ክቡራት ተኸታተልቲ ሬድዮን ቲቪን ተዋህዶ፥
መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ብሓድሽ ኣገባብ በዚ ዝስዕብ መገዲ ዳግም ካብ ባሕቲ ግንቦት 2019 ዝጅምር መደባት ሬድዮን ተለቭዥን ተዋህዶ ክዝርግሕ መደብ ኣውጺኡ ኣሎ።
መደብ ሬድዮ ተዋህዶ: መዓልታዊ ካብ ሰዓት 8: 30 ምሸት ክሳብ 9: 00 ምሸት ናብ ኤርትራ ከባቢኡን ይፍኖ።
መደብ ቲቪ ተዋህዶ: ዓርቢ፥ ቀዳምን ሰንበትን ካብ 9: 00 ምሸት ክሳብ 10: 00 ምሸት ናብ ኤርትራ ከባቢኡን ይፍኖ።
ዝመሓላለፈሉ ኣገባብ በዚ ዝስዕብ ይኸውን (Receiver Box Parameters)
Uplink to Eutelsat 7W degrees West, Space Segment of 1,5 Mb CBR (Constant bit rate).
Freq: 12521 Pol: V SR: 27.500 FEC: 7/8 Modulation: DVB-S.

እቲ ኣብ ዓመት ክልተ ጊዜ (ብድሕሪ ሓድሽ ዓመትን ብድሕሪ ትንሣኤን) ዝጋባእ ርክበ ካህናት መንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ፡ ሎሚ ዓመት'ውን ንመበል 7ይ ዓመት ኣብቲ ኩሉ ጊዜ ዝካየደሉ ቦታ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ጆርጂያ ዝርከብ ገዳም ቅድስት ማርያምን ቅድስት ዲምያናን ናይ ግብጺ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ንሠለስተ መዓልታት ክካየድ ዝቐንየ ብረድኤት እግዚኣብሔር ብሰላም ተዛዚሙ።
ኣብ ዋና ከተማ ናይ ሰሜን ካሮላይና ዝኾነት ከተማ ራሊይ (Raleigh) ብስም ታቦት መድኃኔ-ዓለም ዝፍለጥ ሓድሽ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ብዕለት 17 የካቲት 2019 ኣ.ፈ (፱ የካቲት ፳፻፲፩ ዓ.ም.ግ) ብቦኽሪ ጸሎተ-ቅዳሴ መንፈሳዊ ኣገልግሎቱ ብወግዒ ጀሚሩ። እዚ ብውሑዳት መንፈሳዊ ቅንእን ራእይን ዝሓደሮም ደቂ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ዝተበግሰ ምኽፋት ናይ ባዕልና ቤት እግዚኣብሔር ዝብል ክቡር ሓሳብ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ዝኣክል ብዘይ መራሒ ካህን ንሕድሕዶም ብተስፋ ክተኣኻኸቡን ኣገደስቲ መደባት ከጻፍፉን ጸኒሖም እዮም ኣብዚ በጺሖም።
ናብ ክቡራን ምእመናን ህዝበ ክርስቲያን፡ ብሩኽ በዓል ልደት ጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስን ርሑስ ሓድሽ ዓመትን ይግበረልና። ቀጺልና ንየካቲት (February 2, 2019) ናይ ኣዴና ቅ. ድንግል ማርያም ዕረፍታ እነብዕለሉ ዓመታዊ ብዓልና ምኳኑ ክንገለጽ ንፈቱ።ብተወሳኺ ኣብዚ ክቡር በዓል ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ተኻፈልቲ በረኸታ ክትኮኑን።
ካብዛ ብብዙሕ ክፍኣትን ሓጢኣትን ትሳቐ ዘላ ዓለም ብሓይሊ መድኃኔ ዓለም ብኣማላድነት ቅ. ድንግል ማርያምን ብጸሎት ቅዱሳንን፡ ካብ ኩለ ክፉእ ምእንቲ ክንድሕን ኣብ እንገብሮ ሓባራዊ ጸሎትን ምህለላን ምስ ስድራ ቤትኩም ክትሳተፉ/ፋ ብስም ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንምሕጸን።
ካብ ነዊሕ እዋን ተታሒዙ ብዝጸንሐ መደብ መሠረት፥ ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ-መቃርዮስ፥ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን ዓቃቤ-መንበር። ካብ ዕለት 16-21/10/2018 ኣብ ሃገረ-ስዊስ፥ ሓዋርያዊ ተልእኮ ክፍጽሙ ቀንዮም።
እቲ ብሃገረ-ስዊዲን ዝጀመረ ዑደት ብፁዕ-ኣቦና። ብስዊስ ሓሊፉ ሕጂ ድማ እንሆ ናብ ሃገረ-ሆላንድ በጺሑ ይርከብ ኣሎ። ናብዚ ዝተባህለ ሃገር ዝኣተወ ኣብ ዕለት 22/10/2018 ኮይኑ፣ ሕጂ ከኣ ኣብ ከተማ-ኣምስተርዳም ብምምራሕ፣ ናይቲ ኣብዚ ከተማ’ዚ ዝርከብ፣ ናይ ግብጻዊት ቤተ-ክርስቲያን መንበረ-ጵጵስና፥ ጋሻ ኮይኑ ይርከብ ኣሎ።
ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ-መቃርዮስ፥ ዓቃቤ-መንበር ናይቲ ኣብ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ጸኒዑ ዝርከብ ዘሎ መንበር፥ ማለት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያን ኤርትራ፥ እቲ ብስዊዲን ዝጀመሩዎ ዑደት ብምቕጻል፥ ብስዊስን ሆላንድን ሓሊፎም ሕጂ ድማ እንሆ ኣብ ማንችስተር በጺሖም ይርከቡ ኣለዉ።
ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ኣሜን!
“ነቲ ዘይርኤስ ከም ዚርእዮ ዀይኑ ተዓጊሱ ጸንዔ እሞ፡ ነቲ ዅራ ንጉስ ከይፈርሄ፡ ብእምነት ንግብጺ ሐደጋ።” ዕብ. 11:27
"መለበምን ኣይግበርካ መለበምን ኣይኽላእካ" ከም ዝበሃል፥ ኣብ ዚሓለፈ ወርሓት ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ድሕሪ ናይ 40 ዓመት ዝቐጸለ ምግሃስ ቀኖናን ንሱ ዘስዓቦ ምፍልላይን ዕንወትን ሎሚ ኣቦታት ብሓባር ነቲ ዝፈረሰ ቀኖና ቤተክርስቲያን ተኣሚኖም ይቅረ ተበሃሂሎም ኣብ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ተጠርኒፎም ሰሚዕናን ርኢናን።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ