እዚ “ዳግማይ ትንሳኤ” ኢልና ነብዕሎ ዘሎና መዓልቲ እቶም ደቂ መዛሙርቱ ብሓደ ኣብ ሓንቲ ገዛ ተኣኪቦም ከለዉ ንመጀመርታ ጊዜ ዝተጋህደሉ መዓልቲ ንምዝካር ዝዓለመ በዓል እዩ። ቅድሚ ንኣታቶም ምርኣዩ፡ ንሒደት ቅዱሳት ኣንስትን ንሰብ ኤማሁስን ተራእይዎም እዩ። እተን ኣንስቲ መጺአን ከም ዝረኣያኦ ምስ ነገራኦም፡ እቲ ዘረባ’ቲ ኣብ ቅድሚኦም ከም ዕሽነት መሲሉ ተራእይዎምሲ ፈጺሞም ኣይኣመንወንን ነበሩ። ጐይታ ድማ ነዚ ዘይምእማኖም እዚ ምእንቲ ኺፍውስ፡ ንዅሎም ኪረኣዮም መረጸ። ምኽንያቱ ናይ ትንሳኤኡ ምስክር ኰይኖም ንምልእቲ ዓለም ዚሰብክዋ ንሳቶም እዮም።
በቲ ኣቐዲሙን ደጋጊሙን፡ “ብሳልሳይቲ መዓልቲ ኽትንስእ እየ” ዝበሎም መሰረት፡ ዋላ ኸም ዝተንስእን ከም ዝተራእየን ዚነግር ኣይርከቡ፡ በቲ ቓሉ ጥራይ ኪኣምኑ ምተገብኦም ነይሩ። ንሱ እንተ ተረፈ ድማ፡ እተን ኢየሱስ እኳ ዚኣምነን እሙናት ሰዓብቱ ብዓይነን ከም ዝረኣያ ድምጹ ኸም ዝሰምዓ ኽነግራኦም ከለዋ ኪቕበልውን ይግባእ ነይሩ። ንሳቶም ብዘይምርኣይ ብምስማዕ ጥራይ ኪኣምኑ እንተ ዘይክኢሎም፡ (ንሳቶም) ኪሰብኩ ምስ ከዱኸ መን ኪኣምኖም እዩ፧ ምኽንያቱ እቲ ቓል ወንጌል “እምነት ግና ነቲ ተስፋ ዚግበሮ ነገር ርግጽ ምግባር ናይቲ ዘይርአ ነገር ምርዳእ እያ።”፣ “እምበኣርሲ እምነት ካብ ምስማዕ እያ፡ ምስማዕውን ብቓል ክርስቶስ እዩ።”፣ “ነቲ ዚርእዮስ ተስፋ ዚገብሮኸ መን ኣሎ፧ ብተስፋ ኢና ድሒንና ዘሎና እሞ፡ ነቲ ዚርኤስ ተስፋ ምግባሩ፡ እዚ ተስፋ ኣይኰነን። ነቲ ዘይንርእዮስ ተስፋ እንተ ገበርናዮ ግና፡ ብትዕግስቲ ንጽበዮ ኢና።”፣ “እቲ ዚርኤ ንጊዜኡ እዩ፡ እቲ ዘይርኤ ግና ንዘለኣለም እዩ እሞ፡ ንሕና ነቲ ዘይርኤ እምበር፡ ነቲ ዚርኤ ኣይንጥምትን ኢና።” እዩ ዚብለና (እብ 11፡1፣ ሮሜ 10፡17፣ ሮሜ 8፡24-25፣ 2ቈረ 4፡18)። ወንጌል ድማ ብምስማዕ እምበር ብምርኣይ ኣይኰነን ናብ ኵሉ ዓለም ዝበጽሐ። ሃዋርያ ቶማስ ዋላ ዅሎም እቶም ዓሰርተ ሃዋርያት፡ ኵሎም እቶም ደቂ መዛሙርትን ነጊሮምዎ እኳ፡ “ብዓይነይ ከይረኣኹ ብኢደይ ከይዳህሰስኩ ኣይኣምንን እዩ” ብምባሉ፡ ጐይታና፡ “ኣማኒ እምበር ዘይኣማኒ ኣይትኹን፡ … ሳላ ዝረኣኻኒ ኢኻ ዝኣመንካ፡ እቶም ከይረኣዩ ዚኣምኑ ብጹኣን እዮም” ብምባል ገሰጾ። ጐይታ ንዅሉ ሰብ ዘይረኣየሉ ምኽንያት ድማ፡ በዚ ከይረኣኻ ናይ ምእመን ብጽእና ኪባረኸና ስለ ዝደለየ እዩ። እምበኣር ከይረኣኻ ምእማን እቲ ዝለዓለ ደረጃ ናይ እምነት እዩ። ምስ ረኣኻ፡ ክትኣምን ኣየድልየካን እዩ። ምኽንያቱ ምርኣይ እንተ’ልዩ ናይ ምእማን ኣድላይነት ይጠፍእእ። ምኽንያቱ ናይ እምነት መግለጺ (definition)፡ ነቲ ዘይረኣኻዮ ክትረድኦ ምኽኣል፡ ከምቲ ርግጽ ጌርካ ምቕባል እዩ። ስለዚ ድማ ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ነዚ ኸይርኤኩምዎ እተፍቅርዎ፡ ሕጂውን ከይርኤኹምዎ ብእኡ እትኣምኑ ዘሎኹም፡ ነቲ መደምደምታ እምነትኩም፡ ንሱ ድማ ምድሓን ንፍሳትኩም፡ ምስ ረኸብኩምዎ፡ ብዘይንገርን ክቡርን ሓጐስ ትሕጐሱ ኢኹም።” ብምባል ከይረኣኻ ናይ ምእማን ክብሪ እንታይ ከም ዚመስል ገለጸልና (1 ጴጥ 1፡8-9)።
ንምእማን ምርኣይ ዘየድልይ እንተ ዀይኑ ደኣ ንምንታይ ንደቀ መዛሙርቱ ኺረኣዮም ኣድለየ፧ እዞም ሰባት እዚኣቶም መሰረት ክርስትና ኣብ ዓለም ዚስርቱ ስለ ዝዀኑ ብዓይኑ ዘይረኣየ ድማ ብቚዕ ምስክር ኪኸውን ስለ ዘይክእል እዩ። ስለዚ ድማ ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ ነታ ይሁዳ ዝሓደጋ ስፍራ ሃዋርያት ዚትክእ ሰብ ኪመርጹ ኣብ ዝተኣከቡሉ ኣጋጣሚ፡ “ስለዚ ኻብ እዞም በቲ ጐይታና የሱስ ካብ ጥምቀት ዮሃንስ ጀሚሩ ኽሳዕ እታ ኻባና ዝዐረገላ መዓልቲ ናባና ዝኣተወሉን ዝወጻሉን ኲሉ ዘመን ዝሰዐቡና ሰባት፡ ካብ እዚኣቶም ሓደ ብዛዕባ ትንሳኤኡ ምሳና ምስክር ኪኸውን ይግባእ እዩ።” ብምባል ኣገዳስነት ናይ ዓይኒ ምስክር ምዃን ኣጒሊሑ ገለጸሎም (ግብ 1፡21,22)። ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ተቐቢሎም ንኣገልግሎት ኣብ ዝቘሙሉ ዅሉ ኣጋጣሚታት ድማ፡ ብዓይኖም ዝረኣዩ ምስክሩ ምዃኖም፡ “ኣምላኽ ነዚ ኢየሱስ እዚ ኣተንሲእዎ፡ በዚ ንሕና ዅላትና ምስክር ኢና።. . . ነቲ ንስኻትኩም ኣብ ዕንጸይቲ ሰቒልኩም ዝቐተልኩምዎ ኢየሱስ፡ ኣምላኽ ኣቦታትና ኣተንስኦ፡ ንእስራኤል ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን ምእንቲ ኺህብሲ ኣምላኽ ንእኡ ራእስን መድሓንን ገይሩ ናብ የማኑ ልዕል ኣበሎ። ንሕና ድማ በዚ ነገርዚ ምስክር ኢና፡ እቲ ኣምላኽ ነቶም ዚእዘዝዎ ዚህቦም መንፈስ ቅዱስ’ውን ምስክር እዩ።” ብምባል ብተደጋጋሚ ይገልጹ ነበሩ፡ (ግብ 2፡32 3፡15 5፡30-32)። ነቶም ሰዓብቲ ክርስቶስ ዝዀንና ዘበልና ዅላትና፡ ምስክር ክርስቶስ ናይ ምዃን መሰረትና ድማ ኣብዚ ዕለት እዚ’ዩ ዝተሰረተ። ካባና፡ ኢየሱስ ኪትንስእ ከሎ ዝረኣየ ሓደ እኳ የብልናን። ነቲ ቕዱሳን ሃዋርያት ብዓይኖም ርእዮም ዝነገሩና ዝመስከሩልና ሓቂ ብእምነት ስለ ዝተቐበልናዮ ግና፡ ነዚ ከይረኣኻ ናይ ምእመን ብጽእና ኽንካፈሎ በቒዕና ኣሎና።
እምበኣር እዚ ኽቡር ዕለት እዚ ነፍሲ ወከፈ ኣገልጋሊ ይኹን ምእመን፡ ብቚዕ ምስክር ናይ ክርስቶስ ኰይኑ ይመላለስን የገልግልን ምህላው ርእሱ ዚምርምረሉ፡ ከይረኣየ ብምእማኑ ብዛዕባ ዝረኸቦ ብጽእና ንኣምላኽ ዜመስግነሉ መዓልቲ እዩ። ከይረኣና ኣሚንና ኸነብቅዕ፡ ብቚዕ ምስክር ካብ ምዃን እንተ በዂርና ግና ነቲ ብጽእናና ኸነጥፍኦ ኢና። ምኽንያቱ እምነትና ዜፍርረዮ ፍረ ኣይኪህልዎን እዩ። ብክርስቶስ ኣሚንና ክርስትያን ድሕሪ ምዃንና፡ እግዚኣብሄር ካባና ኽልተ ዓይነት ፍረ እዩ ዚጽበይ። እቲ ቐዳማይ፡ እቲ ኻብ ህይወትና መዓልታዊ ኺፈርይ ዚግብኦ ፍረ-መንፈስ (ፍረ ጽድቂ)፡ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ ምስክር ክርስቶስ ኴንና ንሰባት ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን፡ ካብ ሓጢኣት ናብ ጽድቂ፡ ካብ ሞት ናብ ህይወት ምምላስ እዩ። ነቲ ቐዳማይ ፍረ መንፈስ ፈርዩ ኼብቕዕ ነቲ ኻልኣይ ፍረ ዚርሰዕ ሰብ፡ ብዕዳ ድም ብዙሓት ኪሕተት ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ቅድሚ’ቲ ምስክሩ ናይ ምዃን ክብሪ ዝሃቦ ጐይታ መጎስ ኣይኪረክብን እዩ። ስለዚ ኸም ቅዱሳን ሃዋርያትን ካልኦት ኵሎም ቅዱሳንን ኣብዛ ሓጻር ዕምርና ብቑዓትን እሙናትን ምስክር ናይ ትንሳኤኡ ምዃንና ርግጸኛታት ክንከውን ይግባኣና። እግዚኣብሄር ኣቦ፡ ነቲ ቕዱስ ወዱ ሓቀኛ ምስክሩ እዩ። “ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ ንሱ እዩ። ንእኡ ስምዕዎ” ኢሉ ደጋጊሙ ከም ዝመስከረሉ፡ ተጻሒፉልና ኣሎ (ማቴ 3፡17 ፣ 17፡5)፡ ጐይታ ባዕሉ’ውን እግዚኣብሄር ኣቦኡ ኸም ዚምስክረሉ ነጊሩና እዩ (ዮሃ 5፡ 32, 37 8፡18)። እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ፡ ናይ ትንሳኤ ክርስቶስ ምስክር ምዃኑውን ሃዋርያት ተኣሚኖም እዮም (ግብ 5፡32)። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን እቲ እሙንን ሓቀኛን ምስክር እዩ (ራእ 3፡14)። እምበኣር ምስክር ምዃን፡ ናይ ምልኣት ስላሴ ባህርይን ተግባርን እንተ ዀይኑ፡ እቶም ብኣርኣያ ስላሴ ዝተፈጠርና ዅልና’ውን ምስክር ክርስቶስ ናይ ምዃን ሓላፍነት ከም ዘሎና ኽንዝንግዕ ኣይግባእን። ስለዚ ምስክር ክርስቶስ ካብ ምዃን ምብኳር ማለት ፈቲኻ ነቲ ኣባኻ ዝነበረ ምስሊ ስላሴ ብፍታውካ ምድምሳስ ማለት ስለ ዝዀነ፡ ካብ ከም’ዚ ዝበለ ዕሽነታዊ ምርጫ ርእስና ኽንሕልው ይግብኣና።
ኣብዚ ክቡር ዕለት እዚ ዝተፈጸመ፡ ከየቕለብናሉ ድማ ክንሓልፍ ዘይግብኣና፡ ነቲ “ወልድ ዋህድ” ዚብል መሰረት እመንት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ዜጒልሕ ሓደ ተኣምራት ኣሎ። ንሱ ድማ ጐይታና ብዂለንተናኡ ናብ ዝተዓጽወ ገዛ ብኣካል ስጋ ኺኣትው ምኽኣሉ እዩ። ማዕጾ ወይ መስኮት ከይተኸፈተ፡ መንደቕ ወይ ናሕሲ ኸይፈረሰ፡ እቲ ግዙፍ ስጋ ብኸመይ ናብ ውሽጢ ገዛ ኺኣትው ከኣለ፧ እቲ ስጋ ባህርያቱ ኣይለወጠን። ዚበልዕ፡ ዚሰትይ፡ ዚረኣይን ዚድህሰስን ስጋ እዩ ዝነበረ (ዮሃ 20፡27 ዮሃ 21፡ 9,10,13)። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብሃንደበት ኣብ ማእከሎም ደው ምስ በለ፡ ምትሃት ዝመጾም መሲልዎም ሰምበዱ። ምኽንያቱ ግዙፍ ስጋ ብዕጹው ነገር ኪሓልፍ ሕጊ ተፈጥሮ ዚፈቕዶ ኣይነበረን። እቲ ንሕገ-ተፈጥሮ ዝሰርዐ ጐይታ ግና ልዕሊ ሕጊ ስለ ዝዀነ፡ በቲ ባዕሉ ዝሰርዖ ሕጊ ኣይተደረተን። ዋላ ነቲ ዝፈጠሮ ስጋ ለቢሱ ኽነሱ፡ እቲ ኻባና ዝወሰዶ ምድራዊ ስጋ ልዕሊ ሕጊ ተፈጥሮ ኺነብር ደኣ ተራእየ። እዚ ድማ መለኮትን ስጋን ፍጹም ከም ዝተዋሃዱ፡ እቲ ስጋ ነቲ ናይ መለኮት ባህርይ ገንዘቡ ስለ ዘገበሮ፡ ግዙፍ ኣካል ክነሱ ኸም ረቂቕ መንፈስ ብዕጽዉ ነገር ኪሓልፍ ከኣለ። ስጋ ድሩት ክነሱ፡ ልክዕ ከም መለኮት ኣብ ኵሉ ዚርከብ፡ ኵሉ ዚፈልጥ፡ ኵሉ ዚኽእል ኰነ። መለኮት ድማ ዘይጠምይ ዘይደክም ዘይርኣ ዘይመውት ክነሱ፡ ነቲ ናይ ስጋ ባህርይ ባህርዩ ስለ ዝገበሮ፡ ብስጋ ተራእየ፡ ሞተ፡ ተዳህሰሰ። ኣብቲ መድሃኒናን ጐይታናን ኣምላኽናን ዝዀነ ኢየሱስ ዝተገልጸ ምስጢር ኣዝዩ ዓሚቚን ሰፊሕን እዩ። ኣእምሮና ኺበጽሖ ዘይክእል እምብዛ ረቂቕ እዩ። እዚ መስተንክር ተኣምራታዊ ፍጻሜ እዚ፡ ብዛዕባና ዚገልጾ ዓብይ ተስፋ ድማ ኣለዎ። ንሕና’ውን ካብ ሙታን ምስ ተንሳእና ልክዕ ከምዚ ናይ ክርስቶስ ዝበለ ስጋ ኸም ዚህልወና፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ከምቲ ምስሊ እቲ መሬታዊ ዝለበስና፡ ምስሊ እቲ ሰማያዊ ኽንለብስ ኢና፡ … ንሱ (ክርስቶስ) በቲ ንዅሉ ኺመልከሉ ዚከኣሎ ሓይሊ ነቲ ኽቡር ስጋኡ ምእንቲ ኺመስል፡ ነዚ ናይ ውርደት ስጋና ኺልውጦ እዩ” ብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ (1 ቈረ 15፡49፣ ፈሊ 3፡21)። ሃዋርያ ዮሃንስ’ውን “ንሱ (ክርስቶስ) ምስ ዚግለጽ ግና፡ ኸምታ ዘለዋ ኽንርእዮ ኢና እሞ፡ ንእኡ ኸም እንመስል ንፈልጥ ኣሎና።” ኢሉ ኣበሲሩና እዩ (1ዮሃ 3፡2)። ጐይታውን፡ እቶም ደቂ ትንሳኤ ኣብ ሰማያት ከም መላእኽቲ ብኸመይ ከም ዚነበሩ ገሊጹ ኣሎ (ሉቃ 20፡34-36)። እምበኣር ነዚ ኣብ ክርስቶስን ኣብ መላእኽትን ዘሎ ኽብሪ ምእንቲ ኽንበቕዖ፡ ውሉድ ትንሳኤ ኽንከውን ዜብቅዓና ህይወት ንንበር። እግዚኣብሄር፡ ንምስሊ ወዱ ኽንመስል እዩ መዲቡና እሞ፡ ኣብ ሰማያት ንእኡ ናይ ምምሳል ክብሪ ምእንቲ ኽንረክብ፡ ኣብዛ ሓጻር ዕምርና፡ ንእኡ ብዚመስል ህይወት ንመላለስ።
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ
ዕለት፥ ሰንበት ሚያዝያ 15, 2018 (መጋቢት 9, 2010 ግእዝ) |
||
ናይቲ መዓልቲ ስብከት መዝ 68(67)፡1-2 ይትነሣእ እግዚኣብሄር ወይዘረው ፀሩ ወይጉየዩ ጸላዕቱ እምቅድመ ገጹ ከም የሓልቅ ጢስ ከማሁ የኀልቁ ኣምላኽ ይተንስእ፣ ጸላእቱ ፋሕ ይበሉ፣ እቶም ዚጸልእዎ ኻብ ገጹ ይህደሙ። ትኪ ኸም ዚብተን፣ከምኡ ትብትኖም፣ ስምዒ ኣብ ቅድሚ ሓዊ ኸም ዚመክኽ፣ ከምኡውን ረሲኣን ካብ ቅድሚ ኣምላኽ ይጠፍኡ። |
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት |
|
ንባብ |
ኣንባቢ |
|
1ቈረ 15፡1-20 |
ዲያቆን |
|
ወንጌል፡ ዮሃ 20፡19-ፍጻሜ |
1ዮሃ 1፡1-ፍጻሜ |
ንፍቀ ዲያቆን |
ቅዳሴ፡ ዘድዮስቆሮስ (እምቅድመ ዓለም) |
ግሃ 23፡1-10 |
ንፍቀ ካህን |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ