"እንሆ ምስጢር እነግረኩም ኣለኹ፦ እታ ናይ መወዳእታ መለኸት ምስ ተነፍሐት፡ ኵላትና ብሓንሳእ ከም ቅጽበት ዓይኒ ኽንልወጥ ኢና’ምበር፡ ኵላትና ኣይክንመውትን ኢና። ከመይሲ እታ መለኸት ክትንፋሕ’ያ፡ እቶም ምዉታት ድማ ብዘይበርስ (ሰብነት) ኪትንስኡ’ዮም፡ ንሕና’ውን ክንልወጥ ኢና።" 1ቈረ 15፡51,52 ካ.ት
እዚ ዕለት’ዚ፡ ናይ ዘመነ ትንሳኤ ሓምሻይ ሰንበት’ዩ። ብመሰረት’ቲ ቅዱስ ያሬድ ነዚ ዕለት’ዚ ዝሰርዖ “አርአየ ሥልጣኖ ላዕለ ሞት (ስልጣኑ ኣብ ልዕሊ ሞት ኣርአየ) ዘርእስቱ መዝሙር-ሰንበት፡ ብዛዕባ’ቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ’ቲ ሓያል ሞት ዘግሃዶ ስልጣኑ እንመሃረሉን እነስትንትነሉን ዝተባረኸ ሰንበትን ሰሙንን’ዩ። ሞት ኣብ ልዕሌና ኺስልጥን ዝገበረ፡ ሓጢኣት’ዩ። ሰብ፡ ንኸምኡ ሰብ ወይ ንእንስሳ ኪቐትል ከሎ፡ ብሰይፊ ወይ ብጥይት ከም ዚወግእ፡ ሰይጣን ንዅሉ ዘርኢ ኣዳም ብዘለኣለማዊ ሞት ኪቐትል ምስ ኣንቀደ ድማ፡ ብሓጢኣት ወግኦ። ሓጢኣት ኪወግኣና’ሞ ኪቐትለና ሓይሊ ዝረኸበ ድማ፡ ንሓይሊ ሕጊ ብምምዝማዝ’ዩ። ምኽንያቱ እግዚአብሔር ሕጉ ንዘፍረሰ ዅሉ ሰብ ሞት ከም ዝፈረደ ምስ ረኣየ፡ ነዚ ሕጊ’ዚ ተጠቒሙ፡ ሰይጣን ነቲ ናይ ቅትለት ባህጉ ኼዕግብ ተዓጥቀ። ሰይጣን ኣብ ልዕሊ ህይወትን ሞትን ዝዀነ ዓይነት ስልጣን የብሉን። ኣብ ልዕሊ ሞትን ህይወትን ስልጣን ዘለዎ፡ በይኑ እግዚአብሔር ጥራሕ’ዩ። ከም’ቲ ጐይታና፦
“ንስኻትኩም ካብ’ቲ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹም፡ እታ ትምኒት ኣቦኹም ክትገብሩ’ውን ትደልዩ ኣለኹም። ንሱ ኻብ መጀመርታ (ኣትሒዙ) ቐታል ነፍሲ’ዩ። ሓቂ ኣብኡ ስለ ዘየልቦ’ውን፡ ኣብ ሓቂ ኣይጸንዐን። ሓሶት ኪዛረብ ከሎ፡ ካብ ርእሱ’ዩ ዚዛረብ። ሓሳዊ’ዩ’ሞ፡ ንሓሶት’ውን ኣቦኣ’ዩ።”
ዝበሎ፡ ነቲ ብመልክዕን ምስልን ናይ ኣምላኽ ዝተፈጥረ ዅሉ ኣዳም ንምጕዳእ ዚጥቀመለን ኣጽዋሩ ሓሶትን ሞትን (ቅትለትን)’የን። በቲ ረቂቕ ሓሶቱ ገይሩ ንፍትወትን ፍቓድን ናይ ስጋና የዕፍሮ’ሞ ንሕጊ ኣምላኽ ብድፍረት ጥሒስና ናብ ሓጢኣት ከም ንወድቕ ይገብረና። ሽዑ ንሞትና ዚኸውን መሰረት ስለ ዘንጸፈ፡ እታ ናይ ቅትለት ባህጉ ዜስምረሉ ዕድል ኣውሒሱ’ዩ። ከም’ቲ ጐይታ ዝበሎ፡ እቲ ሰራቒ ድያብሎስ፡ ብዘይካ ኺሰርቕን ኪሓርድን ኬጥፍእን ኢሉ፡ ካብኡ ንዚሓይሽ ዕላማ ኣይመጽእን’ዩ (ዮሃ 10፡10)። ንኼሕጥኣናን ንኬቕትለናን ነቲ ሕጊ ኣምላኽ ስለ ዝተጠቕመሉ፡ ከም ሕሱም ጠበቓ፡ ምዕራፍን ዓንቀጽን ጠቒሱ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ይኸስሰና፡ ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ፡ “ከሳስ ኣሕዋትና” ዝተሰምየ (ራእ 12፡10)። ነዚ ሓቂ’ዚ ድማ ነብዪ ዘካርያስ በቲ ብዛዕባ ሊቀ ካህናት እያሱ ዝረኣዮ ራእይ ብንጹር ገሊጹልና ኣሎ።
“ንእያሱ ሊቀ ኻህናት ኣብ ቅድሚ’ቲ መልኣኽ እግዚአብሔር ደው ኢሉ ኣርኣየኒ፡ ሰይጣን ከኣ ኪጻረሮ (ኪኸስሶ) ኣብ የማኑ ቈይሙ ነበረ። ..... እያሱ ኸኣ ረሳሕ ክዳውንት ተኸዲኑ ኣብ ቅድሚ’ቲ መልኣኽ ደው ኢሉ ነበረ። እቲ መልኣኽ ከኣ ነቶም ኣብ ቅድሚኡ ቘይሞም ዝነበሩ (ኻልኦት መላእኽቲ)፡ “ነቲ ረሳሕ ክዳውንቲ ኻብኡ ኣልዕልዎ”፡ ኢሉ (ኣዘዞም)። (ንእያሱ) ኸኣ “ርአ፡ ኣበሳኻ ኣውጻእኩልካ፡ ብሉጽ ክዳውንቲ (ጽድቂ)’ውን ከደንኩኻ” በሎ።” ዘካ 3፡1-4
ሰይጣን ንደቂ ኣዳም ዚቐትለሉ ጥበቡ’ምበኣር ነዚ’ዩ ዚመስል። በቲ ዝተራቐቐ ሓሶቱ፡ ከም ነታ ንኣዳምን ሄዋንን ገይሩ ዘስሓቶም ገይሩ የስሕተካ። ኣብ’ታ ዘጻወዳ መፈንጠራኡ ምስ ወደቕካሉ ድማ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቀሪቡ፡ “በቲ ሕግኻ መሰረት፡ እዚ ሰብ’ዚ ሞት ይግብኦ’ዩ” ኢሉ ይኸስሰኻ። እግዚአብሔር ንሰይጣን ኬሐጕስ ኢሉ ዘይኰነ፡ ነቲ ዘይልወጥ ጻድቕ ሕጉ ስለ ዜኽብር፡ ድሮ ሞት ፈሪዱካ’ዩ። ስለ’ዚ ሰይጣን ብሓሶት ኣሕጢኡ፡ ብሕጊ ኣምላኽ ኣቕቲሉ፡ ንዘለኣለም ኣብ ትሕቲ ባርነት ሞት የንብረና። ኣብ’ቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ናይ 1ቈረ 15፡50-ፍጻ ንባብና ዀነ ኣብ ካልእ መልእኽቱ ነዚ ምስጢር’ዚ ቅዱስ ጳውሎስ ብዜገርም ንጻረ ኣብሪሁልና’ዩ።
“ዎ ሞት ኣበይ ኣሎ ብልሕኻ፡ ኣታ ሲኦልከ ኣበይ ኣሎ ዓወትካ፧ ብልሒ ሞት ሓጢኣት’ዩ፡ ሓይሊ ሓጢኣት’ውን ሕጊ’ዩ።” 1ቈረ 15፡55,56
“ሓጢኣት ብዘይ ሕጊ (ሕጊ እንተ ዘየለ) ምዉት’ዩ። ግናኸ ሓጢኣት ነቲ ትእዛዝ ምኽንያት ብምግባር፡ (ኵሉ) ኽፉእ ትምኒት ኣለዓዓለለይ። ቀደም ብዘይ ሕጊ (ሕጊ ኸይተዋህበ ኸሎ) ኣነ ህያው ነበርኩ። ትእዛዝ (ሕጊ) ምስ መጸ ግና፡ ሓጢኣት (ኣባይ) ህያው ዀነ፡ ኣነ ኸኣ ሞትኩ። እቲ ህይወት ኬምጽእ ዝተዋህበ ትእዛዝ፡ ንኣይ ንሞት ኰነኒ። ከመይ ሓጢኣት ምኽንያት ረኺቡ ብትእዛዝ ኣስሓተኒ፡ (ብትእዛዝ’ውን) ቀተለኒ።” (ሮሜ 7፡8-11 ካ.ት)
ካብ ከም’ዚ ዝበለ ዝተራቐቐ ናይ ሰይጣን መፈንጠራ ኸተምልጥ፡ ብዓቕሚ ስጋ-ለበስ ፍጡር ፈጺምካ ዘይሕሰብ’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ኻብ ኣቦና ኣዳም ጀሚሩ፡ ዋላ’ቶም ንኣምላኽ ዘኽበርዎ ጻድቃን ኣቦታትና ኸይተረፉ፡ ኣብ ትሕቲ ማእሰረ-ሞት ተመቝሖም ኣብ ሲኦል ዚነብሩ ዝነበሩ። እግዚአብሔር ግና ነቶም ብምሉእ ልቦምን ሓይሎምን ኬስምርዎ ዝተጋደሉ ቕዱሳኑ ምእንቲ ኼድሕን፡ በቲ ልዑል ሕያውነቱ ተደሪኹ፡ ነቲ ሓደን ቅዱስን ናይ ባህርይ ወዱ፡ ነዚ መዋትን ድኹምን ስጋና ለቢሱ ምእንታና በጃ ብምሕላፍ ብሞቱ ዕዳ ሓጢኣትና ኸፊሉ፡ ብትንሳኤኡ ንኣና ጽድቁ ኣልቢሱ፡ ካብ መቝሕ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ኣውጽኣና። ነቲ ኣብ ቅድሚ ናይ እግዚአብሔር ዝፋን ጸጋ ብድፍረት ደው ኢሉ ዚኸስሰና ዝነበረ ድያብሎስ ድማ ካብ ሰማያት ነቒሉ ናብ ምድሪ ደርበዮ። ብሞቱ ንሓይሊ ሞት ሰዓሮ። ነቲ ኣብ ልዕሊ ሞት ዘለዎ ስልጣን ኣግሃዶ። ሰይጣን ንሞት ከም ኣጽዋር ገይሩ ኸይጥቀመሉ ገፈፎን ኣገዶን፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ኸኣ ቅዱስ ጳውሎስ፦
“ነቲ ብሕጋጋት ዚቃወመናን ዚበኣሰናን ዝነበረ ብኢድ እተጻሕፈ ጽሕፈት ዕዳ ደምሲሱ ኸኣ፡ ንእኡ ኣብ መስቀል ሸንኪሩ ኻብ ማእከል ኣርሓቖ። ነቶም (ናይ ሰይጣን) ሕልቅነታትን ስልጣናትን ኣጽዋሮም ገፊፉ፡ ብእኡ እናፈከረሎም ከኣ፡ ብግልጺ ኣስተሓፈሮም።” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ (ቈሎ 2፡14,15)። ስለ’ዚ ኸኣ ኣብ’ዚ ሎሚ ዚቕደስ ዘሎ ቅዳሴ ዲዮስቆሮስ፡ “ሞተ ዘኢይመውት” “እቲ ዘይመውት ሞተ፡ ንሞት ኪስዕሮ ሞተ ንምውታት ኬሕውዮም (ኬተንስኦም) ሞተ፡” ዚብል ኣዝዩ ዜገርም ምስጢር ሰፊሩ ኣሎ (ቅ.ድ ገጽ ቍ 184 ቁ.35)። እቲ ዘይመውት መለኮት በቲ ዝለበሶ ስጋ ገይሩ ዝሞተ ንሞት ብሞት ብምስዓር ነቶም ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሞት ዘለና ዅላትና ብትንሳኤ ሙታን ሓራ ምእንቲ ኼውጽኣና’ዩ።
“እቶም ውሉድ (ኣምላኽ) ስጋን ደምን ዝለበሱ ሰባት ስለ ዝዀኑ ኢየሱስ’ውን ከምኣቶም ሰብ ኰነ። እዚ ኸኣ፡ ብሞቱ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሞት ስልጣን ዘለዎ ድያብሎስ ምእንቲ ኺስዕር፡ ነቶም ብናይ ሞት ፍርሃት ምሉእ ዕድሚኦም ባሮት ኰይኖም ዝነበሩ ሓራ ምእንቲ ኼውጽእ ኢሉ’ዩ። ከመይ ብሓቂ፡ ንዘርኢ ኣብርሃም’ምበር፡ (ነቶም ዝወደቑ) መላእኽቲ ኼድሕን ኣይመጸን። ስለ’ዚ’ውን ርሕሩሕን እሙንን ንኣምላኽ ዜገልግል ሊቀ ካህናት ምእንቲ ኪኸውን፡ ንሓጢኣት ህዝቢ’ውን ስርየት ምእንቲ ኼውህብ፡ ነቶም ኣሕዋቱ፡ ብዅሉ (ሰብ ብምዃንን ብሞትን) ኪመስሎም ተገብኦ።” (እብ 2፡14-17 ካ.ት)
ካብ’ዚ ጥቕሲ’ዚ ኸም ‘ንርድኦ’ምበኣር፡ ሞት ተሳዒሩ ማለት ሰይጣን ተሳዒሩ ማለት’ዩ። ምኽንያቱ ሞት ኵነት’ምበር፡ ኣካል ኣይኰነን። ሞት ማለት ህይወት ኣልቦ ምዃን፡ ህይወት ምስኣን ማለት’ዩ። ድያብሎስ ነዛ ዅነት’ዚኣ ኸም ኣጽዋር ተጠቂሙ፡ ንዅሉ ሰብ ብእኣ ይቐትሎን ብፍርሃታ ይገዝኦን ነበረ። ጐይታ ግና ብሞቱ ንሰይጣን ብምስዓር ነዛ ኣጽዋሩ ዚኣ ገፊፉ ኣስተሓፈሮ። ንሞት ምስዓር ማለት ናብ’ቲ ዝሰኣንካዮ ህይወት ክትምለስን ደጊምካ ኽትውንኖ ምኽኣልን ማለት’ዩ። ነቲ ብሞት ስጋኡ ዝሰኣኖ ህይወት ደጊሙ ረኺብዎስ ህያው ኰይኑ ስለ ዝተንስአ “ንሞት ሰዓሮ” ተባህለሉ። በዚ ዓወቱ’ዚ ድማ ኣብ’ቲ ምዱብ መዓልቲ ምጽኣቱን መዓልቲ ትንሳኤናን ዳግማይ ህይወት ሂቡ ኼተንስኣና’ዩ።
ብዛዕባ ኣየናይ ሞት ኢና ንዛረብ ዘለና፡ ሞት ተሳዒሩ እንተ ዚኸውን ደኣ ንምንታይ ክሳዕ ሕጂ ንመውት ኣለና፡ ሞት ንሓዋሩ ኼብቅዕዶ ኣይነበሮን፧ ደጋጊምና ንመሃሮ ኸም ዘለና ብዛዕባ ኽልተ ዓይነት ሞት ኢና ንዛረብ ዘለና። እቲ ቐዳማይ ሞት፡ እቲ ብትንሳኤ ሕልና ወይ ትንሳኤ ልቦና ዚሰዓር መንፈሳዊ ሞት ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ሞት ከኣ እቲ ብትንሳኤ ሙታን (ትንሳኤ ዘጕባኤ) ዚስዓር ኣካላዊ ወይ ስጋዊ ሞት’ዩ። ክልቲኡ ዓይነት ሞትን ክልቲኡ ዓይነት ትንሳኤን ግን ንሓድሕዱ ሓያል ዝምድና ኸም ዘለዎ ኽንስሕቶ ኣይግባእን። እቲ ቐዳማይ መንፈሳዊ ሞት ሓጢኣት ዝፈጸመ ዘበለ ዅሉ ሰብ ዚሞቶ ሞት’ዩ። ስጋ ዝለበሰ ሰብ ኰይኑስ ሓጢኣት ዘይፍጽም ሓደ’ኳ ስለ ዘየለ፡ በዚ መንፈሳዊ ሞት’ዚ ዘይሓልፍ ሰብ ፈጺሙ የልቦን (ሮሜ 3፡9-31)። ካብ’ዚ መንፈሳዊ ሞት’ዚ ብትንሳኤ ሕልና ዚድሕንን ዚትንስእን ግን እቲ ፈትዩ ዝኣመነን፡ ንርእሱ ኻብ’ቲ ምዉት ግብሪ ዘንጽሀን ጥራሕ’ዩ።
ካብ’ቲ ኻልኣይ ኣካላዊ ሞት ወይ ሞት ስጋ’ውን፡ ብዘይካ’ቶም ገና ብህይወት እናሃለው ምጽኣት ጐይታ ዘርከቦም፡ ዝዀነ ሰብ ዜምልጥ የልቦን (ሮሜ 5፡12,14፣ እብ 9፡27)። ካብ’ቲ ኻብ ሞት ስጋ እንትንስኣሉ ትንሳኤ ሙታን ዚተርፍ ሰብ’ውን የልቦን። ሓጥኣን ኰነ ጻድቃን ኵላቶም ምውታት ናይ ግድን ኪትንስኡ’ዮም። ፍልልይ ዚመጽእ ኣብ’ቲ ድሕሪ ትንሳኤ ዘሎ ፍርድን ናብራን’ዩ። ትንሳኤ ሕልናን ትንሳኤ ስጋን ዘለዎም ሓያል ዝምድና ኸኣ ኣብ’ዚ ጊዜ ፍርዲ’ዩ ዚገሃድ። እቶም ብትንሳኤ ሕልና እናነበሩ ኸለዉ ሞት-ስጋ ዘርከቦም፡ ኣብ’ታ መቓብራት ተኸፊቶም ትንሳኤ-ስጋ ዚፍጸመላ ጊዜ፡ ናብ ዘለኣለማዊ ሓጐስን ክብርን ኪኣትው’ዮም። እቶም ገና ካብ መንፈሳዊ ሞት ከይተንስኡ ኸለዉ ሞት-ስጋ ዘርከቦም ድማ፡ ኣብ’ታ ብስጋ ዚትንስኡላ መዓልቲ ናብ ዘለኣለማዊ ስቓይን ውርደትን ኪኣትው’ዮም። ብኻልእ ኣዘራርባ’ምበኣር፡ እቶም ክልተ ሞት ሞይቶም ግናኸ ሓንሳእ ጥራሕ ዚትንስኡ፡ ደቂ ገሃነም’ዮም። እቶም ክልተ ሞት ሞይቶም ብኽልተ ትንሳኤ ዚሓውዩ ግና፡ ደቂ መንግስቲ ሰማያት’ዮም። እቲ ንትንሳኤ ሕልና ዝነዓቓን ዝተሓሰማን በታ ናብ ምርጫ ዘይትቐርብ ዘይትተርፍ ትንሳኤ ስጋ ኣዝዩ ይጕዳእ። እቲ ንትንሳኤ ሕልና ኣዝዩ ዝበሃጋን ዝነበረላን ግን ብትንሳኤ ስጋ ይረብሕን ይከሓስን።
ቅዱስ ጳውሎስ፡ “እቲ ኣብ መወዳእታ ዚስዓር ጸላኢ፡ ሞት’ዩ፡” ኢሉና ኣሎ (1ቈረ 15፡26)። እዚ ተጠቒሱ ዘሎ ሞት ከኣ ሞት-ስጋ’ዩ። መንፈሳዊ ሞት ኣብ መስቀል’ዩ ተሳዒሩ። ስጋዊ ሞት ግን ኣብ ምጽኣት’ዩ ዚሰዓር። ንጻድቃን ትንሳኤ ስጋን፡ ናይ ትንሳኤ ሕልናን፡ ጻማ’ዩ። ንረሲኣን ከኣ ትንሳኤ ስጋ ናይ’ቲ ትንሳኤ ዘይደለዩሉ መንፈሳዊ ሞቶም መስጣ ወይ ፍዳ’ዩ።
“ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም (ምውታት)፡ ድምጺ (ወዲ ኣምላኽ) ዚሰምዑን ሰዓት ክትመጽእ’ያ። (ብትንሳኤ ሕልና) ሰናይ ዝገበሩ፡ (ብስጋ) ናብ ትንሳኤ ህይወት፡ (ብመንፈሳዊ ሞት) እከይ ዚገበሩ ኸኣ (ብስጋ) ናብ ትንሳኤ ፍርዲ (ኻብ መቓብር) ኪወጹ’ዮም’ሞ፡ በዚ ኣይትደነቑ።” ዮሃ 5፡28,29
“ካብ’ቶም ብዙሓት ኣብ መሬት ምድሪ ደቂሶም ዘለዉስ፡ ገሊኦም ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት፡ ገሊኦም ከኣ ናብ ሕፍረትን ናብ ናይ ዘለኣለም ነውርን ኪበራበሩ’ዮም። እቶም ጠቢባን ከም ምንጽብራቕ ጠፈር፡ እቶም ንብዙሓት ናብ ጽድቂ ዚመርሑ ኸኣ ከም ከዋኽብቲ ንዘለኣለም ኣለም ኪበርሁ’ዮም።” ዳን 12፡2,3
ናብ ኣርእስትና’ሞ ንመለስ፡ እዚ ድሕሪ ትንሳኤ ሙታን ኣባና ዚኽሰት ለውጢ እንታይ ዝዓይነቱ’ዩ፧ እንታይና’ዩ ኺልወጥ፧ ንምንታይከ ለውጢ ኣድለየ፧ ትንሳኤ ሙታንኮ ናይ ሓንቲ እዋን፡ ናይ ሓንቲ ቕጽበት ፍጻመ’ያ። ናብ’ዚ ነባሪ ለውጢ እተእትወና ኽብርቲ ፍጻመ’ያ። እዛ ለውጢ’ዚኣ ዘይተጋጥሞ ሰብ ፈጺሙ የልቦን። ሓጥኡ ጻድቑ፡ ኵሉ ኪልወጥ’ዩ። እዛ ለውጢ’ዚኣ፡ ነቲ ጻድቕ ሓለፋኡ’ያ፡ ነቲ ሓጥእ ግን መስጣኡ’ያ። እዛ ለውጢ’ዚኣ ሓንሳእ ምስ ተኸስተት፡ ንዘለኣለም መለሳ ዘይብላ ለውጢ’ያ። ብኻልእ ኣዘራርባ ንዘለኣለም ዘይትልወጥ ለውጢ’ያ። ቅዱስ ጳውሎስ፡ እዛ ለውጢ’ዚኣ ኣዝያ ዓባይ ሰማያዊ ምስጢር ምዃና ኣፍሊጡና ኣሎ። እዛ ለውጢ’ዚኣ እንታይ ዓይነት ምዃና ብኸም’ዚ ዚስዕብ ኣብሪሁልና ኣሎ።
“..... እዚ ሓላፊ ዘይሓልፍ ኪለብስ ይግብኦ’ዩ’ሞ እዚ መዋቲ ኸኣ ዘይመውት ኪለብስ (ይግብኦ)’ዩ። እዚ ሓላፊ ዘይሓልፍ፡ እዚ መዋቲ’ውን ዘይመውት (ዘይሙማት) ምስ ለበሰ፡ ሽዑ እቲ ጽሑፍ <ሞት ብዓወት ተዋሕጠ> ዝበሎ ቓል ኪፍጸም’ዩ።” 1ቈረ 15፡53,54
እምበኣር፡ እቲ ብትንሳኤ ሙታን ከም ቅጽበት ዓይኒ ኣባና ዚኽሰት ለውጢ፡ እዚ ሓላፍን መዋትን (በራስን) ስጋና ናብ ዘይመውትን ዘይብስብስን ዘለኣለማዊ ስጋ ኺልወጥ’ዩ። ኣብ’ዛ ንርእሳ ሓላፊት ዝዀነት ዓለም ክንነብር ከለና፡ ነቲ ብስጋ ዝተገልጸ ኢየሱስ ኣብ ምምሳል እንተ ተዓዊትና፡ ሽዑ ብምጽኣቱ ምስ ተገልጸ ነቲ መለኮታዊ ናይ ዘለኣለማውነት ክቡር ባህርዩ ኼውርሰና’ዩ። ምሉእ ዘመኑ ብናይ መዋትነት ስግኣት ንዘሕለፈ ሰብ፡ ዘለኣለማውነት ምርካብ ማለት ብቓላት ኪግለጽ ዘይክእል ዓብይ ክብሪ’ዩ።
ዘለኣለማውነት ጥራሕ ዘይኰነ ብመሰረቱ እቲ ለቢስናዮ ዝተንሳእና ስጋ’ውን፡ ባህርዩ ኪልወጥ’ዩ። እቲ ኻብ’ቲ መሬታዊ ኣዳም ዝወረስናዮ ስጋ፡ ናብ ሰማያዊ ስጋ ኺልወጥ’ዩ። እቲ ነዚ መሬታዊ ስጋ ዜሰንይዎ ዝነበሩ መዋትነት፡ ውርደት፡ ድኻም ተወጊዶም ብሰማያዊ ክብርን ሓይልን ኪትካእ’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ምስጢር ትንሳኤ’ዚ ብዜገርም መገዲ ኣብሪሁልና ኣሎ።
“..... ኵሉ ስጋስ ሓደ ዓይነት ስጋ ኣይኰነን። ሰማያዊ ሰብነት ኣሎ፡ ምድራዊ ሰብነት ከኣ ኣሎ። ግናኸ ክብሪ ናይ’ቲ ሰማያዊ በይኑ’ዩ፡ ክብሪ ናይ’ቲ ምድራዊ’ውን በይኑ’ዩ። ..... ትንሳኤ ሙታን’ውን ከምኡ’ዩ፡ ብዚብስብስ (ስጋ) ይዝራእ፡ ብዘይብስብስ ከኣ ይትንስእ፡። ብውርደት ይዝራእ፡ ብኽብሪ ድማ ይትንስእ። ብድኻም ይዝራእ፡ ብሓይሊ ይትንስእ። ባህርያዊ ሰብነት (ነፍሳዊ ሰብነት) ይዝራእ፡ መንፈሳዊ ይትንስእ። ባህርያዊ ሰብነት ካብ ዚህልው፡ መንፈሳዊ ሰብነት’ውን ኣሎ። ..... ግናኸ ቅድም ዚመጽእ እቲ ባህርያዊ ስጋ’ዩ’ምበር፡ እቲ መንፈሳዊ ኣይኰነን። እቲ መንፈሳዊ ድሓር’ዩ ዚመጽእ። ..... ከም’ቲ ምስሊ ናይ’ቲ መሬታዊ (ኣዳም) ዝለበስና፡ ከምኡ ድማ፡ ምስሊ ናይ’ቲ ሰማያዊ (ክርስቶስ) ክንለብስ ኢና።” 1ቈረ 15፡35,40,42,44,46,49 ካ.ት
“ንሕና ግና ሃገርና ኣብ ሰማያት’ያ። ካብኣ ድማ ንመድሓኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንጽበይ ኣለና። ንሱ (ኢየሱስ) በቲ ንዅሉ ኺመልከሉ ዚከኣሎ ሓይሉ፡ ነዚ ናይ ውርደት ስጋና ለዊጡ፡ ነዚ ኽቡር ስጋኡ ኼምስሎ’ዩ።ፊል 3፡20,21 ካ.ት
እዚ ለውጢ’ዚ ግን ኣብ’ቶም ጻድቃን ጥራሕ ዚኽሰት ኣይኰነን። እቶም ሓጥኣን’ውን ልክዕ ከም’ቶም ጻድቃን፡ ዘይመውትን ዘይብስብስን ስጋ ኪለብሱ’ዮም። እዚ ኸኣ ንኺረብሑ ዘይኰነስ ንዘለኣለም ኣብ’ቲ ቐላይ ሓዊ ምእንቲ ኺሳቐዩ’ዩ። ዘይሙማት እንተ ዘይወሪሶም ግን ናብ’ቲ ሓዊ ምስ ተደርበዩ፡ ብኡንብኡ ኺሞቱን ናብ ሓሙዅሽቲ ኪቕየሩን፡ ካብ ስቓይ ኬምልጡን’ዮም። እንተ ዀነ ተለዊጦም ነቲ ዘይሙማት ስለ ዚወርስዎ እቲ ስጋዊ ውርደቶምን ድኻሞምን ብዝኸፍአ መልክዑ ኪገድድ’ዩ። ከም’ቲ ኣብ ዳን 12፡2,3 ተገሊጹ ዘሎ፡ ውርደትን ነውርን ስለ ዘይበትከሎም፡ ኪግለጽ ዘይክእልን ዘየቋርጽን ሕፍረትን ጣዕሳን ምርረትን ኪስምዖም’ዩ። እቶም ንምድራዊ ናብራና ዜጸልምቱ ስጋዊ ድኻማት ኣዝዮም ኪገድዱ’ዮም። ቃንዛኦም ጽምኣቶም ኪብእስ’ዩ። እቲ ንኣልኣዛር፡ ድኻ ሰብኣይ፡ ዝገፍዐ ሃብታም ሰብኣይ፡ ኣብ ስፍራ ስቓይ ብጽምኢ ተሳቕዩ፡ ሓንቲ ኽልተ ነጥቢ ማይ ክሳዕ ምልማን’ዩ በጺሑ። እግዚአብሔር ካብ’ዚ መሪር መዓት’ዚ ብምሕረቱ ይሰውረና።
እቶም ብትንሳኤ ሙታን ናብ ክብሪ ዝተንስኡ ጻድቃን ግን፡ ጥምየትን ጽምኣትን ዚበሃል የብሎምን። ሕማም፡ ቃንዛ፡ ድኻም ወዘተ ኣይቀርቦምን’ዩ (ራእ 21፡4፣ 20፡4፣ 7፡16,17)። በቲ ጐይታና ዝገለጾ መሰረት፡ “ኣብ ሰማያት ከም መላእኽቲ’ዮም” ዚዀኑ (ማቴ 22፡23-33፣ ማር 12፡18-27፣ ሉቃ 20፡27-38)።
ስጋና ኺልወጥ’ዩ ማለት ግን እንታይ ማለት’ዩ፧ ቅድሚ ሕጂ ዘይነበረና ሓድሽን ዘይናይ ሰብን ስጋ ኬልብሰና ማለት ድዩ፧ ኣይፋሉን። ንብዙሓት የዋሃት ሰባት ግን ከምኡ’ዩ ዚመስሎም። ክርስቶስ ነቲ ለቢስዎ ዝሞተ ስጋ ሒዙ እንተ ተንሲኡ’ሞ፡ ስጋኡ ኸም ዘይተለወጠ ንደቀመዛሙርቱ ኼርእዮም ኬእምኖምን እንተ ተጋዲሉ ከመይ ጌርና ናትና ትንሳኤ ኻብ’ቲ ናቱ ዝተፈልየ ኪኸውን ክንጽበይ ንኽእል፧ ዘይነበረና ኻልእ ሓድሽ ስጋ ዜልብሰና እንተ ዀይኑኸ፡ ነቲ ኣብ መቓብር ዝደቀሰ ስጋና ንምንታይ መቓብር ፈንቂሉ ዜውጽኦ፡ ካልእ ስጋ ዜልብሰና እንተ ዀይኑኸ፡ ነቲ ኻብ መቓብር ዘውጽኦ ስጋና እንታይ’ዩ ኺገብሮ፧ ከም’ዚ ዝበለ ኣጕል ኣተሓሳስባ፡ ኣብ’ቲ ንምስጢረ ትንሳኤ ሙታን ከም ዚግባእ ዘይተማህረን ዘይፈለጠን ሰብ ጥራሕ’ዩ ዚርከብ።
እቲ እሙን ንጉስ ትንሳኤ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ በታ ኣብ’ዛ እክይቲ ዓለም’ዚኣ ንእኡ ዘኽበርናላ ስጋና፡ ብእኣ ኣብ ሰማያት ኬኽብረና’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ፡ “ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ፡ ..... ክርስቶስ ብስጋይ ኪኽብር’ዩ” ዝተጻሕፈልና (1ቈረ 6፡19,20፣ ፊሊ 1፡20,21)። ኣምላኽ ፍትሒ ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ንእኡ ዘኽበርናሉን ዝቐደስናሉን መቕደስ ስጋና የኽብሮ’ምበር፡ ኣየሕስሮን’ዩ። ንሕና ምእንታኡ ንስጋና ኽሳዕ ሰማእትነት ነዋርዶ፡ ንሱ ኸኣ ምእንታና ነቲ ናይ ውርደት ስጋና የኽብሮ። ነቲ ኸም ሓዊ ዚባላዕ መለኮት’ኳ ብዓይኑ ኺርእይ፡ ኣብ ቅድሚኡ ኺቐውም ከም ዚኽእል ገይሩ ይልውጦን የኽብሮን። ነዚ ስጋና፡ ልክዕ ከም’ቲ ናቱ ስጋ፡ ካብ ጸሓይ ዚደምቕ ብርሃን ይገብሮ (ፊሊ 3፡2)። ስለ’ዚ ነቲ ክብሪ ናይ ስጋና ደኣ’ዩ ነቲ ናቱ ኽሳዕ ዚመስል ዚልውጦ’ምበር፡ ነቲ ንእኡ ዘኽበርናሉ ቕዱስ ስጋ ኣይጕሕፎን’ዩ። ብዛዕባ’ዚ ለቢስናዮ ዘለና ስጋ ኣዚና ኽንጥንቀቕ፡ በቲ ክርስቶስ ንስጋና ዘኽበሮ ኽብሪ ኽነኽብሮ’ዩ ዚግባእ። ካብ ኣለባብሳና ጀሚርና ብዅሉ ተግባርና፡ ከም ቤት መቕደስ መጠን፡ ብዝለዓለ ቕድስና ኽንሕዞ ይግብኣና። ኣምላኽ መቕደሱ ንዝገበሮ ስጋና ንሕና ግን ፍትወት ስጋ ዚዕጠኖ ቤት ጣኦት ኣይንግበሮ። ብዛዕባ ኣታሕዛ ሰብነትና፡ ካብ’ዛ ርክስቲ ዓለምን ሰዓብታን ዘይኰነ፡ ካብ ኣምላኽን ካብ’ቶም ዘስመርዎ ቕዱሳንን ክንመሃር’ዩ ዚግብኣና።
ዘይተርፍን ነባርን ለውጢ፡ ንኣናን ነታ ዚኽሰተላ መዓልትን ይጽበይ ኣሎ። ንስቓይና ዜዕርግ ለውጢ ዲና ንደልይ፡ ወይስ ንኽብርናን ሓጐስናን ናብቲ ናይ ኣምላኽ ደረጃ ዜዕብይ ለውጢ፡ ንሕና ባዕላትና ኢና ንውስኖ። ንስጋና ኣምላኽ ዚኸብረሉን ዚቕደሰሉን ቤት መቕደስ ክንገብሮ፡ ብሕድሪ ዝተቐበልናዮ ንብረት ናይ ኣምላኽ’ዩ። ነቲ ዝተፈጥረሉ ዕላማ ኸም ዚበቅዕ ጌርና እንተ ኣመሓዳርናዮ፡ ኣብ መዓልቲ ትንሳኤ ሙታን ናብ ምስሊ ኣርኣያ ክርስቶስ ተለዊጡ ካብ ክብሪ ናብ ክብሪ ኺሰጋገር ከሎ ኽንርእዮ ኢና። በዚ ንብረት ሕድሪ ናይ ርኽሰት ጸወታ ኽንጻወት እንተ መሪጽና ግን፡ ፈጺሙ ዘይተርፍ ግን ከኣ ከቶ ዘይምረጽ መሰክሕ ለውጢ ኸነኣንግድ ኢና።
ስለ’ዚ ናበየናይ ዓይነ ለውጢ ገጽና ንጐዓዝ ከም ዘለና መገድናን ኣካይዳናን ንመርምር። ቅድስና መቕደስና ንሓልው። ብንብረት ሕድሪ ኣይንጻወት። ብትንሳኤ ዚረብሑ ብልህታት’ምበር፡ ብትንሳኤ ዚጕድኡ ኣመና ዓያሱ ኣይንኹን!!
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
ግንቦት 6, 2015 ግዕዝ (14 ግንቦት 2023 ፈ [መበል 36 ሰንበት: ቊ.፵፬/44, 2023] ) |
||
ምስባክ መዝ. ፻፮(፻፯)፡፲፭,፲፮ “ንግሩ ለእግዚአብሔር ምሕረቶ። ወመንክሮሂ ለዕጓለ እመሕያው። እስመ ሰበረ ኆኀተ ብርት።” “መዓጹ ኣስራዚ ሰቢሩ፡ መሸጐር ሓጺን ሰባቢሩ’ዩ’ሞ፡ ንእግዚኣብሄር ስለ ሳህሉን፡ ስለቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተኣምራቱን የመስግንዎ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
1ቈረ 15፡50-ፍጻመ |
ዲያቆን |
|
1ዮሃ 3፡13-ፍጻመ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 2፡22-32 |
ንፍቅ ካህን |
|
ዮሃ 21፡15-ፍጻመ |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ፦ ዘዲዮስቆሮስ |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ