በስመ ኣብ ወወልድ! ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።
ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን እንዳበልና መንፈሳዊ ሰላምታ ነቐድም። ቀጺልና: ንግደት/ክብረ-በዓል ቤተ ክርስቲያን መድሃኔ ዓለም ሮቸስተር ኒው ዮርክ 23 መስከረም 2017 ከነኽብር ስለ ዝኾና ናይቲ መንፈሳዊ በዓል በረኸት ተሳተፍቲ ክትኮኑ ብኽብሪ ንዕድመኩም።
“-ኣምላኽ ሰማይ ከቃንዓልና እዩ’ሞ፥ ንሕና ባሮቱ ተንሢእና ክንዓዪ ኢና-” ብዝብል መራሒ-ቃል፥ ኣብ ዓባይ-ብሪታንያ ከተማ-ማንችስተር፥ ካብ 15/09/1917 ሠለስተ-መዓልቲ ዝወሰደ ዕዉት ጉባኤ ክካየድ ክኢሉ። እዚ ናይ ማንችስተርን, ሎንዶንን, በርኒንግሃምን ኣብያተ-ክርስቲያናት ማኅበረ-ምእመናን ተሳቲፎሞ ዝቐነዩ ጉባኤ’ዚ፥ ወለድን መንእሰያትን ብኃባር ከሳትፍ ዝኸኣለ ጉባኤ ብምንባሩ፥ ኣብ ተመክሮና ሓድሽን ፍሉይን’ዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል።
ህሉው ኩነታት ፓትርያርክ እንጦንዮስን መስርሕ ዕርቅን - Current situation of His Holiness Patriarch Antonios I
Full Reconciliation for Full Peace and Unity in the Eritrean Orthodox Church
ፍጹም ዕርቂ ንፍጹም ሰላምን ሓድነትን ቤተ ክርስቲያን
ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ብጉልባብ ዕርቂ ዝፍጸም ዘሎ ገበን
ኣቦታት ካህናት ዘካየድዎ ዝተፈላለየ ቃለ መጠይቕ
እቲ ንኣርባዕተ መዓልታት ካብ ሓሙስ 20 ክሳብ ሰንበት 23ሓምለ 2017 ኣ.ፈ (፲፫ ክሳብ ፲፮ ሓምለ ፳፻፱ ዓ.ም ግእዝ) ኣብ ቅዱስ ሚካኤል ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ከተማ ሻርሎት ክካየድ ዝቐነየ መበል 19ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ብጸሎተ ቅዳሴ ብቡራኼ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስጳጳስ ዲበ-ኩሉ ብሰላም ተዛዚሙ።
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላኽ ኣሜን።
መበል 19 ዓመታዊ ጉባኤ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሊቀ መላእኽት ቅዱስ ሚካኤል ሻርለት ኖርዝ ካሮላይና፡ "ኣነ ዝሓስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደኃን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሔር” ኤርምያስ 29:11።“ ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጥቕሲ ብፍሉይ መንፈስን ተስፋን ጉባኤኡ ብሰላም ዛዚሙ።
እቲ ካብ ኣርባዕተ ኣብያተ ክርስቲያናት ብዝመጹ፡ ልዕሊ 150 ዝኾኑ መንእሰያትን ወለድን፡ ብካህናት ተመሪሖም ዘካየድዎ ካብ ሰነ 30 - ሓምለ 03, 2017 ዝተጋብአ፡ ኣዝዩ ኣገደስቲ ትሕዝቶ ትምህርትታት ዝሓቖፈ ነይሩ።
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን።
ክቡራን ምእመናንን ምእመናትን፥ ከምኡ’ውን መላእ ሕዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን፥ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍላተ ዓለም ዘሎኹም ፈተውትን።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ