ረቡዕ 31 ጥቅምቲ 2018: ህይወት ቅዱሳን፡ ይስሓቅ- 8ይ ክፋል
ካብቲ ብራእይ ከይደዮ ዝሓደርኩ ተመስጦ ተመሊሰ፥ ነፍሰይ ክፈልጥ ምስ-ጀመርኩ፥ ኣእምሮይ ዝስሕት ዘሎኹ ኮይን’ዩ ተሰሚዑኒ። ኣበይ ከም-ዘለኹ-? ክፈልጥ እኽእል ኣይነበርኩን። እቲ ምሳይ ዝሓደረ ክዳውንቲኸ ኣበይ ደኣ ከይዱ-? ብምባል ኣብ ሃሰውሰው ኣቶኹ። እዚ ኩሉ’ዚ ከኣ ንሓሳባተይ ኣዋቕዖ። ናብቲ ዝሓደርኩዎ ቦታ ክምለስ፥ ሃረር ካብ ምባለይ ዝተላዕለ ከኣ፥ “-ኣታ ጎይታይ-! በጃኻ ካብዚ ዓለም’ዚ ርሒቐ ከም-ዝነብር ግበረኒ። ከመይሲ ስለ-ዘፍቅረካ ካባኻ ርሒቐ ክነብር ኣይክእልን’የ። ብዘይ ፍቕርኻ ከኣ ኣነ ሕይወት የብለይኒ። እቲ ካብ ኣዕይንትኻ ዝወጽእ ዝነበረ ብርሃን፥ ምንም እንተኾነ ክርስዖ ዝኽእል ኣይኮንኩን -”
እቲ ንኣርባዕተ መዓልታት ካብ ሓሙስ 20 ክሳብ ሰንበት 23ሓምለ 2017 ኣ.ፈ (፲፫ ክሳብ ፲፮ ሓምለ ፳፻፱ ዓ.ም ግእዝ) ኣብ ቅዱስ ሚካኤል ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ከተማ ሻርሎት ክካየድ ዝቐነየ መበል 19ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ብጸሎተ ቅዳሴ ብቡራኼ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስጳጳስ ዲበ-ኩሉ ብሰላም ተዛዚሙ።
ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ሐደ ኣምላኽ ኣሜን !!!
ሰላም ኣምላኽ ንዓኹም ይኹን ስድራ ሕያው ኣምላኽ ኩልኹም!!!
“ኦ!ጐይታይ፡ ደጊም ንባርያኻ ከም ቃልካ ኣፋንዎ። ከመይ ኣዒንተይ ነቲ ምድሓንካ ርእየናኦ’የን። እዚ (ህጻን’ዚ) ኸኣ እቲ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ዘዳለኻዮ ድሕነት’ዩ። ንሱ እቲ ንኣህዛብ ብርሃን ንህዝብኻ እስራኤል’ውን ክብሪ ዚገልጽ’ዩ።”ሉቃ 2፡29-32 ካ.ት
ጾመ ነነዌ: ካብ 29 ጥሪ ክሳብ 1 የካቲት 2017 (ሰኑይ, ሰሉስን ረቡዕን) ይውዕል። ምሕረት ዝህብ ጾም ይግበረልና። ኣሜን።
መወከሲ ዝኸውን መዝግበ-ቃላት ደኣ፥ ኣብዚ ኣብ ቀረባ የብለይን እምበር፥ እቲ “-ዕርቂ-” ዝብል ቃል፥ ምስምማዕ, ምልዛብ, ምትዕራቕ, ምርድዳእ, ምቅርራብ ካብ ምባል ዝሓልፍ፥ ካልእ ትርጉም ክህልዎ ዝኽእል ኣይኮነን። ብዝኾነ ብዘይ ሕድገት ዝብጻሕ ዕርቂ ግና የልቦን። ስለዚ’ዮም ዓደቦና’ውን “-ዝወለደ እንተለሓሰ፥ ዝበደለ እንተኸሓሰ፥ ኣባጅጎስ ክንደይኮን ምተሓጎሰ-” ዝብሉ። ብዘይ ንስሓን ጣዕሳን ግና፥ ዕርቂ ክመጽእ ይኽእል’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን።
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላኽ ኣሜን።
መበል 19 ዓመታዊ ጉባኤ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሊቀ መላእኽት ቅዱስ ሚካኤል ሻርለት ኖርዝ ካሮላይና፡ "ኣነ ዝሓስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደኃን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሔር” ኤርምያስ 29:11።“ ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጥቕሲ ብፍሉይ መንፈስን ተስፋን ጉባኤኡ ብሰላም ዛዚሙ።
ሓሙስ 27 መስከረም 2018 ዓ.ም በዓል ቅዱስ መስቀል እዩ።
ኣምላኽ ቅዱስን ብሩኽን በዓል መስቀል ይግበረልና። ኣሜን ።
መሰቀል ጽንእነ
መሰቀል ቤዛነ
መስቀል መድሃኒተ ነፍስነ
ንሕነስ ኣመነ በኅይለ መስቀሉ ድኀነ።
“ንስኻትኩም ግና ዕብየት (ወይ ደግነት) ናይ’ቲ ኻብ ጸልማት ናብ’ቲ ዜገርም ብርሃኑ ዝጸዉዓኩም (ኣምላኽ) ምእንቲ ኽትነግሩ ሕሩይ ወለዶ፡ (ንጉሳውያን ካህናት) (Royal Priesthood)፡ ቅዱስ ህዝቢ ጥሪት ኣምላኽ ዝዀነ ህዝቢ ኢኹም።”1ጴጥ 2፡9 ካ.ት
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ