ፈነወ ራድዮ ተዋህዶ - Radio Tewahdo 2017-2019 |
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ፡ ኣሓዱ ኣምላክ፡ ኣሜን።
እቲ ካብ ኣርባዕተ ኣብያተ ክርስቲያናት ብዝመጹ፡ ልዕሊ 175 ዝኾኑ መንእሰያትን ወለድን፡ ብካህናት ተመሪሖም ዘካየድዎ ካብ ሰነ 28 - ሓምለ 01, 2018 ዝተጋብአ፡ ኣዝዩ ኣገደስቲ ትሕዝቶ ትምህርትታት ዝሓቖፈን ብቅዳሴ ዝተዛዘመን ነይሩ። ዓሚ ከምዝሎሚ፡ ቅዳሴ ብእንግሊዘኛ ንምክያድ ናይ ዓመት ፕሮጀክት፡ ማለት መጽናዕቲ ሥርዓተ ቅዳሴ ተመዲቡ ከምዝነበረ ይዝከር።
ዓውደ-ዓመት ተባሂሎም ካብ ዝኸብሩ ብዙሓት በዓላትና ሓደ፥ እቲ “-ቅዱስ-ዮሓንስ-” ብምባል ዝፍለጥ ናይ ዓመት መጀመርታ-ዕለት ምዃኑ፥ ነዚ ክፈልጥ ዘይክእል ዘሎ ኣይመስለናን። ስለ-ዝኾነ ድማ ሕዝብና ኣብዚ በዓል‘ዚ “-እንቋዕ እግዚኣብሔር ብደሓነ ሰላም ናብዚ ሓዲሽ-ዓመት‘ዚ ኣብጽሓና!!-” ብምባል ሓጎሱን ሠናይ ትምኒቱን ክገልጽ ዝስመዓሉ እዋን እዩ።
“ኣርባዕተ ሰብኣይ ዝጾርዎ መጻጕዕ ናብኡ ኣምጽኡ። ህዝቢ ስለ ዝበዝሔ፡ ናብኡ ምእታው እንተ ሰኣኑ ኸኣ፡ ናሕሲ እታ ዘለዋ ቤት ኣፍረሱ። ምስ ኣፍረሱ፡ ነታ እቲ መጻጕዕ ደቂስዋ ዘሎ ዓራት ኣውረድዋ። ኢየሱስ ድማ እምነቶም ርእዩ፡ ነቲ መጻጕዕ፡ ወደይ፡ ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ፡ በሎ” (ማርቆስ 2.3-5)።
“ኣነ’ኳ ብኣኻትኩም ወይ ብኻልእ ሰብ እንተ ተፈረድኩ ግዲ የብለይን። ንገዛእ ርእሰይ’ውን ኣይፈርድን’የ። ሕልናይ ኣይወቕሰንን’ዩ፡ በዚ ግና ጻድቕ’የ ማለት ኣይኰነን። እቲ ዚፈርደኒ ኣምላኽ’ዩ።” 1ቈረ 4፡3,4 ካ.ት
ምሕረት፥ ሰላም፥ ፍትሒ፥ ርትዒ፥ እንረኽበሉ ካብ ማእሰርቲ ስጋን ካብ ማእሰርቲ ሓጢኣትን ናጽነት እንረኽበሉ ብሩኽ ሰሙነ ሕማማት ይግበረልና። ኣሜን።
ሰንበት 31 መጋቢት 2019: ደብረ ዘይት - ዝሕልቲ ፍቕሪ
ቀዳም 30 መጋቢት 2019: ሓጢኣትን ሳዕቤኑን - 9ይ ክፋል
ኣቐዲሙ ወጺኡ ብዝነበረ መደብ መሠረት፥ ኣብ ከተማ-ኡምዮ ሃገረ-ስዊዲን፥ ደብረ-ኢየሱስ መድኃኔ-ዓለም ዝተሰምየ ሓዲሽ ቤተ-ክርስቲያን፥ ብተሳትፎ ውሉደ-ክህነትን ማኅበረ-ምእመናንን፥ ብዓቢይ ድምቀት ክጽምበል ክኢሉ። ከተማ-ኡምዮ፥ ካብ ስቶኮልም ርሕቕ ዝበለት ስለ-ዝኾነት፥ ናብታ ከተማ ንምብጻሕ ቀረባ’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። ነቶም ቅንኣት ቤት-ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት ግና፥ እዚ ርሕቀት’ዚ ምኽንያት ኮይኑ፥ ካብቲ በዓለ ጽምብል ከትርፎም ኣይከኣለን። ስለዚ ድማ’ዮም ካብ ሃገረ-ስዊዲን ወጻኢ ዝርከቡ ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ከይተረፉ’ውን፥ ኣብዚ ተባሂሉ ዘሎ በዓለ-ጽምብል ተሳተፍቲ ኮይኖም ክርከቡ ዝኸኣሉ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ