“ኣዲኡ ኸኣ፡ ነቶም ተዓጠቕቲ፡ “ንሱ ዚብለኩም ኵሉ ግበሩ” በለቶም። ...... ኢየሱስ ከኣ፡ ‘ነዚ ኣጋንእ’ዚ ማይ ምልእዎ’ በሎም (ንሳቶም ከኣ)፡ ኣፍ ንኣፍ መልእዎ።” ዮሃ 2፡5,7
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ፥ ኣሓዱ ኣምላክ፥ ኣሜን።
እዚ ሓበሬታ'ዚ ንነባራትን ሓደስቲ ተመሃሮን ይምልከት
ኣብ ዝተፈላለየ ክፍለ ዓለም እትነብሩ ነባራትን ሓደስትን ተመሃሮ፡ አቦታት ካህናት፡ ዲያቆናት፡ መማህራንን ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰንበት፡ ምእመናንን ምእመናትን ሰላመ እግዚኣብሔር ምሳኹምን ቤተ ሰብኩምን ይኹን።
ንልዕሊ ክልተ ዓመት ክካየድ ዝጸንሐ፥ ናይ ክልተ ዓመት ናይ ስነ መለኮት ትምህርቲ ቀዳማይ መደቡ ዛዚሙ ኣሎ። ከመ መጀመርታ ነዚ ሕጂ በጺሕናዮ ዘሎና ክንበጽሕ ብዙኅ ሃጓፋት ጸኒሑና እዩ። ሕጂ ግን ብረድኤት ኣምላኽ፥ ኩሉ ምድላዋት ተጻፊፉ ኣሎ።
ኣብ መበል 19 ጉባኤ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ (ቀዳም 22 ሓምለ 2017) ዝተዋህበ ስብከት።
መሪሕ ጥቕስና ኣመልኪቱና ከም ዘሎ፡ እግዚኣብሄር ብዛዕባና ዚሓስቦ ሓሳባት፡ ኲሉ ጊዜ ስናይን ንደሓናን ዚኸውን ምዃኑ እዩ። ኣብዛ ኣብ ምድሪ እዚኣ ኣብ እነሕልፎ ሓጺር ዕድመና፡ ብብዙሕ ዝዓይነቱን ኣንጻራውን ኲነታት ኢና እንሓልፍ። ኣብቲ ዚሰማምዓና ዂነታት ክንህልዉ ከሎና ብዛዕባ ሓሳብ ኣምላኽ ዚህልወና ስምዒታትን ርድኢትን በኣንጻሩ ኣብቲ ዘይንፈትዎ ዂነታት ክንህሉ ከሎና ብዛዕባ ኣምላኽን ዕላማታቱን ዚህልወና ስምዒትን ርድኢትን፡ ምብራቕ ካብ ምዕራብ ከም ዚርሕቕ ዝተረሓሓቐ እዩ።
ቅዱስ ልደት ጐይታና ይግበረልና።ኣሜን
ኣይሁዳውያን መሲሕ ከም ዝመጽእ ይኣምኑ ኔሮም። ግን መሲሕ ኣብ ቤተ መንግስቲ ክውለድ፣ናይ ወርቂ ግምጃ ክንጸፈሉ፣ኣብ ዝዓበየሉ ግዜ ናይ ኩናት ሰባት ጠራኒፉ ካብ ዝገዝኡና
“ወዲ ኽትወልድ’ያ፡ ንሱ ኸኣ ንህዝቡ ኻብ ሓጢኣቶም ኬድሕኖም’ዩ’ሞ፡ ስሙ ‘ኢየሱስ’ ክትብሎ ኢኻ። እዚ ዅሉ ድማ እቲ እግዚኣብሄር ብነብዪ፦ “እንሆ ድንግል ክትጠንስ ወዲ’ውን ክትወልድ’ያ፡ ስሙ ኸኣ “ኣማኑኤል” ኪብልዎ’ዮም፡ ትርጕሙ ኸኣ ‘ኣምላኽ ምሳና’ ማለት’ዩ” እናበለ ዝተዛረቦ ምእንቲ ኺፍጽም ኰነ።” ማቴ 1፡21-23 ካ.ት
ኦ ምልእተ ጸጋ እግዚኣብሔር ምሳኺ ኢዩ። ሓጢኣትና ኪሰርየልና ናብ ፍቁር ወድኺ ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና ምሕረት ለምንልና።
እግዚኣብሔር እንቋዕ ልጓመ ጾም ፈትሓልና።
ንልዕሊ ርብዒ ዘመን ኣብ ክልተ ደምበ ተኸፊላ ዝጸንሐት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ፣ ትማሊ 26 ሓምለ 2018 (ሐምለ ፩፱, ፳፲ ግእዝ) ምሉእ ውህደት ምግባራ ብሓቂ ዘሕጉስ ዜና እዩ። ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ መርቆሬዎስ 4ይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ካብ ኣሜርካ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሶም ምስ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ብሓደ ኮይኖም ንኢትዮጵያዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ክመርሕዋ፥ ሲኖዶስ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ኣብ ዘካየዶ ዋዕላ-ዕርቂ ብኣዋጅ ተሓቢሩ ኣሎ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ