት።

ጕስነት ግና ነቲ ማዕርግ ኣገልግሎት ዝተዋህቦ ዲያቆንን ካህንን ጳጳስን ጥራይ ኣይኰነን ዚምልከት። ቃል እግዚኣብሄር እቶም ምእመናን ንሓድሕዶም ብምምዕዓድ ኪጐሳሰዩ ኸም ዚግባእ ኣዚዙ እዩ (እብ 31  1024,25) ምኽንያቱ ጕስነት ሰብ ከም ጕስነት ኣባጊዕ ኣይኰነን። ኵሎም ሰባት ነናብ ቤቶምን ስራሖምን ፋሕ ስለ ዚብሉ እቲ ጓሳ ምስ ኵላቶም ኪርከብ ኣይክእልን እዩ። ስለዚ እቶም ምእመናን ንሓድሕድና ብምምዕዓድ ክንጓስይ ሓላፍነት ኣለና። ብዘይካኡ ድማ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንኣባላት ስድራ ቤቱ፡ ማለት ንመዋሰብቱ፡ ንደቁ ንኣሕዋቱ፡ ንወለዱ፡ ብመውስቦ ንዚዛመድዎ ዅሎም ንጐረባብቱ፡ ንመሳርሕቱ፡ ንመማህርቱ ወዘተ ናይ ምጕሳይ ሓላፍነት ኣለዎ። ነዚ ድማ ብቐዳምነት ንክርስቶስ ጐይታኡ ኻብ ዘለዎ ብሉጽ ፍቕሪ ዝተላዕለ፡ ብኻልኣይ ድማ ነቶም ስድራናን ፈተውትናን ካብ ዘሎና ዕዙዝ ፍቕሪ ዝተላዕለ ኽንገብሮ እዩ ዚግብኣና። ምኽንያቱ እቲ ሃዋርያዊ ቓል፡ሓደ እኳ ነቶም ናቱ፡ ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱ (እዝማዱ) ዘይሓልይ እንተሎ፡ እምነት ዝኸሓደ ኻብቲ ዘይኣምንውን ዝገደደ እዩ።ብምባል ኣረጋጊጹልና እዩ (1ጢሞ 58) ንስድራ ቤትካ ብናይ ስጋ ነገር ሓሊኻሎም፡ በቲ ናይ ነፍሲ ነገር ግና ሸለል እንተ በልካዮም፡ እቲ ዝለዓለ ኽትብድሎም እትኽእል በደል ንሱ እዩ። ኣብ ስድራ ቤት ጢሞቴዎስ ኣገዳስነት ናይ ስድራ ቤታዊ ጕስነት ጐሊሑ ተራእዩ እዩ። ዓባዩ ነዲኡ እምነት ኣውሪሳታ፡ ክልቲአን ተሓባቢረን ድማ ንጢሞቴዎስ፡ ንሃዋርያነት ክሳዕ ዚበቕን ብዅሎም ኣባላትን ኣገልገልትን ናይታ ቤተ ክርስቲያን ክሳዕ ዚምስከረሉን ብቝዕ ሰብ ገይረን ኣዕበያኦ (2ጡሚ 13-5 ግብ 161-3) ብኣንጻሩ ሊቀ ካህናት ኤሊ ወሊዱ ዘዕበዮም ደቁ ግና፡ ኣብቲ ቕዱስ ቤት መቕደስ ኣንስቲ እንዳማቶም ዓሚጾም ዚምንዝሩን፡ እቲ ህዝቢ ንመስዋእቲ ኣምላኽ ክሳዕ ዚንዕቕ ግብሪ ዓመጻ ይፍጽሙ ነበሩ። ብሰሪ እቲ ኣብ ጕስነት ደቁ ዘርኣዮ ሸለልትነት ድማ ምስኣቶም ተቐዚፉ ሞተ።

ጐይታና፡ ነባጊዑ ምምጋብን ምሕላውን መርኣያ ናይቲ ንእኡ ዘሎና ብሉጽ ፍቕሪ ምዃኑ ኣብ ምግላጽ ጥራይ ኣይተደረተን። ብሉጽ ፍቕሪ ኼፍቅር ዚኽእል፡ እቲ ንፍቓድ ርእሱ መስዋእቲ ገይሩ ንፍቓድ ጐይትኡ ዚግዛእ ሰብ ምዃኑውን ገሊጹልና እዩ። እቲ ንፍቓድ ርእሱ ዚግዛእ ሰብ፡ ልክዕ ከም ሓደ በጽሒ፡ ባዕሉ ተዓጢቑ፡ ናብ ቅኑዕ ኰይኑ ዝተራእዮን ናብ ዝደለዮን ዚኸይድ ሰብ እዩ። እቲ ንፍቓድ ጐይትኡ ዜኽብር ሰብ ግና፡ ኢዱ ኣልዒሉ ኣምላኽ ኼዕጥቖን ናብ ዘይደለዮ ኺወስዶን ዚፈቅድ እዩ። ፍቓድኻ ምእንቲ ጐይታኻ ካብ ምስዋእ ዚበልጽ ናይ ዕዙዝ ፍቕሪ መግለጺ የልቦን። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንእግዚኣብሄር ኣቦኡ ካብ ዝነበሮ ፍቕሪ ዝተላዕለ፡ብልዐይሲ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ ኽገብር ዕዮኡውን ክፍጽሞ እዩ። . . . ካብ ርእሰይ ገለ ኽገብር ኣይክእልንየ፡ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር፡ ፍቓደይ ኣይደልን እየይብል ከም ዝነበረ ተጻሒፉልና እዩ (ዮሃ 434 530) ንሕና ንኣምላኽና ዘለና ልዑል ፍቕሪ ኽንገልጸሉ እንኽእል እንኮ መገዲውን ንሱ እዩ። ንክርስቶስ ከም ሓውን ሓብቱን ቀረባኡ ዚኸውን መን ምዃኑ፡ ንሱ ባዕሉፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ዘበለ ዅሉ፡ ንሱ ሓወይን ሓብተይን ኣደይን እዩብምባል ገሊጹልና እዩ (ማቴ 1249,50) ይትረፍ ኣብቲ ንሱ ባዕሉ ዝሰርዖ ኣገልግሎት፡ ዋላ ኣብቲ ጸላእትና ዝሰርዑልና መከራ እኳ፡ ካብ ፍቓድ ኣምላኽ ወጻኢ ኸም ዘይኰነ ፈሊጥና፡ ንእኡውን ልክዕ ከም ጐይታ፡ኣቦይ ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ፍቓድካ ይኹን።ክንብል እዩ ዚግብኣና (ማቴ 2639,42) ፍቓድ ኣምላኽ ንገብር እንተ ዄንና፡ ምስቲ ፍቓድ ኣቦኡ ዘኽበረ ክርስቶስ ንዘለኣለም ከም እንነብር፡ ሃዋርያ ዮሃንስ ኣረጋጊጹልና እዩ (1ዮሃ 217)

ንፍቓድ ኣምላኽ ክንቅበሎን ክንትግብሮን እንተ ዄንና ግን፡ ፍቓዱ እንታይ ከም ዝዀነ ኽንፈልጥ ናይ ግድን እዩ። ብኸመይ ንፍቓድ ኣምላኽ ክንፈልጦ ኸም እንኽእል፡እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋብምባል ሃዋርያ ጳውሎስ ኣፍሊጡና ኣሎ (ሮሜ 122) እቲ ኣእምሮኡ ብዓለማዊ ሓሳብ ዝተበከለ ሰብ ግና ንፍቓድ ኣምላኽ ይትረፍ ኪገብሮ፡ ኪፈልጦውን ኣይኽእልንዩ፡ ምኽንያቱ እግዚኣብሄር ነቲ ኽቡር ፍቓዱ ብሓጢኣት ኣብ ዝጋዕዘየ ኣእምሮ ኼስፍሮ ፍቓደኛ ኣይኰነን። ሃዋርያ ጳውሎስ ደጊሙ፡እምበኣርሲ ቕንያቱ ኽፉእ እዩ እሞ፡ ጊዜ ዓዲግኩም ከም ለባማት እምበር፡ ከም ዓያሱ ዘይኰነ ኸመይ ብጥንቃቐ ኸም እትመላለሱ ተመልከቱ። ምእንት እቲ ፍቓድ ጐይታ እንታይ ምዃኑ ኣስተውዕሉ እምበር፡ ዓያሱ ኣይትኹኑ።ብምባል ንፍቓዱ ናይ ዘይምፍላጥ ሓደጋ ገሊጹልና ኣሎ (ኤፌ 515-17) ንፍቓድ ኣምላኽ ዘይምፍላጥ፡ ዘለኣለማዊ ሳዕቤን ዘለዎ ዕሽነት እዩ። ዓሻ ሰብ ድማ ይትረፍ ብሉጽ ፍቕሪ፡ ተራን ባህርያውን ፍቕሪ እኳ ኣይርከቦን እዩ። ይትረፍ ንጐይታ ንተራ ሰብ እኳ ፍቕሪ ናይ ምግላጽ ዓቕሚ የብሉን። ስለዚ መፈጸምታና ምእንቲ ኺጽብቕ ፍቓድ ኣምላኽ ብምፍላጥን ብምግባርን፡ ንኣምላኽ ዘሎና ብሉጽ ፍቕሪ ነዕዝዝን ንግለጽን።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ዕለት፥ ሰንበት ግንበት 13, 2018            ግንበት 5, 2010 ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 107(106)15-17

እስመ ሰበረ ኖኃተ ብርት። ወቀጥቀጠ መናሥግተ ዘኃጺን። ወተወክፎሙ እምፍኖተ ጌጋዮሙ።

መዓጹ ኣስራዚ ሰቢሩ፡ መሸጐር ሓጺን ሰባቢሩ፡ እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ስለ  ህሉን፡ ስለቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተኣምራቱን  መስግንዎ። ዓያሱ ብሰሪ ግህሰቶምን ብሰሪ ኣበሳኦምን ተጨነቑ፡

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

ሮሜ 61-15

ዲያቆን

ወንጌል ዮሃ 2115-ፍጻ

1ጴጥ 44-12

ንፍቀ ዲያቆን

ቅዳሴ ዘዲዮስቆሮስ (እምቅድመ ዓለም)

ግብ 2315-22

ንፍቀ ካህን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div