S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እቲ ኣብ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት መንበረ-ማርቆስ፥ ጸኒዑ ይርከብ ከም ዘሎ ዝእመነሉ፥ ብብፁዕ ኣቦና ኣቡነ-መቃርዮስ ዝምራሕ ዘሎ መንበር። ሓድነት ቤተ-ክርስቲያን ንምዕቃብ ብዘለዎ ሓላፍነት፥ ብብዙሕ ክንቀሳቐስ ምጽንሑ ዝፍለጥ’ዩ። ድሕሪ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ኣብ ትሕቲ መቝሕ ምእታዎም፥ ማለት ካብ 1998 ዓ/ም (2006) ኣትሒዙ። እዚ ብብፁዕ ኣቦና እናተመርሐ ዝጐዓዝ ዘሎ መንበረ-ጵጵስና፥ ታሪኽን ክብርን ሓድነትን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያንና፥ ንምዕቃብ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ፥ ነቲ ደምበ-ተዋሕዶና ሓበንን ተስፋን ኮይኑዎ ይርከብ ምህላዉ፥ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ህልው ኩነታት፥ ባዕሉ ከረጋግጾ ዝኽእል እዩ።

ከም-ዝፍለጥ ንህብን ሃመማን ተመሳሰልቲ’ዮም። ምውዓሎም ግና ሓደ ኣይኮነን። ከመይሲ ሃመማ ዝርከበሉ ኣድራሻ፥ ኣብ ጎዱፍ ክኸውን ከሎ። ንህቢ ግና ኣብ ቖፎ መዓር’ዩ ዝርከብ። ምርጫ ሰባት’ውን ከምኡ ይፈላለ እዩ። ገሊኦም መንገዲ ዴማስ መሪጾም፥ ናብቲ ባሕሪ-ዓለም ዘሊሎም ብምእታው ክሕምብሱ ከለዉ። ገሊኦም ድማ ብኣንጻሩ መንገዲ ቤት-ኣምላኽ መሪጾም፥ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ምውዓሎም ምሕዳሮም ዝገብሩ ኣለዉ።

ንልዕሊ ክልተ ዓመት ክካየድ ዝጸንሐ፥ ናይ ክልተ ዓመት ናይ ስነ መለኮት ትምህርቲ ቀዳማይ መደቡ ዛዚሙ ኣሎ። ከመ መጀመርታ ነዚ ሕጂ በጺሕናዮ ዘሎና ክንበጽሕ ብዙኅ ሃጓፋት ጸኒሑና እዩ። ሕጂ ግን ብረድኤት ኣምላኽ፥ ኩሉ ምድላዋት ተጻፊፉ ኣሎ።

በስመ ኣብ ወወልድ! ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን እንዳበልና መንፈሳዊ ሰላምታ ነቐድም። ቀጺልና: ንግደት/ክብረ-በዓል ቤተ ክርስቲያን መድሃኔ ዓለም ሮቸስተር ኒው ዮርክ   23 መስከረም 2017 ከነኽብር ስለ ዝኾና ናይቲ መንፈሳዊ በዓል በረኸት ተሳተፍቲ ክትኮኑ ብኽብሪ ንዕድመኩም።

“-ኣምላኽ ሰማይ ከቃንዓልና እዩ’ሞ፥ ንሕና ባሮቱ ተንሢእና ክንዓዪ ኢና-” ብዝብል መራሒ-ቃል፥ ኣብ ዓባይ-ብሪታንያ ከተማ-ማንችስተር፥ ካብ 15/09/1917 ሠለስተ-መዓልቲ ዝወሰደ ዕዉት ጉባኤ ክካየድ ክኢሉ። እዚ ናይ ማንችስተርን, ሎንዶንን, በርኒንግሃምን ኣብያተ-ክርስቲያናት ማኅበረ-ምእመናን ተሳቲፎሞ ዝቐነዩ ጉባኤ’ዚ፥ ወለድን መንእሰያትን ብኃባር ከሳትፍ ዝኸኣለ ጉባኤ ብምንባሩ፥ ኣብ ተመክሮና ሓድሽን ፍሉይን’ዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል።

እቲ ንኣርባዕተ መዓልታት ካብ ሓሙስ 20 ክሳብ ሰንበት 23ሓምለ 2017 ኣ.ፈ (፲፫ ክሳብ ፲፮ ሓምለ ፳፻፱ ዓ.ም ግእዝ) ኣብ ቅዱስ ሚካኤል ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ከተማ ሻርሎት ክካየድ ዝቐነየ መበል 19ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ብጸሎተ ቅዳሴ ብቡራኼ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስጳጳስ ዲበ-ኩሉ ብሰላም ተዛዚሙ።

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላኽ ኣሜን።

መበል 19 ዓመታዊ ጉባኤ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሊቀ መላእኽት ቅዱስ ሚካኤል ሻርለት ኖርዝ ካሮላይና፡ "ኣነ ዝሓስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደኃን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሔር” ኤርምያስ 29:11።“ ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጥቕሲ ብፍሉይ መንፈስን ተስፋን ጉባኤኡ ብሰላም ዛዚሙ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div