ኣቐዲሙ ወጺኡ ብዝነበረ መደብ መሠረት፥ ኣብ ከተማ-ኡምዮ ሃገረ-ስዊዲን፥ ደብረ-ኢየሱስ መድኃኔ-ዓለም ዝተሰምየ ሓዲሽ ቤተ-ክርስቲያን፥ ብተሳትፎ ውሉደ-ክህነትን ማኅበረ-ምእመናንን፥ ብዓቢይ ድምቀት ክጽምበል ክኢሉ። ከተማ-ኡምዮ፥ ካብ ስቶኮልም ርሕቕ ዝበለት ስለ-ዝኾነት፥ ናብታ ከተማ ንምብጻሕ ቀረባ’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። ነቶም ቅንኣት ቤት-ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት ግና፥ እዚ ርሕቀት’ዚ ምኽንያት ኮይኑ፥ ካብቲ በዓለ ጽምብል ከትርፎም ኣይከኣለን። ስለዚ ድማ’ዮም ካብ ሃገረ-ስዊዲን ወጻኢ ዝርከቡ ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ከይተረፉ’ውን፥ ኣብዚ ተባሂሉ ዘሎ በዓለ-ጽምብል ተሳተፍቲ ኮይኖም ክርከቡ ዝኸኣሉ።
ብካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን, ጀርመን, 8ይ - ክፋል
ብድሕሪ’ዚ ንእምነት ክርስትና ብሙሉእ ልበይ ስለ-ዝተቐበልኩዎ፥ ነቶም ካህንሥርዓተ-ጥምቀት ክፍጽሙለይ፥ ደጋጊመ ክሓቶም ግድነት ኮነኒ። ካብ ብዝሒ ምህንጣየይ ዝተላዕለ’ውን፥ ንኽጽበ ዘኽእል ትዕግስቲ ኣይነበረንን። ስለምንታይ ምዃኑ እንድዒ ግና፥ ብቐጻሊ “-ተዓገሲ-” ይብሉኒ ነበሩ። እቲ ኩነታት ከምዚ ኢሉ ከሎ ግና፥ ሓደ ግዜ እቶም ካህን ኣብ በረኻ-ሲና ዝርከብ፥ ናይ ቅድስቲ ካተሪና ገዳም ክበጽሕ ዓደሙኒ። እዚ ዕድመ’ዚ ድማ ብሓጎስ ተቐበልኩዎ።
“ምድሓን ካብ’ቲ ዝኣመንናሉ ጊዜስ ሕጂ ኣዝዩ ናባና ቐሪቡ ኣሎ’ሞ፥ ሕጂ ካብ ድቃስ እትበራበሩሉ ጊዜ ኸም ዝበጽሐ፡ ነዛ ዘመን ፍለጥዋ። ለይቲ ሓሊፋ፡ መዓልቲ ቐሪባ’ያ’ሞ፡ ግብሪ ጸልማት ካባና ደርቢናስ፡ ኣጽዋር ብርሃን ንልበስ።” ሮሜ 13፡11,12
ጉባኤ ካህናት መንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ኣቐዲሙ ብዘውጽኦ መደብ መሠረት፥ እቲ ኣብ ዓመት ክልተ ጊዜ (ብድሕሪ ሓድሽ ዓመትን ብድሕሪ ትንሣኤን) ዝጋባእ ርክበ-ካህናት ሎሚ ዓመትውን ኣብቲ ዓሚ ዝተኻየደሉ ቦታ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ጆርጂያ ዝርከብ ናይ ግብጺ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ስፍራ ገዳም ቅድስት ማርያምን ቅድስት ዲምያናን ንሠለስተ መዓልታት ብተኸታታሊ ክካየድ ቀንዩ ብሰላም ተዛዚሙ።
ረቡዕ 31 ጥቅምቲ 2018: ህይወት ቅዱሳን፡ ይስሓቅ- 8ይ ክፋል
ብካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን, ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ
ነገራት ካብ ሥሩዕ መንገዲ ወጺኦም ክበላሸዉ ከለዉ፥ ኅብረተ-ሰብና ዝጥቀመሉ ሓደ ኣበሃህላ ኣሎ። ንሱ ድማ ነቲ ንሕጊ ኣኽብሮት ዘይብሉ ወገን፥ ሥርዓት ንምትሓዝ ክድለ ከሎ “-ዝባን-ሕጊ-” ዝብል ኣበሃህላ ክጥቀም፥ ኅብረተ-ሰብና ክሠርሓሉ ዝጸንሐ ባህልና’ዩ። ስለዚ’ውን እቲ “-ዝባን-ሕጊ-” ዝብል ቃል፥ ከም ታቦት ዝፍራህን ዝኸብርን ቃል ስለ-ዝነበረ፥ ብምንም ተኣምር ረጊጽካዮን ጥሒስካዮን ክኽየድ ይከኣል ከም-ዘይነበረ፥ እቲ ነባር ባህልና ሕያው ምስክር’ዩ።
ኤጲፋንያ ብምባል እንጽውዖ ብቋንቋ ግሪክ፡ ብናይ ግእዝ ቋንቋና ድማ ኣስተርእዮ ተባሂሉ ተተርጊሙ። ትርጓሜኡ ድማ ምግላጽ ማለት ኢዩ። እዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ዘመነ ኣስተርእዮ ወይ ድማ ናይ ምግላጽ ዘመን ተባሂሉ ይጽዋዕ። ዘመነ ኣስተርእዮ
“ንስኻትኩም ውሉድ ነብያትን ውሉድ ናይ’ቲ ኣምላኽ ንኣብርሃም፡ “ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ ብዘርእኻ ኪባረኹ’ዮም፡” ኢሉ ምስ ኣቦታትና ዝኣተዎ ኪዳን ኢኹም። ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍኩም ካብ ክፍኣቱ እናመለሰ ምእንቲ ኺባርኸኩምሲ፡ ንወዱ ኣተንሲኡ ቕድሚ ዅሉ ናባኻትኩም ለኣኾ።”ግብ 3፡25,26።
እቲ ኣብ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት መንበረ-ማርቆስ፥ ጸኒዑ ይርከብ ከም ዘሎ ዝእመነሉ፥ ብብፁዕ ኣቦና ኣቡነ-መቃርዮስ ዝምራሕ ዘሎ መንበር። ሓድነት ቤተ-ክርስቲያን ንምዕቃብ ብዘለዎ ሓላፍነት፥ ብብዙሕ ክንቀሳቐስ ምጽንሑ ዝፍለጥ’ዩ። ድሕሪ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ኣብ ትሕቲ መቝሕ ምእታዎም፥ ማለት ካብ 1998 ዓ/ም (2006) ኣትሒዙ። እዚ ብብፁዕ ኣቦና እናተመርሐ ዝጐዓዝ ዘሎ መንበረ-ጵጵስና፥ ታሪኽን ክብርን ሓድነትን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያንና፥ ንምዕቃብ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ፥ ነቲ ደምበ-ተዋሕዶና ሓበንን ተስፋን ኮይኑዎ ይርከብ ምህላዉ፥ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ህልው ኩነታት፥ ባዕሉ ከረጋግጾ ዝኽእል እዩ።
ብካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን, ጀርመን, 7ይ - ክፋል
ጉዕዞ ሕይወተይ ብኸምዚ ይቕጽል ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፥ ዝተማልአ ጥዕና ግና ኣይነበረንን። ማለት ከቢድ ናይ ጸቕጢ-ደም ሕማም ስለ-ዝነበረኒ፥ ቅሳነት ነይሩኒ ክብል ዝኽእል ሰብ ኣይነበርኩን። እቲ ዓቐነይ 200/100 ዝበጽሕ’ዩ ነይሩ። ስለዚ ድማ ሓደ ግዜ ኣብ ዓራተይ ኮይነ “-ኣታ ጎይታይ በጃኻ ካብዚ ሕማም’ዚ ገላግለኒ ኢለ-” ጸለኹ። ብእኡ ቀጺለ ምስ-ደቀስኩ ድማ፥ ነዚ ዝስዕብ ሕልሚ ኣብ ድቃሰይ ኮይነ ክሓልም ከኣልኩ። ማለት ሐደ ዝኾነ ነገር፥ ገጸይ ትንክፍ ዘብለኒ ዘሎ ኮይኑ ተሰማዓኒ። ከም ሓውሲ ስምባድ ብር ኢለ ብምትንሣእ ድማ፥ ቀልጢፈ መብራህቲ ኣብራህኩ። እንተኾነ ኣብቲ ክፍሊ ዝኾነ ነገር ዝረኣኹዎ ኣይነበረንን። ቀጺለ ድማ ኣብ ድቃሰይ ኣቶኹ። ልበይ ኣውዲቐ ድማ በጥ ኢለ ደቀስኩ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ