“ኣሕዋተየ፡ (ብዓይነቱ) በበይኑ ዝዀነ ፈተና ኺበጽሓኩም ከሎ፡ ንዅሉ ኸም ሓጐስ ቍጸርዎ። (ምኽንያቱ) ብእምነትኩም ክትፍተኑ ኸለኹም፡ ጽንዓት’ዩ ዜፍርየልኩም። ግናኸ ብሓንቲ ነገር’ኳ ከይጐደልኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ክሳዕ መወዳእታ ብትዕግስቲ ጽንዑ፡ . . . እቲ ብጊዜ ፈተና ዚዕገስ ሰብ ብጹእ’ዩ፡ (ምኽንያቱ) ተፈቲኑ(ብዓወት) ምስ ወጸ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ነቶም ዜፍቅርዎ ዘተስፈዎም ኣኽሊል ህይወት ኪቕበል’ዩ።” ያእ 2፡2-4,12 ካ.ት
እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ሳልሳይ ሰንበት ናይ ዘመነ-ጽጌ’ዩ። ነዚ ዕለት’ዚ ብቕዱስ ያሬድ ተሰሪዑ ዘሎ መዝሙር ሰንበት ድማ፡ “ወመኑ መሓሪ ዘከማከ” (መን’ዩ ከማኻ መሓሪ) ዘርእስቱ፡ ንናይ እግዚኣብሄር ምሕረተኛ ባህርይ ዜድንቕን ዚውድስን መዝሙር’ዩ። ትሕዝቶኡ ድማ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር መሓርነት ብመንጽር’ቲ ዝሰርዓልና ዘመነ ጽጌ ዚገልጽ’ዩ። ምስ ኣቦና ኖህ ዝኣተዎ ኺዳን ከም ዘጽንዐ፡ ንደቂ እስራኤል ድማ ማና ኣውሪዱ ዝመገበ ኣምላኽ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ንመሓርነቱ ዜድንቕ’ዩ። እቲ ብመሰረት’ዚ መዝሙር’ዚ ዝተሰርዐ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ማቴ 20፡1-16 ድማ ብዛዕባ “ምስላ ሰራሕተኛታት ኣታኽልቲ ወይኒ” ዚገልጽ’ዩ። ኣብ’ዚ ምስላ’ዚ፡ እቲ ምሕረተኛ ባህርይ ናይ እግዚኣብሄር ከም ዚግባእ ተጋሂዱ ኣሎ። ካብ’ቲ ምስላ ኸም ‘ንርድኦ፡ ነታኽልቲ ወይኑ ሰራሕተኛታት ስለ ዘድለይዎ ዘይኰነስ፡ ዚቝጸሩሉ ስራሕ ብምስኣኖም ንዝተሸገሩ ኺረድእ’ዩ ደጋጊሙ ናብ ከተማ ዚወጽእ ዝነበረ። ብመሰረት’ቲ ኤርትራውያን እንጥቀመሉ ምዕራባዊ (Western) ናይ ሰዓታት ኣቈጻጽራ፡ ኣንጊሁ፡ ምናልባት ሰዓት 6፡00 ቅድሚ ቐትሪ፡ ብድሕሪኡ ድማ ሰዓት 5፡00 ቅ.ቀ. ፣ ሰዓት 12፡00 ቅ.ቀ. ፣ ሰዓት 3፡00 ድ.ቀ. ኣብ መወዳእታ ድማ ሰዓት 5፡00 ድ.ቀ. ናብ ከተማ ወይ ዕዳጋ እናወጸ፡ ብስእነት ስራሕ ቀንፈዘው ኪብሉ ንዝጸንሕዎ ሰባት እናገንሐ ናብ ኣታኽልቲ ወይኑ ይልእኮም ነበረ። ነቶም ሰባት ረኺቡ፡ ንምንታይ ብዘይ ስራሕ ደው ኢሎም ጊዜኦምን ጕልበቶምን የባኽኑ ኸም ዘለዉ ምስ ሓተቶም፡ ውዕለት ዜውዕሎም (ስራሕ ዚቘጽሮም) ከም ዝሰኣኑ ገለጹሉ። ስራሕ ምስኣን፡ ሽቕለት ኣልቦነት ማለት ከኣ፡ ናይ ዕለት እንጌራ ምስኣን፡ ድኽነት፡ ጥምየት፡ ዕርቃን ማለት’ዩ። ዕላማኡ ነቶም ስኡናት ምርዳእ ስለ ዝነበረ፡ ነቶም ናይ ስራሕ ሰዓታት ተወዲኡ ጸሓይ ኣብ ምዕራባ ዝረኸቦም ከይተረፈ፡ ናብ ግራቱ ይልእኮም ነበረ። መሬት ምስ ዓረበ ድማ በቶም ዋላ ሓንቲ ዘይሰርሑ፡ ሰዓት ሓሙሽተ ናይ ምሸት ዝወፈሩ ሰራሕተኛታት ደሞዝ ምኽፋል ጀሚሩ፡ ምሉእ መዓልቲ ናይ ዝሰርሐ ሰብ ደሞዝ ከፈሎም። ኣብ’ዛ ምሉእ መዓልቲ ዝሰርሓ ሰብ’ኳ ደሞዙ ዚዕመጸላ ዓለም፡ ሓንቲ ሰዓት ጥራሕ ንዝሰርሑ ስኡናት፡ ናይ ምሉእ መዓልቲ ደሞዝ ብምኽፋል ዓብይ ምሕረት ገበረሎም። እቶም ኣንጊሆም ዝወፈሩ ቐዳሞት ሰራሕተኛታት ግን፡ በቲ ናይ ሕያውነት ተግባሩ ኣይተሓጐሱን። ነቲ ዝኣተውዎ ውዕል ረሲዖም፡ ዝተዓጻጸፈ ዋጋ ኪኸፍሎም ተጸበዩ። ሓንቲ ሰዓት ንዝሰርሑ ናይ ምሉእ መዓልቲ ዝሰርሑ ሰባት ደሞዝ ካብ ከፈለ፡ ነቶም ሓደ መዓልቲ ምሉእ ዝሰርሑ ድማ፡ ከባቢ ሸሞንተ ዲናር ኪኸፍሎም ተጸብዮም ይዀኑ። እዚ ምስላ’ዚ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኣይሁድን ኣህዛብን ዝነበረ ጕሉሕ ፍልልይ ንምግላጽ ዝዓለመ’ዩ። እቶም ኣንጊሆም ዝወፈሩ ሰራሕተኛታት፡ ምሳሌ ናይ’ቶም ካብ ኣብርሃም ጀሚሮም ኣንጊሆም ናብ እምነት ዝኣተዉ ኣይሁድ’ዮም። እቶም ደንጕዮም ናብ ስራሕ ዝኣተዉ ሰራሕተኛታት ድማ፡ ምሳሌ ናይ’ቶም ደንጕዮም ናብ እምነት ዝኣተው ዓሌታት ኣህዛብ’ዮም። ኣይሁድ ኣንጊሆም ናብ እምነት ስለ ዝኣተዉ፡ ኣብ ኣምላኽ ሓለፋ ኣህዛብ ፍሉይ ክብሪ ዚወሃቦም መሲልዎም፡ “ደቂ ኣብርሃም ኢና” ብዚብል ኣጕል ትምክሕቲ ተበላሽዮም ነበሩ (ማቴ 3፡9 ፣ ዮሃ 3፡88-40)። ንክርስቶስ ምቕባል ብምእባዮም፡ ነቲ እግዚኣብሄር ዝሃቦም ሓለፋ ኸም ዝኸሰርዎ ኣይተረድኦ ። ዘርኢ ኣብርሃም ክነሶም፡ ነቲ ኻብኣቶም ዝተወልደ ወዲ ኣብርሃም ዝዀነ ክርስቶስ ምቕባሉ ኣበዩ (ሮሜ 9፡4,5 ፣ ማቴ 1፡1 ፣ ገላ 3፡16)። እቶም ንኣምላኽ ኰነ ንኣብርሃም ፈጺሞም ዘይፈልጥዎ ኣህዛብ ግና ክርስቶስ ምስ ተሰብከሎም፡ ሓንጐፋይ ኢሎም ብሓጐስ ተቐበልዎ። ስለ’ዚ ብስጋ’ኳ ዘርኢ ኣብርሃም እንተ ዘይኰኑ፡ ብክርስቶስ ብምእማኖም፡ ናይ’ቲ ብእምነት ዝጸደቐ ኣብርሃም ደቂ ዀኑ (ሮሜ 4፡9-16 ፣ 9፡6-8,30-33 ፣ ገላ 3፡5-14)። ጐይታና ነታ ምስላ ኺዛዝማ ኸሎ፦ “እቶም ዳሕሮት (ዝነበሩ ኣህዛብ) ቀዳሞት ኪዀኑ፡ እቶም ቀዳሞት (ዝነበሩ ኣይሁድ) ከኣ ዳሕሮት ኪዀኑ’ዮም።” ብምባል፡ ነቲ መለኮታዊ ፍርዲ ኣግሃዶ። ጐይታና ንኣይሁድ ነቲ ኣንጸላልይዎም ዝነበረ ዘለኣለማዊ ሓደጋ ብቐጥታዊ መልእኽቲ ይኹን ብምስላ ደጋጊሙ ይገልጸሎም’ኳ እንተ ነበረ፡ ክሳዕ ምቕታሉ ደኣ ብዝገደደ ተሃንደዱ’ምበር፡ ኣይሰምዕዎን፡ ኣይተቐበልዎን ከኣ (ማቴ 8፡11,12 ፣ 17፡9-13 ፣ 21፡33-46 ፣ 22፡1-14 ፣ 23፡33-39)። ኣይሁድ ነቲ ኣሽሓት ዓመታት ዚኣክል ዘመነ- ምሕረቶም ኣይተጠቕሙሉን። እቶም ጸሓይ ኣብ ምዕራባ ወንጌል ተሰቢዅሎም ንኣምላኽ ብእምነቶም ዘስመርዎ ኣህዛብ ግን፡ ምሕረት እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኦም ዓሰለ (ሉቃ 19፡41-44)። ኣብ’ቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ናይ ሮሜ 11፡13-28 ንባብ’ውን፡ እዚ ናይ ወንጌል መልእኽቲ ብዝረቐቐ ኣገባብ ተገሊጹልና ኣሎ (ግብ 13፡44-52 ፣ 17፡5-11 ፣ 22፡18-21 ፣ 26፡16-23 ፣ 28፡19-29)። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትና ግና፡ ካብ’ቲ ናይ ያእ 1፡9-21 ንባብ ዝተወስደ’ዩ። እዚ ናይ ቅዱስ ያእቆብ መልእኽቲ፡ ናብ’ቶም ፋሕ ኢሎም ዝነበሩ’ሞ፡ ብምኽንያት እምነቶም ብኸቢድ መከራ ዚሓልፉ ዝነበሩ ኣይሁድ ዝተጻሕፈ’ዩ። ነቲ መከራኦም ብትዕግስቲ እንተ ተዓዊቶምሉ፡ ኣኽሊል ህይወት ከም ዚቕበሉ ብምርግጋጽ ንዀተባብዖም ዝጸሓፎ’ዩ።
“ፈተና” ግን እንታይ ማለት’ዩ፧ ነየናይ ዓይነት ፈተና እንተ ተዓገስና’ዩ ካብ ኣምላኽ ጻማ ‘ንቕበል፧ “ፈተና ማለት እምነትካ፡ ባህሪኻ፡ ምርጫኻ፡ መትከልካ (መርገጺኻ) ወዘተ ኽትገልጽ ዚብድሃካ ኵነታት’ዩ” ኢልካ ብሓፈሻ ኺትርጐም ይከኣል’ዩ። ንፈተና ተኪኦም ኣብ መዓላ ዚውዕሉ፡ ከም’ኒ “መከራ፡ ጸበባ፡ መፈንጠራ፡ ውዲት፡ ወዘተ” ዝኣመሰሉ መለሳ-ቓላት’ውን ኣለው። ኣብ ትግርኛና፡ ካልእ ኣማራጺ ቓላት እናሃለወና’ኳ፡ “ፈተና” ን’ትብል ቃል ኣብ መዓላኣን ኣብ ዘይመዓላኣን ኢና ንጥቀመላ። ንጽቡቕ ዕላማ ብኣምላኽ ንዝተሰርዓልና በዳሂ ዅነታትን፡ ንኽፉእ ዕላማ ብሰይጣን ንዝተጻወደልና ሕሱም መፈንጠራን፡ ንዅሉ “ፈተና” ብዚብል ቃል ክንገልጾ ስለ ‘ንፍትን፡ ሰበኽቲ ኣብ መልእኽቶም ኺሽገሩ፡ ሰማዕቲ’ውን ነቲ ዚንገሮም ዘሎ መልእኽቲ ኣብ ምርዳእ ኪጽገሙ ምርኣይ ዝውቱርን ልሙድን ኰይኑ ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስና ግን፡ “ኣምላኽ ንኣብርሃም መከሮ” ብምባል ነቲ ናይ ኣምላኽ ተግባር “ምከራ” (test or trial) ኢልና ኽንገልጾ ኸም ዚግብኣና ኣሚቱልና ኣሎ (ዘፍ 22፡1)። ብተመሳሳሊ መገዲ ድማ፡ “መንፈስ ቅዱስ ንኢየሱስ፡ ብድያብሎስ ኪፍተን፡ ናብ በረኻ ኣውጽኦ” ብምባል ነቲ ናይ ድያብሎስ ተግባር፡ “ፈተና” (Temptation) ዚብል ቃል ክንጥቀም መሪሑና ኣሎ (ማቴ 4፡1)። እዚ ኣብ ንባብ ንመሪሕ ጥቕስና ተኸቲሉ ኣብ ፍቕዲ 13 ተጠቒሱ ዘሎ፡
“ሓደ’ኳ ምስ ተፈተነ፡ ‘ኣምላኽ ፈቲኑኒ’ ኣይብል። (ምኽንያቱ) ኣምላኽ (ንርእሱ) ብእኩይ ኣይፍተንን፡ ባዕሉ’ውን ንሓደ’ኳ (ብእኩይ) ኣይፍትንን’ዩ። ዚብል ሓሳባት፡ ናይ ኣተሓሳስባን ናይ ኣጠቓቕማ ቓላትን እርማት ክንገብር ከም ዚግብኣና ብንጹር ዜመልክተና’ዩ (ያእ 1፡13 ካ.ት)። ስለ’ዚ ንኽንሓጥእ ዚደፋፍእ ኵሉ ዅነታት፡ ብሰይጣን ዝተዋደደ ግሁድ ፈተና’ዩ። ብኣንጻሩ ተኣዛዝነትካ ንኺዕዘብን ንኼተባብዕን ዝተዋደደ ዅሉ ዅነታት ድማ ምከራ’ዩ። ኣምላኽ ነቦና ኣብርሃም ነቲ ብነዊሕ ትጽቢትን ብኸቢድ መንፈሳዊ ገድልን ካብ ኣምላኽ ዝተረኽቦ እንኮ ወዱ ኺስውኣሉ ኺሓትቶ ኸሎ፡ ናብ ፍጹም ተኣዝዞ ኼዕብዮ ዕላማ ገይሩ ዘቕረበሉ መካሪ ትእዛዝ’ዩ። ኣብርሃም ከኣ ንኣምላኽ’ውን ብዘስተንከረ ፍጹምነት ተኣዘዘ። ካብ ኣምላኽ ድማ ዘይጥለም ኪዳናዊ በረኸት ተዓደለ (ዘፍ 22፡1-9)። ሰይጣን፡ እቲ ሕሱም ጸላኢ፡ ድማ፡ ካብ’ታ ናይ እምነትን ተኣዝዞን ጐደና ኣንደልሂጹ ኼውጽኦምን ኬውድቖምን ምስ ኣንቀደ። ናብ ሳራ ምስ ሓሳብ ኣምላኽ ዘይሰማማዕ ግናይ ሓሳብ ኣስረጸ። “ከይትወልዲ ኣምላኽ ዓጽዩኪ ስለ ዝዀነ፡ ኣብርሃም ካብ’ታ ናትኪ ገንዘብኪ ዝዀነት ኣጋር ከም ዚወልድ ግበሪ’ሞ፡ ከም ወድኺ ጌርኪ ተዕብይዮ፡ ወራሲ ድማ ይዀነኪ” ዝዓይነቱ ምስ እምነቶም ዚጻረር ሓሳብ ኣዕጠቓ። ኣብርሃም ድማ በታ እምቢ ኺብላ ዘይኰነሉ ዘፍቅራ ብዓልቲ ቤቱ ምስ ቀረበሉ፡ ንርእሱ’ውን ኣብ ቀረባ ስለ ዝጸንሐ፡ ናብ’ታ ንውድቀቱ ዝተዳለወት መፈንጠራ ዘሊሉ ኣተወ። ሰይጣናዊ ሓሳብ ስለ ዝነበረ፡ ወዲ ድዩ ጓል፡ ህያው ድዩ ምዉት ቈልዓ ዚውለድ ገና ኸይተፈልጠ፡ ኣብ’ታ ሰላማዊት ስድራ ዕግርግር ኣተወ። እቲ ዝተወልደ እስማኤል ድማ ክሳዕ ሕጂ ንቤት እስራኤል በቶም ዘርኡ ይፈታተኖም ኣሎ (ዘፍ 16፡1-16 ፣ 17፡15-18 ፣ 22፡8-21)።
መሪሕ ጥቕስና ብንጹር ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ ብትዕግስቲ ኽንዕወተሉን ጻማ ክንረኽበሉን እንኽእል ፈተና ዀነ ምከራ፡ እቲ ንእምነትና ዚምልከት’ዩ። ኣብ’ቲ ናይ መልእኽቲ ያእቆብ ንባብና፡ እዞም መልእኽቲ ተጻሒፉሎም ዘሎ ኣመንቲ፡ ብኽልተ ዓይነት ፈተና ዚፍተኑ ዘለዉ ይመስሉ። እቲ ቐዳማይ ናይ ፍቕዲ 2-4 ፈተና፡ ናይ ክርስትና እምነቶም ኪሓድጉ ብዙሕ ዝዓይነቱ ፈተና ይገጥሞም ከም ዝነበረ ዜስምዕ’ዩ። ዓይነታት ናይ’ቲ ፈተና’ኳ እንተ ዘይተዘርዘረ፡ እቲ ኣብ ቅዱስ ወንጌል ተዘርዚሩ ዘሎ፡ ጸርፊ ስም ምክፋእ፡ መስጐጕቲ፡ ማህረምቲ፡ ማእሰርቲ፡ ግበታ ንብረትን ገንዘብን፡ ቅትለት’ምበር፡ ካልእ ኪኸውን ኣይክእልን’ዩ። ከም’ዚ ዝዓይነቱ ፈተና፡ ፈጺሙ ዘይክማህ፡ ነቕ ዘይብል ሓይል ትዕግስቲ ዚጠልብ’ዩ። ንኣምላኽ ብዜሐብን ንጸላእቶም ብዜሰክሕ ትዕግስቲ ምስ ዚሰግርዎ፡ ኣኽሊል ዓወትን ኣኽሊል ህይወትን ኣኽሊል ክብርን ኣኽሊል ጽድቅን ዜጐናጽፍ ዓብይ ሓለፋ ስለ ዝዀነ፡ ብልዑል ሓጐስ ኪቕበልዎ መኸሮም። እቲ ኻልኣይ ዓይነት፡ ካብ ፍቕዲ 12-15 ተጠቒሱ ዘሎ ፈተና ግን፡ ሰይጣን ብትምኒት ስጋና ገይሩ ዜጻውደልና ናብ ሓጢኣትን ሞትን ዜጽድፍ ሓደገኛ ማሕበርዊ ፈተና’ዩ። እዚ ፈተና’ዚ፡ ዘይከም’ቲ ቐዳማይ ዓይነት፡ ጐነጻውን ኣስገዳዲ ባህርይን የብሉን። ንትምኒት ስጋኻ እና’ዕፈረን እና’ጐሃሃረን ሓባቢሉ ናብ ሓጢኣት ገጹ ዚስሕበካ ዝተራቐቐ ፈተና’ዩ። ኣጸያፍን ዜፈንፍንን መልክዕ ናይ’ዚ ፈተና’ዚ ሕልፍ ኢሉ ኣብ ያእ 4፡1-4 ብንጹርን ስእላውን መገዲ ገሊጽዎ ኣሎ። እቲ ፈተና ዝደለዮ ዓይነት ይኹን፡ ማለት ጐነጻዊ ይኹን ዘይጐነጻዊ ናይ ኣስገዳድ ይኹን ናይ ኣስድዖት (ወይ ሓባባሊ)፡ ንፈተና ሰይጣን እንስዕረላ እንኮ መዋጽኦናን ጥበብናን፡ እታ እግዚኣብሄር ዜኽብራን ዚጻምዋን ትዕግስቲ ምዃና፡ ናብ ዋጋ-ዕዳጋ ዘይኣትው ዘይልወጥ ሓቂ’ዩ።
ሓደ ፈተና፡ “ናይ እምነት ፈተና’ዩ” ንኽንብሎ እንታይ ዓይነት ኪኸውን ኣለዎ፧ ንምዃኑኸ ንእምነትና ዘይምልከታ ዓይነት ፈተና ኣሎ’ዶ፧ ከቶ የልቦን!! ኣብ ህይወት ደቂ ሰብ፡ ዝዀነ ይኹን ንእምነትና ዘይምልከት ጕዳይ ፈጺሙ የልቦን። ሕማቕ ይኹን ጽቡቕ ፣ ንሓሳብ፡ ንቓላት ይኹን ንተግባር ፣ ንንብረት ይኹን ንገንዘብ ፣ ንምግቢ፡ ንኽዳን ይኹን ንመንበሪ ገዛ ፣ ንዝምድናታት፡ ንስምምዓት (ወይ ውዕላት) ይኹን ንኺዳናዊ ፣ ንመንፈሳዊ ዀነ ስጋዊ ፣ ንሰማያዊ ዀነ ምድራዊ፡ ኰታ ንዝዀነ ይኹን ንደቂ ሰብ ዚምልከት ኰነ ዜጋጥም ኵነታትን ጒዳያትን፡ ብተዘዋዋሪ ዘይኰነስ ብቐጥታ ንእምነትና ዚምልከት’ዩ። ናይ ክርስትና እምነትና ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ጒዳይ፡ ክንገብሮ ዚእዝዘና ወይ ከይንገብሮ ዚኽልክለና ነገራት ኣሎ። ነቲ ዝተኣዘዝናዮ ክንጐስዮን ክንግህሶን ንዝተኸልከልናዮ ድማ ክንጥሕሶን ከነፍርሶን ዚድርኸና ዅሉ ዅነታት ናይ ሰይጣን ፈተና’ዩ። ናይ መብዛሕትና ፍሽለትን ውድቀትን ድማ፡ ነቲ ዚገጥመና ዅሉ ዅነታት ምስ እምነትና ኣዛሚድና ዘይንርእዮ ምዃንና’ዩ. “ነዚ ሓሳብ’ዚ ኽሓስብ፡ ነዚ ዘረባ’ዚ ክዛረብ፡ ነዚ ተግባር’ዚ ኽገብር፡ እምነተይ ይፈቕደለይ ድዩ ኣይፈቕደለይን፧” ኢልና ንሓትትን ብዝረኸብናዮ ቕኑዕ መልሲ ንምራሕን እንተ ንኸውን፡ ኵሉ ፈተና ብዓወት ምተሰግረ፡ እቲ ናይ ፈተና ደራስን መሃዝን ዝዀነ ድያብሎስ ድማ ምሓፈረን ጾሙ ምሓደረን ነይሩ። ንሕና ግን ይትረፍ ነዚ ሕቶ’ዚ ኣልዒልና ናብ እምነትና ኣብጺሕና ኽንምርምሮን ከነመርምሮን፡ ነቲ ሕቶ ብመሰረቱ ኣይንሓስቦን ናብ ኣእምሮና ገጹ’ውን ኣይቅልቀልን’ዩ። ስለ’ዚ ብመንጽር እምነትና ኺምዘን ከሎ፡ ታሪኽ ህይወትና ናይ ውድቀት ታሪኽ ኰይኑ ይርከብ። ኣብ ህይወትና ኣምላኽ ይንውርን ይዋረድን፡ ሰይጣን ድማ ይኸብርን ይጒይተትን ኣሎ። ኣብ ክንዲ’ቲ ኣምላኽ ብሕያውነቱ ዘዳለወልና ኣኽሊል ህይወት፡ ገና እብ’ዛ ምድሪ ብህይወት እናሃለና’ኳ፡ ነቲ ጥፍኣት ተሃዊኽናሉስ ኣኽሊል ሞት ደፊእና ንነብር ኣለና።
“ናይ እምነት ፈተና ተፈቲነ” ንኽንብል፡ ዝዀነ ይኹን ንእምነትና ዚጽየፍ ተቓዋሚ ኣካል ሓለንጊ ኣልዒሉ፡ ሰይፊ መዚዙ ወይ ብረት ለጕሙ፡ “እምነትካ ኽሓድ፡ እንተ ዘይከሓድካ ግን ክኣስረካ፡ ክመቝሓካ፡ ክገርፈካ ክመትረካ ወይ ክርሽነካ’የ” ኢሉ ኼጕባዕብዓልና ናይ ግድን ኣይኰነን። ብምኽንያት በደል ናይ ሰብ ፍቕርና፡ ትዕግስትና፡ ይቕሬታና ደርቢና፡ ቍጥዓን ጽልእን ቂምታን እንተ ተዓጢቕና፡ ናይ እምነት ፈተና ኣጋጢሙናስ፡ ዘለኣለማዊ ሞትን ስቓይን ዜፍርድ መሪርን ዜሕፍር ስዕረት ተሳዒርና ኸም ዘለና ግሁድ ሓቂ’ዩ። ብኣንጻሩ፡ ነቲ ሰይጣንን ሰባትን ተሓባቢሮም ዜውርዱልና ተዅታዂ ፈተና ብትዕግስትን ብፍቕርን ብምሕረትን እንተ ስዒርናዮ ግን፡ ንዅሉ’ቲ ብእግዚኣብሄር ዝተዳለወ ኣኽሊላት ድሮ ተቐቢልናዮ ኸም ዘለና ኣይንጠራጠር። እቲ ንመራሒ ናይ ፊላደልፍያ ቤተ ክርስትያን ዝተነግረ፦
“ቀልጢፈ እመጽእ ኣለኹ፡ ሓደ’ኳ ኣኽሊልካ ኸይዝርፈካስ፡ ነቲ ዘሎካ ኣጽኒዕካ ሓዞ” ዚብል ቃል፡ ንኣኽሊልና ገና ኣብ’ዚ ምድሪ’ዚ ኸለና ኸም ‘ንቅበሎ ዜረጋግጽ’ዩ (ራእ 3፡11 ፣ 2፡24,25 ፣ 1ጢሞ 6፡12)። ኣኽሊልና መንፈሳዊ’ምበር፡ ከም’ዚ ናይ ነገስታት ምድሪ፡ ማዕድናዊ፡ ናይ ወርቂ ወይ ናይ ኣልማዝ ኣኽሊል ኣይኰነን። ሰይጣን ብፈተና ኺምንዝዓና ዚጋደል’ኮ ከም ዘሎና ስለ ዝረኣየ’ዩ።
ቅዱስ ያእቆብ፡ ንትዕግስቲ ኻብ ምጥቃስ ሓሊፉ፡ ነቲ ኣኽሊል ህይወት ምስ ፍቕሪ ዘዛመደሉ ምኽንያትከ እንታይ’ዩ፧ ትዕግስቲ ንበይና ኣኽሊል ህይወት ንምቕባል ብቕዕቲዶ ኣይኰነትን’ያ፧ ብዘይ ዝዀነ ጥርጥር፡ ትዕግስቲ ብዘይ ፍቕሪ ከንቱን በደለኛን ምጽማም’ምበር፡ ሓቀኛ ትዕግስቲ ስለ ዘይኰነት፡ ብቕዕትን ቅብልትን ኣይኰነትን። ኣኽሊል ናይ ኵሉ መንፈሳዊ ስነ ምግባር፡ ፍቕሪ’ያ። ንርእሳ ኣኽሊል ስለ ዝዀነት’ያ እንተ ወኒንናያ ንኣና’ውን ሰማያዊ ኣኽሊል እተጸግወና። ጐይታና ንፍቕሪ “ቐዳማይትን ዓባይን ትእዛዝ “ ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ (ማቴ 22፡38-40)። ቅዱስ ጳውሎስ ድማ መደምደምታ ዅሉ ሕጊ፡ ማእሰር ፍጻሜ ፣ ዝበለጸት መገዲ” ብዚብል ወርቃዊ ቅጽላት ኣማዕረግዋ ኣሎ (ሮሜ 13፡9-10 ፣ 1ቈረ 12፡31 ፣ ቈሎ 3፡14)። ፍቕሪ ዘይብሉ ሰብ፡ ሱም መንፈሳዊ ድኽነት ጥራሕ’ዩ ዚህልዎ። ዋላ ተጋዲሉ ተማዊቱ ገለ ገለ ስነ ምግባራት ኣብ ምትምያን እንተ ተዓወተ’ኳ፡ ህይወት ዘይብሉ ሬሳ ኸም ዘጥረየ ሰብ፡ ከንቱን ብላሽን ኰይኑ’ዩ ዚተርፍ፡ ብቛንቋታት ሰብን መለኽትን እንተ ንዛረብ ኣኽራን ዜግዕዝ ሓያል እምነት እንተ ዚህልወና፡ ኣብ መሬት ዘይወድቕ ትንቢታት ዘለዎም ቅዱሳን ነብያት እንተ ንኸውን፡ ኵሉ ምስጢራትን ፍልጠትን ዘለዎም ሊቃውንቲ እንተ ንበሃል፡ ኵሉ ገንዘብናን ንብረትናን ንድኻታት ዜዐድል ናይ ልግሲ ጸጋ እንተ ዚህልወና፡ ብሓዊ ተቓጺልና ኽንሓርር ህይወትና ንሰማእትነት ኣሕሊፍና እንተ ንህብ፡ ግን ከኣ ፍቕሪ እንተ ዘይብልና፡ እዚ መስተንክር ጸጋታት’ዚ ኸቢድ ክሳራ ዀይኑ ኸም ዚተርፍ፡ ቅዱስ ጳውሎስ ብመንፈስ ቅዱስ ኣረጋጊጹልና ኣሎ (1ቈረ 13፡1-3)። ናይ’ዚ ሃዋርያዊ መግለጺ’ዚ ሓቅነት ድማ፡ ኣብ መራሒ ናይ ኤፌሶን ቤተ ክርስትያን ብግሁድ ተራእዩ’ዩ። እዚ ኣገልጋሊ ኣምላኽ’ዚ ብዅለንተናኡ “ኣበር ዘይብሉ ፍጹም ሰብ” ኪበሃል ዚኽእል’ዩ። ሕጊ መለኮት ዘይዕገሳ ሓንቲ ሰራም ኣበሳ ግን ተረኽበቶ። ንሳ ኸኣ ነታ ድሮ ኣጥርይዋ ዝነበረ ቐዳመይቲ ፍቕሩ ምድርባዩ’ያ። ጐይታና ድማ “ካበይ ከም ዝወደቕካ ዘክር’ሞ፡ ተነሳሕ” ኢሉ፡ ነታ ዝደርበያ ፍቕሩ ደጊሙ ኬልዕላን ኪለብሳን፡ እንተ ዘይኰነ፡ ካብ’ቲ በጺሕዎ ዝነበረ ልዑል ማዕርግን ክብርን ነቒሉ ኸም ዚድርብዮ ኣፍለጦ። “ነቲ ቐዳማይ ግብሪ ግበሮ” ብምባል ናይ ፍቕሪ ዕብየትን ክብርን ገለጸሉ (ራእ 2፡1-7)። ኣምላኽ ፍቕሪ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ንፍቕሪ ዜኽብር ንኣምላኽ ብምልኣት የኽብሮ። እቲ ንፍቕሪ ዚድርብያ ድማ፡ ነቲ ኽቡር ኣምላኽ ከም ሓደ ጽዩፍ ኣቕሓ ኣልዒሉ ኸም ዝደርበዮ ይቝጸሮ። ስለ’ዚ ድማ “ኵሉ ግብርኹም ብፍቕሪ ይገበር” ዚብል ሃዋርያዊ ትእዛዝ ተዋህበና (1ቈረ 16፡14)።
ትዕግስቲ ድማ ብዘይ ፍቕሪ ኽትትግበር ዘይትኽእል፡ እንተ ተተግበረት ከኣ ከንቱን ህይወት ዘይብላን ግብሪ ዀይና ‘ትተርፍ’ያ ፈቃር ዝዀነ ሰብ ንትዕግስቲ ከይተጨነቐን ብሓጐስ’ዩ ዚገብራ። ኣብ ጽልኢ ንዝተጸምደ ሰብ ግና፡ ትዕግስቲ ግብሪ ዕሽነትን ሕመቕን ኰይና’ያ ‘ትረኣዮ። ትዕግስቲ ፍረ- ፍቕሪ ምዃና “ፍቕሪ ዓቃል’ያ፡ ፍቕሪ ኣይትምረርን፡ ኣይትቕየምን’ያ፡ ፍቕሪ ንዅሉ ትጸውር፡ ንዅሉ ትዕገስ።” ብምባል ቅዱስ ጳውሎስ ገሊጹልና ኣሎ (1ቈረ 13፡4-7)። ስለ’ዚ እታ ንዅሉ ዓይነት ፈተና ኽንዕወተሉ እተኽእለና ትዕግስቲ፡ ፍረን ውጽኢትን ናይ ፍቕሪ ምዃና ኣስተውዒልና፡ ንፍቕርና ኸነዕብያን ከነሓይላን ይግብኣና። መሪሕ ጥቕስና ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ፡ እቲ ዚፍቀር ኣካል እግዚኣብሄር ብዓብዩ’ዩ። እታ “ቐዳመይቲን ዓባይን ትእዛዝ” ዝተባህለት፡ እታ ንኣምላኽ ክትህልወና ዚግብኣ ፍቕሪ’ያ። እዛ ፍቕሪ’ዚኣ ግን፡ በታ ንእኣ እትመስላ ፍቕሪ ብጻይ’ያ ‘ትግለጽ (ማቴ 22፡38-40)። ንብጻዩ እናጸልኦስ፡ “ንኣምላኽ አፍቅሮ’የ” ዚብል ሰብ፡ ክልቲኡ ዓይነት ፍቕሪ ዘይብሉ፡ ሓሳዊ ሰብ ምዃኑ ቅዱስ ወንጌል ኣፍሊጡና’ዩ (1ዮሃ 4፡20,21 ፣ 3፡14-16 ፣ 2፡7-11)።
ብፈተና ኽንሕጐስን ብጽንዓት ክንዕገሶን ዜኽእለና ኣተሓሳስባ እንታይ ዓይነት’ዩ፧ መሪሕ ጥቕስና ድሮ ነቲ መልሲ ኣሚትዎ ኸም ዘሎ፡ ፈተና ኻብ ጒድኣቱ ረብሓኡ’ዩ ዚበዝሕ። ብፈተና ዚጒዳእ፡ እቲ ኣብ ድኹም መንፈሳዊ ቝመና ዘሎ ሰብ ጥራሕ’ዩ። እቲ መንፈሳዊ ሚዛኑ ብቓል እግዚኣብሄር ኣተኻኺሉ ዚጐዓዝ ክርስትያን ግን ፈተና ንህይወቱ ብፍረ መንፈስ ኪስልማ ዜኽእሎ ብሉጽ ዕድልን ሓለፋን’ዩ ዜጐናጽፎ። ፈተና እንተ ዘየለ፡ ፍቕርና፡ ትዕግስትና፡ ጽንዓትና፡ ምሕረትና ብምልኣት እንገልጸሉ ዕድል የስእነና’ዩ። ፈተና ኼጋጥመና ኸሎ ግና እዚ ቕዱስ ባህርያት’ዚ ብምሉእ ሓይሉ’ዩ ዚግለጽን ዚነጥፍን። እዚ ድማ፡ ኣብ ቅድሚ ግዚኣብሄር ነቲ መንፈሳዊ ሚዛንናን ክብርናን ክብ’ዩ ዜብሎ። ነቲ ዘለኣለማዊ መጻኢና ድማ የጸብቖ። እግዚኣብሄር ኣብ ጊዜ ፈተና ንዓይነትን ክብደትን ናይ’ቲ ገጢሙና ዘሎ ፈተና ዘይኰነስ፡ ነቲ ንሕና እነንጸባርቖ መንፈሳዊ ባህርያትን፡ ‘ነፍርዮ መንፈሳዊ ፍረን’ዩ ዚመዝን ምኽንያቱ እቲ ፈተና ብባህርዩ ጊዝያውን ሓለፋን’ዩ። እቲ ኸም ግብረ መልሲ እነርእዮ መንፈሳዊ ባህርያት ግን፡ ይሕመቕ ይጸብቕ፡ ንዘለኣለም ነባሪ’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ ዘለኣለማዊ ዓስቢ ወይ ከኣ ዘለኣለማዊ ቕጽዓት ተሰሪዑሉ ኣሎ (ዮሃ 15፡16 ፣ 1ቈረ 13፡13)። ስለ’ዚ ኣብ ምሉእ መንፈሳዊ ብስለት እንተ’ሊና፡ ንፈተና ኽንህቦ ዚግብኣና ቐዳማይ ግብረ-መልሲ፡ “መንፈሳዊ ፍረ ዝፈርየሉ፡ ንኣምላኽ ዘኽብረሉ፡ ንሰይጣን ዘሕፍረሉ፡ ንበዳልየይ ዝረብሓሉ፡ ብጸጋ ኣምላኽ ተደጊፈ ንኣይ ዘለኣለማዊ ኽብሪ ዘውሕሰሉ ዕድልን ሓለፋን ረኺበ፡ ዚብል ናይ ሓጐስን ሓበንን ስምዒት ኪኸውን’ዩ ዚግባእ። ጐይታናን ቅዱሳን ሃዋርያቱን ብፈተናና ብመከራና ኽንሕጐስ’ዮም ምዒዶምናን ኣዚዞምናን (ማቴ 5፡11,12 ፣ ፊል 2፡17 ፣ ቈሎ 1፡24 ፣ 1ተሰ 1፡6 ፣ 2ጢሞ 1፡8 ፣ እብ 10፡32-34 ፣ 1ጴጥ 4፡12-16)። ስለ’ዚ “መዓስ’ዩ ፈተና ዚመጻለይ፧” ኢልና ኽንምነዮ ዘየድልየና’ኳ እንተ ዀነ፡ ብፍቓድ ኣምላኽ ኬጋጥመና ኸሎ ግን፡ በቲ ኣብ ጽቡቕ ገድሊ እምነት ዚጸምደና ፈተናታት ክንሕጐስን ናብ ረብሓና ኸነውዕሎን’ዩ ዚግባእ።
ኪኖ’ዚ ምድራዊ ገጽ ናይ’ቲ ረብሓታት፡ ብዛዕባ’ቲ ሰማያዊ ረብሓታቱ’ውን ክንሕጐስ ይግብኣና። ምኽንያቱ ነቶም ንፈተናኦም ዚዕወቱሉ ሰባት፡ መግለጺ ዘይርከቦ ክብሪ ተዳልዩ ኣሎ። እቲ ኣዝዩ ዜሐጕስ ድማ፡ እቲ ተዳልዩልና ዘሎ ዓስቢ፡ ምስ’ቲ ዝተቐበልናዮን ዘሳቐየናን ፈተና ፈጺሙ ዘይመጣጠን ምዃኑ’ዩ (ሮሜ 8፡18,19 ፣ 2ቈረ 4፡16,17 ፣ ማቴ 5፡12 ፣ 1ጴጥ 1፡6-9)። እቶም ንፈተናና ዝተዓወትናሉ ኣኽሊል ህይወትን፡ ኣኽሊል ዓወትን፡ ኣኽሊል ጽድቅን ኣኽሊል ክብርን፡ ኣብ የማን ኣምላኽ እንቕመጠሉ ዝፋናትን ተዳልዩልና ኣሎ (1ቈረ 9፡24,25 ፣ 2ጢሞ 2፡5 ፣ 4፡8 ፣ 1ጴጥ 5፡4 ፣ ራእ 3፡21 ፣ 20፡4)። እቲ ደጋፊናን መራሒናን ኪኸውን ዝተዋህበና ጰራቅሊጦስ መንፈስ ቅዱስ ምሳና ስለ ዘሎ፡ ዜኽእል ጸጋን ሓይልን እናሃበ ኼዐውተና ስለ ዝዀነ፡ ካብ’ቲ እኩይ ፈተና ኽቡር ኣኽሊል ረኺብና ምውጻእና ወርትግ ርግጸኛታት ንኹን!!
እምበኣር ነቲ መልክዑ እናቐያየረ መዓልቲ መጸ ዜጋጥመና ማእለያ ዘይብሉ ፈተናታት ንዕወተሉ ወይ ይዕወተልና ምህላው ንመርምር። ዘዝመጸ ፈተና ይዕወተልናን ይጻወተልናን እንተ’ልዩ፡ ብንስሓን ብረድኤት መንፈስ ቅዱስን ታሪኽና ንለውጥ። ንዕወተሉ እንተ’ሊና ግና፡ ናብ ፍጹምነት ገጽና ንዕበይ። እቲ ፈተና ስርሑ ወዲኡ ኺሓልፍ ከሎ፡ ኣብ ኢድና ግን ፍረ መንፈስን ኣኽሊል ህይወትን ገዲፉ ምኻድ ነረጋግጽ። እቲ ሰዓሪ ጐይታ ናብ ዓወት’ዩ ዚመርሓና’ሞ፡ ኣሰሩ ሒዝና ደድሕሪኡ ብምስዓብ ሰዓርቲ ምዃንና ነረጋግጽ (ሮሜ 8፡35-39 ፣ 1ቈረ 15፡57 ፣ 2ቈረ 2፡14) ንፈተና ንምለኮ’ምበር፡ ኪመልከናን ኬበላሽወናን ኣይንፍቀደሉ!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
20 ጥቅምቲ/ት 2024 | ጥቅምቲ 10, 2016 ግዕዝ (5ይ ሰንበት: ቊ.፮/6) |
||
ምስባክ መዝ.፻፲(፻፲፩)፡፬-፭ “መሐሪ ወመስተሣህል እግዚአብሔር። ወመሀቦሙ ሲሳዮሙ ለእለ ይፈርህዎ። ወተዘከረ ኪዳኖ ዘለዓለም።” “ንተኣምራቱ መዘከርታ ገበሮ፡ እግዚኣብሄር መሓርን ርሕሩሕን’ዩ። ንዚፈርህዎ ምግቢ ይህቦም፡ ኪዳኑ ንዘለኣለም ይዝክር።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
ሮሜ 11፡13-28 |
ዲያቆን |
|
ያእ 1፡9-21 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 7፡23-ፍጻመ |
ንፍቅ ካህን |
|
ማቴ 20፡1-16 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ዘእግዝእትነ ማርያም | መዝሙር፦ ወመኑ መሐሪ ዘከማከ |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ