ብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ ዓቃቤ-መንበር ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን ኤርትራ። ኣብ ዕለት 13/10/2018 ኣብ ስዊዲን ከተማ-ኦብሳላ ተረኺቦም ቅዳሴ ብምሥራዕ፥ ንናይቲ ኣከባቢ ማኅበረ-ምእመናን፥ መልእኽቲ ወንጌል ከስምዑን ቡራኬ ክህቡን ክኢሎም። ስለ ዝኾነ’ውን ነዚ ጉባኤ’ዚ፥ ብዙሓት ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝመጹ ምእመናን ክሳተፉዎ ስለ-ዝኸኣሉ፥ እዚ ጉባኤ’ዚ ንብዙሓት ምኽንያት ምንቕቓሕን ተስፋን ኮይኑዎም ተረኺቡ’ዩ ክበሃል ይከኣል።
ብካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ ጀርመን 9ይ - ክፋል
20-ታሕሳሥ 1988 ዓ/ም ክሳብ ዝኸውን፥ እቲ መዓልታት ካብቲ ዝተለምደ ካልእ ግዜ፥ ቀልጢፉ ክመስን ክወግሕን ዘይክእል ዘሎ ኮይኑ ይስመዓኒ ነበረ። ብዝኾነ እዛ ፍልይቲ መዓልቲ እዚኣ ግና፥ ካብ ድቃሰይ ኣንጊሀ ድሕሪ ምትንሥአይ፥ ሰዓት-12 እየ ገና ንግሆ ከሎ ኣንጊሀ ዝገስገስኩ። ንቤተ-ክርስቲያን ክኸይድ ከሎኹ፥ እናሰጎምኩ ዘይኮነ እናተወንጨፍኩ ዝኸይድ’የ ዝመስል ዝነበርኩ። በዚ ፍጥነት’ዚ ድማ ቀልጢፈ’የ ኣብኡ ክበጽሕ ክኢለ። እታ ናይ ክርስትና ኣደይ ክትከውን ዝነበራ’ውን፥ ቀዲማትኒ ኣብኡ ጸንሐት። ክንደይ እተሕጉስ ብርህቲ ፀሓይ ዝነበረቶ መዓልቲ ይመስለኩም። ብልበይ ድማ ናይ ብሓቂ ዝተወለድኩላ መዓልቲ ሎሚ’ያ በልኩ።
ንእግዚኣብሄር ዝተፈልዩ ነገራት ቅዱስ ወይ ድማ ቅድስቲ ዝብል ስያሜ ይወሃቦም። ናይ ቅድስና መሰረታዊ ሕጉ ድማ ንእግዚኣብሄር ምፍላይ፣ ምስኡ ፍጹም ምውጋን፣ ንኻልእ ክሳብ ዘይኮኑ ንዕኡ ብቓል ኪዳን ምፍላይ ብማሕተም ደም ንእግዚኣብሄር ምቑጻር እዩ።
“እቶም ናይ ክርስቶስ (ዝዀኑ ዅላቶም) ከኣ፡ ነቲ ስጋኦም ምስናይ ፍትወቱን ትምኒቱን ሰቒሎምዎ’ዮም። ብመንፈስ ህይወት ዝረኸብና (ሰባት) እንተ ደኣ ዄንና፡ ብመንፈስ ንንበር።” ገላ 5፡24,25 ካ.ት
ሰኑይ 31 ታሕሳስ 2018: ውሉድ: ህያብ ኣምላኽ 1ይ ክፋል
ሰንበት 30 ታሕሳስ 2018: ሕያዋይ ጓሳ
ኣብ ዓባይ-ብሪጣንያ ከተማ-ማንችስተር፣ ንኽልተ መዓልቲ ዝቐጸለ ማለት ዕለት 7-8/ 10/2018 ኣብ ቤተ-ክርስቲያን መድኃኔ-ዓለም፣ ንማኅበረ-ምእመናን ዕግበት ክህብ ዝኸኣለ፥ ዕዉት ኢልካ’ውን ክግለጽ ዝከኣል፥ 2ይ-ዓመታዊ ጉባኤ ተኻይዱ። ነዚ ኣገልግሎት’ዚ ኢሎም ካብ ሃገረ-ኣሜሪካ ተላዒሎም ዝመጹ ድማ፥ ቀሲስ ዶክተር ተስፎም ገዛኢን ዲያቆን ዶክተር ብርሃነ ሥዩምን እዮም።
እዚ ኣርእስቲ’ዚ ንዓና ንኦርቶዶክሳውያን፥ ብዙሕ ክንዛረበሉን ክንጽሕፈሉን ዝግበኣና ኣርእስቲ’ዩ። ከመይሲ እቲ ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስቲያንና ዘሎ ጸገማት ኩሉ፥ ምስ’ዚ ኣርእስት’ዚ ምትሕሓዝ ዘለዎ ኮይኑ ይርከብ ብምህላዉ እዩ። ከም-ዝፍለጥ ኣብ 1983 ዓ/ም (1991) እቶም ዝነበሩ ሊቀ-ጳጳስ ማለት ኣቡነ-ገብርኤል ንኣዲስ-ኣበባ ምስ-ከዱ፥ ኣብቲ መንበረ-ጵጵስና ተጸዋዒ ዝነበሩ፥ እቶም ዋና-ጸሓፊ መጋቤ-ሥርዓት ሉቃስ ገብረ-ሚካኤል ምዃኖም’ዩ ዝፍለጥ።
“ኣርባዕተ ሰብኣይ ዝጾርዎ መጻጕዕ ናብኡ ኣምጽኡ። ህዝቢ ስለ ዝበዝሔ፡ ናብኡ ምእታው እንተ ሰኣኑ ኸኣ፡ ናሕሲ እታ ዘለዋ ቤት ኣፍረሱ። ምስ ኣፍረሱ፡ ነታ እቲ መጻጕዕ ደቂስዋ ዘሎ ዓራት ኣውረድዋ። ኢየሱስ ድማ እምነቶም ርእዩ፡ ነቲ መጻጕዕ፡ ወደይ፡ ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ፡ በሎ” (ማርቆስ 2.3-5)።
“ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ። ሓደ’ኳ ንዓለም እንተ ፈተዋ፡ ፍቕሪ ኣቦ የብሉን። (ምኽንያቱ) ኵሉ’ቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፡ ፍትወት ስጋን ክፉእ ትምኒትን፡ ብሃብትኻ ዕቡይ ምዃንን፡ ካብ ዓለም’ዩ’ምበር፡ ካብ ኣቦ ኣይኰነን። ዓለም (ምስናይ ፍትወታ) ኽትሓልፍ’ያ፡ እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር (ክርስትያን) ግን፡ ንዘለኣለም ይነብር።” 1ዮሃ 2፡15-17 ካ.ት
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ