በስመ ኣብ ወወልድ! ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።
ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን እንዳበልና መንፈሳዊ ሰላምታ ነቐድም። ቀጺልና: ንግደት/ክብረ-በዓል ቤተ ክርስቲያን መድሃኔ ዓለም ሮቸስተር ኒው ዮርክ 23 መስከረም 2017 ከነኽብር ስለ ዝኾና ናይቲ መንፈሳዊ በዓል በረኸት ተሳተፍቲ ክትኮኑ ብኽብሪ ንዕድመኩም።
ብቀሺ ወልደትንሳኤ ብርሃነ ኣብ መበል 19 ጉባኤ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ (ቀዳም 22 ሓምለ 2017) ዝተዋህበ ስብከት።
ኣብ ዝሓለፈ ኣርእስትና “ብልብኹም መገድኹም ሕሰቡ” ዚብል ኣርእስቲ ርኢና። ብልብኻ መገድኻ ምሕሳብ ድማ ናይ ንስሓ ቀዳማይ ስጕምቲ እዩ። መገድኻ መርሚርካ ኣበሳኻ ድሕሪ ምፍላጥካ፡ ብድሕሪኡ ኽትገብሮም ዝእግባእ ተኸታተልቲ ስጕምትታት ኣለው።
{youtubejw width="240" height="200"}hvngkUbkJz8{/youtubejw}
“ኣቱም ደቀይ፡ ንስኻትኩም ካብ ኣምላኽ ኢኹም። ካብ’ቲ ኣብ ዓለም ዘሎ (ርኹስ) መንፈስ፡ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ (ቅዱስ) መንፈስ ዚዓብይ ስለ ዝዀነ፡ ንስኻትኩም ነቶም ሓሰውቲ ነብያት ስዒርኩምዎም ኢኹም። ንሳቶም ካብ ዓለም’ዮም፡ ከም ኣዘራርባ ዓለም ከኣ ይዛረቡ ኣለዉ። ዓለም’ውን ትሰምዖም ኣላ። ንሕና ኻብ ኣምላኽ ኢና፡ ንኣምላኽ ዚፈልጥ ይሰምዓና፡ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዘይኰነ ኣይሰምዓናን’ዩ፡ ንመንፈስ ሓቅን ንመንፈስ ሓሶትን ከኣ በዚ ኢና ‘ንፈልጦ።” 1ዮሃ 4፡4-6 ካ.ት
ሓሙስ 30 ነሓሰ 2018: እቲ ስደተኛ መንእሰይ - መበል 56 ክፋል
“-ኣምላኽ ሰማይ ከቃንዓልና እዩ’ሞ፥ ንሕና ባሮቱ ተንሢእና ክንዓዪ ኢና-” ብዝብል መራሒ-ቃል፥ ኣብ ዓባይ-ብሪታንያ ከተማ-ማንችስተር፥ ካብ 15/09/1917 ሠለስተ-መዓልቲ ዝወሰደ ዕዉት ጉባኤ ክካየድ ክኢሉ። እዚ ናይ ማንችስተርን, ሎንዶንን, በርኒንግሃምን ኣብያተ-ክርስቲያናት ማኅበረ-ምእመናን ተሳቲፎሞ ዝቐነዩ ጉባኤ’ዚ፥ ወለድን መንእሰያትን ብኃባር ከሳትፍ ዝኸኣለ ጉባኤ ብምንባሩ፥ ኣብ ተመክሮና ሓድሽን ፍሉይን’ዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል።
ብቀሺ ኣስመሮም ሞሳዝጊ ኣብ መበል 19 ጉባኤ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ (ቀዳም 22 ሓምለ 2017) ዝተዋህበ ስብከት
“ካብቲ ቐዳማይሲ ዳሕራይ ክብሪ እዛ ቤት እዚኣ ኺበልጽ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ሰላም ክህብ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።” ሃጌ 2:9
ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ሐደ ኣምላኽ ኣሜን !!!
ሰላም ኣምላኽ ንዓኹም ይኹን ስድራ ሕያው ኣምላኽ ኩልኹም!!!
“ሕያዋይ ጓሳ ኣነ’የ። ነባጊዐይ እፈልጠን እተን ኣባጊዐይ’ውን ይፈልጣኒ’የን።” ዮሃ 10፡14,15።
ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ካብ ዝምሥረት፡ እንሆ ሎሚ ዘመን መበል ዕስራ ዓመቱ ብወግዒ ንምጽንባል ኣብ ደብረ ብርሃን ቅድስት ሥላሴ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ስያትል ሰፊሕ ምድላዋት ይግበር ኣሎ። በዚ ኣጋጣሚ ንኹልኹም ኦርቶዶክሳውያን ኣመንቲ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዝኾንኩም ኣብ ስያትልን ከባቢኡን ዘሎኹም ብኣካል፥ ነቶም ኣብ ርሑቕ ሃገራትን ኣህጉራትን ዘሎኹም ድማ ብሕልናዊ-ጸሎት ተሳተፍቲ መበል 20 ዓመታዊ ጉባኤና ንኽትኮኑ ብኽብሪ ንዕድም።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ