S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣኽሊል ዝጻማኡ ፈተና (6ይ ሰንበት: ቊ.፮/6, 2024 ፈ | 2017 ግዕዝ

ኣሕዋተየ፡ (ብዓይነቱ) በበይኑ ዝዀነ ፈተና ኺበጽሓኩም ከሎ፡ ንዅሉ ኸም ሓጐስ ቍጸርዎ። (ምኽንያቱ) ብእምነትኩም ክትፍተኑ ኸለኹም፡ ጽንዓት ዜፍርየልኩም። ግናኸ ብሓንቲ ነገር ከይጐደልኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ክሳዕ መወዳእታ ብትዕግስቲ ጽንዑ፡ . . . እቲ ብጊዜ ፈተና ዚዕገስ ሰብ ብጹእዩ፡ (ምኽንያቱ) ተፈቲኑ(ብዓወት) ምስ ወጸ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ነቶም ዜፍቅርዎ ዘተስፈዎም ኣኽሊል ህይወት ኪቕበልዩ።ያእ 22-4,12 .

እንሆ ዕለት ሳልሳይ ሰንበት ናይ ዘመነ-ጽጌዩ። ነዚ ዕለት ብቕዱስ ያሬድ ተሰሪዑ ዘሎ መዝሙር ሰንበት ድማ፡ወመኑ መሓሪ ዘከማከ” (መን ከማኻ መሓሪ) ዘርእስቱ፡ ንናይ እግዚኣብሄር ምሕረተኛ ባህርይ ዜድንቕን ዚውድስን መዝሙርዩ። ትሕዝቶኡ ድማ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር መሓርነት ብመንጽር ዝሰርዓልና ዘመነ ጽጌ ዚገልጽዩ። ምስ ኣቦና ኖህ ዝኣተዎ ኺዳን ከም ዘጽንዐ፡ ንደቂ እስራኤል ድማ ማና ኣውሪዱ ዝመገበ ኣምላኽ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ንመሓርነቱ ዜድንቕዩ። እቲ ብመሰረት መዝሙር ዝተሰርዐ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ማቴ 201-16 ድማ ብዛዕባምስላ ሰራሕተኛታት ኣታኽልቲ ወይኒዚገልጽዩ። ኣብ ምስላዚ፡ እቲ ምሕረተኛ ባህርይ ናይ እግዚኣብሄር ከም ዚግባእ ተጋሂዱ ኣሎ። ካብ ምስላ ኸምንርድኦ፡ ነታኽልቲ ወይኑ ሰራሕተኛታት ስለ ዘድለይዎ ዘይኰነስ፡ ዚቝጸሩሉ ስራሕ ብምስኣኖም ንዝተሸገሩ ኺረድእ ደጋጊሙ ናብ ከተማ ዚወጽእ ዝነበረ። ብመሰረት ኤርትራውያን እንጥቀመሉ ምዕራባዊ (Western) ናይ ሰዓታት ኣቈጻጽራ፡ ኣንጊሁ፡ ምናልባት ሰዓት 600 ቅድሚ ቐትሪ፡ ብድሕሪኡ ድማ ሰዓት 500 .. ሰዓት 1200 .. ሰዓት 300 .. ኣብ መወዳእታ ድማ ሰዓት 500 .. ናብ ከተማ ወይ ዕዳጋ እናወጸ፡ ብስእነት ስራሕ ቀንፈዘው ኪብሉ ንዝጸንሕዎ ሰባት እናገንሐ ናብ ኣታኽልቲ ወይኑ ይልእኮም ነበረ። ነቶም ሰባት ረኺቡ፡ ንምንታይ ብዘይ ስራሕ ደው ኢሎም ጊዜኦምን ጕልበቶምን የባኽኑ ኸም ዘለዉ ምስ ሓተቶም፡ ውዕለት ዜውዕሎም (ስራሕ ዚቘጽሮም) ከም ዝሰኣኑ ገለጹሉ። ስራሕ ምስኣን፡ ሽቕለት ኣልቦነት ማለት ከኣ፡ ናይ ዕለት እንጌራ ምስኣን፡ ድኽነት፡ ጥምየት፡ ዕርቃን ማለትዩ። ዕላማኡ ነቶም ስኡናት ምርዳእ ስለ ዝነበረ፡ ነቶም ናይ ስራሕ ሰዓታት ተወዲኡ ጸሓይ ኣብ ምዕራባ ዝረኸቦም ከይተረፈ፡ ናብ ግራቱ ይልእኮም ነበረ። መሬት ምስ ዓረበ ድማ በቶም ዋላ ሓንቲ ዘይሰርሑ፡ ሰዓት ሓሙሽተ ናይ ምሸት ዝወፈሩ ሰራሕተኛታት ደሞዝ ምኽፋል ጀሚሩ፡ ምሉእ መዓልቲ ናይ ዝሰርሐ ሰብ ደሞዝ ከፈሎም። ኣብ ምሉእ መዓልቲ ዝሰርሓ ሰብ ደሞዙ ዚዕመጸላ ዓለም፡ ሓንቲ ሰዓት ጥራሕ ንዝሰርሑ ስኡናት፡ ናይ ምሉእ መዓልቲ ደሞዝ ብምኽፋል ዓብይ ምሕረት ገበረሎም። እቶም ኣንጊሆም ዝወፈሩ ቐዳሞት ሰራሕተኛታት ግን፡ በቲ ናይ ሕያውነት ተግባሩ ኣይተሓጐሱን። ነቲ ዝኣተውዎ ውዕል ረሲዖም፡ ዝተዓጻጸፈ ዋጋ ኪኸፍሎም ተጸበዩ። ሓንቲ ሰዓት ንዝሰርሑ ናይ ምሉእ መዓልቲ ዝሰርሑ ሰባት ደሞዝ ካብ ከፈለ፡ ነቶም ሓደ መዓልቲ ምሉእ ዝሰርሑ ድማ፡ ከባቢ ሸሞንተ ዲናር ኪኸፍሎም ተጸብዮም ይዀኑ። እዚ ምስላዚ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኣይሁድን ኣህዛብን ዝነበረ ጕሉሕ ፍልልይ ንምግላጽ ዝዓለመዩ። እቶም ኣንጊሆም ዝወፈሩ ሰራሕተኛታት፡ ምሳሌ ናይቶም ካብ ኣብርሃም ጀሚሮም ኣንጊሆም ናብ እምነት ዝኣተዉ ኣይሁድዮም። እቶም ደንጕዮም ናብ ስራሕ ዝኣተዉ ሰራሕተኛታት ድማ፡ ምሳሌ ናይቶም ደንጕዮም ናብ እምነት ዝኣተው ዓሌታት ኣህዛብዮም። ኣይሁድ ኣንጊሆም ናብ እምነት ስለ ዝኣተዉ፡ ኣብ ኣምላኽ ሓለፋ ኣህዛብ ፍሉይ ክብሪ ዚወሃቦም መሲልዎም፡ደቂ ኣብርሃም ኢናብዚብል ኣጕል ትምክሕቲ ተበላሽዮም ነበሩ (ማቴ 39 ዮሃ 388-40) ንክርስቶስ ምቕባል ብምእባዮም፡ ነቲ እግዚኣብሄር ዝሃቦም ሓለፋ ኸም ዝኸሰርዎ ኣይተረድኦ ዘርኢ ኣብርሃም ክነሶም፡ ነቲ ኻብኣቶም ዝተወልደ ወዲ ኣብርሃም ዝዀነ ክርስቶስ ምቕባሉ ኣበዩ (ሮሜ 94,5 ማቴ 11 ገላ 316) እቶም ንኣምላኽ ኰነ ንኣብርሃም ፈጺሞም ዘይፈልጥዎ ኣህዛብ ግና ክርስቶስ ምስ ተሰብከሎም፡ ሓንጐፋይ ኢሎም ብሓጐስ ተቐበልዎ። ስለ ብስጋ ዘርኢ ኣብርሃም እንተ ዘይኰኑ፡ ብክርስቶስ ብምእማኖም፡ ናይ ብእምነት ዝጸደቐ ኣብርሃም ደቂ ዀኑ (ሮሜ 49-16 96-8,30-33 ገላ 35-14) ጐይታና ነታ ምስላ ኺዛዝማ ኸሎ፦  “እቶም ዳሕሮት (ዝነበሩ ኣህዛብ) ቀዳሞት ኪዀኑ፡ እቶም ቀዳሞት (ዝነበሩ ኣይሁድ) ከኣ ዳሕሮት ኪዀኑዮም።ብምባል፡ ነቲ መለኮታዊ ፍርዲ ኣግሃዶ። ጐይታና ንኣይሁድ ነቲ ኣንጸላልይዎም ዝነበረ ዘለኣለማዊ ሓደጋ ብቐጥታዊ መልእኽቲ ይኹን ብምስላ ደጋጊሙ ይገልጸሎም እንተ ነበረ፡ ክሳዕ ምቕታሉ ደኣ ብዝገደደ ተሃንደዱምበር፡ ኣይሰምዕዎን፡ ኣይተቐበልዎን ከኣ (ማቴ 811,12 179-13 2133-46 221-14 2333-39) ኣይሁድ ነቲ ኣሽሓት ዓመታት ዚኣክል ዘመነ- ምሕረቶም ኣይተጠቕሙሉን። እቶም ጸሓይ ኣብ ምዕራባ ወንጌል ተሰቢዅሎም ንኣምላኽ ብእምነቶም ዘስመርዎ ኣህዛብ ግን፡ ምሕረት እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኦም ዓሰለ (ሉቃ 1941-44) ኣብ ናይ ዕለት ናይ ሮሜ 1113-28 ንባብውን፡ እዚ ናይ ወንጌል መልእኽቲ ብዝረቐቐ ኣገባብ ተገሊጹልና ኣሎ (ግብ 1344-52 175-11 2218-21 2616-23 2819-29) ናይ ዕለት ኣርእስትና ግና፡ ካብ ናይ ያእ 19-21 ንባብ ዝተወስደዩ። እዚ ናይ ቅዱስ ያእቆብ መልእኽቲ፡ ናብቶም ፋሕ ኢሎም ዝነበሩሞ፡ ብምኽንያት እምነቶም ብኸቢድ መከራ ዚሓልፉ ዝነበሩ ኣይሁድ ዝተጻሕፈዩ። ነቲ መከራኦም ብትዕግስቲ እንተ ተዓዊቶምሉ፡ ኣኽሊል ህይወት ከም ዚቕበሉ ብምርግጋጽ ንዀተባብዖም ዝጸሓፎዩ።

ፈተናግን እንታይ ማለትዩ፧ ነየናይ ዓይነት ፈተና እንተ ተዓገስና ካብ ኣምላኽ ጻማንቕበል፧ፈተና ማለት እምነትካ፡ ባህሪኻ፡ ምርጫኻ፡ መትከልካ (መርገጺኻ) ወዘተ ኽትገልጽ ዚብድሃካ ኵነታትኢልካ ብሓፈሻ ኺትርጐም ይከኣልዩ። ንፈተና ተኪኦም ኣብ መዓላ ዚውዕሉ፡ ከምመከራ፡ ጸበባ፡ መፈንጠራ፡ ውዲት፡ ወዘተዝኣመሰሉ መለሳ-ቓላትውን ኣለው። ኣብ ትግርኛና፡ ካልእ ኣማራጺ ቓላት እናሃለወናኳ፡ፈተናትብል ቃል ኣብ መዓላኣን ኣብ ዘይመዓላኣን ኢና ንጥቀመላ። ንጽቡቕ ዕላማ ብኣምላኽ ንዝተሰርዓልና በዳሂ ዅነታትን፡ ንኽፉእ ዕላማ ብሰይጣን ንዝተጻወደልና ሕሱም መፈንጠራን፡ ንዅሉፈተናብዚብል ቃል ክንገልጾ ስለንፍትን፡ ሰበኽቲ ኣብ መልእኽቶም ኺሽገሩ፡ ሰማዕቲውን ነቲ ዚንገሮም ዘሎ መልእኽቲ ኣብ ምርዳእ ኪጽገሙ ምርኣይ ዝውቱርን ልሙድን ኰይኑ ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስና ግን፡ኣምላኽ ንኣብርሃም መከሮብምባል ነቲ ናይ ኣምላኽ ተግባርምከራ” (test or trial) ኢልና ኽንገልጾ ኸም ዚግብኣና ኣሚቱልና ኣሎ (ዘፍ 221) ብተመሳሳሊ መገዲ ድማ፡መንፈስ ቅዱስ ንኢየሱስ፡ ብድያብሎስ ኪፍተን፡ ናብ በረኻ ኣውጽኦብምባል ነቲ ናይ ድያብሎስ ተግባር፡ፈተና” (Temptation) ዚብል ቃል ክንጥቀም መሪሑና ኣሎ (ማቴ 41) እዚ ኣብ ንባብ ንመሪሕ ጥቕስና ተኸቲሉ ኣብ ፍቕዲ 13 ተጠቒሱ ዘሎ፡

ሓደ ምስ ተፈተነ፡ኣምላኽ ፈቲኑኒኣይብል። (ምኽንያቱ) ኣምላኽ (ንርእሱ) ብእኩይ ኣይፍተንን፡ ባዕሉውን ንሓደ (ብእኩይ) ኣይፍትንንዩ። ዚብል ሓሳባት፡ ናይ ኣተሓሳስባን ናይ ኣጠቓቕማ ቓላትን እርማት ክንገብር ከም ዚግብኣና ብንጹር ዜመልክተና (ያእ 113 .) ስለ ንኽንሓጥእ ዚደፋፍእ ኵሉ ዅነታት፡ ብሰይጣን ዝተዋደደ ግሁድ ፈተናዩ። ብኣንጻሩ ተኣዛዝነትካ ንኺዕዘብን ንኼተባብዕን ዝተዋደደ ዅሉ ዅነታት ድማ ምከራዩ። ኣምላኽ ነቦና ኣብርሃም ነቲ ብነዊሕ ትጽቢትን ብኸቢድ መንፈሳዊ ገድልን ካብ ኣምላኽ ዝተረኽቦ እንኮ ወዱ ኺስውኣሉ ኺሓትቶ ኸሎ፡ ናብ ፍጹም ተኣዝዞ ኼዕብዮ ዕላማ ገይሩ ዘቕረበሉ መካሪ ትእዛዝዩ። ኣብርሃም ከኣ ንኣምላኽውን ብዘስተንከረ ፍጹምነት ተኣዘዘ። ካብ ኣምላኽ ድማ ዘይጥለም ኪዳናዊ በረኸት ተዓደለ (ዘፍ 221-9) ሰይጣን፡ እቲ ሕሱም ጸላኢ፡ ድማ፡ ካብ ናይ እምነትን ተኣዝዞን ጐደና ኣንደልሂጹ ኼውጽኦምን ኬውድቖምን ምስ ኣንቀደ። ናብ ሳራ ምስ ሓሳብ ኣምላኽ ዘይሰማማዕ ግናይ ሓሳብ ኣስረጸ።ከይትወልዲ ኣምላኽ ዓጽዩኪ ስለ ዝዀነ፡ ኣብርሃም ካብ ናትኪ ገንዘብኪ ዝዀነት ኣጋር ከም ዚወልድ ግበሪሞ፡ ከም ወድኺ ጌርኪ ተዕብይዮ፡ ወራሲ ድማ ይዀነኪዝዓይነቱ ምስ እምነቶም ዚጻረር ሓሳብ ኣዕጠቓ። ኣብርሃም ድማ በታ እምቢ ኺብላ ዘይኰነሉ ዘፍቅራ ብዓልቲ ቤቱ ምስ ቀረበሉ፡ ንርእሱውን ኣብ ቀረባ ስለ ዝጸንሐ፡ ናብ ንውድቀቱ ዝተዳለወት መፈንጠራ ዘሊሉ ኣተወ። ሰይጣናዊ ሓሳብ ስለ ዝነበረ፡ ወዲ ድዩ ጓል፡ ህያው ድዩ ምዉት ቈልዓ ዚውለድ ገና ኸይተፈልጠ፡ ኣብ ሰላማዊት ስድራ ዕግርግር ኣተወ። እቲ ዝተወልደ እስማኤል ድማ ክሳዕ ሕጂ ንቤት እስራኤል በቶም ዘርኡ ይፈታተኖም ኣሎ (ዘፍ 161-16 1715-18 228-21)

መሪሕ ጥቕስና ብንጹር ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ ብትዕግስቲ ኽንዕወተሉን ጻማ ክንረኽበሉን እንኽእል ፈተና ዀነ ምከራ፡ እቲ ንእምነትና ዚምልከትዩ። ኣብ ናይ መልእኽቲ ያእቆብ ንባብና፡ እዞም መልእኽቲ ተጻሒፉሎም ዘሎ ኣመንቲ፡ ብኽልተ ዓይነት ፈተና ዚፍተኑ ዘለዉ ይመስሉ። እቲ ቐዳማይ ናይ ፍቕዲ 2-4 ፈተና፡ ናይ ክርስትና እምነቶም ኪሓድጉ ብዙሕ ዝዓይነቱ ፈተና ይገጥሞም ከም ዝነበረ ዜስምዕዩ። ዓይነታት ናይ ፈተና እንተ ዘይተዘርዘረ፡ እቲ ኣብ ቅዱስ ወንጌል ተዘርዚሩ ዘሎ፡ ጸርፊ ስም ምክፋእ፡ መስጐጕቲ፡ ማህረምቲ፡ ማእሰርቲ፡ ግበታ ንብረትን ገንዘብን፡ ቅትለትምበር፡ ካልእ ኪኸውን ኣይክእልንዩ። ከም ዝዓይነቱ ፈተና፡ ፈጺሙ ዘይክማህ፡ ነቕ ዘይብል ሓይል ትዕግስቲ ዚጠልብዩ። ንኣምላኽ ብዜሐብን ንጸላእቶም ብዜሰክሕ ትዕግስቲ ምስ ዚሰግርዎ፡ ኣኽሊል ዓወትን ኣኽሊል ህይወትን ኣኽሊል ክብርን ኣኽሊል ጽድቅን ዜጐናጽፍ ዓብይ ሓለፋ ስለ ዝዀነ፡ ብልዑል ሓጐስ ኪቕበልዎ መኸሮም። እቲ ኻልኣይ ዓይነት፡ ካብ ፍቕዲ 12-15 ተጠቒሱ ዘሎ ፈተና ግን፡ ሰይጣን ብትምኒት ስጋና ገይሩ ዜጻውደልና ናብ ሓጢኣትን ሞትን ዜጽድፍ ሓደገኛ ማሕበርዊ ፈተናዩ። እዚ ፈተናዚ፡ ዘይከም ቐዳማይ ዓይነት፡ ጐነጻውን ኣስገዳዲ ባህርይን የብሉን። ንትምኒት ስጋኻ እናዕፈረን እናጐሃሃረን ሓባቢሉ ናብ ሓጢኣት ገጹ ዚስሕበካ ዝተራቐቐ ፈተናዩ። ኣጸያፍን ዜፈንፍንን መልክዕ ናይ ፈተና ሕልፍ ኢሉ ኣብ ያእ 41-4 ብንጹርን ስእላውን መገዲ ገሊጽዎ ኣሎ። እቲ ፈተና ዝደለዮ ዓይነት ይኹን፡ ማለት ጐነጻዊ ይኹን ዘይጐነጻዊ ናይ ኣስገዳድ ይኹን ናይ ኣስድዖት (ወይ ሓባባሊ) ንፈተና ሰይጣን እንስዕረላ እንኮ መዋጽኦናን ጥበብናን፡ እታ እግዚኣብሄር ዜኽብራን ዚጻምዋን ትዕግስቲ ምዃና፡ ናብ ዋጋ-ዕዳጋ ዘይኣትው ዘይልወጥ ሓቂዩ።

ሓደ ፈተና፡ናይ እምነት ፈተናንኽንብሎ እንታይ ዓይነት ኪኸውን ኣለዎ፧ ንምዃኑኸ ንእምነትና ዘይምልከታ ዓይነት ፈተና ኣሎዶ፧ ከቶ የልቦን!! ኣብ ህይወት ደቂ ሰብ፡ ዝዀነ ይኹን ንእምነትና ዘይምልከት ጕዳይ ፈጺሙ የልቦን። ሕማቕ ይኹን ጽቡቕ ንሓሳብ፡ ንቓላት ይኹን ንተግባር ንንብረት ይኹን ንገንዘብ ንምግቢ፡ ንኽዳን ይኹን ንመንበሪ ገዛ ንዝምድናታት፡ ንስምምዓት (ወይ ውዕላት) ይኹን ንኺዳናዊ ንመንፈሳዊ ዀነ ስጋዊ ንሰማያዊ ዀነ ምድራዊ፡ ኰታ ንዝዀነ ይኹን ንደቂ ሰብ ዚምልከት ኰነ ዜጋጥም ኵነታትን ጒዳያትን፡ ብተዘዋዋሪ ዘይኰነስ ብቐጥታ ንእምነትና ዚምልከትዩ። ናይ ክርስትና እምነትና ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ጒዳይ፡ ክንገብሮ ዚእዝዘና ወይ ከይንገብሮ ዚኽልክለና ነገራት ኣሎ። ነቲ ዝተኣዘዝናዮ ክንጐስዮን ክንግህሶን ንዝተኸልከልናዮ ድማ ክንጥሕሶን ከነፍርሶን ዚድርኸና ዅሉ ዅነታት ናይ ሰይጣን ፈተናዩ። ናይ መብዛሕትና ፍሽለትን ውድቀትን ድማ፡ ነቲ ዚገጥመና ዅሉ ዅነታት ምስ እምነትና ኣዛሚድና ዘይንርእዮ ምዃንና. “ነዚ ሓሳብ ኽሓስብ፡ ነዚ ዘረባ ክዛረብ፡ ነዚ ተግባር ኽገብር፡ እምነተይ ይፈቕደለይ ድዩ ኣይፈቕደለይን፧ኢልና ንሓትትን ብዝረኸብናዮ ቕኑዕ መልሲ ንምራሕን እንተ ንኸውን፡ ኵሉ ፈተና ብዓወት ምተሰግረ፡ እቲ ናይ ፈተና ደራስን መሃዝን ዝዀነ ድያብሎስ ድማ ምሓፈረን ጾሙ ምሓደረን ነይሩ። ንሕና ግን ይትረፍ ነዚ ሕቶ ኣልዒልና ናብ እምነትና ኣብጺሕና ኽንምርምሮን ከነመርምሮን፡ ነቲ ሕቶ ብመሰረቱ ኣይንሓስቦን ናብ ኣእምሮና ገጹውን ኣይቅልቀልንዩ። ስለ ብመንጽር እምነትና ኺምዘን ከሎ፡ ታሪኽ ህይወትና ናይ ውድቀት ታሪኽ ኰይኑ ይርከብ። ኣብ ህይወትና ኣምላኽ ይንውርን ይዋረድን፡ ሰይጣን ድማ ይኸብርን ይጒይተትን ኣሎ። ኣብ ክንዲ ኣምላኽ ብሕያውነቱ ዘዳለወልና ኣኽሊል ህይወት፡ ገና እብ ምድሪ ብህይወት እናሃለናኳ፡ ነቲ ጥፍኣት ተሃዊኽናሉስ ኣኽሊል ሞት ደፊእና ንነብር ኣለና።

ናይ እምነት ፈተና ተፈቲነንኽንብል፡ ዝዀነ ይኹን ንእምነትና ዚጽየፍ ተቓዋሚ ኣካል ሓለንጊ ኣልዒሉ፡ ሰይፊ መዚዙ ወይ ብረት ለጕሙ፡እምነትካ ኽሓድ፡ እንተ ዘይከሓድካ ግን ክኣስረካ፡ ክመቝሓካ፡ ክገርፈካ ክመትረካ ወይ ክርሽነካኢሉ ኼጕባዕብዓልና ናይ ግድን ኣይኰነን። ብምኽንያት በደል ናይ ሰብ ፍቕርና፡ ትዕግስትና፡ ይቕሬታና ደርቢና፡ ቍጥዓን ጽልእን ቂምታን እንተ ተዓጢቕና፡ ናይ እምነት ፈተና ኣጋጢሙናስ፡ ዘለኣለማዊ ሞትን ስቓይን ዜፍርድ መሪርን ዜሕፍር ስዕረት ተሳዒርና ኸም ዘለና ግሁድ ሓቂዩ። ብኣንጻሩ፡ ነቲ ሰይጣንን ሰባትን ተሓባቢሮም ዜውርዱልና ተዅታዂ ፈተና ብትዕግስትን ብፍቕርን ብምሕረትን እንተ ስዒርናዮ ግን፡ ንዅሉ ብእግዚኣብሄር ዝተዳለወ ኣኽሊላት ድሮ ተቐቢልናዮ ኸም ዘለና ኣይንጠራጠር። እቲ ንመራሒ ናይ ፊላደልፍያ ቤተ ክርስትያን ዝተነግረ፦

ቀልጢፈ እመጽእ ኣለኹ፡ ሓደ ኣኽሊልካ ኸይዝርፈካስ፡ ነቲ ዘሎካ ኣጽኒዕካ ሓዞዚብል ቃል፡ ንኣኽሊልና ገና ኣብ ምድሪ ኸለና ኸምንቅበሎ ዜረጋግጽ (ራእ 311 224,25 1ጢሞ 612) ኣኽሊልና መንፈሳዊምበር፡ ከም ናይ ነገስታት ምድሪ፡ ማዕድናዊ፡ ናይ ወርቂ ወይ ናይ ኣልማዝ ኣኽሊል ኣይኰነን። ሰይጣን ብፈተና ኺምንዝዓና ዚጋደል ከም ዘሎና ስለ ዝረኣየዩ።

ቅዱስ ያእቆብ፡ ንትዕግስቲ ኻብ ምጥቃስ ሓሊፉ፡ ነቲ ኣኽሊል ህይወት ምስ ፍቕሪ ዘዛመደሉ ምኽንያትከ እንታይዩ፧ ትዕግስቲ ንበይና ኣኽሊል ህይወት ንምቕባል ብቕዕቲዶ ኣይኰነትንያ፧ ብዘይ ዝዀነ ጥርጥር፡ ትዕግስቲ ብዘይ ፍቕሪ ከንቱን በደለኛን ምጽማምምበር፡ ሓቀኛ ትዕግስቲ ስለ ዘይኰነት፡ ብቕዕትን ቅብልትን ኣይኰነትን። ኣኽሊል ናይ ኵሉ መንፈሳዊ ስነ ምግባር፡ ፍቕሪያ። ንርእሳ ኣኽሊል ስለ ዝዀነት እንተ ወኒንናያ ንኣናውን ሰማያዊ ኣኽሊል እተጸግወና። ጐይታና ንፍቕሪቐዳማይትን ዓባይን ትእዛዝብምባል ገሊጽዎ ኣሎ (ማቴ 2238-40) ቅዱስ ጳውሎስ ድማ መደምደምታ ዅሉ ሕጊ፡ ማእሰር ፍጻሜ ዝበለጸት መገዲብዚብል ወርቃዊ ቅጽላት ኣማዕረግዋ ኣሎ (ሮሜ 139-10 1ቈረ 1231 ቈሎ 314) ፍቕሪ ዘይብሉ ሰብ፡ ሱም መንፈሳዊ ድኽነት ጥራሕ ዚህልዎ። ዋላ ተጋዲሉ ተማዊቱ ገለ ገለ ስነ ምግባራት ኣብ ምትምያን እንተ ተዓወተኳ፡ ህይወት ዘይብሉ ሬሳ ኸም ዘጥረየ ሰብ፡ ከንቱን ብላሽን ኰይኑ ዚተርፍ፡ ብቛንቋታት ሰብን መለኽትን እንተ ንዛረብ ኣኽራን ዜግዕዝ ሓያል እምነት እንተ ዚህልወና፡ ኣብ መሬት ዘይወድቕ ትንቢታት ዘለዎም ቅዱሳን ነብያት እንተ ንኸውን፡ ኵሉ ምስጢራትን ፍልጠትን ዘለዎም ሊቃውንቲ እንተ ንበሃል፡ ኵሉ ገንዘብናን ንብረትናን ንድኻታት ዜዐድል ናይ ልግሲ ጸጋ እንተ ዚህልወና፡ ብሓዊ ተቓጺልና ኽንሓርር ህይወትና ንሰማእትነት ኣሕሊፍና እንተ ንህብ፡ ግን ከኣ ፍቕሪ እንተ ዘይብልና፡ እዚ መስተንክር ጸጋታት ኸቢድ ክሳራ ዀይኑ ኸም ዚተርፍ፡ ቅዱስ ጳውሎስ ብመንፈስ ቅዱስ ኣረጋጊጹልና ኣሎ (1ቈረ 131-3) ናይ ሃዋርያዊ መግለጺ ሓቅነት ድማ፡ ኣብ መራሒ ናይ ኤፌሶን ቤተ ክርስትያን ብግሁድ ተራእዩዩ። እዚ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ብዅለንተናኡኣበር ዘይብሉ ፍጹም ሰብኪበሃል ዚኽእልዩ። ሕጊ መለኮት ዘይዕገሳ ሓንቲ ሰራም ኣበሳ ግን ተረኽበቶ። ንሳ ኸኣ ነታ ድሮ ኣጥርይዋ ዝነበረ ቐዳመይቲ ፍቕሩ ምድርባዩያ። ጐይታና ድማካበይ ከም ዝወደቕካ ዘክርሞ፡ ተነሳሕኢሉ፡ ነታ ዝደርበያ ፍቕሩ ደጊሙ ኬልዕላን ኪለብሳን፡ እንተ ዘይኰነ፡ ካብ በጺሕዎ ዝነበረ ልዑል ማዕርግን ክብርን ነቒሉ ኸም ዚድርብዮ ኣፍለጦ።ነቲ ቐዳማይ ግብሪ ግበሮብምባል ናይ ፍቕሪ ዕብየትን ክብርን ገለጸሉ (ራእ 21-7) ኣምላኽ ፍቕሪ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ንፍቕሪ ዜኽብር ንኣምላኽ ብምልኣት የኽብሮ። እቲ ንፍቕሪ ዚድርብያ ድማ፡ ነቲ ኽቡር ኣምላኽ ከም ሓደ ጽዩፍ ኣቕሓ ኣልዒሉ ኸም ዝደርበዮ ይቝጸሮ። ስለ ድማኵሉ ግብርኹም ብፍቕሪ ይገበርዚብል ሃዋርያዊ ትእዛዝ ተዋህበና (1ቈረ 1614)

ትዕግስቲ ድማ ብዘይ ፍቕሪ ኽትትግበር ዘይትኽእል፡ እንተ ተተግበረት ከኣ ከንቱን ህይወት ዘይብላን ግብሪ ዀይናትተርፍ ፈቃር ዝዀነ ሰብ ንትዕግስቲ ከይተጨነቐን ብሓጐስ ዚገብራ። ኣብ ጽልኢ ንዝተጸምደ ሰብ ግና፡ ትዕግስቲ ግብሪ ዕሽነትን ሕመቕን ኰይናትረኣዮ። ትዕግስቲ ፍረ- ፍቕሪ ምዃናፍቕሪ ዓቃልያ፡ ፍቕሪ ኣይትምረርን፡ ኣይትቕየምንያ፡ ፍቕሪ ንዅሉ ትጸውር፡ ንዅሉ ትዕገስ።ብምባል ቅዱስ ጳውሎስ ገሊጹልና ኣሎ (1ቈረ 134-7) ስለ እታ ንዅሉ ዓይነት ፈተና ኽንዕወተሉ እተኽእለና ትዕግስቲ፡ ፍረን ውጽኢትን ናይ ፍቕሪ ምዃና ኣስተውዒልና፡ ንፍቕርና ኸነዕብያን ከነሓይላን ይግብኣና። መሪሕ ጥቕስና ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ፡ እቲ ዚፍቀር ኣካል እግዚኣብሄር ብዓብዩዩ። እታቐዳመይቲን ዓባይን ትእዛዝዝተባህለት፡ እታ ንኣምላኽ ክትህልወና ዚግብኣ ፍቕሪያ። እዛ ፍቕሪዚኣ ግን፡ በታ ንእኣ እትመስላ ፍቕሪ ብጻይትግለጽ (ማቴ 2238-40) ንብጻዩ እናጸልኦስ፡ንኣምላኽ አፍቅሮዚብል ሰብ፡ ክልቲኡ ዓይነት ፍቕሪ ዘይብሉ፡ ሓሳዊ ሰብ ምዃኑ ቅዱስ ወንጌል ኣፍሊጡና (1ዮሃ 420,21 314-16 27-11)

ብፈተና ኽንሕጐስን ብጽንዓት ክንዕገሶን ዜኽእለና ኣተሓሳስባ እንታይ ዓይነትዩ፧ መሪሕ ጥቕስና ድሮ ነቲ መልሲ ኣሚትዎ ኸም ዘሎ፡ ፈተና ኻብ ጒድኣቱ ረብሓኡ ዚበዝሕ። ብፈተና ዚጒዳእ፡ እቲ ኣብ ድኹም መንፈሳዊ ቝመና ዘሎ ሰብ ጥራሕዩ። እቲ መንፈሳዊ ሚዛኑ ብቓል እግዚኣብሄር ኣተኻኺሉ ዚጐዓዝ ክርስትያን ግን ፈተና ንህይወቱ ብፍረ መንፈስ ኪስልማ ዜኽእሎ ብሉጽ ዕድልን ሓለፋን ዜጐናጽፎ። ፈተና እንተ ዘየለ፡ ፍቕርና፡ ትዕግስትና፡ ጽንዓትና፡ ምሕረትና ብምልኣት እንገልጸሉ ዕድል የስእነናዩ። ፈተና ኼጋጥመና ኸሎ ግና እዚ ቕዱስ ባህርያት ብምሉእ ሓይሉ ዚግለጽን ዚነጥፍን። እዚ ድማ፡ ኣብ ቅድሚ ግዚኣብሄር ነቲ መንፈሳዊ ሚዛንናን ክብርናን ክብ ዜብሎ። ነቲ ዘለኣለማዊ መጻኢና ድማ የጸብቖ። እግዚኣብሄር ኣብ ጊዜ ፈተና ንዓይነትን ክብደትን ናይ ገጢሙና ዘሎ ፈተና ዘይኰነስ፡ ነቲ ንሕና እነንጸባርቖ መንፈሳዊ ባህርያትን፡ነፍርዮ መንፈሳዊ ፍረን ዚመዝን ምኽንያቱ እቲ ፈተና ብባህርዩ ጊዝያውን ሓለፋንዩ። እቲ ኸም ግብረ መልሲ እነርእዮ መንፈሳዊ ባህርያት ግን፡ ይሕመቕ ይጸብቕ፡ ንዘለኣለም ነባሪዩ። ስለ ኸኣ ዘለኣለማዊ ዓስቢ ወይ ከኣ ዘለኣለማዊ ቕጽዓት ተሰሪዑሉ ኣሎ (ዮሃ 1516 1ቈረ 1313) ስለ ኣብ ምሉእ መንፈሳዊ ብስለት እንተሊና፡ ንፈተና ኽንህቦ ዚግብኣና ቐዳማይ ግብረ-መልሲ፡መንፈሳዊ ፍረ ዝፈርየሉ፡ ንኣምላኽ ዘኽብረሉ፡ ንሰይጣን ዘሕፍረሉ፡ ንበዳልየይ ዝረብሓሉ፡ ብጸጋ ኣምላኽ ተደጊፈ ንኣይ ዘለኣለማዊ ኽብሪ ዘውሕሰሉ ዕድልን ሓለፋን ረኺበ፡ ዚብል ናይ ሓጐስን ሓበንን ስምዒት ኪኸውን ዚግባእ። ጐይታናን ቅዱሳን ሃዋርያቱን ብፈተናና ብመከራና ኽንሕጐስዮም ምዒዶምናን ኣዚዞምናን (ማቴ 511,12 ፊል 217 ቈሎ 124 1ተሰ 16 2ጢሞ 18 እብ 1032-34 1ጴጥ 412-16) ስለመዓስ ፈተና ዚመጻለይ፧ኢልና ኽንምነዮ ዘየድልየና እንተ ዀነ፡ ብፍቓድ ኣምላኽ ኬጋጥመና ኸሎ ግን፡ በቲ ኣብ ጽቡቕ ገድሊ እምነት ዚጸምደና ፈተናታት ክንሕጐስን ናብ ረብሓና ኸነውዕሎን ዚግባእ።

ኪኖ ምድራዊ ገጽ ናይ ረብሓታት፡ ብዛዕባ ሰማያዊ ረብሓታቱውን ክንሕጐስ ይግብኣና። ምኽንያቱ ነቶም ንፈተናኦም ዚዕወቱሉ ሰባት፡ መግለጺ ዘይርከቦ ክብሪ ተዳልዩ ኣሎ። እቲ ኣዝዩ ዜሐጕስ ድማ፡ እቲ ተዳልዩልና ዘሎ ዓስቢ፡ ምስ ዝተቐበልናዮን ዘሳቐየናን ፈተና ፈጺሙ ዘይመጣጠን ምዃኑ (ሮሜ 818,19 2ቈረ 416,17 ማቴ 512 1ጴጥ 16-9) እቶም ንፈተናና ዝተዓወትናሉ ኣኽሊል ህይወትን፡ ኣኽሊል ዓወትን፡ ኣኽሊል ጽድቅን ኣኽሊል ክብርን፡ ኣብ የማን ኣምላኽ እንቕመጠሉ ዝፋናትን ተዳልዩልና ኣሎ (1ቈረ 924,25 2ጢሞ 25 48 1ጴጥ 54 ራእ 321 204) እቲ ደጋፊናን መራሒናን ኪኸውን ዝተዋህበና ጰራቅሊጦስ መንፈስ ቅዱስ ምሳና ስለ ዘሎ፡ ዜኽእል ጸጋን ሓይልን እናሃበ ኼዐውተና ስለ ዝዀነ፡ ካብ እኩይ ፈተና ኽቡር ኣኽሊል ረኺብና ምውጻእና ወርትግ ርግጸኛታት ንኹን!!

እምበኣር ነቲ መልክዑ እናቐያየረ መዓልቲ መጸ ዜጋጥመና ማእለያ ዘይብሉ ፈተናታት ንዕወተሉ ወይ ይዕወተልና ምህላው ንመርምር። ዘዝመጸ ፈተና ይዕወተልናን ይጻወተልናን እንተልዩ፡ ብንስሓን ብረድኤት መንፈስ ቅዱስን ታሪኽና ንለውጥ። ንዕወተሉ እንተሊና ግና፡ ናብ ፍጹምነት ገጽና ንዕበይ። እቲ ፈተና ስርሑ ወዲኡ ኺሓልፍ ከሎ፡ ኣብ ኢድና ግን ፍረ መንፈስን ኣኽሊል ህይወትን ገዲፉ ምኻድ ነረጋግጽ። እቲ ሰዓሪ ጐይታ ናብ ዓወት ዚመርሓናሞ፡ ኣሰሩ ሒዝና ደድሕሪኡ ብምስዓብ ሰዓርቲ ምዃንና ነረጋግጽ (ሮሜ 835-39 1ቈረ 1557 2ቈረ 214) ንፈተና ንምለኮምበር፡ ኪመልከናን ኬበላሽወናን ኣይንፍቀደሉ!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

20 ጥቅምቲ/ 2024 | ጥቅምቲ 10, 2016 ግዕዝ (5ይ ሰንበት: ቊ.፮/6)

ምስባክ

መዝ.፻፲(፻፲፩)፡፬-፭

“መሐሪ ወመስተሣህል እግዚአብሔር። ወመሀቦሙ ሲሳዮሙ ለእለ ይፈርህዎ። ወተዘከረ ኪዳኖ ዘለዓለም።”

“ንተኣምራቱ መዘከርታ ገበሮ፡ እግዚኣብሄር መሓርን ርሕሩሕን’ዩ። ንዚፈርህዎ ምግቢ ይህቦም፡ ኪዳኑ ንዘለኣለም ይዝክር።”

ንባባት

ኣንባቢ

 ሮሜ 11፡13-28

ዲያቆን

ያእ 1፡9-21

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 7፡23-ፍጻመ

ንፍቅ ካህን

ማቴ 20፡1-16

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ዘእግዝእትነ ማርያም መዝሙር፦ ወመኑ መሐሪ ዘከማከ

   

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div