ብኅብረት ኦርቶዶክሳውያን መንእሰያት ዝተጸውዐ ኣገልግሎት ወንጌል፡ ኣብ ሃገረ-ስዊዲን ተኻይዱ ኢልካ ዝንገር ዜና፥ ነዚ ሕጂ ዘሎ ወሎዶ ዘየገርሞ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ነቶም ሕያዎት ኣባሓጎታትና ኣብቲ መቓብሮም ኬድና ክንነግሮም እንተንኽእል ግና፡ ኣሚኖም ክቕበሉዎ ዝኸብዶም፥ ኣዚዩ ዘስደምም ትንግርቲ ኮይኑ ምተረኽበ ነይሩ። ከመይሲ ንሕና እዞም ሕጂ ዘሎና ደቂ ደቆም፡ ኤውሮጳ ተሳጊርና ኣብ ሃገረ-ስዊዲን፥ ሰበኽቲ ወንጌል ኴንና ክንርከብ መን ክሓስቦ ይኽእል-?!
ኣብ ዘመነ-መንግሥት ኃፀይ-ዮሓንስ፡ ማለት ኣብ መፋርቕ 18-ሚእቲ ክፍለ-ዘመን፡ ስዊድናውያን ሰበኽቲ ወንጌል ኮይኖም፥ ናባና ናብ ምድሪ-ሓበሻ ኣትዮም ዝነበሩሉ ዘመን ምዃኑ’ዩ ዝፍለጥ። እቲ ሕጂ ኣብ ሃገርና ዝርከብ ዘሎ እምነት ከኒሻ ከኣ፡ ኣብዚ ዝተባህለ እዋን’ዚ ክኣቱ ከም-ዝኸኣለ’ዩ፥ እቲ ናይ ትማሊ ታሪኽና ዝዛረብ። እምኩሉ፡ በለዛ፡ ጸዓጸጋን ገለብን ድማ፡ ምስዚ ታሪኽ’ዚ ምትእስሳር ዘለወን ኮይነን፥ ካብ ዝዝከራ ዓድታት እየን።
ሕጂ ድሕሪ 170-ዓመት ኣቢሉ ግና። ነገር ተገምጢሉ ንሕና እቶም ሓበሻ እንበሃል ሕዝቢ፡ ሰበኽቲ ወንጌል ኮንና፥ ኣብ ሃገረ-ስዊድን ክንርከብ ንኽእል ኢና ኢሉ፥ መን ሓሲቡዎ ክኸውን ይኽእል-?! ግዳስ እዚ ተኣምር ክበሃል ዝኽእል ፍጻሜ’ዚ፡ እንሆ ኣብዚ ሰዓት’ዚ ክዉን ኮይኑ ንርእዮ ኣሎና። እዚ ከኣ ናይ ተኣምር ተኣምር’ዩ እንተ-ተባህለ፡ ምግናን ኣይኮነን። ከመይሲ ደቂ ደቆም ነቶም ግእዝ ዝቋንቁኦምን፥ ብራና ዝመጽሓፎምን ሕዝቢ፡ ክሳብ ምድሪ ኤውሮጳ ተሳጊሮም፡ ወንጌል ክሰብኩ ካብ ምርኣይ ዝዓቢ፥ ካልእ ተኣምር ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና።
እሞ እዚ ኩሉ’ዚ ደኣ ከመይ’ሉ ክኸውን ከኣለ-? ዝብል ሕቶ ብምልዓል እቲ ጉዳይ ክርአ ከሎ። ከምቲ ኣብ መጽሓፈ-መቃብያን “-ብዙሓት ካብ ደቂ እስራኤል ግና፥ ኣብ እምነቶም ጸንዑ። ዝረኸሰ እንጌራ ከይበልዑ’ውን፥ ብልቦም ቈረጹ። ብብልዒ ካብ ዝረኽሱን፥ ነቲ ቅዱስ-ኪዳኑን ካብ ዘፍርሱ’ውን ሞት ኃረዩ-” ተባሂሉ ዘሎ፡ እዚ ሕጂ ኣብ ሃገረ-ስዊዲን፥ ወንጌል ይሰብኽ ኣሎ ዝበሃል ዘሎ ኦርቶዶክሳዊ-ትውልዲ’ውን፡ ህልውና ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያኑ ኣብ ሓደጋ ስለ-ዝኣተወ’ዩ፡ ብማዕበል ፖለቲካ ተገፊዑ ካሳብ ምድሪ ኤውሮጳ በጺሑ ዝርከብ ዘሎ፡ (1-መቃ.1/62)።
ብመሠረቱ ታሪኽ’ታ ዓባይ ክርስቶሳዊት ቤተ-ክርስቲያን ክርአ ከሎ። ካብ ዘመነ-ኔሮን 54 ዓ/ም ክሳብ ዘመነ-መክሲሚያኖስ 313 ዓ/ም፡ ኣብ ዝነበረ ግዜ፥ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ስደትን ተነጽሎን ከም-ዝነበረት ኢና ንርኢ። ስለዚ ከኣ’ዩ “-ብመቑሕን ማእሰርትን ተሳቐዩ። ብዳርባ እምኒ ተቐትሉ። ብመጋዝ ተቘርጹ። ተሰይፎም ሞቱ።.......ሰኣኑ ጸበቦም። ሓሳረ መከራ ጸገቡ-” ብምባል ተገሊጹ ዝርከብ ዘሎ። ከመይሲ እቶም ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣ። ንቤተ-ክርስቲያን ሠናያ ተመንዮም ኣይፈልጡን እዮም። (ዕብ.11/36-37)
እቲ ሕጂ ኣብ ሃገርና ዘሎ ሓቂ እዚ ስለ-ዝኾነ ከኣ፡ ቤተ-ክርስቲያንን ደቂ ቤተ-ክርስቲያንን እቲ ናይ ስደት ጽዋዕ ክተርፈሎም ኣይከኣለን። ስለዚ ከኣ’ዮም እቶም ኣቦ ኩሎም ኦርቶዶክሳውያን ዝኾኑ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ፡ ን15-ዓመት መመላእታ ኣብ መቑሕ ኣትዮም ዝርከቡ ዘለዉ። ከምኡ’ውን እቲ ተሰካም ታቦት-ኣምላኽ፥ ክኸውን ዝነበሮ ውሉደ-ክህነትና፡ በቶም ሰብ-ፖለቲካ ተሳካም ጠብ-መንጃ ክኸውን ተፈሪዱዎ፡ እንሆ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ናይ ባርነት ኣርዑት ተቘሪኑ፡ ኮለል ክብል ካብ ዝጅምር ዓመታት ኮይኑዎ’ዩ።
ከም ሳዕቤን እዚ ኩሉ’ዚ ድማ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ 28-ዓመታት፡ ሊቃውንቲ ቤተ-ክርስቲያን ከም-ዘይሓልፍ፡ ሓሲሮም ክዋረዱ ምጽንሖም ዝፍለጥ’ዩ። ብውግዘት ዝተፈልዩ’ውን ብዙሓት’ዮም። ክሳብ መቓብር መስጐጕቲ እናሰዓቦም ዝሓለፉ ድማ ዉሑዳት ኣይኮኑን። ኣብ መቝሕ ኣትዮም ዝበልዩ ዘለዉ’ውን ስፍሪ ቁጽሪ የብሎምን። ብዝተረፈ፡ እቶም ብጽንዓት ዝልለ ታሪኽ ዘለዎም፡ ኣቦታት ገዳም ደብረ-ቢዘን፥ ከምኡ’ውን ካህናት መካነ-ሕይወት መድኃኔ-ዓለም፡ ነዚ ቅዱስ ዕላማ’ዚ ክብሉ’ዮም፡ “-መኑ ያኀድገነ ፍቅሮ ለክርስቶስ-? ሕማምኑ-? ምንዳቤኑ-? ተሰዶኑ-? ረኃብኑ-? ዕርቃንኑ-? መጥባሕትኑ-? ጻዕርኑ-” ብምባል (ሮሜ. 8/35) መስቀሎም ተሰኪሞም ብጽንዓት ደው ኢሎም ክርከቡ ዝኸኣሉ። እዚ ኸኣ፡ ምእንቲ ፍቕሪ ክርስቶስ ክብሉ፣ ዝኸፍሉዎ ዘለዉ ናይ ሠማዕትነት ዋጋ ምዃኑ ዝፍለጥ’ዩ። ከመይሲ ክቡር ዋጋ ዘይሓትት መሥዋዕትነት የልቦን። ስለዚ’ዩ ዮሓንስ ወልደ-ዘብዴዎስ’ውን ኣብ ራእዩ “- ነቲ ዝመጸካ መከራ ኣይትፍራህ። ...... ክሳብ ሞት እሙን ኩን፥ ኣነ ድማ ኣክሊል-ሕይወት ክህበካ እየ-” ብምባል ተዛሪቡ ዘሎ፡(ራእ. 2/10)።
ኣብዚ እዋን’ዚ ቤተ-ክርስቲያንና ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፡ ብከቢድ ፈተና እናተፈተነት ትሓልፈሉ ዘላ እዋን’ዩ። ኣብቲ ዘመናት እናተሳገረ ዝመጸ ነዊሕ ታሪኻ። ነዚ ሕጂ እናተቐበለቶ ትርከብ ዘላ ኣደራዕ። ወይ ኣብ ልዕሊኣ እናተፈጸመ ዝርከብ ዘሎ ግህሰተ-ሕጊ፡ ንዕኡ ዝመሳሰል ገጢሙዋ ኣይፈልጥን። ዘይኮነቶ ኣለዋ ክበሃል’ውን ኣይከኣልን። እቲ ዓውደ-ምሕረታ፡ ሰብ ፖለቲካ ዝጻወቱሉ መድረኽ ደኣምበር፡ ቤታ ከተመሓድር መሰል ኣለዋ’ዩ ትበሃል ኣይኮነትን። ስለዚ ከኣ’ያ ን28-ዓመት መመላእታ፥ እቲ ፖለቲካዊ-ሥርዓት ናብ ዝጎተታ ክትጉተት ትርከብ ዘላ።
ነዚ ኩሉ’ዚ ኣብ ግምት ብምእታው ከኣ’ዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሃገረ-ስዊዲን ጉባኤ ክግበር ዝተደልየ። ከመይሲ ከምቲ ሓዋርያ ቅዱስ-ጳውሎስ “-ብወንጌል ኣይሓፍርን እየ-” ዝበሎ። ንሕና’ውን ሕጂ ከም ደቂ’ዛ ዓባይ፥ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን መጠን፡ ኣንጻር’ቲ ኩሉ ኣብ ልዕሊኣ ዝፍጸም ዘሎ ናይ ሕጊ ግህሰታት ክንልዓል፡ ግዜ ዘይህብ ህጹጽ እዋናዊ ሕቶ ኮይኑ ይርከብ ስለ ዘሎ’ዩ። ካብ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ብምጅማር፥ ብሙሉኡ ውሉደ-ክህነትና ተሰካም ጠመንጃ ክኸውን ተፈሪዱዎ፥ ኣብ በረኻ ኮለል ይብል ኣብ ዘለዎሉ ግዜ፡ ቀሲንካ ክሕደር ስለ-ዘይከኣል’ዩ፥ ጉባኤ ክግበር ዝተደልየ፡ (ሮሜ.1/16)።
ብዝኾነ እዚ ኣብ ከተማ-ስቶኮልም ተገይሩ ዝቐነየ ጉባኤ “-ብጎይታ ዝተዋሕበትካ ኣገልግሎት ንምፍጻማ ተጠንቀቕ-” ብዝብል መሪሕ ቃል’ዩ ዝተኻየደ። እዚ ካብ 5-7 ሓምለ 2011 ዓ/ም (2019) ክግበር ዝቐነየ ጉባኤ። ብቅዳሴ ዝተሰነየ ኮይኑ ንሠለስተ ተኸታታሊ ዕለታት’ዩ ተኻይዱ። እቲ ጉባኤ ብዝበለጸ ዘተኮረሉ ድማ፥ ኣብቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ ጉባኤ ቤተ-ክርስትያን ተነጺሎም ዝርከቡ ዘለዉ መንእሰያት እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብቶም ኣብ ዝሓለፈ እዋናት፥ ብስም “-ኦተቤ-” ኣብ ትሕቲ ጽላል ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን፥ ተጠርኒፎም ዝጸንሑ መንእሰያት ትምህርቲ ሰንበት ዘተኮረ’ዩ ነይሩ።
ኣብዚ ጉባኤ’ዚ ካብ ዓባይ-ብሪጣንያ፡ ኖርወይን፡ ሆላንድን ዝመጹ መንእሰያት ተሳተፍቲ ኮይኖም ውዒሎም። እዚ ጉባኤ’ዚ ዕዉት ንክኸውን ድማ፥ ኣበርክቶ ቀሲስ-ዮናስ ወልደ-ሩፋኤል ብፍሉይ ክጥቀስ ዝግብኦ እዩ። ቀሲስ-ዮናስ ንኣገልግሎት ዝተበገሱ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት እዮም። ግዳስ እቶም ጸረ ቤተ-ክርስቲያን ዝኾነ ኣቕዋም ዝጸንሖም ወገናት፡ ክገብሩዎ ብዝጸንሑ ኣዕናዊ ጸለመ፡ ኣገልግሎቶም ንምዕንቃፍ ከቢድ ፈተነ ከጋጥሞም ምጽንሑ ዝፍለጥ’ዩ። ከም ሳዕቤኑ’ውን ተጽዕኖን ጸቕጥን ክተርፈሎም ክኢሉ’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። እዚ ኩሉ ፈተናታት’ዚ ግና፥ ካብቲ ዝተበገሱሉ ተልእኮ ወንጌል ዝዕንቅፎም፥ ወይ ንድሕሪት ዝመልሶም ኮይኑ ኣይተረኽበን።
ንሶም እዞም ካህን እዚኦም ግና፡ ብመንገዲ-ዩኒቬርስቲ ዝሓለፉ ናይ ሥነ-ጽሑፍ ምሁር ከም-ምዃኖም መጠን፡ ብመንገዲ መራኸቢ-ብዙኃን ይዝርግሑዎ ብዘለዉ መሃሪ ጽሑፋት፡ ዝፈልጡዎምን ዘድንቑዎምን ብዙሓት እዮም። ነዚ ሓቂ’ዚ ክኽሕዶ ዝኽእል ከኣ የልቦን። ከም ኦርቶዶክሳዊ ካህን መጠን ከኣ፥ ንቅድስቲ ኦርቶዶካሳዊት ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን ብዘለዎም ፍቕርን ሓልዮትን፡ ኣብ ቀጻሊ ኣገልግሎት’ዮም ዝርከቡ ኣለዉ። እዚ ናይ ሕጂ ጉባኤ-ስቶኮልም ከኣ፥ መቐጸልታ’ቲ ኩሉ ክገብሩዎ ዝጸንሑ ጻዕርን ድኻምን እዩ።
ብዝተረፈ ኣብዚ ጉባኤ’ዚ ካብ ዝተሳተፉ ሓደ’ውን፡ ቀሲስ-ሠመረ ገብረኣብ እዮም። ንሶም ከም ኣባል ናይቲ ብስም “-ኦተቤ-” ክንቀሳቐስ ዝጸንሐ፥ ናይ ትምህርቲ-ሰንበት ኣባል ዝነበሩ እዮም። በዚ መሠረት’ዚ ከኣ’ዮም ካብ ኤድመንተን-ካናዳ ብምምጻእ፡ ተሳታፊ እዚ ጉባኤ ኮይኖም ክርከቡ ዝኸኣሉ። ቀሲስ-ሠመረ ነቲ ዝተኻየደ ሥርዓተ-ቅዳሴ ሠራዒ ኮይኖም ዝመርሑዎ ኣብ ርእሲ ምዃኖም። “-ኣገልግሎትካ ንምፍጻም ጉያኻ ወድእ-” ብዝብል ኣርእስቲ ዘቕረቡዎ ትምህርቲ ’ውን፡ ንትዅረት እቲ ጉባኤ ዝሰሓበ’ዩ ነይሩ ተባሂሉ ክግለጽ ይከኣል።
እቲ ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ናይ ተዋሕዶና መንእሰይ-ትውልዲ፡ ብእወንታ ክግለጽ ዝኽእል ተርእዮ ክፍጸም ዝተራእየ ድማ፡ ኣብቲ ጉባኤ ተሳታፊ ዝነበረ መንእሰይ፡ ልዕሊ 80 ሚእታዊት ተሳታፊ መኣዲ ቅዱስ-ቁርባን ኮይኑ ክርከብ ምኽኣሉ’ዩ። እዚ ከኣ እቲ ንቕዱስ-ቁርባን ብዝምልከት፥ ኣብቲ ደምበ ተዋሕዶና ዝጸንሐ ኣሉታዊ ርድኢት፡ ክእረም ኣብ ዝኽእለሉ ናይ ንቕሓት ደረጃ፥ ክበጽሕ ምኽኣሉ’ዩ። እዚ ከኣ ሓደ ዓቢይ ስጉምቲ ንቕድሚት ተባሂሉ ክግለጽ ዘይግብኦ ኣይኮነን።
ካብዚ ብምቕጻል ድማ “-መንእሰያትን ዘመናዊ ትውልድን-” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ ጽሑፍ’ዩ ቀሪቡ። እዚ ጽሑፍ’ዚ ድማ፥ ብናይ ኤውሮጳ ሃገረ-ስብከት ሊቀ-ካህናት ዝኾኑ፡ ቀሲስ ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን ኣቢሉ ዝቐረበ እዩ። እዚ ጽሑፍ’ዚ ንታሪኽ ትምህርቲ ሰንበት ዝድህስስ’ዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል። እቲ ኣብ 40-ታት ዝጅምር ታሪኽ ትምህርቲ ሰንበት። ምንም’ኳ ዝተጸንዐ መደብ ሒዙ’ዩ ተበጊሱ ዝበሃል እንተ ዘይኮነ፡ ኣብዚ 70-ዓመት በጺሑ ዘሎ ታሪኹ፡ ከቢድ ቃልሲ ከካይድ ከም-ዝጸንሐ’ዩ ክግለጽ ዝተሰምዐ።
ይኹን እምበር ኣብዚ እዋን’ዚ እውን፡ ትምህርቲ-ሰንበት ክንድቲ ትዅረት ክወሃቦ ዝግባእ፡ ግቡእ ጠመተ ረኺቡ’ዩ ክበሃል ስለ-ዘይከኣል፡ ብዙሕ ክማላእ ዝግብኦ ዕዮ ይተርፈና ከም-ዘሎ፥ ዘይንፈልጥ ክንከውን ኣይግባእን ብምባል’ዮም፥ እቶም ካህን ጸቒጦም ዘተሓሳሰቡ። ስለዚ‘ውን እቲ ዝዓበየ ጠመተ ክግበርሉ ዝግባእ፡ እቲ መድረኽ ቤተ-ክርስቲያን፥ መንእሰያት ብብዝሒ ከም ዝሳተፉዎ ጌርካ ከተዳልዎ ኣብ ምኽኣል፥ ዘሎ ዕማም’ዩ ክኸውን ዝግብኦ ብምባል፡ እቶም ሌ ካህናት ጸቒጦም መልእኽቶም ኣሕለፉ።
ብድሕሪ’ዚ ኣብ መድረኽ ዝደየቡ፥ ካብ ሃገረ-ሆላንድ ዝመጹ ዲያቆን ፍጹምብርሃን ታደለ’ዮም። እቲ “-ዕዮ መንፈስ-ቅዱስ-” ብዝብል ኣርእስቲ ዘቕረቡዎ ስብከት ድማ፡ በቲ ጉባኤ ተገዳስነት ክረከብ ዝኸኣለ’ዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል። እዚ ኣብ ወንጌል-ዮሓንስ ምዕራፍ-16 መሠረት ብምግባር ዝቐረበ ስብከት’ዚ፡ መንፈስ-ቅዱስ ኣብ ሕይወት ደቂ-ሰብ፥ ብኸመይ ከምዝዓዪ ዝገልጽ ትምህርቲ ስለ-ዝነበረ፡ እቲ ጉባኤ ብተመስጦ ክከታተሎ ዝኸኣለ ትምህርቲ’ዩ ነይሩ ተባሂሉ ክግለጽ ይከኣል።
ኣብ መወዳእታ ድማ፥ እዚ ኣብ መንእሰያት ዘተኮረ ምንቅስቓስ’ዚ፡ በቲ ጉባኤ ቀጻልነት ክህልዎ ስለ-ዝተኣምነ፡ ነዚ ሓሳብ’ዚ ተግባራዊ ንምግባር ዘኽእል ድማ፥ ሓደ ዘተ ክካየድ ክኢሉ። መወዳእታኡ ከኣ ንኣፈጻጽማኡ ብዝምልከት፥ ሓላፍነት ወሲደን ዝነጥፋ ንኡሳን ኮሚቴታት ከም-ዝቖማ ተገይሩ ኣሎ። እዚ ተበግሶ’ዚ ቀጻልነት ክህልዎን፥ ግብራዊ ኮይኑ ክርከብን ድማ ተስፋና እዩ። ከመይሲ ንሕና ከም ተዋሕዶ መጠን ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ካብ ጉዳይ መንእሰያት ወይ ትምህርቲ-ሰንበት ዝዓቢ፥ ካልእ ጉዳይ ኣሎና ክንብል ኣይንኽእልን ኢና። ብዝተረፈ፡ ኣብ ዝቕጽል ካልኣይ-ጉባኤ ክንራኸብ ድማ፥ ናይቲ ሕያው ኣምላኽ ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና።
ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ-!!
ስቡሕኒ ውእቱ ወልዑልኒ ውእቱ ለዓለም
ዘኣንበሳ ማርቆስ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ