ሬሳ ባሮትካ ንምግቢ ኣዕዋፍ ሰማይ፡ ስጋ ጻድቃን ንኣራዊት መሮር ሃብዎም፡ ደሞም ኣብ ዙርያ ምድሪ ኤርትራ ከም ማይ ኣፍሰስዎ፡ ቀባሪውን ኣይነበረን” መ.ዳዊት 79:2.።
ሰንበት 23 ሰነ 2019 ዓ.ም ምእንቲ እቶም ንፍትሕን ናጽነትን ሰላምን ኢሎም ክብርቲ ህይወቶም ዝወፈዩ ስዉኣት ኤርትራ ጸሎተ ፍትሓት ክግበር እዩ። መዘከርታ ስውኣትና፡ ንኩሉ ዓይነት ሕብረተ ሰብና ዘጠቓለለ ስለ ዝኾነ፣ መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት እዛ መዓልቲ'ዚኣ ናይ ጸሎት መዓልቲ ክትከውን ንኩሎም ምእመናን ሓደራ ይብል።
ርእሲ ትምህርቲ፡
ሰብ ብኣምሳል ኣምላኽ ዝተፈጥረ ክቡርን ፍሉይን ፍጡር እዩ። ካብ ኩሎም ፍጡራት ፍሉይ ዚገብሮ ድማ፡ ዝተፈጥረን ትንፋስ ኣምላኽ ዝተማቐለን ፍጡር ምዃኑ እዩ። ኣምላኽ ንሰብ ነባቢ፣ ለባዊ ፍጡር ምስ ምሉእ ናጽነት ገይሩ እዩ ፈጢርዎ። ኣምላኽ ንሰብ ኪሕልዋ፡ ኪዓያን ከማዕብላን ድማ ውስንቲ ቦታን ርስትን ሃቦ፡ ንሳ ድማ ገነት ኤደን እያ። ምስኡ ድማ ሕግን ሥርዓትን ሰርዓሉ።
ኣብ ርእሲ'ቲ ብኣምላኽ ዝተዋህቦ ኩለንተናዊ ናጽነት (ምሉእ ናይ ምንባር፡ ሓሳብካ ምግላጽ፡ ምዝራብ ወዘተርፈ)፡ ተወሳኺ ድማ ነታ ክነብረላ ዝተዋህበቶ ቦታ ከልምዓን ኪሕልዋን ስልጣንን ሓላፍነትን ተዋህቦ። ነዚ ብኣምላኽ ዝተዋህቦ ናጽነት ዝምንዝዕ ኣካል ይኹን ውልቀሰብ ኩሉ ግና ብዘለዎ ክእለት ተጠቒሙ ከምልሶን ክቃለሰሉን መስዋእቲውን ኪኸፍለሉ ግዴታኡ እዩ።
እዞም ምእንታና ሓሊፎም ኢልና እንዝክሮም ስዉኣትና፡ ክብርቲ ህይወቶም ክህቡ እንከለዉ፡ ንውሉደይ፡ ንሰበይተይ፡ ነቦይ፡ ነደይ፡ ንኣዝማደይ፡ ንገዛይ፡ ንምምሕዳረይ፡ ንዞባይ ኣብ ዚብል ውሱንን ጸቢብ ዓሌታዊ ወገን ዝተሰረተ ኣይነበረን። እታ ኣብ ኣጋ ምሕላፍ ህይወቶም ዚብልዋ “ዓወት ንሓፋሽ" እትብል ቃል እኳ ነቲ ብድሕሬና ዝተርፍ ኩሉ ዓወት ይኹነሉ ማለት እዩ። ዕውት ሕብረተ-ሰብ ዚበሃል ድማ፡ እቲ ብኣምላኽ ዝተዋህቦ ምሉእ ናጽነት ተጠቒሙ፡ ብናጽነት ነታ ክሕልዋ፡ ከማዕብላ፡ ክኸናኸና ዝተዋህበቶ መሬት ብዘይ ፍርሂ ምስ ዝነብረላ ጥራይ እዩ። ብኻልእ ቃላት፣ ብሕጊ፣ ብፍትሕን ርትዕን ተማእኪልካ ብማዕርነት እትነብረላ ሃገር ምውናን ማለት እዩ።
እቲ ካልኣይ መልእኽቱ ድማ፡ ንብረቶም ደቆም ንሓፋሽ እዮም ኣረኪቦም ስለዚ ዓመት መጸ ብዛዕባ መቓብሮምን ሬሳኦምን ምስቁርቋር ዘይኮነስ፡ ዝተረፉ ንሓፋሽ ዘረከብዎም ጾሮም ምስካም ግዴታውን ክዝንጋዕ ዘይብሉ ጉዳይ ኩልና እዩ።
እግዚኣብሔር ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ መግሥተ ሰማያት ንኩሎም ስዉኣት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ድማ ሰላምን ራህዋ፥ ፍትሕን ይሃበና። ንቅዱስ አቡነ እንጦንዮስ ፓትርያርክ ወርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ብሰላም የንብረልና። ኣሜን።
መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ