ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ-መቃርዮስ፥ ዓቃቤ-መንበር ናይቲ ኣብ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ጸኒዑ ዝርከብ ዘሎ መንበር፥ ማለት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያን ኤርትራ፥ እቲ ብስዊዲን ዝጀመሩዎ ዑደት ብምቕጻል፥ ብስዊስን ሆላንድን ሓሊፎም ሕጂ ድማ እንሆ ኣብ ማንችስተር በጺሖም ይርከቡ ኣለዉ።
ጾመ ኣርብዓ: ካብ የካቲት 12 ክሳብ 8 ሚያዝያ 2018። እግዚኣብሔር ንበረኸትን ንምሕረትን ዝኸውን ጾም ይግበረልና።
ጾም ማለት ንነፍስኻ ካብ ዝብላዕ፣ ዝስተን ክፉእ ነገራትን ገቲእካ፣ ምስ እግዚኣብሄር እትራኸበሉ ፍሉይ ጊዜ እዩ። ጾም ርእስኻ ኣዋሪድካ፣ ናይ ጸሎት፣ ናይ ሓዘን፣ ናይ ንስሓን ምንዛዝን እዋን ከምዝኾነ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፣
ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ፥ ኣቦ ኩሉ ክኾኑ፥ ነታ መንበር ቅዱስ ማርቆስ ሓዋርያ መተካእታ ክኾኑ፥ ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ተመሪጾም “ይግብኦ” ኢልኩም ጸሊኹም ዝመረጽክምዎም ኣቦኹም ፓትርያርክ እንጦንዮስ ኣበይ ኣለዉ?
“. . . ንሕና’ውን ክንልወጥ ኢና። እቲ በራሲ (ስጋና) ዘይምብራስ፡ እቲ መዋቲ (ስጋና) ኸኣ ዘይሙማት ኪለብስ ይግብኦ’ዩ። እቲ በራሲ ዘይምብራስ፡ እቲ መዋቲ’ውን ዘይሙማት ምስ ለበሰ፡ ሽዑ’ቲ “ሞት ብዓወት ተዋሕጠ” ዚብል ጽሑፍ ቃል ኪፍጸም’ዩ። ኦ ሞት! ኣበይ ኣሎ ዓወትካ፧ ኦ ሞት! ኣበይ ኣሎ (ብልሕኻ)፧ ሞት ብሓይሊ ሓጢኣት ትወግእ፡ ሓጢኣት ከኣ ካብ ሕጊ ሓይሊ ትረክብ።” 1ቈረ 15፡52-56 ካ.ት
ብዕለት 17 ሓምለ 2019 ኣ.ፈ (፲ ሓምለ ፳፻፲፩ ዓ. ም ግእዝ) ብስም "ሲኖዶስ" ካብ ኣሥመራ ዝተዘርግሐ ዘይመንፈሳዊ መግለጺ፥ ንብዙሓት ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብሩ ኦርቶዶክሳውያን ኣመንቲ ዘሕዘነ ጉዳይ እዩ። ሕጋዊ 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ሎሚዶ ጽባሕ ናብ ሓዋርያዊ መንበሮም ይምለሱ ኢሉ ህዝቢ ኤርትራ ብሃረርታን ጸሎትን እንናተጸበዮም ከሎ፥ እቲ ብፖለቲከኛታት ተጎቲቱ ዝኸይድ ጉባኤ ጳጳሳት ዘስደምም ዘይሓላፍነታዊ መግለጺ ምውጽኡ፥ መምዘኒ ሕጊ-ኣልቦ ጉዕዞኡ ዘነጽር ዳግማይ ነቲ ጸሊም ታሪኹ ዝድርዕ ገበን እዩ።
ብኅብረት ኦርቶዶክሳውያን መንእሰያት ዝተጸውዐ ኣገልግሎት ወንጌል፡ ኣብ ሃገረ-ስዊዲን ተኻይዱ ኢልካ ዝንገር ዜና፥ ነዚ ሕጂ ዘሎ ወሎዶ ዘየገርሞ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ነቶም ሕያዎት ኣባሓጎታትና ኣብቲ መቓብሮም ኬድና ክንነግሮም እንተንኽእል ግና፡ ኣሚኖም ክቕበሉዎ ዝኸብዶም፥ ኣዚዩ ዘስደምም ትንግርቲ ኮይኑ ምተረኽበ ነይሩ። ከመይሲ ንሕና እዞም ሕጂ ዘሎና ደቂ ደቆም፡ ኤውሮጳ ተሳጊርና ኣብ ሃገረ-ስዊዲን፥ ሰበኽቲ ወንጌል ኴንና ክንርከብ መን ክሓስቦ ይኽእል-?!
ኣብ ዘመነ-መንግሥት ኃፀይ-ዮሓንስ፡ ማለት ኣብ መፋርቕ 18-ሚእቲ ክፍለ-ዘመን፡ ስዊድናውያን ሰበኽቲ ወንጌል ኮይኖም፥ ናባና ናብ ምድሪ-ሓበሻ ኣትዮም ዝነበሩሉ ዘመን ምዃኑ’ዩ ዝፍለጥ። እቲ ሕጂ ኣብ ሃገርና ዝርከብ ዘሎ እምነት ከኒሻ ከኣ፡ ኣብዚ ዝተባህለ እዋን’ዚ ክኣቱ ከም-ዝኸኣለ’ዩ፥ እቲ ናይ ትማሊ ታሪኽና ዝዛረብ። እምኩሉ፡ በለዛ፡ ጸዓጸጋን ገለብን ድማ፡ ምስዚ ታሪኽ’ዚ ምትእስሳር ዘለወን ኮይነን፥ ካብ ዝዝከራ ዓድታት እየን።
ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ኣሜን!
“ነቲ ዘይርኤስ ከም ዚርእዮ ዀይኑ ተዓጊሱ ጸንዔ እሞ፡ ነቲ ዅራ ንጉስ ከይፈርሄ፡ ብእምነት ንግብጺ ሐደጋ።” ዕብ. 11:27
"መለበምን ኣይግበርካ መለበምን ኣይኽላእካ" ከም ዝበሃል፥ ኣብ ዚሓለፈ ወርሓት ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ድሕሪ ናይ 40 ዓመት ዝቐጸለ ምግሃስ ቀኖናን ንሱ ዘስዓቦ ምፍልላይን ዕንወትን ሎሚ ኣቦታት ብሓባር ነቲ ዝፈረሰ ቀኖና ቤተክርስቲያን ተኣሚኖም ይቅረ ተበሃሂሎም ኣብ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ተጠርኒፎም ሰሚዕናን ርኢናን።
ብካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን, ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ
ኣብ ቤተ-ክርስቲያንና ዝግበር ኣገልግሎት ብዙሕን ሰፊሕን እዩ። ብሰኣታት ጀሚሩ ብማሕሌት ሓሊፉ ክሳብ ቅዳሴ ዘሎ ግዜ፥ ዘውዕልን ዘሕድርን ኣግልግሎት ምዃኑ ኩሎም ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ይፈልጡዎ እዮም። እቲ በዚ ኣገልግሎት’ዚ ዝበጽሕ ምህልላን ጸሎትን ከኣ’ዩ፥ ንሕዝብና ዓቢይ ጽላልን ረድኤትን ኮይኑዎ ዝነብር ዘሎ።
በርናባስ፡ ናይ ትውልዲ ስሙ ዮሴፍ ኮይኑ፡ ካብ ነገደ ሌዊ ቆጵሮስ ዝዓሌቱ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ እዩ ዝነበረ። በቲ ዝነበሮ ኣዝዩ ዝነኣድ ባህርይ፡ ንኣመንትን ንመራሕቲ ቤተክርስትያንን ዝነበሮ ምቕሉል ኣገልግሎትን፡
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ