ኣብ መበል 19 ጉባኤ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ (ቀዳም 22 ሓምለ 2017) ዝተዋህበ ስብከት።
መሪሕ ጥቕስና ኣመልኪቱና ከም ዘሎ፡ እግዚኣብሄር ብዛዕባና ዚሓስቦ ሓሳባት፡ ኲሉ ጊዜ ስናይን ንደሓናን ዚኸውን ምዃኑ እዩ። ኣብዛ ኣብ ምድሪ እዚኣ ኣብ እነሕልፎ ሓጺር ዕድመና፡ ብብዙሕ ዝዓይነቱን ኣንጻራውን ኲነታት ኢና እንሓልፍ። ኣብቲ ዚሰማምዓና ዂነታት ክንህልዉ ከሎና ብዛዕባ ሓሳብ ኣምላኽ ዚህልወና ስምዒታትን ርድኢትን በኣንጻሩ ኣብቲ ዘይንፈትዎ ዂነታት ክንህሉ ከሎና ብዛዕባ ኣምላኽን ዕላማታቱን ዚህልወና ስምዒትን ርድኢትን፡ ምብራቕ ካብ ምዕራብ ከም ዚርሕቕ ዝተረሓሓቐ እዩ።
“እቶም ግቡዛት፡ ጸወምቲ ምዃኖም ብሰብ ምእንቲ ኺረኣዩ፡ ገጾም የጸምልዉ’ዮም’ሞ፡ ክትጾሙ ኸሎኹም ከምኣቶም ጽምልዋት ኣይትኹኑ።” ማቴ 6፡16 ካ.ት።
ምስ ኣምላኽ ተዓረቑ እናበልና ንልምነኩም ኣሎና: 2 ቆሮ 5፥20
መግለጺ መንበረ ጵጵስና ኣኅጉረ ስብከታት
ኦ ምልእተ ጸጋ እግዚኣብሔር ምሳኺ ኢዩ። ሓጢኣትና ኪሰርየልና ናብ ፍቁር ወድኺ ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና ምሕረት ለምንልና።
እግዚኣብሔር እንቋዕ ልጓመ ጾም ፈትሓልና።
በስመ ኣብ ወወልድ! ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።
ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን እንዳበልና መንፈሳዊ ሰላምታ ነቐድም። ቀጺልና: ንግደት/ክብረ-በዓል ቤተ ክርስቲያን መድሃኔ ዓለም ሮቸስተር ኒው ዮርክ 23 መስከረም 2017 ከነኽብር ስለ ዝኾና ናይቲ መንፈሳዊ በዓል በረኸት ተሳተፍቲ ክትኮኑ ብኽብሪ ንዕድመኩም።
ብቀሺ ወልደትንሳኤ ብርሃነ ኣብ መበል 19 ጉባኤ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ (ቀዳም 22 ሓምለ 2017) ዝተዋህበ ስብከት።
ኣብ ዝሓለፈ ኣርእስትና “ብልብኹም መገድኹም ሕሰቡ” ዚብል ኣርእስቲ ርኢና። ብልብኻ መገድኻ ምሕሳብ ድማ ናይ ንስሓ ቀዳማይ ስጕምቲ እዩ። መገድኻ መርሚርካ ኣበሳኻ ድሕሪ ምፍላጥካ፡ ብድሕሪኡ ኽትገብሮም ዝእግባእ ተኸታተልቲ ስጕምትታት ኣለው።
{youtubejw width="240" height="200"}hvngkUbkJz8{/youtubejw}
“እቶም ናይ ክርስቶስ (ዝዀኑ ዅላቶም) ከኣ፡ ነቲ ስጋኦም ምስናይ ፍትወቱን ትምኒቱን ሰቒሎምዎ’ዮም። ብመንፈስ ህይወት ዝረኸብና (ሰባት) እንተ ደኣ ዄንና፡ ብመንፈስ ንንበር።” ገላ 5፡24,25 ካ.ት
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን።
ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ።
ኣብዚ እዋን'ዚ፥ ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፥ ብሓይሊ-ጎነጽ መንግሥትን ምትሕብባር ውሑዳት ጳጳሳትን፥ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ፥ ንልዕሊ 13 ዓመታት ካብ መንበሮም ተኣልዮም ይርከቡ። እዚ ዘስዓቦ፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ወሪዱ ዘሎ ዕንወት፥ ካብ ጳጳሳት ክሳብ ተራ ኣመንቲ ተኸሲቱ ዘሎ ምብታንን ፍንውነት ምሕደራን ብዓቅሚ’ዚ ጽሑፍ'ዚ ዝግለጽ ኣይኮነን።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ