ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ኣብ ዓባይ-ብሪጣንያ ከተማ-ማንችስተር፣ ንኽልተ መዓልቲ ዝቐጸለ ማለት ዕለት 7-8/ 10/2018 ኣብ ቤተ-ክርስቲያን መድኃኔ-ዓለም፣ ንማኅበረ-ምእመናን ዕግበት ክህብ ዝኸኣለ፥ ዕዉት ኢልካ’ውን ክግለጽ ዝከኣል፥ 2ይ-ዓመታዊ ጉባኤ ተኻይዱ። ነዚ ኣገልግሎት’ዚ ኢሎም ካብ ሃገረ-ኣሜሪካ ተላዒሎም ዝመጹ ድማ፥ ቀሲስ ዶክተር ተስፎም ገዛኢን ዲያቆን ዶክተር ብርሃነ ሥዩምን እዮም።
እዚ ኣርእስቲ’ዚ ንዓና ንኦርቶዶክሳውያን፥ ብዙሕ ክንዛረበሉን ክንጽሕፈሉን ዝግበኣና ኣርእስቲ’ዩ። ከመይሲ እቲ ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስቲያንና ዘሎ ጸገማት ኩሉ፥ ምስ’ዚ ኣርእስት’ዚ ምትሕሓዝ ዘለዎ ኮይኑ ይርከብ ብምህላዉ እዩ። ከም-ዝፍለጥ ኣብ 1983 ዓ/ም (1991) እቶም ዝነበሩ ሊቀ-ጳጳስ ማለት ኣቡነ-ገብርኤል ንኣዲስ-ኣበባ ምስ-ከዱ፥ ኣብቲ መንበረ-ጵጵስና ተጸዋዒ ዝነበሩ፥ እቶም ዋና-ጸሓፊ መጋቤ-ሥርዓት ሉቃስ ገብረ-ሚካኤል ምዃኖም’ዩ ዝፍለጥ።
“ኦ ኣቦ! ንስኻ ከም ዝለኣኽካኒ ዓለም ምእንቲ ኽትኣምንሲ፡ ኵላቶም ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ከም’ቲ ንስኻ ኣባይ ዘለኻ፡ ኣነ’ውን ኣባኻ፡ከምኡ ድማ ንሳቶም ኣባና (ሓደ)ኣ ምእንቲ ኪዀኑ፡ እልምን ኣለኹ። ንሕና ሓደ ኸም ዝዀንና፡ ንሳቶም’ውን ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ነቲ ዝሃብካኒ ሃብክዎም። እዚ (ዝገበርኩ) ድማ፡ ከም’ቲ ኣነ ኣብኣቶም ንስኻ’ውን ኣባይ ዝዀንካ፡ ንሳቶም’ውን ብሓድነት ፍጹማት ምእንቲ ኪዀኑ . . .’ዩ።” ዮሃ 17፡21-23 ካ.ት
ሬሳ ባሮትካ ንምግቢ ኣዕዋፍ ሰማይ፡ ስጋ ጻድቃን ንኣራዊት መሮር ሃብዎም፡ ደሞም ኣብ ዙርያ ምድሪ ኤርትራ ከም ማይ ኣፍሰስዎ፡ ቀባሪውን ኣይነበረን” መ.ዳዊት 79:2.።
ሰንበት 23 ሰነ 2019 ዓ.ም ምእንቲ እቶም ንፍትሕን ናጽነትን ሰላምን ኢሎም ክብርቲ ህይወቶም ዝወፈዩ ስዉኣት ኤርትራ ጸሎተ ፍትሓት ክግበር እዩ። መዘከርታ ስውኣትና፡ ንኩሉ ዓይነት ሕብረተ ሰብና ዘጠቓለለ ስለ ዝኾነ፣ መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት እዛ መዓልቲ'ዚኣ ናይ ጸሎት መዓልቲ ክትከውን ንኩሎም ምእመናን ሓደራ ይብል።
2019 |
|
ወርሒ | Month |
ፈነወ ራድዮ ተዋህዶ - Radio Tewahdo |
ንኣርባዕተ መዓልታት ክካየድ ዝቐነየ መበል 20 ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ ኣብ ከተማ ሲያትል ክፍለግዝኣት ዋሽንግቶን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ብርሃን ቅድስቲ ሥላሴ ይካየድ ኣሎ። ብጸሎተ ቅዳሴ ብቡራኼ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ ዲበ-ኩሉ ብሰላም ተዛዚሙ።
ብካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ ጀርመን 10ይ - ክፋል
ኣብ ዝሐለፈ ጽሑፈይ ከም-ዝገለጽክዎ፥ መስበርቲ-እግሪ ኣብ ዘጋጠመኒ ግዜ።ኣብ እንዳ ኃወይ ክድቅስ ስለ-ዝተገደድኩ፥ ንቤተ-ክርስቲያን ክኸይድ ተጸጊመ ምንባረይ፥ ትዝክሩዎ ትኾኑ ኢኹም። በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ ኣነ፥ ዕርፊ ክርስትና ድሕሪ ምጭባጠይ፥ ከመይ’ለ ንድሕሪት ኣቢለ ክምለስ-? ብምባል እጭነቕ ነበርኩ። ቀልጢፈ ክሓዊ’ሞ ክርስቲያንነተይ ድማ፥ ብግብሪ ከረጋግጽ፥ እህወኽ ነበርኩ።
ንእግዚኣብሄር ዝተፈልዩ ነገራት ቅዱስ ወይ ድማ ቅድስቲ ዝብል ስያሜ ይወሃቦም። ናይ ቅድስና መሰረታዊ ሕጉ ድማ ንእግዚኣብሄር ምፍላይ፣ ምስኡ ፍጹም ምውጋን፣ ንኻልእ ክሳብ ዘይኮኑ ንዕኡ ብቓል ኪዳን ምፍላይ ብማሕተም ደም ንእግዚኣብሄር ምቑጻር እዩ።
“ብእኡ ዚኣምን ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኺረክብ’ምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ከም’ቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ተመን ዝሰቐለ፡ ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ኪስቀል ይግብኦ’ዩ። ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዅሉ (ሰብ) ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረክብ’ምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንዲ’ዚ ንዓለም ኣፍቀራ።” ዮሃ 3፡15,16
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ