S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ናይቲ ኣብቲ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ጸኒዑ ዝርከብ ዘሎ መንበር፣ ዓቃቤ-መንበር ዝኾኑ ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ-መቃርዮስ፣ ብድሕሪ ጀርመን ቀጺሎም ዝኸዱዎ ሃገረ-ስብከት ስዊስዘርላንድ እዩ። በዚ መሠረት`ዚ ድማ ብዕለት 27/09/2021 ከተማ-ባዝል ክኣትዉ ክኢሎም።

ጳጳስ ዲበ ኵሉ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ዝመርሕዎ ልኡኽ ኣሕጉረ ስብከታትን፡ ብብፁዕ ኣቡነ ሲኖዳን ዚመሓደሩ ልኡኻትን፡ ምስ ፖፕ ቴዎድሮስ ዳግማዊ፡ ፓትርያርክ ዘመንበረ ማርቆስ እስክንድርያ ብ18 መጋቢት 2022 ተራኺቦም፡ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራን ዕረፍቲ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ሰማዕትን፥ ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቦም። ኣብቲ ርክብ፡ መንበረ ማርቆስ ንሰማዕትነት ቅዱስ እንጦንዮስ ኣብ ሕቶ ከም ዘይተእትዎን፥ “እንጦንዮስ ሰማዕት እንበለ ደም”, "Antonios the Confessor" ተባሂሎም ኪጥቀሱ ከም ዝግባእን፡ እዚ ኸኣ ንመላእ ሕዝበ ክርስቲያን ኪሕበር ከም ዘለዎን፡ ፖፕ ቴዎድሮስ ዳግማዊ፥ ኣፍሊጦም። ቅዱስነቶም፡ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ፍቕርን ሓድነትን ንምስፋን ብዝከኣሎም ዘበለ ኪሰርሑ ምዃኖም'ውን ገሊጾም ኣለዉ።

በዚ ምኽንያት ኩለን ኣብያተክርስቲያን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ፥ “እንጦንዮስ ሰማዕት እንበለ ደም”, "Antonios the Confessor" እናበላ፥ ጸሎት ከዕርጋ ብኽብሪ ንሕብር። ብተመሳሳሊ ኣገባብ፥ ምእመናን'ውን “እንጦንዮስ ሰማዕት ብዘይ-ደም” እናበሉ ስሞም ብወግዒ ክጽውዕዎምን ጸሎቶም ከዕርጉን ንሕብር።

እግዚኣብሔር ቤተክርስቲያንናን ህዝቢ ኤርትራን ይባርኽ።

ናይቲ ብፓትርያርክ-እንጦንዮስ ዝወረደ ቀኖናዊ-መንበር፣ ዓቃቤ-መንበር ዝኾኑ ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ-መቃርዮስ። ነቲ ኣብ ሃገረ-ስዊዲን ከካይዱዎ ዝቐነዩ ሓዋርያዊ-ዑደት ብምቕጻል፣ 23/09/ ናብ ሃገረ-ጀርመን ከተማ-ፍራንክፎርት ኣትዮም። በዚ ኣጋጣሚ`ዚ ድማ ውሉደ-ክህነትን ማኅበረ-ምዕመናንን፣ “-ባርከነ ኣባ-መቃርዮስ-” እናበሉ፣ ንሓደ መንፈሳዊ ኣቦ ክግበር ብዝግባእ፣ ኣባታዊ-ፍቕርን ኣኽብሮትን ተቐቢሎሞም።

ብመሰረት እምነትን ስርዓትን ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ስሩዕ መንፈሳዊ ትምህርቲ፡ ቀኖና ቤተክርስቲያን፡ ማሕበራዊ ኣስተምህሮታት፡ መደባት ዜናን ሓበሬታን ብምድላው፡ ነቲ ጥዑይ ኦርቶዶክሳዊ እምነት ክርስትና ከም ዝዕቀብን ከም ዝሰፍሕን እናገበርካ፡ ንምእመናን ምምሃር: ምህናጽን ምጽንናዕን ብዝብል፡ ቲቪ ተዋሕዶ: ብሓድሽ መስመር ሳተላይት ክትጅምር እያ። በዚ መሰረት፡ ኣብዚ መላግቦ ብምጥዋቕ[Gofundme]፡ ሓገዝኩም ከተበርክቱ ብትሕትና ንሓትት።







ዝተፈላለዩ መደባት ኣገልግሎት ዝሓቖፈ ዓመታዊ ጉባኤ 2021 መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ: ሎሚ ዓመት’ውን ብርሕቀት (Virtual Conference) ክካየድ'ዩ። ነዚ ብርሑቕ ዝወሃብ መንፈሳዊ ኣገልግሎት: ምእመናን ክትከታተልዎን ብጸሎት ክትሓብሩናን ብኣኽብሮት ንዕድም። እዚ መንፈሳዊ ኣገልግሎት፥ ካብ ሓሙስ 29 ሓምለ - ክሳብ ቀዳም 31 ሓምለ ((July 29 - 31) 2021 ካብ ርሑቕ ብቐጥታ (Live): ካብ ሰዓት 12:00 - 8:00 ምሸት ብምብራቓዊ (10:00 - 6:00 ድ. ቀትሪ ብምዕራባዊ ) ኣቆጻጽራ ክዝርጋሕ እዩ።

Live https://www.facebook.com/EritreanOrthodoxChurch or https://www.facebook.com/tewahdoChurch

Live https://www.tewahdo.org/

መሪሕ ጥቕሲ - Theme Verse: - “ህድእ በሉ እሞ ኣነ ኣምላኽ ምዃነይ ኣስተብህሉ” መዝ 46፡10

ጉባኤ ዝካየደሉ: - ብርሕቀት - Virtual Conference

Conference 2021

Zoom Meeting: https://us02web.zoom.us/j/84005020278 

By phone, One tap mobile:

+13017158592,,84005020278#

+13126266799,,84005020278#

ገለ ካብ ትሕዝቶታት ዓመታዊ መንፈሳዊ ጉባኤ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ 2021

  1. ህድእ ምባል እንታይ ማለት እዩ? ቀሲስ ሓለፎም ዓ/ማርያም
  2. ኦርቶዶክሳዊ መገዲ ኣተኣላልያ መንእሰይ (2ይ ክፋል) ብቀሺ ቴድሮስ ተስፋይን ዲያ ተመስገን ኣስፈሃን

ዝርዝር መደባት ፕሮግራም- Program Detail - Click below to see detail

 

ዝሓለፉ ዓመታዊ ጉባኤታት

ኣነስ ነቶም ዘኽብሩኒ ኣኽብሮም፥ ነቶም ዝንዕቁኒ ኸኣ ኣሕስሮም ይብል እግዚኣብሔር። (1 ሳሙ 2፡30) ንዝብል ኃይለ-ቃል ብምስትውዓል እንተ ተረዲእናዮ፡ ንልዑል እግዚኣብሔር ብተወፋይነት ዘገልገለ፥ ዝተኣዘዘ፥ ምእንቲ ስሙ ውርደትን ስደትን ዝተቐበለ፥ እሙን ሰብ ካብ መጀመርታኡ ዳሕረዋዩ ከም ዝጽብቕ፥ ታሪኹ ከኣ ከም ወርቒ መመሊሱ ከም ዝዅላዕ፥ ካብ ታሪኽ ዮሴፍ ወዲ ያዕቆብን፡ ካብቲ ዝሓለፈ ሮቡዕ ዝነበረ ጽንብል ዕለተ-ልደት ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ ዲበ-ኵሉን ብግልጺ ርኢናዮ ኢና። ክብሪ ንኣምላኽና ይኹን። ናይ በረኸትን ብዙሕ ታሪኽን ዝኽርን ዝተነግሮ ግሩም ምሸት።

ብብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ ዲበ-ኵሉ ዝምራሕ፡ ካብ ሠለስተ ኣኅጉረ ስብከታት ዝተዋጽአ ላዕለዋይ ምምሕዳር መንፈሳዊ ጉባኤ፡ ካብ ዕለት 10 ሚያዝያ 2021 ኣትሒዙ ብቡራኬ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ወግዓዊ ስራሑ ከም ዝጀመረ፡ ፈጻሚ ኣካል ናይቲ ቈይሙ ዘሎ ላዕለዋይ ምምሕዳር መንፈሳዊ ጉባኤ፡ ትማሊ 22 ግንቦት 2021 ንመላእ ኣባላት ሓለፍቲ ክፍልታት ኣኅጉረ ስብከታት ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባኡ ሓቢሩ።

ብሓዋርያዊ መሪሕነት ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ 3ይ ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ ዝምእከልን ብቡራኬ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ-ዲበኵሉ ዝመሓደርን ቀኖናዊ ንኡስ ሃገረ ስብከት ካናዳ ካብ ጥሪ 2021 ኣ.ፈ ብወግዒ ቆይሙ መንፈሳዊ ሥርሑ ጀሚሩ ኣሎ። ነዚ ንኡስ ሃገረ ስብከት እዚ ንምቛም ብመንበረ-ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ዝተመደቡ ኣቦታት ካህናት ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዞም ምስ ኩሎም ኣቦታት ውሉደ-ክህነት ነበርቲ ካናዳ ዝኾኑ መንፈሳዊ ዘተን ልዝብን ከካይዱ ድሕሪ ምጽናሕ፥ ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት ብርትዓዊ መገዲ ሰለስተ ኣባላት ዝሓዘት ጊዚያዊ መንፈሳዊ ምምሕዳር ብምምራጽ እዩ ብወግዒ ቆይሙ ዘሎ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div