"ገበርቲ ሰላም፡ ውሉድ ኣምላኽ ኪበሃሉ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።” (ማቴ 5፡9) ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጥቕሲ ንመበል 21 ዓመት ክካየድ ዝቀነየ ጉባኤ ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ፥ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ ብሰላም ተዛዚሙ፡፡ እቲ ጉባኤ ኣብ ከተማ ኣትላንታ ጆርጂያ ካብ ሓሙስ 25 ሓምለ ክሳብ ሰንበት 28 ሓምለ 2019 ዓ.ም እዩ ተኻይዱ። እግዚኣብሔር ረዲኡና ጉባኤና ካብቲ ዝተጸበናዮ ንላዕሊ ናይ በረኸት፣ ናይ ምጽንናዕ፣ ናይ ፍቕሪ ጉባኤ እዩ ነይሩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብጸሎት ዝጀመረ መደባት ናይ ንጉሆ፣ ድሕሪ ቀትርን ምሸታዊ መደባት ተሰሪዑ እዩ ክካየድ ቀንዩ።
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ፡ ኣሓዱ ኣምላክ፡ ኣሜን።
እቲ ካብ ኣርባዕተ ኣብያተ ክርስቲያናት ብዝመጹ፡ ልዕሊ 160 ዝኾኑ መንእሰያትን ወለድን፡ ብካህናት ተመሪሖም ዘካየድዎ ካብ ሓምለ 4 ክሳብ ሓምለ 7, 2019 ዝተጋብአ፡ ኣዝዩ ኣገደስቲ ትሕዝቶ ዘሎዎ ትምህርትታት፥ ሰሚናራት፥ ዘተን ዎርክሾፕን ዝሓቖፈ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብጸሎት ነግህ ተጀሚሩ ብገምጋም ዝተዛዘመን ነይሩ።
ንግሆ ሓሙስ 13 ሰነ 2019፥ ንሓሙሽተ መነኰሳት ገዳም ደብረ-ቢዘን መንግስቲ ከምዝኣሰሮምን ከም ካልኦት እሱራት ብዛዕባ ሃለዋቶም ዝፍለጥ ከምዘየለን ተሓቢሩ። እቶም ዝተኣስሩ መነኰሳት፣
ኣቶ ተስፋ-ጊዮርጊስ በዓታይ፣ ታሪኽ ቤተ-ክርስቲያን ካብ ዝዝክሮም ኣቦታት ብሞት ዘይሓልፍ ሰብ የልቦን። ታሪኽ ግና ነባሪ’ዩ። እቶም ቅድሜና ዝነበሩ ወሎዶታት ኩሎም ድማ፥ ብታሪኽ እምበር ብኣካል ኣይረኣናዮምን። ብታሪኽ ግና ንፈልጦም ኢና። እቲ 1983 ዓ/ም (1991) ዝጅምር ታሪኽ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ’ውን፥ ርእሱ ዝኸኣለ ናቱ ታሪኽ ኣለዎ። እቶም ታሪኽ ዝሠርሑ ግና ሰባት’ዮም።
ንግሆ ሓሙስ 13 ሰነ 2019፥ ንሓሙሽተ መነኰሳት ገዳም ደብረ-ቢዘን መንግስቲ ከምዝኣሰሮምን ከም ካልኦት እሱራት ብዛዕባ ሃለዋቶም ዝፍለጥ ከምዘየለን ተሓቢሩ። እቶም ዝተኣስሩ መነኰሳት፣
ክቡራት ተኸታተልቲ ሬድዮን ቲቪን ተዋህዶ፥
መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ብሓድሽ ኣገባብ በዚ ዝስዕብ መገዲ ዳግም ካብ ባሕቲ ግንቦት 2019 ዝጅምር መደባት ሬድዮን ተለቭዥን ተዋህዶ ክዝርግሕ መደብ ኣውጺኡ ኣሎ።
መደብ ሬድዮ ተዋህዶ: መዓልታዊ ካብ ሰዓት 8: 30 ምሸት ክሳብ 9: 00 ምሸት ናብ ኤርትራ ከባቢኡን ይፍኖ።
መደብ ቲቪ ተዋህዶ: ዓርቢ፥ ቀዳምን ሰንበትን ካብ 9: 00 ምሸት ክሳብ 10: 00 ምሸት ናብ ኤርትራ ከባቢኡን ይፍኖ።
ዝመሓላለፈሉ ኣገባብ በዚ ዝስዕብ ይኸውን (Receiver Box Parameters)
Uplink to Eutelsat 7W degrees West, Space Segment of 1,5 Mb CBR (Constant bit rate).
Freq: 12521 Pol: V SR: 27.500 FEC: 7/8 Modulation: DVB-S.
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ