S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

 ሰላመ እግዚኣብሔር ምሳኻትኩም ክኸውን ንምነ።

እዚ ሒዝናዮ ዘለና ናይ ትምህርቲ ግዜ፥ ኣብዚ ወርሒ እዚ ክዛዘም ምዃኑ ንሕብር። ፈተና ዝወሃበሉ እዋን ካብ 15 ጥሪ ክሳብ - 30 ጥሪ 2021 እዩ። በዚ መሠረት፥ ኩልኹም ተመሃሮ ኣብ መርበብ ሓበሬታ https://tewahdotheology.org ኣቲኹም ዘድሊ ቅጽዕታት ኣማሊእኩም ክትምዝገቡ ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ንሕብር። 

ምዝገባን መምርሕን ትምህርቲ 2021 ዓ.ም

“ቦ ጊዜ ለኩሉ” ከም-ዝበሎ ሰሎሞን ወዲ-ዳዊት፣ እቲ እግዚኣብሔር ዝመደቦ ግዜ ስለ-ዝኣኸለ፣ እንሆ ኣብታ ርእሰ-ከተማ ናይ ሃገረ-ስዊድን ዝኾነት ስቶኮልም`ውን፣ ኣብቲ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ጸኒዑ ዝቖመ፣ “ደብረ-ኣማኑኤል” ተባሂሉ ዝተሰምየ ሓዲሽ ቤተ-ቤተ-ክርስቲያን፣ ንኣገልግሎት ክፉት ኮይኑ ክርከብ፣ ናይቲ ገባር ተኣምራት ዝኾነ ሕያው ኣምላኽ፣ ቅዱስ-ፍቓድ ኮይኑ ተረኺቡ ኣሎ። ስለ`ዚ ከኣ`ዮም እቶም ነዚ ቅዱስ ራእይ`ዚ ተግባራዊ ንምግባር፣ ካብ ነዊሕ እዋን ክደኽሙን ክጽዕሩን ዝጸንሑ ማኅበረ-ምእመናን፣ ንሓጎሶም ወሰን ዘይረኽቡሉ።

ሰላመ እግዚኣብሔር ምስ ኩልኻትኩም ይኹን።

ብምኽንያት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዘመነ ጾመ ፍልሰታ፥ ካብ ፩ ነሓሰ ክሳብ ፲፭ ነሓሰ (7 August - 21, 2020) እዉጅ ጾም እዩ።

ኣብ ከተማ ሃሪሰንበር (Harrisonburg) ክፍለ ግዝኣት ቪርጅንያ ሓዳስ ቤተ ክርስቲያን ኪዳነ ምሕረት ተሃኒጻ። ኣገልግሎት'ውን ድሮ ጀሚራ ኣላ። ኣገልጋሊ ቤተ ክርስቲያን ኪዳነ ምሕረት ኣቦይ ቀሺ ባህታ ኣሚነ ከምዝገለጽዎ፥ "ድሕሪ ብዙሕ ፈተናን ድኻምን፥ ኣምላኽ ረዲኡና፥ ናይ ገዛእ ርእስና ቤተ ክርስቲያን ክንምስርት ጸጋ ዘብዝሓልና እግዚኣብሔር ነመስግኖ" ክብሉ ስለቲ እግዚኣብሔር ዝገበረሎም ዓቢ ነገር ይገልጹ።

ሰላመ እግዚኣብሔር ምሳኻትኩም ክኸውን ንምነ።

እቲ ክካየድ ዝጸንሐ ክፍለ ትምህርቲ፥ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ 2020 ክዛዘም እዩ። ቀጻሊ ትምህርቲ ድማ ካብ 1 መስከረም 2020 ክጅመር እዩ። በዚ መሠረት፥ ኩልኹም ተመሃሮ ኣብ መርበብ ሓበሬታ https://tewahdotheology.org/ ኣቲኹም ዘድሊ ቅጽዕታት ኣማሊእኩም ክትምዝገቡ ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ንሕብር።

ምምሕዳር ክፍሊ ተመሃሮ ሥነ መለኮት ተዋሕዶ።

ሰንበት ትንሳኤ - Resurrection Sunday Service Schedule

ቀዳማይ መደብ (ቀዳም ምሸት ካብ ሰዓት 7:00 - 1:00 ሰንበት ንግሆ ብምብራቓዊ ኣቆጻጽራ ) 


 

ካልኣይ መደብ (ቀዳም ምሸት ካብ ሰዓት 7:00 - 1:00 ሰንበት ንግሆ ብምዕራባዊ ኣቆጻጽራ - Pacific Standard Time)

ብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ፥ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን ዓቃቤ-መንበር። ካብ ዕለት 09/03/2020 ኣትሒዞም፥ ኣብ ዓባይ-ብሪጣንያ፥ ሓዋርያዊ ዑደት ፈኢሞም። እዚ ዑደት’ዚ መቐጸልታ ናይቲ ብእስራኤል ዝጀመረ ዑደት ኮይኑ። ኣብ ከተማ-ማንችስተር ምስ በጽሑ ድማ፥ እቶም ናይ እንዳ መድሃኔ-ዓለም ቤተ-ክርስቲያን ማኅበረ-ምእመናን፥ ብዓቢይ ፍቕርን ኣኽብሮትን ተቐቢሎሞም።

እቲ  ብብፁዕ  ኣቡነ-መቃርዮስ እናተመርሐ፣ ኣብ ቀጻሊ ሓዋርያዊ-ዑደት ዝርከብ ዘሎ ጉጅለ ቤተ-ክርስቲያን። ብድሕሪ እስራኤልን ጀርመንን፣ እቲ ጉዕዞ ናብ ሃገረ-ሆላንድ`ዩ ኣምሪሑ። ኣብ ዕለት 04/03 ድማ እቲ ጉዕዞ ጀሚሩዎ። ብድሕሪ ናይ 6-ሰዓት ናይ መኪና ጉዕዞ ከኣ፣ ኣማስያኡ ናብቲ ኣብ ከተማ ኣምስተርዳም ዝርከብ ናይ ግብጻውያን ገዳም ክበጽሕ ክኢሉ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div