S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እታ ናይ ጽባሕ ቤተ-ክርስቲያን ዝብል ኣበሃህላ፣ እንታይ ንምባል ይድለ ከም ዘሎ፣ ቅልጥፍ ኢሎም ክርድኡዎ ዘይክእሉ እንተሃለዉ ዘገርም ኣይኮነን። ግዳስ ግዜ ወሲዱ ዘይዓብን ዘይምዕብልን ስለ-ዘይልቦ። ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያንና`ውን፣ ነቶም ብጸጋ-ጥምቀት ዝወለደቶም ደቃ፣ ዘለዋ ሓላፍነት ኣብ ግምት ብምእታው። ጸባ-ወንጌል እናመገበት እተዕብየሉ ተበግሶ ክትወስድ፣ ንጽባሕ ዘይበሃል ሓላፍነት ኮይኑ`ዩ ዝርከብ ዘሎ።

ካብ ዝተፈላለየ ክፍልትታት ኣመሪካ ተዓዲሞም ብዝመጹ፡ ብርክት ዝበሉ ሊቃውንቲ ኣቦታትን ብብዝሒ ምእመናን ብክብ ዝበለ ፍስሓን ሓጎስን ዝተጸንበለ ናይ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣስተርእዮ፡ ካብ ዓርቢ ክሳብ ሰንበት (January 31 – February 2-2020) ዝተፈላለየ መንፈሳዊ መደባት ሓቚፉ ኔሩ። በዓል ኣስተርእዮ ቅ. ማርያም ብብዙሒ ህዝቢ ካብ ዝሓለፍ እዋናት ዝደመቐን ዝዓዘዝን ከማኡ ወን ካብ ኩለን ከተማታት በይ ኤርያ (Bay Area) ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ክርስትና ዝተሳተፍዎ እዩ ኔር ኣብ ርእሲ ምኻንኑ ዝደመቐን ዝላዓለን ተሳትፎ ዝነበር ኣዩ ኔሩ. ኣብ ገጽ ዕዱምትን ኣባላት ቤተክርስትያንን ዝንበብ ዝነበረ ፍስሓን ሓጎስን ፍሉይ ኔሩ እዚ ዓመት ኔሩ።

እቶም ብልኡኻት ዓፈና ህግደፍ ኣብ ከተማ ጊንዳዕ ኣብ ወርሒ ሰነ 2019 ኣ.ፈ ዝተኣስሩ ገዳማውያን ኣቦታት ደብረ ቢዘን፡ ሕጂውን ገና ብዘይ ሓደ ክስን ፍርድን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሕጊ-ኣልቦ ሥርዓት ህግደፍ ብኸቢድ ጸቕጥን ምስኣን ጥዕናን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከም ዘለዉ ተፈሊጡ ኣሎ። ወላ’ኳ ብኣቦታት ደብረ-ቢዘንን ገለ ግዱሳትን ንኽፍትሑ ጻዕሪ እንተተግበረ፥ ሓለፍቲ ሃገራዊ ድሕነት ግና ተጋጊና ኢና ኢሎም ከይፈረሙን ንመሪሕነት ኣባ ሉቃስ ከይተቐበሉን ከምዘይፍትሑ እዮም ዝፍክሩሎም ዘለዉ። እቶም 5ተ ኣቦታት መነኮሳት ገዳም ደበረ ቢዘን፡-

ብብፁዕ ኣቦና ኣቡነ-መቃርዮስ ተመሪሑ ኣብ ሃገረ ስዊድን ክካየድ፡ ካብ ነዊሕ እዋን ብመደብ ተታሒዙ ዝጸንሐ ጉባኤ፡ “-እግዚኣብሔር ንመንን ብኸመይን እዩ ርእሱ ዝገልጽ-” ብዝብል ኣርእስቲ፣ ሊቀ ካህናት ቀሺ ተኽለማርያም ምህርካጽዮን ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ብ27 ከምኡ’ውን 28 ታሕሳስ ኣብ ከተማ ስቶኮልም ተኻይዱ።

ዓመታዊ ክብረ በዓል ናይ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ከተማ ሻርሎት ሰሜን ካሮላይና ከምቲ ልሙድ ዓመት መጸ ብኽብሪ ዝበዓል: ሎሚ ዓመት'ውን ቀዳም 23 ሕዳር 2019 ዓ.ፈ (፲፫ ሕዳር ፳፻፲፪ ዓ.ም) ብዝደመቐን ዝማዕረገን ኣገባብ ን10ይ ግዜኡ ተኸቢሩ ውዒሉ። እዚ ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ሰሜን ኣሜሪካ ብነፈርትን መካይንን ብዝመጹ ብብዝሒ ኣጋይሽ ነጋድያን፥ ምእመናን ነበርቲ ከተማ ሻርሎት፥ ውሉደ ክህነትን መንእሰያት ተመሃሮ ትምህርቲ ሰንበትን ዝተሳተፍዎ፥ ዓቢይ መንፈሳዊ ክብረ በዓል ብኃይሊ ኣምላኽን፥ ብረድኤት ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክትን ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ተስፋን በረኸትን ብዝመልኦ ድሙቕ ኣገባብ እዩ ተኸቢሩ ውዒሉ።

መቓውሐይ ዘክሩ! ቆላ 4፡18 ብዝብል መሪሕ ጥቕሲ ተሰንዩ፡ ብመንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ዝተጸውዐ ቦኽሪ ሰላማዊ ሰልፊ ዋሽንግቶን ዲሲ ብዓርቢ ዕለት 8 ሕዳር 2019 ኣ.ፈ (፳፰ ጥቅምቲ ፳፻፲፪ ዓ.ም) ብጽቡቕ ኣገባብ ተፈጺሙ። እዚ ልዕሊ 30 ዝኾኑ ውሉደ-ክህነት ዝመርሕዎ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ካብ ዝተፈላለያ ክፍለ-ግዝኣታት ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ብመካይንን ብነፈርትን ተጓዒዞም ብዝመጹ ኦርቶዶክሳውያን ኣመንቲ፥ ግዱሳት ሰብ ሠናይ ሕሊናን ደለይቲ ፍትሕን ኤርትራውያን ኣሜሪካውያንን ከምኡውን ገለ ነበርቲ ዋሽንግቶን ዲሲ ወሲኽካ ብኣማኢት ዝቑጸር ብዝሒ ህዝቢ ተሳቲፎም ነይሮም።

መቐጸልታ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ተለሚዱ ዝጸንሐ ኩሉ። ኣብዚ ሰሙን’ዚ እውን ኣብ ከተማ በርኒንግሃም፣ ንክልተ መዓልቲ ዝኸደ መንፈሳዊ ጉባኤ ተገይሩ ውዒሉ። በዚ ድማ ካብ ሎንዶንን ማንችስተርን ዝመጹ ማኅበረ-ምዕመናን፥ ምስ በርኒንግሃም ተሓዊሶም፥ ግሩም ተባሂሉ ክግለጽ ብዝኽእል መንፈስ እቲ ጉባኤ ክካየድ ክኢሉ።

ትምህርቲ ስነ መለኮት ተዋሕዶ ምስ ናይ ግብጺ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ብምትሕብባር፥ ንውሉደ ክህነትን ምእመናንን መንፈሳዊ ፍልጠቶም ንምዕባይ ኣብ 2013 ትምህርቲ ምጅማርና ዝዝከር እዩ። መፍትሒ ናይቲ ውህሉልን፡ ስቓይ ኮይኑና ዘሎ እዋናውን ፈተና ቤተክርስቲያንና ድሕረት ትምህርቲ ምዃኑ ስለ ንኣምን፡ ትምህርቲ ንምስፋሕ ዝኣክል ሕድገታት ክንገብር ከምዘሎና ንግንዘብ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div