ጐይታና፡ ኵሎም ደቀ መዛሙርቱ ብፍርሃት ተዋሒጦም፡ ነቲ ዝነበሩሉ ገዛ ኣጽንዖም ሸጒሮም ይነብሩ ኸም ዘለው ምስ ረኣየ፡ ካብዚ ሳቓዪ ፍርሃትን ዘይምእማንን ምእንቲ ኼናግፎም ኪረኣዮም ወሰነ። ከምቲ ዝነበሮም ፍርሃትን ምጥርጣርን፡ ኣብ ኣፍደገ ማዕጾ ደዉ ኢሉ ብምዅሕኳሕ ኪኸፍትዎ እንተ ዚሓትቶም ኪኸፍትዎ ምተጸገሙ ነይሮም።
ምኽንያቱ ኸምቲ ንሓደ ገዛ ስጋጥን መሸጐርን መፍትሕን ከም ዘይክፈት ገይሩ ኣጽኒዑ ዚዓጽዎ፡ ዘይምእማን ድማ ንልቢ ሰብ ካብኡ ዝበኣሰ ኣጽኒዑ’ዩ ዚዓጽዎ። ብዘይምእማን ኣብ ዝተዓጸወ ልቢ ድማ ጭንቀትን ስምባድን እምበር ሰላም ዚበሃል ከቶ ኣይርከብን እዩ። ስለዚ ጐይታና ናብቲ ዝተዓጽወ ገዛ ጥራይ ዘይኰነ ናብቲ ዝተዓጽወ ልቢ’ውን ኣትዩ ዝጠፈኣ ሰላሞም ኪመልስ ናይ ግድነት ኰኖ። ከም ዝዀነ ሰብ ማዕጾ ኸፊቱ እንተ ኣተወ እኳ እቲ ዝተዓጸወ ልቢ ግና ብቐሊሉ ኣይክፈትን እዩ። ስለዚ ነቲ ዝተዓጽወ ልቦም ከፊቶም ንትንሳኤኡ ብእምነት ምእንቲ ኪቕበልዎ፡ ተኣምራዊ ብዝዀነ መገዲ ኣብ ማእከሎም ጥብ ኪብል መረጸ። እቲ ንባህርይ መለኮት ባህርይን ገንዘቡን ዝገበረ ግዙፍ ስጋኡ ሒዙ ድማ፡ ማዕጾ ኸይሰበረ፡ መንደቕ ከየፍረሰ፡ ናሕሲ ኸይነቐለ ኣብ ማእከሎም ህሩግ በለ። “ሰለም ንኣኻትኩም ይኹን” ኢሉ ድማ ኣወጀሎም። እዚ ቓል እዚ ከምቲ ንሕና ኣብ ንሕድሕድና እንለዋወጦ ቃል ሰላምታ ዘይኰነስ፡ ነቲ ኣብ ልቦም ዘሎ ፍርሃትን ስምባድን ነቒሉ፡ ብሰላምን ህድኣትን ዚትክእ መለኮታዊ ቓል እዩ። ቅድሚ ሕጂ ኣብቲ ምስጢረ ቊርባን ዝሰርዓሉ ምሸት “ልብኹም ኣይሸበር። ብኣምላኽ እመኑ፡ ብኣይውን እመኑ፡ … ሰላም እሓድገልኩም፡ ሰላመይውን እህበኩም ኣለኹ። እቲ ኣነ ዝህበኩም ዘለኹ (ሰላም)፡ ከምቲ ዓለም እትህቦ ኣይኰነን። ልብኹም ኣይሸበርን ኣይሰምብድን።” ብምባል ኣዝዩ ዓብዪ መለኮታዊ ህያብ ሂብዎም ነበረ (ዮሃ 14፡ 1, 27)። እንተ ዀነ ሕጂ ልቦም ብፍርሃትን ስምባድን መሊኡ ስለ ዝነበረ፡ እቲ መስፍን ሰላም ዝዀነ ጐይታኦም ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ፡ “ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን” እንተ በሎም፡ ምትሃት መሲልዎም ኣዝዮም ሰምበዱ። ምትሃት ማለት ብኣካላዊ መልክዕ ዚግለጽ ሰይጣናዊ (ርኹስ) መንፈስ ማለት እዩ። ርኹስ መንፈስ፡ ኪርብሽን ኪሓርድን ኪሰርቕን ስለ ዚመጽእ፡ ነቶም ግዳያቱ ሰላምን ሰናይን ክምነየሎም ኰነ ኺህቦም ኣይክእልን እዩ። ኪህብ እንተ ደለየ እኳ ኣይክእልን’ዩ። ምኽንያቱ ንሱ ናይ ሽበራን ራዕድን ናይ ሞትን መስፍን እዩ። እምነትን ሰላምን ዝረሓቖ ልቢ፡ ነቲ ቅዱስ ጐይታን ነቲ ርኹስ ምትሃትን ፈልዩ ኼለልይ ክሳዕ ዘይክእል ክሳዕ ክንድ’ዚ እዩ ዚጕዳእ። ጐይታ በቲ ንመንነቱ ዘርኣይዎ ግብሪ መልሲ ኣዝዩ ስለ ዝጐሃየ፡ “እንታይ ኴንኩም ኢኹም (ክሳዕ ክንድዚ) እትስምብዱ፧ ከምዚ ዝበለ ሓሳብከ ስለምንታይ ኣብ ልብኹም ይለዓል፧” ብምባል ብኣግርሞት ሓተቶም። ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ምሉእ ካባታቶም ከይተፈልየ ዝመሃሮምን ዘሰልጠኖምን ከምዚ ንኪዀኑ ኣይነበረን። ምእንትኦም እዚ ዅሉ መሪር ዋጋ ኸፊሉ ሰላሙን እምነቱን ኣውሪስዎምን ኣብ ልቦም ተኺሉን ኬብቅዕ፡ እቲ ሰላም ኰነ እቲ እምነት ጠፊኡ ኺጸንሖ ኣይተጸበየን። እምነት ዘጕደለ ሰብ፡ ሰላሙ ይጠፍእ፡ ሰላሙን ጠፍኣ ልቢ ድማ ምስትውዓሉ እዩ ዚድፈን። ጐይታ ኸም ምትሃት ኰይኑ እንተ ተራእይዎ፡ ብኣንጻሩ ድማ እቲ ምትሃት ጐይታ ዀይኑ ይረኣዮ እሞ፡ ንእኡ ይስዕቦ። ከይተረድኣካ ድማ ናይ ጐይታ ለውጢ ትገብር ማለት እዩ። ኣእምሮ ሰብ ብናይ ኣምላኽ ሰላም ጥራይ’ዩ ተሓልዩን ረጊኡን ኪነብር ዚኽእል። ስለዚ ድማ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ንሰብ ፊሊጲ “ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቚ። እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ ኢየሱስ ኪሕልዎ እዩ።” ብምባል ጸሓፈሎም (ፈሊ 4፡6,7)።ኣዝዩ ብሉጽን ልዑል ደረጃ ብልሒ (IQ) ዘለዎ ኣእምሮ ኻብ ኪህልወካ፡ ሰላም ኣምላኽ ክህልወካ ኣዝዩ ዝበለጸን ተመራጽን እዩ። ኣእምሮ ኽንዲ ዝደለዮ እንተ በልሐ፡ ተመሊሱ ድኣ ነቲ ወናኒኡ ይሓርዶን ይጐድኦን እምበር ዚጠቕም የብሉን። ስለዚ ድማ እዩ ጐይታ፡ ጥበብ ጠቢባን ኬጥፍእ፡ ምስትውዓል እቶም ኣስተውዓልቲውን ኬፍርስ ዝተገልጸ። ስለዚ ኸኣ፡ “ጥበበኛ ኣበይ ኣሎ፧ ምሁር ጽሑፋትሲ ኣባይ ኣሎ፧ መርማሪ እዛ ዓለምዚኣኸ ኣባይ ኣሎ፧ ኣምላኽ ንጥበብ እዛ ዓለምዚኣዶ ዕሽነት ኣይገበሮን እዩ፧” ዚብል ቃል ተጻሕፈልና። ሰላም ኣምላኽ ዝሓደሮ ልብን ኣእምሮን ግና እቲ ዝዓበየ ሃብቲ እዩ። ካብ ስምባድን ሻቕሎትን፡ ካብ ሓጥእ ሓስባትን ተግባራትን ንጹህ እዩ። ሰላም ዘይብልካ ምዃን ናይ ረሲእነት ምልክትን ጻማን ምዃኑ፡ ነብዪ ኢሳይያስ፡ “ እቶም ረሲኣን ግና ከምቲ ዚናወጽ ባሕሪ እዮም፡ ኪሃድእ ኣይክእልን እዩ እሞ፡ ማያቱ ጭቃን ርስሓት የውጽእ። እቶም ረሲኣንሲ ሰላም የብሎምን፡ ይብል ኣምላኸይ።” ብምባል ገሊጹልና ኣሎ (ኢሳ 57፡20,21)። እምበኣር ስለም ብዘይ ምኽንያት ከም ዘይጠፍእ ነስተውዕል። ምስ ገዛእ ርእስና፡ ምስ ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሰባት፡ ምስ ኣምላኽ ዘለና ሰላም ኪዝረግ ከሎ፡ ኣብ ህይወትና ሓጢኣት (ረሲእነት) ነጊሱ ኸም ዘሎ ፈሊጥና ርእስና ንመርምር። ናይ ነብዩ ዮናስ ዘይምእዛዝ፡ ንርእሱ ጥራይ ዘይኰነ፡ ንዅሎም መጓዕዝቱ፡ ነታ መርከብ፡ ነቶም ኣብ ውሽጢ’ቲ ባሕሪ ዚነብሩ ዓሳታትን ሰላም ኣይሃበን። ነቲ ሓጢኣትን ነቲ ሓጥእን ኣውጺኦም ምስ ደርበይዎ ግን ኵሉ ነገር ጸጥ በለ፡ እቲ ዝጠፍኣ ሰላም ተመልስ። ነቲ ንሰላምና ዝዘረገ ሓጢኣት ካብ ህይወትና ኸየርሓቕና፡ ሰላም ኪህልወና እንተ ደለና፡ ዘይክውንነታዊ ባህግን ትጽቢትን ዀይኑ እዩ፡ ዝተርፍ። ጐይታና ሰማያዊ ኽብሩ ሓዲጉ ሰብ ዝዀነን፡ እዚ ዅሉ ሓሳረ መከራ ዝጸገበን ነቲ ዝጠፍኣ ሰላምና ምእንቲ ኺመልስ እዩ። ቅዱሳን ነብያት፡ እቲ ንምድሓንና ዚውላድ ህጻን ኢየሱስ፡ ስሙ “ብርቱዕ ኣምላኽ፡ ኣቦ ዘለኣለም፡ መስፋን ሰላም” ከም ዚስመይ ነገሮምና እዮም (ኢሳ 9፡6)። ኣብ መብልዕ ማል ምስ ተወልዲልና ድማ፡ ሰራዊት ሰማይ፡ “ ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ፡ ስላም ድማ ኣብ ምድሪ፡ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት “ ኢሎም ብምዝማር፡ እቲ ብክርስቶስ ዝርከብ ሰላም ነቶም ንኣምላኽ ዘስመርዎ ሰባት ጥራሕ ከም ዝተዳለወ ኣበሰሩና (ሉቃ 2፡13-14)። ክርስቶስ መከራ መስቀል ዝተቐበለሉ ዕላማ እንታይ ምዃኑ ብትንቢት፡ “ንሱ ግና ብሰሪ ገበንና ቘ ሰለ፡ በሰሪ ኣበሳና ድማ ተኸትከተ ንሕና ሰላም ምእንቲ ኽንረክብ፡ መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ፡ ንሕናውን ብስምብራቱ ሓዌና።” ብዚብል ቃል ተገልጸልና (ኢሳ 53፡5)። ምእንቲ ሰላምካ እዚ ዅሉ ስቓይ ተቐቢሉልካ ኼብቅዕ፡ ብሰሪ ሓጢኣት ሰላምካ ምጥፋእ እምበኣር ነዚ ዅሉ ዝኸፈሎ ዋጋ ከንቱ ምግባር ማለት እዩ። ክርስቶስ ምእንቲ ሰላምና ኸም ዝሞተ፡ ሃዋርያት’ውን “ንሱ ነዞም ክልተ (ኣህዛብን ኣይሁድን) ሓደ ዝገበረ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ ኸልካሊ ቐጺርውን ዘፍረሰ ሰላምና እዩ። ብርእሱ ዕርቂ እናገበረ፡ … ነቲ ጽልኢ፡ … ብስጋኡ ስዒሩ፡ ብመስቀሉውን ነቲ ጽልኢ ቐቲሉ ንኽልቲኦም ብሓደ ስጋ ምስ ኣምላኽ ኣተዓረቖም። ንኽልቴና ብእኡ ብሓደ መንፈስ ናብ ኣቦ መእተዊ ስለ ዘሎና ከኣ፡ ንኣኻትኩም ርሑቓት ዝነበርኩም (ናባኻትኩም) መጺኡ ሰላም ኣበሰረኩም፡ ነቶም ቀረባ ዝነበሩውን ሰላም ኣበሰሮም።” ኢሎም ገለጹልና (ኤፌ 2፡14-18)። እምበኣር እቲ ብኸምኡ በዘይ ዋጋ ዝተቐበልናዮ ሰላም ኣምላኽ ደም ክርስቶስ’ዩ ዋጋኡ። ንሕና እኳ ዝኸፈልናሉ እንተ ዘይብልና፡ ክርስቶስ ግና ልዕሊ ዚግባእ ከፊሉሉ እዩ። ሰላምካ ኣጥፊእካ፡ ዋላ ሓንቲ ኸም ዘይጠፈኦ ሰብ ሸለል ክትብሎ ኣይግብእን እዩ። ብገንዘብ ዝዓደግካዮ ወርቂ ኣጥፊእካ ደቂስካ ኣይሕደርን እዩ። እቲ ሕጂ ብዘይ ክፍሊት ዝተቐበልካዮ ሰላም ብኸንቱ እንተ ኣጥፍእካዮ፡ ኣብታ መዓልቲ ፍርዲ ግና ክትከፍሎ ኺብየነልካ እዩ። ነቲ ስቓይን ደምን ሞትን ናይ ክርስቶስ ድማ ከፊልካ ስለ ዘይትወጾ ንዘልኣለም ኣብቲ ናይ መሪር ጸበባ ስፍራ ኽትነብር ኢኻ ማለት እዩ።
ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘሎኻ፡ ብመንፈስ ኣምላኽ ትምራሕን ሓሳብ ኣምላኽ ኣብ ልብኻ ኸም ዘሎ እትፈልጥ ሰላም ኣምላኽ ንልብኻ ይገዝኦ እንተ’ልዩ ጥራይ እዩ (ሮሜ 8፡6 14፡17 ገላ 5፡22-23)። እግዚኣብሄር ነቶም ናቱ ዝዀኑ ብሰላሙ እዩ ዚባርኾም (መዝ 29፡11)።እቶም ንሕጊ ኣምላክ ዜፍቅሩ ብዙሕ ሰላም ኣለዎም (መዝ 119፡65 ምሳ 3፡17)። ነቲ ኣብኡ ዝተማሕጸነ ጽኑዕ ሃቐና (ወይ እምነት) ዘለዎ ሰብ፡ እግዚኣብሄር ፍጹም ብዝዀ ሰላም እዩ ዚሕልዎ (ኢሳ 26፡3)። ስለዚ ድማ፡ “ኣየ! ትእዛዛተይ ሰሚዕካ (ተኣዚዝካ) እንተ ትኸውንሲ ሰላምካ ኸም ወሓዚ፡ ጽድቅኻውን ከም ማዕበል ባሕሪ ምዀነ ነይሩ” ብምባል፡ ነቶም ዚኣምንዎን ዚእዘዝዎን ከም ዛራ ማይ ብዘየቋርጽ ሰላም ከም ዚባርኾም ገለጸልና (ኢሳ 48፡18)። እምበኣር ከምቶም ሓሰውቲ ናይ ጥበራ ነብያት፡ “ሰላም ዘየልቦሶ፡ “ሰላም፡ ሰላም” እናበሉ፡ ነቲ መውቃዕቲ (መስበርቲ) ህዝበይ ብሸለልታ ይፍውስዎ ኣለዉ” ዝተባህለሎም ከይንኸውን፡ ሰላም ዘይብልና ኽንስና፡ ሰላም ዘሎና እናመሰልና፡ ነዚ ዘለኣለማዊ ሳዕቤን ዘለዎ፡ መሪር ዋጋ ዜኽፍለና መንፈሳዊ ቚስልና ብሸለልትነት ኣይንሓዞ። ሰላም ኣምላኽ ዘይብልካ ምዃን ናይ ኣምላኽን ናይ ወንጌልን ሰብ ዘይምዃንካ፡ ካብቲ ወሃብ ሰላም ዝዀነ ኣምላኽ እዚኻ ርሒቕካ ከም ዘሎኻ፡ ንመከራን መስዋእትን ናይ ክርስቶስ ኣባኻ ኣባኺንካዮ ኸም ዘሎኻ ዜመልክት ናይ ሞት ምልክት እዩ እሞ፡ ኵላትና ሰላም ክርስቶስ ንቀበል። ነቲ ዝተቐበልናዮ ደም ክርስቶስ ዝዋጋኡ ሰላም ድማ ክሳዕ ዕለት ሞትና ንዓቅቦ። ኬራስነናን ኬቐንዝወናን ከሎ ምሕማምና ተረዲእና ናብ ሓኪም ከም እንጓየይ፡ ሰላምና ኺጠፍእ ከሎ ድማ፡ ናብቲ ንሕና ሰላም ምእንቲ ኽንረክብ ዝሞተልና መስፍን ሰላም ንጉየ፡ ነእጋርና ድማ ናብ መገዲ ሰላም ነቕንዓየን። ኣምላኽ ሰላም ይርድኣና።
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ
ዕለት፥ ሰንበት ሚያዝያ 29, 2018 (ሚያዝያ 21, 2010 ግእዝ) |
||
ናይቲ መዓልቲ ስብከት መዝ 3፡5-6 ኣንሰ ስከብኩ ወኖምኩ ወተንሣእኩ እስመ እግዚኣብሄር ኣንሥኣኒ ኢይፈርህ እምኣእላፈ ኣሕዛብ ተገምሰስኩ ደቀስኩውን፣ እግዚኣብሄር ይድግፈኒ ኣሎ እሞ ነቓሕኩ። ነቶም ዚኸቡኒ ኣእላፋት ኣህዛብ ኣይፈርሆምን እየ። ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት |
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስንባባት |
|
ንባብ |
ኣንባቢ |
|
ቄሎ 3፡1-ፍጻሜ |
ዲያቆን |
|
ወንጌል፡ ሉቃ 24 33-45 |
1ጴጥ 3፡15- ፍጻሜ |
ንፍቀ ዲያቆን |
ቅዳሴ፡ ዘድዮስቆሮስ (እምቅድመ ዓለም) |
ግሃ 11፡1-19 |
ንፍቀ ካህ |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ