S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንምእማን ልቦም ዝደንጐየ ዓያሹ!!

እዚ ናይዚ ዕለት ወንጌል ንባብ፡ ብዛዕባ  ኤማሁስ ገጾም ዚኸዱ ዝነበሩ ኽልተ ደቀ መዛሙርትን ጐይታን መድሃኒን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገበርዎ ዝርርብ ዚገልጽ እዩ። ካብዞም ክልተ እቲ ሓደ ቀለዮጳ እዩ ዚበሃል። ናብ ኣማሁስ ገጾም ዚኸዱ ዘለዉ ድማ ምስክርነት ናይተን መላእኽቲ ዝተራእይወን ቅዱሳን ኣንስትን፡ ናይቶም ናብ መቓብር ከይዶም ስጋ ክርስቶስ ዝሳኣኑ ክልተ ሃዋርያትን ድሕሪ ምስምዖም እዩ። ነቲ ክርስቶስ ዝነገሮም ቃል ምዝካር፡ ነቲ ናይ ትንሳኤኡ ምስክር ድማ ምእማን ሓዲጎም ኪዘራረቡን ኪመራመሩን ዝመረጹ ሰባት ነበሩ።

ምርምሮም ግና ናብ እምነት ኬብጽሖም ኣይከኣለን።ምኽንያቱ እምነት ናይ ምርምር ውጽኢት ኣይኰነትን።እምነት፡ ነቲ ዘይረኣኻዮ ዘይተ ረዳእካዮን ምስ ነገሩኻ ብምስማዕ ጥራይ ምቕባል እዩ። እቲ ጐይታ ባዕሉ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ኸም ዚትንስእ ዝነገሮም ቃል ኣይኣመንዎን። ስለዚ ድማ ከም ተስፋ ኣብ ልቦም ሒዞም ኪጽበይዎ ኣይከኣሉን። እዚ ዘይምእማን እዚ ድማ፡ ክርስቶስ ከም ዝተንስኣ ዝተነግሮምን ዝረኣይዎን ሰባት ምስ ኣረጋገጹሎም እኳ ኺኣምኑ ኣየኽኣሎምን። ካብቲ ዚዘራረቡሉን ዚመራመሩሑን ዝነበሩ ሓደ ነጥቢ፡ሰብከ ሞይቱ ኣብ መቓብር ሳልስቲ ድሕሪ ምጽንሑን ድሕሪ ምብስባሱንከ መሊሱዶ ኺትንስእ ይኽእልዩ፧ እቲ ስጋኡ ኣብቲ መቓብር ዘይምጽንሑ ግን እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ ምናልባትዶ እቲ ኣብ መቓብር ናይ ሃብታማት ምቕባሩ ዘሕዘኖም ኣይሁድ ኣውጽኦም ወሲዶምዎ ይዀኑ፧ዚብል ከም ዚኸውን ርዱእ እዩ። ምኽንያቱ ማርያም መግደላዊትውን፡ንጐይታና ኻብ መቓብር ወሲደምዎ፡ ኣበይ ከም ዘንበርዎ ግና ኣይንፈልጥንእያ ዝበለት፡ ነቲ ሓላው ኣታኽልቲ መሲሉ ዝተራእዮ ኢየሱስውን፡ጐይታይ ንስኻ ኣልዒልካዮ እንተ ኼንካስ፡ ኣነ ኽወስዶ፡ ኣባይ ከም ዘንበርካዮ ንገረኒ።በለቶ፡፡ ስለዚ ኣብ ኣእምሮ ዂላቶም ደቀ መዛሙርቲጐይታ ተንሲኡዚብል እምነት ኣይነበሮምን። ጐይታ ድማ ካብዚ ዘይምእማን ዝወለዶ ጓሂ ምእንቲ ኼናግፎም ኣብ መገዲ ተጸምበሮም እቲ ዜሕዝን ግና ንኸየለልይዎ ኣዒንቶም ተሰዊረን  ነበራ፡ ኣስተውዕሉ፡ እቲ ለውጢ፡ እቲ ጸገም ኣብ ኣዒንቶም እምበር ኣብ ጐይታ ኣይነበረን። ኣዒንቶም ብዘይ ምእማን ዓዊረን ነበራ።ጐይታ ትርኢቱ ኣይተለወጠን።ተለዊጡ እንተ ዚኸውን፡ ንሱ እዩ ተሰዊሩ እምበር ኣዒንቶም ኣይተሰወራን ማለት እዩ።ብልቦም ንክርስቶስ ከም ዝተሰርቀ ሬሳ እምበር ከም ህያው ጐይታ ስለ ዘይፈልጥዎ፡ዋላ ወቓሕ እንት በሎም እኳ፡እዚ ሰብ እዚ ንጐይታ ዚመስልካብ ምባል ሓሊፎም ከም ጐይታ ኣለልዮም ኪቕበልዎ ኣይክእሉን እዮም።ጐይታ፡እዚ እናኸድኩምን እናጐሃኹምን ንሓድሕድኩም እትዘራረብዎ ዘለኹም ዘረባስ እንታይ እዩ፧ኢሉ ምስ ሓተቶም ቀለዮጳ ብምግራምን ብነቐፌታዊ ስምዒትን፡በዘን መዓልታት እዚኣተን ኣብ ኢየሩሳሌም ዝዀነ ነገር ዘይትፈልጥ፡ ንስኻ በይንኻዶ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣጋሻ ኢኻኢሉ መለሰሉ።ጐይታ ደጊሙ ምስ ሓተተ ግና፡እዚ ናይ ኢየሱስ ናዝራዊ ነገር፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኵሉ ህዝብን ብግብርን ብቓልን ከኣሊ ነብዩ ዝነበረ ሰብኣይ፡ (ሊቃውንቲ ኻህናት ንፍርዲ ሞት ኣሕሊፎም ብምሃብ ሰቒሎም ቀተልዎ) ንሕና ግና፡እቲ ንእስራኤል ዜድሕን ንሱ እዩኢልና፡ ተስፋ ንገብር ኔርና።ብምባል ሕጂ ግና ተስፋኦም ከም ዝተቘርጸን ከም ዘብቅዐን ኣብ እምነት ከምዘየለዉን ዜርእይ መልሲ ሃብዎ።ዋላ ተስፋ ዚዘርእ ናብ እምነት ድማ ዚመልሶም ዜስተንክር ብስራት ተነጊርዎም ኬብቅዕ እምነቶም ህይወት ክትዘርእ ኣይተኻእላን። ጐይታ በዚ ስምዒቶምን ቃላቶምን ኣዝዩ ስለ ዝጐሃየ ድማ፡ ነዞም ደቀ መዛሙርቱ፡ኣቱም ነብያት ብእተዛረብዎ ልቦም ንምእማን ዝደንጐየ ዓያሱብምባል ዘለፎም።

እምበኣር፡ ካብዚ ቓል ጐይታ ኸም እንርድኦ ዘይምእማን እቲ ዝኸበደ ዕሽነት እዩ። ካልእ ኵሉ ዓይነት ዕሽነታት ካብዚ ናይ ዘይምእማን ዕሽነት እዩ ዚፍልፍል።ድሕሪ ነፍሲ ወልፊ ሓጥእ ስምዒትን ሓጥእ ቃላትን ሓጥእ ተግባራትን ዘይምእማን ኣሎ። ይትረፍ ፈጺምካ ንሓዋሩ ኸይኣመንካ ምንበር፡ ዋላ ንምእማን ምድንጓይ እኳ ከቢድ ዕሽነት እዩ።በቲ ነብያት ደጋጊሞም ዝገላጽዎን ክርስቶስ ባዕሉ ደጋጊሙ ዝተዛረበሉን፡ ትንሳኤኡ ንምእማን ምድንጓይ፡ ንጽውዓኻን ተልእኾኻን ሓዲግካ፡ ንድሕሪት ናብ ኤማሁስ (ናብ ዓለም) ገጽካ ኽትምለስ እዩ ዝቕስብ። ልቢ ሓንሳእ ብናይ ዘይምእማን ሓጢኣት እንተ ተወጊኡ፡ ንድሕሪት ካብ ምምላስ ክትድሕን ብጣዕሚ እዩ ዜጸግም። ኣብ ዕጹው ገዛ ተኣኣኪቦም ከለዉ፡ ክልተ ጊዜ ብሃንደበት ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ፡ ተራእይዎም፡ ኣዛራሪብዎም፡ ዝቐረቡሉ ምግቢ በሊዑሎም፡ በእዳዎም ተዳህሲሱሎም ኬብቅዕ፡ ድሕሪ ሒደት መዓልታት፡ ጴጥሮስ ዝመራሒኦም ሾብዓተ ሃዋርያት ብሓደ ተኣኪቦም ከለዉ፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ኣነስ ዓሳ ኽገፍፍ ክኸይድምስ በለ፡ እቶም ዝተረፉ ሽዱሽተ ድማ፡ንሕናውን ምሳኻ ንኸይድኢሎም፡ ንድሕሪት ናብቶ ዓለማዊ ሞያኦም ኪምለሱ ወሰኑ። ዘይምእማን ብምርኣይ ብምድህሳስ ኣይፍወስን እዩ።ሳዕቤን ዘይምእማን እንታይ ከም ዚመስል፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ኣቱም ኣሕዋተይ፡. . . ኣብ ጸጽባሕ ንሓድሕድኩም ተመዓዓዱ እምበር፡ ሓደ እኳ ኻባኻትኩም፡ ሓጢኣት እናኣዓሸዎ ኸይተርር እሞ፡ ምናልባሽ፡ ኣብ ሓደኻባኻትኩም ካብ ህያው ኣምላኽ ዜርሕቕ እኩይ ዘይኣምን ልቢ ኸይህልው፡ ተጠንቀቚ።ብምባል ገሊጹልና ኣሎ (እብ 312, 13)።ዘይኣምን ልቢ እምበኣር ካብቲ ህያው ኣምላኽን ካብ ህይወትን እዩ ዜርሕቐካ። ልብኻ በቲ ዘለኣለማዊ ወጽዓ እምበር ዝዀነ ረብሓ ዘይብሉ ሓጢኣት ከም ትጥበርን ትዕሸውን ብምግባር፡ ንልብኻ ንቓል ኣምላኽ ከይትኣምንን ከይትእዘዝን ከም ከውሒ የትርሮ።ልቡ ዝተረረ ሰብ ድማ ናብ ዕረፍቲ ኣምላኽ፡ናብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኣይኣትውን እዩ።ምክንያቱ፡ ኻኣበሰሪ ምእማን ከኣትው ከም ዘይከኣሉ፡ ንርኢ ኣሎናብምባል ገሊጹልና እዩ (እብ 316-19) እምበኣር ዘይኣምን ልቢ፡ ኣኩይ ልቢ እዩ ካብ ከምዚ ዝብለ ልቢ ርእስና ንሓልውን ነንጽህን።እስራኤላውያን፡ ብዜገርም ተኣምራት ካብ ግብጺ ሓራ ወጺኦም ክነሶም፡ ብሰሪ ዘይምእማን ግና ኣብ ምድረበዳ ሲናይ ነርብዓ ዓመት ዚኣክል ኰለል እናበሉ ንዝተናውሓ ስቓይን ሞትን ኣሕሊፎም ተዋህቡ።ብፍላይ ብዛዕባ እታ ዚወርስዋ ሃገር ከንኣን በቶም ሰለይቲ ሕማቕ ምስ ተወረየሎም፡ ኣብ ኣምላኽ ኣሚኖም ኣብ ክንዲ ዚጸንዑ፡ ኪበኽዩን ኬጉረምርሙን፡ ሓደስቲ ሓላቑ መሪጾም ናብ ግብጺ ኸምለሱ ኺመክሩ ሓደሩ። እግዚኣብሄር ድማ ኣዝዩ ተቘጥዐ እሞ፡እዚ ህዝቢ እዚ ኽሳዕ መዓስ ዚንዕቀኒ፧ ክሳዕ መዓስ እዮም በቲ ዂሉ ኣብ ማእከሎም ዝገበርክዎ ትእምርትታት ዘይኣምኑኒ፧ብምባል ተዛረበ (ዘሁ 1411) እምበኣር፡ ካብዚ ናይ እግዚኣብሄር ቃል ከም እንርድኦ፡ ዘይምእማን ማለት ምንዓቕ ማለት እዩ። ዘይምእማን ከቢድ ድሓጢኣት ዝዀነሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ እዩ። ከም እምነት ብምርኣይ እንተ ትኸውን፡ ከም ህዝቢ እስራኤል ገይሩ ተኣምራዊት ኢድ ዝረኣየ የልቦን።እንተ ዀነ ካብኣቶም ንላዕሊ ብዘይ ምእማን ዝተነቕፈን ዝተፈርዳን ህዝቢ ድማ የልቦን። ስለዚ እምነት ብውሳነምበር ብመርትዖ ኣይኰነን ዚመጽእ። ሓደ እዋን ንሓደ ሰባኽ ወንጌል፡ ጋዜጠኛ መጽኡ፡ንስኻስ ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓሳ ኣንባሪ ሰለስተ መዓልትን ለይትን ብህይወት ጸኒሑ ኢልካ ብሓቂ ትኣምን፧ኢሉ ሓተቶ። እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ድማ፡እግዚኣብሄር ዝተዛረቦ እንተ ዀይኑ፡ ይትረፍ ሰብ ኣብ ከብዲ ዓሳ ኣንበሪ (Whale) እቲ ዓሳ ኣንበሪ ኣብ ከብዲ ዮናስ ስለስተ መዓልቲ ገይሩ እንተ ዚብለኒውን ምኣመንክዎ ነይረብምባል መለስኩ’’ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይከኣልን እዩ’’ ብምባል ኣረጋጊጹልና፡ እዩ። እዞም ኵሎም ኣርኣያና ዝዀኑ ቕዱሳን ድማ ብእምነት እዩ እተመስከረሎም (እብ 112,6) ብዛዕባ እቲኣቦ እምነትዝተሰምየ ኣቦና ኣብርሃም፡ “. . . ተስፋ ኣብ ዘይብሉስ፡ ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ኪከውን ብተስፋ ኣመነ። ኣስታት ወዲ ሚእቲ ዓመት ክነሱ፡ ሙማት ስጋኡን ሙማት ማህጸን ሳራን እናረኣየ፡ ንምእማን ኣይደኸመን። ግናኸ ንኣምላኽ ክብሪ እናሃበ ንምእማን በርትዐ እምበር፡ ነታ ተስፋ ኣምላኽ ብዘይ ምእማት ኣይተወላወለን።ነታ ዝሃቦ ተስፋኺገብራ ኽእለት ከም ዘለዎ ፡ኣጸቢቑ ተረዲኡ ነበረ። ስለዚ ድማ (እምነቱ) ንጽድቂ ተቘጽረትሉ።ዚብል ምስክርነት ተጻሒፉልና ኣሎ (ሮሜ 418-22)።እምበኣር ንሕናውን ኣብ ኵሉ መንፈሳውን ማሕበራውን ናብራና ብኸምዚ ዝበለ እምነት ብምምልላስ ውሉድ ኣብርሃም (ውሉድ ኣምላኽ) ክንከውን ትጽቢት ይግበረልና ኣሎ።እቲ ኣብ ራእ 218 ተጻሒፉ ዘሎእቶም ፈራሃትን ዘይኣምኑን ፍንፉናትን ቀተልቲ ነፍስን ኣመናዝርን ጠንቈልትን መምለኽቲ ጣኦትን ብዘለዉ ሓሰውትን ግና፡ ግዲኦም ኣብቲ ብሓውን ዲንን ዚነድድ ቀላይ እዩ፡፡ እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ።ዚብል ቃል፡ ዘይምእማ ንምስ ኣየኖት ዓይነት ሓጢኣት ከም ዚስራዕን፡ ናይ መወዳእታ ዓስቡ ድማ ከመይ ዜስካሕክሕ ምዃኑን ገሊጹልና ኣሎ። ከምዚ ዚብል ቃል እናተነግረካ ንዘይምእማን ካብ ምምራጽ ዚኸፍእ ዕሽነት ኪህልው ኣይክእልን እዩ። እምነት ይውሕደና እንተ እንተልዩ ከምቶም ለባማት፡እምነት ወስኸኒ፡ ንዘይምእማነይ ደጊፍካ ናብ ምእማን ኣብቅዓኒኢልና ደኣ፡ ነቲ ንዂሉ ኸየስተሓረ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ ንለምኖ እምበር፡ ብዘይ ምእማንና፡ ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ ምስ ዓያሱ ኽንምደብን፡ ብኻልኣይ ሞት ኣብ ቀላይ ሓዊ ንዘለኣለም ንምንባርን ኣብ ርእስና ኣይንፍረድ። ኣምላኽ እምነት ይደግፈና ኣሜን።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ዕለት፥   ሰንበት ሚያዝያ 22, 2018 (ሚያዝያ 14, 2010 ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 125-6

ይእዜ እትነሣእ ይቤ እግዚኣብሔር እሬሲ መድኃኒተ ወኣግህድ ቦቱ ቃለ እግዚኣብሔር ቃል ንጹሕ።

ቃላት እግዚኣብሄር ጽሩይ ቃላት እዩ፣ ብመምከኽ መርየት ዝጸረየ፣ ሾብዓተ ሳዕ እተዀልዔ ብሩር እዩ።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

2ቈረ 5፡11-ፍጻሜ

ዲያቆን

ወንጌል፡ ሉቃ 24፡13-33

2ጴጥ 3፡14-ፍጻ

ንፍቀ ዲያቆን

ቅዳሴ፡ ዘዲዮስቆሮስ (እምቅድመ ዓለም)

ግሃ 21፡31-ፍጻ

ንፍቀ ካህን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div