“(ኣምላኽ) ግና ኣበርን ነቐፋን ዘይብሎም ቅዱሳን ገይሩ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኬቑመኩም፡ ብሞት ስጋዊ ሰብነት ወዱ ገይሩ ዓረቐኩም። እዚ (ዕርቂ’ዚ ዚኹነልኩም) ግና፡ ተሰሪትኩምን ደልዲልኩምን፡ ካብ’ቲ ብወንጌል ዝረኸብኩምዎ ተስፋ ከይተነቓነቕኩም ኣብ እምነት እንተ ዘናዕኩም’ዩ። እዚ (ወንጌል’ዚ) ኸኣ፡ እቲ ንስኻትኩም ዝሰማዕኩምዎ፡ ኣነ ጳውሎስ ከኣ ዘገልጋሊኡ፡ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጡር (ሰብ) ዝተሰብከ ወንጌል’ዩ።” ቈሎ 1፡22,23 ካ.ት
እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ፡ ካልኣይ ሰንበት ናይ ዘመነ ኣስተምህሮ፡ ቀዳማይ መዓልትን ቀዳማይ ሰንበትን ናይ ጾመ ነብያት’ዩ። እግዚኣብሄር ነዚ ኣቲናዮ ዘለና ዘመነ ጾም ባሪኹ፡ ብምሉእ ኣካላውን መንፈሳውን ጥዕና ሓልዩ ናብ ብርሃነ ልደቱ ኽንበጽሕ ብቑዓት ይግበረና። ቅዱሳን ነብያት ነቲ ኸቢድ ናይ ኣገልግሎት ዘመኖም፡ ብጾምን ብጸሎትን’ዮም ኣሕሊፎምዎ። ንመራሕትን ህዝብን ናይ እስራኤል ካብ ኣምላኽ ዝተቐበልዎ መልእኽቲ ዜመሓላልፉ ናይ ኣምላኽ ልኡኻት’ዮም ዝነበሩ። እቲ ህዝቢ ብባህርዩ ዘይሰምዕ፡ ተሪር ዝልቡ፡ ብልማድ ናይ’ቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ጣኦት ዜምልኹ ኣህዛብ ዚመላለስ ህዝቢ ስለ ዝነበረ፡ መብዛሕትኡ መልእኽቶም ናይ ተግሳጽ መልእኽቲ ነበረ። እቲ ህዝቢ ድማ ከም ድላዩ ኺዕንድርን ኪዓብድን ይደልይ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ መልእኽቶም ምጽዋሩ ስኢኑ ይጻብኦምን ይቐትሎምን ነበረ። ስለ’ዚ ስጋ ዝለበሱ ኸማና ዝድኻሞም ሰባት ስለ ዝነበሩ፡ ናብራኦም እንታይ ይመስል ከም ዝነበረ ምግማቱ ዜጸግም ኣይኰነን። ኣካል ናይ’ቲ ህዝቢ ስለ ዝዀኑ፡ ደሓንን ድሕነትን ናይ’ቲ ህዝቦም ኣዝዩ ዜገድሶም ሰባት’ዮም። እግዚእብሄር ብዛዕባ’ቲ ዓለወኛ ኣካይዳ ናይ’ቲ ህዝቢ እንታይ ከም ዝተሰምዖን እንታይ ከም ዝወሰነን ድማ ብግልጺ ይነግሮም ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብጾምን ብጸሎትን ተደፊኦም ኪልምኑ ናይ ግድን ይዀኖም ነበረ። እግዚኣብሄር ንቕዱሳኑ ዜኽብር ኣምላኽ ኰይኑ’ዩ’ምበር፡ እስራኤላውያን ገና ናብ ምድሪ ኸንኣን ከይኣተዉ ኸለው ምጸነቱ ነይሮም። መብዛሕትኦም ነብያት ብህዝብን መራሕትን ናይ እስራኤል ተጨፍጪፎም ብሰማእትነት’ዮም ሓሊፎም። ስለ’ዚ ብዛዕባ ገዛእ ህይወቶም’ውን ናብ ኣምላኽ ብጾምን ጸሎትን ኪጋደሉ ናይ ግድን’ዩ። ካብ’ቲ ቐዳማይ ነብዪ፡ ካብ ሊቀ ነብያት ሙሴ ጀሚሩ ናይ ኵላቶም ነብያት ህይወትን ኣገልግሎት እንታይ ከም ዚመስል፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝርዝር ገሊጹልና ኣሎ። ኣዝዩ ኣብነታዊ ህይወት’ዩ ነይርዎም። ዘሕለፍዎ መንፈሳዊ ገድሊ ኣዝዩ መሪርን ከቢድን’ኳ እንተ ነበረ፡ ብህይወቶም ኰነ ብሞቶም ግን ንኣምላኽ ኣኽቢሮምዎ’ዮም። መሰረት ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ኣብ ትምህርትን ኣርኣያን ናይ ቅዱሳን ነብያትን ሃዋርያትን ዝተተሃንጸ’ዩ። “ጾመ ነብያት” ኪበሃል ከሎ፡ ብዛዕባ ምብላዕን ምሕራምን ጥራይ ክንሓስብ ኣይተሰርዓልናን። ቀንዲ ዕላማ ናይ ጾመ ነብያት፡ ትምህርትን ኣርኣያን ናይ ቅዱሳን ነብያት ምስዓብ’ምበር፡ ብልዕን መስተን ምሕሳም ወይ ምሕራም ጥራሕ ኣይኰነን። ብልዕን መስተን እንሕረመሉ ምኽንያት፡ ነቲ ዓንቃፊ ስጋዊ ባህርያትና ኣዳኺምና፡ መንፈሳዊ ሓይልን ጸጋን ተዓጢቕና፡ ኣስኣሰር ትምህርቶምን ኣርኣያኦምን ክንስዕብ ምእንቲ ኽንክእል’ዩ። ጾምና ናብ ኣሰር ናይ ትምህርቶምን ኣርኣያኦምን ዘየጽንዓናን ብዅለንተናና ንኣታቶም ዘየምስለናን እንተ ዀይኑ፡ ንፍርዲ’ምበር፡ ንምሕረት ከም ዘይኰነልና፡ መግለጺ’ኳ ዘይጠልብ ግሁድ ሓቂ’ዩ። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን “ጾመ ነብያት ኣትዩ’ሎ” ኢላ ኻብ ምእዋጅ ሓሊፉ፡ ንኣገልገልታን ምእመናናን ብዛዕባ ህይወት ነብያትን ብዛዕባ ትምህርቶምን ኣርኣያኦምን ኣስፊሓን ኣዕሚቛን ዘይትምህር እንተ ዀይና፡ ነቲ ቕዱሳን ኣቦታትና ጾመ ነብያት ዝሰርዑሉ ዕላማ ስሒታቶ፡ ነቲ ዝተሃንጸትሉ መሰረታውን ኣብ ምልክት ሕቶ ኣእትያቶ ኣላ ማለት’ዩ። ዘመነ ጾም፡ ምግቢ ተሓሪምካ ትምህርቲ እትጸግበሉ ናይ መንፈሳዊ ህንጸት ዘመን’ምበር፡ መንፈስካን ስጋኻን ሓቢሩ ዚማስነሉ ናይ ወጽዓ ዘመን ኣይኰነን። ኣቦታትና “ንማይ ዝበልካዮ ንበረድ ኣይኹን” ከም ዚብሉ ጾምና ንምሕረት ዝተሓስበስ ንፍርዲ ኸይከውንን፡ ካብ መራሕትን ኣገልገልትን ጀሚሩ ኽሳዕ’ቲ ተራ ምእመን፡ ነዚ ወርቃዊ ዘመን’ዚ ናይ ዕዙዝ መንፈሳዊ ረብሓ ዘመን ንምግባር ዚከኣሎ ዅሉ ኺገብር ይግብኦ።
ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ፡ ካብ ሕዳር 13 ኽሳዕ ሕዳር 19 ዘሎ ቕንያት፡ “ቅድስት” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብ ሓደ ዓመተ ግእዝ ክልተ ናይ ቅድስት ቕንያት ኣለዋና። እታ ቐዳመይቲ እዛ ዘለናያ ኽትከውን ከላ፡ እታ ኻልኣይቲ ድማ ኣብ ካልኣይ ሰሙን ናይ ዓብይ ጾም (ጾመ ‘ርብዓ) እትርከብ’ያ። ነዚ ዕለት’ዚ ብቕዱስ ያሬድ ዝተሰርዐ መዝሙር-ሰንበት “ሎቱ ስብሓት” ዘርእስቱ’ዩ። እዚ መዝሙር’ዚ ክርስቶስ ወልደ እግዚኣብሄር፡ ንሰንበት ዝቐደሰ፡ ንሰብ ብኣርኣያኡ ዝፈጠረ፡ ኵሉ ኣብ ኢዱ ዝዀነ ኣብኡ ዓመጻ ዘይርከቦ፡ ንሰማያት ምድርን ዚፈርድ ንዅሉ ኸም ፍቓዱ ዚገብር፡ ቃሉ ሓቂ ዝዀነ፡ ኣብ መንግስቱ ብጽድቅን ብሓቅን ዚዳንይ ኣምላኽ ወዲ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ንእኡ ሰብሓትን ምስጋናን ከም ዚግባእ ዚእመን መዝሙር’ዩ። ብነብዩ ገይሩ “ሰላመይ እህበኩም፡ ደብሪ መቕደሰይ ክትወርስ ኢኹም’ሞ፡ ንሰናብተይ ብጽድቂ (ብሓቂ) ኣኽብርወን።” ኢሉ ኸም ዝኣዘዞ’ውን ገሊጹ ኣሎ። ናይ’ዚ መዝሙር’ዚ ማእከላይ (ቀንዲ) መልእኽቲ፡ ከም ፍቓዱ ዚገብር ኣምላኽ ምዃኑ ዚገልጽ’ዩ። ነዚ ዜረጋግጸልና ኸኣ፡ እቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ክልተ ኣማራጺ ምስባክ’ዩ።
“ኣምላኽናስ ኣብ ሰማያት ኣሎ፡ ዝደለዮ (ዝፈቐዶ) ዅሉ ይገብር’ዩ።” “እግዚኣብሄር ኣብ ሰማይን ምድርን፡ ኣብ ባሕርን መዓሙቝን፡ ዝደለዮ (ዝፈቐዶ) ዘበለ ይገብር’ዩ።” መዝ 115፡3 ፣ 135፡6
ኣብ’ቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ናይ ዮሃ 5፡17-27 ንባብ ቅዱስ ወንጌል’ውን፡ “ነቶም ዝደለዮም ህያዋን ይገብሮም’ዩ” ብምባል ናትና ድሕነትን ህይወትን፡ ኣብ’ቲ ልኡላዊ ፍቓድ ናይ ወልደ እግዚኣብሄር ከም ዚምርኰስ ኣሚቱልና ኣሎ (ዮሃ 5፡21)። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ትምህርትና ድማ ብዛዕባ’ቲ ብሕያውነቱን ብልኡላዊ ስልጣኑን ብወንጌል ዝሃበና ተስፋ ዚምልከት’ዩ።
ወንጌል ብዛዕባ ዚህቦ ተስፋ ቕድሚ ምዝራብና፡ ንምዃኑ’ውን ወንጌል “እንታይ ማለት’ዩ፧” “ወንጌል” ካብ ቋንቋ ግሪኽ (ወይ ጽርኢ) ዝመንጨወ ቓል’ዩ። ናብ ቋንቋና ኺትርጐም ከሎ ድማ፡ “ብስራት” ማለት’ዩ። ከም’ዚ ኣብ’ዚ ዘለናዮ ዘመን፡ ቋንቋ እንግሊዝ ዓብላሊ ዀይኑ ንርእዮ ዘለና፡ ኣብ’ቲ ወንጌል ኪስበኽ ዝተጀመረሉ ዘመን፡ ቋንቋ ግሪኽ ኣዝዩ ዓብላሊ ነበረ። ናይ ምርምር፡ ፍልስፍና፡ ፖለቲካ ሃይማኖት ወዘተ ቋንቋ ዀይኑ፡ ዝተፈላለየ ቋንቋታት ንዝነበሮም ህዝብታት መራኸብን መረዳድእን ቋንቋ ብምዃን የገልግሎም ነበረ። ወንጌል ናብ’ቲ ጥንታዊ ቛንቋና ናብ ግእዝ ኪትርጐም ከሎ፡ ካብ ቋንቋ ግሪኽ’ዩ ዝተተርጐመ። ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዓብላሊ ቋንቋ ስለ ዝነበረ፡ እቶም ካብ ግብጺ ናብ ኤርትራ መጺኦም ወንጌል ዝሰበኹልና ሶርያውያን መነኮሳት፡ ብቛንቋ ግሪኽ’ዮም ዝሰበኹ። ቋንቋ ግእዝ ተማሂሮም፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ካብ ግሪኽ ናብ ግእዝ ዝተርጐምዎ’ውን። እዞም ቅዱሳን ኣቦታት ባዕላቶም’ዮም ስለ’ዚ ኸኣ ካብ ቋንቋ ግሪኽ ከም ዘለዉዎ ተራዒሞም፡ ኣብ ቋንቋ ግእዝ እንጥቀመሎም ናይ ግሪኽ ቃላት ኣዝዮም ብዙሓት ምዃኖም ካብ ናይ ግእዝ ናይ መዝገበ ቃላት መጻሕፍቲ ምርዳእ ይከኣል’ዩ። “ወንጌል” ዚብል ቃል’ምበኣር፡ ሓደ ኻብ’ቶም ተራዒሞም፡ ናይ ግእዝን ትግርኛን ብዙሕ ካልእ ቋንቋታትን ቃል ኰይኖም ዝተረፉ ናይ ግሪኽ ቃላት ሓደ’ዩ።
ወንጌል ንወዲ ሰብ ካብ ዝተነግሩ ኵሎም ብስራታት እቲ ዝዓበየን ዝበለጸን’ዩ። ካልእ ኵሉ ብስራት ምድራውን ጊዝያውን ጥራሕ’ዩ። ንገለ ኽፋል’ምበር፡ ንዅሉ ህዝቢ ዓለም ዚምልከት ኣይኰነን። ወንጌል ግን ኣብ ምድሪ ደኣ ይስበኽ’ምበር፡ ምድራዊ ዘይኰነስ ሰማያውን ዘለኣለማውን ብስራት’ዩ። (ራእ 14፡6 ፣ 1ጴጥ 1፡12)። ገና ናብ’ቲ ዝርዝር ትሕዝቶኡ ከይኣተኻ፡ እቲ ሰማያውን ዘለኣለማውን ምዃኑ ምፍላጥ ጥራሕ’ኳ፡ ተስፋ ዜስንቕ’ዩ። ነቲ ዝተጸየፎን ዘይተቐበሎን ድማ፡ ኣብ ክንዲ ተስፋ፡ ራዕዲ ዚፍንወሉ፡ ብዅሉ ወገን ብዝወፈሮ መኣዝን ግሩም ገይሩ ዜስልጥ’ዩ (እብ 4፡12 ፣ ኢሳ 55፡10,11) ቀጥታዊ ትርጕሙ ብስራት ደኣ ይኹን’ምበር፡ ብዛዕባ ድሕነት፡ ጸጋ፡ ጽድቂ፡ ቅድስና፡ ዘለኣለማዊ ህይወት፡ መንግስተ ሰማያት ወዘተ ጥራሕ ዘይኰነ ብዛዕባ ፍርዲ፡ ሓላፍነት፡ ተሓታትነት፡ ግዲታኣት (ግቡኣት)፡ ዘለኣለማዊ ሞትን ስቓይን ወዘተን’ውን ይዛረብ’ዩ። ብዓይኒ ሰብ ክንዕዘቦ፡ በዘራርባ ሰብ ከኣ ክንገልጾ ኸለና፡ እዚ ዝጠቐስናዮ ዝርዝራት ገሊጽኡ እወታዊ፡ ገሊኡ ግና ኣሉታዊ ኺመስል ይኽእል’ዩ። እቲ ፍልልይ ዜምጽእ ዘሎ ግን እቲ ምእማንን ዘይምእማንን’ዩ’ምበር፡ ኣብ ኣምላኽን ኣብ ቅዱስ ወንጌሉን ኣሉታ ዚበሃል ነገር የልቦን። ነቲ ዚኣምን ሰብ እቲ ወንጌል ዚዛረቡሉ ግቡኣት፡ ተሓታትነት፡ ፍርዲ፡ ዘለኣለማዊ ቕጽዓት፡ ጽቡቕን እወታውን’ምበር፡ ኣሉታዊ ነገር ኣይኰነን። ምኽንያቱ ኣብ እምነቱ ኺጸንዕ ዚድግፎ መልእኽቲ’ዩ። ነቲ ዘይኣምን፡ ግን ከኣ ብዛዕባ ዘይምእማኑ ዀነ ብዛዕባ ዅሉ እኩይ ግብሩ ኸይተፈርደ ኺነብር ዚደልይ ዓሻ ሰብ ግን፡ ይትረፍ’ቲ ፍርድን መቕዳዕትን ዚጠቅስ ቃላት ወንጌል፡ እቲ ብዛዕባ ጽድቅን ቅድስናን ድሕነትን ወዘተን ዚዛረብ ከይተረፈ፡ ኣሉታውን ዜጨንቖን’ዩ። ንጉስ ሰለሞን ነዚ ኽውንነት’ዚ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ።
“ቅኑዕ ምግባር ንጻድቕ ሓጐስ’ዩ፡ ንገበርቲ ዓመጻ ግና (ቅኑዕ ምግባር) ራዕዲ’ዩ። . . . ንዓሻ ኽፉእ ምግባር ዋዛኡ’ዩ፡ ጥበብ ከኣ ንለባም ከምኡ’ያ። . . . እቶም ዓያሱ ብሓጢኣት ይዋዘዩ፡ ኣብ ማእከል’ቶም ቅኑዓት ግና፡ (ንጽድቂ ዚኸውን) ጽቡቕ ፍቓድ ኣሎ።”
ኣብ ሓድሽ ኪዳን ወንጌል ብዝተፈላለየ ስማዊ ቕጽላት ይጽዋዕ’ዩ። እዚ ኣጸዋውዓ’ዚ፡ ብዛዕባ ወንጌል ዝተፈላለየ መልእኽቲ ኼመሓላልፍ ዝደለየ ሓጺር መግለጺ’ምበር፡ ዝተፈላለየ ዓይነት ናይ ወንጌል ከም ዘሎ ንኼመልክት ኣይኰነን። ገለ ገለ ንኣብነት ዚዀነና፡ ከም’ኒ ወንጌል ኣምላኽ፡ ወንጌል ክርስቶስ፡ ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ፡ ወንጌል ጸጋ ኣምላኽ፡ ወዘተ ዝኣመሰሉ ቓላት’ዮም። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ንወንጌል ግሩም ገይሩ ዚገልጽ መልእኽቲ ጽሒፉልና ኣሎ።
“ብወንጌል ኣይሓፍርን’የ፡ ምኽንያቱ ወንጌል፡ ንዚኣምን ዘበለ ዅሉ ዜድሕን ሓይሊ ኣምላኽ’ዩ። . . . ቃል መስቀል (ቃል ወንጌል) ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት’ዩ፡ ንኣና ነቶም እንድሕን ግና ሓይሊ ኣምላኽ’ዩ።” ሮሜ 1፡16 ካ.ት ፣ 1ቈረ 1፡18 ካ.ት
ወንጌል ናይ ኣምላኽ ሓይሊ-ምድሓን ምዃኑ፡ ኣብ ወንጌል ናይ ዘሎና ተስፋ መሰረት’ዩ። ነዚ ንምድሓን ዚኸውን ሓይሊ ኣምላኽ’ዚ ንዘይተቐበሎ ሰብ ድማ፡ እቲ ንድሕነቱ ዝተሓስበ ሓይሊ፡ ንጥፍኣቱ ይኸውን ማለት’ዩ።
እዚ ሓይሊ ኣምላኽ ዝዀነ ወንጌል ዚህበና ተስፋ’ሞ እንታይ’ዩ፧ እዚ ቕዱስ ወንጌል’ዚ ንርእሱ ተስፋና’ዩ። ወንጌል ግን ምሉእ ዕድመኻ መርሚርካ ንዅሉ ኽትበጽሖ ዘይከኣል፡ ኣዝዩ ሰፊሕን ዓሚቝን፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ኣዝዩ ረቂቕ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ውሽጡ ዝሓቘፎ ብዙሕ ዝርዝራት ኣለዎ። ንዅሉ’ቲ ተስፋታት ይትረፍ ኣብ ሓጺር ጊዜ ኽትመሃሮ፡ ክትዝርዝሮ’ውን ብዙሕ’ዩ። ንወንጌል ምቕባልን ምእማንን ግን፡ ተስፋ ምቕባልን ምእማንን ማለት ምዃኑ ኺዝንጋዕ ኣይግብኦን። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ብዛዕባ’ቲ ወንጌል ንምስባኽ ዝተዋህቦ ፍሉይ ክብርን ሓለፋን ኪገልጽ ከሎ፦ “እዚ ምስጢር’ዚ ኸኣ፡ ኣህዛብ ሳላ ወንጌል ምስ እስራኤል ተማቐልቲ ርስቲ፡ ናይ ሓደ ሰብነት (ናይ ክርስቶስ) ኣካል፡ ብክርስቶስ ኢየሱስ ከኣ መኻፍልቲ (ተማቐልቲ) ተስፋ ኸም ዝዀኑ’ዩ። ኣነ ኸኣ (ብኣሰራርሓ ሓይሉ ብዝተዓደለኒ) ውህበት ጸጋ ኣምላኽ፡ ናይ’ዚ ወንጌል’ዚ ኣገልጋሊ ዀንኩ። ካብ ኵላቶም ቅዱሳን ዝነኣስኩ’ኳ እንተ ዀንኩ፡ ንኣይ (ንወንጌል) ነቲ ዘይምርመር ሃብቲ ክርስቶስ ነህዛብ ክሰብኽ፡ እዚ ጸጋ’ዚ ተዋህበኒ። ናይ’ዚ ምስጢር’ዚ (ናይ ወንጌል ኣገልግሎት ከመይ ምዃኑ ንዅሉ ሰብ ከብርሃሉ ተዋህበኒ።”
ኢሉ ኣሎ (ኤፌ 3፡6-9 ካ.ት)። ካብ’ዚ ሃዋርያዊ መግለጺ’ዚ ኸም ‘ንርድኦ’ምበር፡ ተኻፈልቲ ወንጌል ኬንና ማለት፡ ሳላ ወንጌል ተኻፈልቲ ናይ’ቲ ሰማያዊ ርስትን ናይ ካልእ ኵሉ ተስፋታትን ኴንና ኣለና ማለት’ዩ። ወንጌል ድማ “ምስጢር ኣምላኽን ዘይምርመር ሃብቲ ክርስቶስ” ምዃኑ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። እግዚኣብሄር ብሕያውነቱን ብእምነትናን ተደሪኹ፡ ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ንምስጢር ወንጌል እንተ ዘይከሲቱልና፡ በዚ መዋትን ውዱቕን ኣእምሮ ናይ ሰብ ጥራሕ ክንርድኦን ክንበጽሖን ኣይከኣልን’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ “ዘይምርመር ሃብትን ምስጢርን” ምዃኑ ዝተነግረና። ብዛዕባ’ቲ ብወንጌል ዝተገልጸ ሕርየትን ጸጋን ናይ ኣምላኽ ብዙሕ ድሕሪ ምግላጹ፡ ቅዱስ ጳውሎስ፦
“ወዳጀ! መዓሙቕ ሃብቲ ኣምላኽ ጥበቡን ፍልጠቱን፡ ክንደይ ዘይምርመር ኰታ’ዩ ፍርዱ!! ክንደይ ብኣሰረ-ኣሰር ዘይርከብከ’ዩ መገዱ!! ሓሳብ እግዚኣብሄር ዚፈልጥ መን’ዩ፧ ወይስ መን’ዩ ዘማኸሮ፧ መንከ’ዩ ቐደም ገለ ዝሃቦ’ሞ ዚፍደዮ፧ ኵሉ ኻብኡ’ዩ። ብእኡን ንእኡን ድማ’ዩ፡ ንእኡ ንዘለኣለም ክብር ይኹኖ፡ ኣሜን።” ብምባል፡ ተኣሚኑ’ሎ (ሮሜ 11፡33-36)። ወንጌል ናይ ብሓዊ ንዘበርሃሉ ሰብ፡ ተስፋ ወንጌል ናይ ዘለኣለም ህይወት’ዩ። እቲ ኻልእ ኵሉ ሰብ፡ ተስፋታት፡ ኣብ ዙርያ’ዚ ዓብይን ነባርን ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚዓስል’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ንቲቶስ ወዱ፡
“ካብ ጳውሎስ ኣገልጋሊ ኣምላኽን ሃዋርያ ኢየሱስ ክርስቶስን ንእምነት ናይ’ቶም ሕሩያት ኣምላኽ ኪሃንጽን፡ ነቲ ናብ ቅድስና ዜብጽሕ ፍልጠት-ሓቂ ኺሰብኽን ዝተጸውዐ። እዚ እምነት’ዝን እዚ (ፍልጠት ሓቂ’ዝን)፡ እቲ ዘይሕስው ኣምላኽ ቅድሚ ምጅማር ዘመናት ዘተስፈዎ ናይ ዘለኣለም ህይወት’ዩ። ጊዜኡ ምስ በጽሐ ኸኣ፡ ብትእዛዝ ናይ’ቲ መድሓኒና ዝዀነ ኣምላኽ (በቲ) ንኣይ ሕድሪ ዝሃበኒ ስብከት ገይሩ ንቓሉ (ንወንጌል) ገለጾ።” ብምባል ኣመልኪቱና ኣሎ (ቲቶ 1፡1-3 ካ.ት)። ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ብስፍሓትን ብምልኣትን ዝተገልጸ ብቕዱስ ወንጌል’ዩ። ኣብ ገለ ገለ ኣጋጣሚታት ብዝተጠቕሰ ኣፈናዊ ሓበሬታት እንተ ዘይኰይኑ፡ ኣብ ብሉይ ኪዳን ብዛዕባ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ብግሁድ ዝተዋህበ ሓበሬታ ኣሎ ኺበሃል ኣይከኣልን’ዩ። ብዛዕባ ትንሳኤ ሙታንን ናይ ዘለኣለም ህይወትን ዝተዋህበ ተስፋ ናይ ትንቢት ዳንኤል፦
“በታ ጊዜ’ቲኣስ፡ ካብ ህዝብኻ እስራኤል እቶም ኣብ መጽሓፍ (ናይ) እግዚኣብሄር ዝተጻሕፉ ዘበሉ ኺድሕኑ’ዮም። እቶም (ኣብ ምድሪ ደቂሶም ዘለው (እቶም ዝሞቱ) ኪትንስኡ’ዮም። (ካብ’ቶም ዝተንስኡ) ገሊኦም ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት፡ ገሊኦም ከኣ ናብ ሕፍረትን ናብ ናይ ዘለኣለም ነውርን ኪኸዱ’ዮም።” ብዚብል ቃል ተገሊጹ ኣሎ (ዳን 12፡1,2 ካ.ት)። ኣብ ወንጌል ግና፡ “ኣብ ነፍሲ ወከፍ መጽሓፍን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገጽን ናይ ዘለኣለም ህይወት ቃል ተስፋ ኣሎ” ኪበሃል ብዚከኣል መጠን ብብዝሒ ተገሊጹ ኣሎ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ናይ ዘለኣለም ህይወት፡ “ተስፋ ወንጌል” ተባሂሉ ዚጽዋዕ። ጐይታና ኣገልግሎቱ ኻብ ዝጀመረሉ ጊዜ ኣትሒዙ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህብ ከም ዝመጸ ኣዘውቲሩ ይምህርን የተስፍውን ነበረ። ጐይታ ተሰቒሉ ዝሞተሉ፡ ኣምላኽ ነቲ ሓደ ወዱ በጃ ዝሃበሉ ዕላማ፡ ዝኣመነ ዅሉ፡ “ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረክብ’ምበር፡ ከይጠፍእ” ኢሉ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ተጻሒፉልና ኣሎ (ዮሃ 3፡15,16 ፣ 6፡39,40) ስለ’ዚ ድማ ጐይታና፦ “እቲ ብኣይ ዚኣምን ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘላቶ፡ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። . . . ኣነ ግና (ኣባጊዐይ) ህይወት ምስ ተረፉ (ህይወት ብምልኣት ምእንቲ ኺረኽባ)’የ ዝመጻእኩ። “ ኢሉ ነቲ ናይ ወንጌሉ ተስፋ ኣበሰረና (ዮሃ 6፡47 ፣ 10፡10)። ቅዱስ ጳውሎስ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ብኸመይ ከም ዝተጋህደ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ።
“(እግዚኣብሄር ኣቦ) ብግብሪ ዘይኰነስ፡ ብፍቓዱን በቲ ዘመናት ቅድሚ ምጅማሩ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝተዋህበና ጸጋን ኣድሓነና። እዚ (ቕድሚ ምስራት ዓለም ዝተዋህበና) ጸጋ’ዚ ብምምጻእ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ተገልጸ። (ኢየሱስ ክርስቶስ) ንሞት ስዒሩ ንህይወትን ንዘይሙማትን ብወንጌል ናብ ብርሃን ኣውጽኦ (ብወንጌል ኣተስፈዎ)። ኣነ ኸኣ ናይ’ዚ ወንጌል’ዚ ኣዋጅን ሃዋርያን መምህርን ክኸውን (ብክርስቶስ) ተሸምኩ።” 2ጢሞ 1፡9-11 ካ.ት
ቅዱስ ጳውሎስ፡ “ህይወትን ዘይሙማትን” ዚብሎ ዘሎ፡ ነቲ ናይ ዘለኣለማዊ ህይወት’ዩ። ምኽንያቱ ዘለኣለማዊ ህይወት ማለት “ናይ ዕድመ ደረትን ሙማትን “ዘይብሉ ህይወት” ማለት’ዩ። እዛ ናይ ዘለኣለም ህይወት’ዚ ክርስቶስ ጐይታና ብስጋ ምስ ተወልደን ተሰቒሉ ምስ ተንስአን ዝተዋህበት ሓዳስ ነገር ኣይኰነትን። ቅድሚ ምፍጣር ዓለም፡ ቅድሚ ምጅማር ዘመናት ብክርስቶስ ኢየሱስ ድሮ ተዋሂባ ዝነበረት’ያ። እቲ ንኣና እትገሃደሉ ምዱብ ጊዜ ግና ገና ስለ ዘይኣኸለ፡ ኣምላኽ ጥራሕ ዚፈልጣ ምስጢር ኰይና ኣብ ሰማይ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ተሰዊራ ነበረት፡ እግዚኣብሄር ወልድ፡ እቲ ዘይርአን ዘይቅረብን፡ ንርእሱ ምስጢር ዝዀነ ኣምላኽ ብተዋህዶ ናይ ስጋን መለኮትን፡ ፍጹም ሰብ ኰይኑ ኣብ ማእከልና ምስ ተጋህደ ግን፡ እታ ተሰዊራ ዝጸንሐት ናይ ዘለኣለም ህይወት’ውን ምስኡ ተጋህደትልና። ብእኡ ምስ ኣመንና ኸኣ ብኡንብኡ ተዋህበትና። ምኽንያቱ እታ ንእኡ ምፍላጥ ንበይና’ውን ናይ ዘለኣለም ህይወት ምዃና፡ ጐይታና ባዕሉ፦ “ዎ ኣቦ፡ እታ (ምድብቲ) ጊዜ ሕጂ በጺሓ። ነዞም (ንስኻ) ዝሃብካዮ ዅላቶም ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺህቦምሲ፡ ንወድኻ ኣብ ልዕሊ ስጋ (ዝለበሰ ዅሉ) ምልኪ ሂብካዮ ኢኻ፡ . . . ። ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን፡ ነቲ ዝለኣኽካዮ ኢየሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ’ያ።” ብምባል ኣፍሊጡና’ዩ (ዮሃ 17፡1-3)። እቲ ናይ ቲቶ 1፡1-3 መልእኽቲ’ውን ነዚ ሓቂ’ዚ ኸም ዘረጋገጸልና ኣይንረስዕ። ስለ’ዚ ንጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብምልኣት ምስ ፈለጥናዮን ምስ ኣመንናዮን፡ ብኡንብኡ እታ ቕድሚ ምፍጣር ዓለም ዝተዋህበትና፡ ብምምጻእ ክርስቶስ ከኣ ዝተጋህደትን ኣባና ዝበጽሐትን ናይ ዘለኣለም ህይወት ተቐቢልናያ ኣለና ማለት’ዩ። እቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ ናይ ዮሃ 6፡47 ጥቕሲ ኣይንረስዕ። “ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ”’ምበር፡ “ኣብ መጻኢ ኽትህልዎ’ያ” ኣይብለናን (ዮሃ 3፡36)። ቅዱስ ጴጥሮስ “እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ” ኺብል ከሎ ብዛዕባ’ታ ኣባና ዘላ ናይ ዘለኣለም ህይወት’ዩ ዝተዛረበ (1ጴጥ 3፡15)። ቅዱስ ጳውሎስ ድማ ንጢሞቴዎስ ወዱ፡
“ጽቡቕ ገድሊ እምነት ተጋደል፡ ነታ እተጸዋዕካላ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ምስክር’ውን ጽቡቕ ምእማን ዝተኣመንካላ (ኣባኻ ዘላ) ህይወት ዘለኣለም ሓዛ።” ብምባል ምዒድዎ ኣሎ (1ጢሞ 6፡12)። እንተ ዘይትወሃቦን ኣብኡ እንተ ዘይትነብር “ሓዛ” ኢሉ ምምዓዱ ትርጕም ኣይምሃለዎን ነይሩ። ብዛዕባ’ዚ ሓቂ’ዚ ኣነጺሩ ዘብረሃልና ግን ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ’ዩ።
ኣምላኽ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዝሃበና፡ እቲ ምስክር (ናይ ኣምላኽ እዚ’ዩ’ሞ፡ እዛ ህይወት’ዚኣ ኣብ ወዱ ኣላ። እቲ (ወልድ) ዘለዎ (ናይ ዘለኣለም) ህይወት ኣላቶ፡ ወዲ ኣምላኽ ዘይብሉ ግና (ናይ ዘለኣለም) ህይወት የብሉን። ንኣኻትኩም ብስም ወዲ ኣምላኽ ትኣምኑ ንዘለኹም፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘላትኩም ምእንቲ ኽትፈልጡ ኢለ’የ እዚ ጽሒፈልኩም ዘለኹ።” 1ዮሃ 5፡11-13
ነዚ ተስፋ ወንጌል’ዚ ኽንስእኖን ክንከስሮን ተኽእሎ ኣሎ’ዶ፧ ብኸመይ ኢናኸ ክንስእኖ ‘ንኽእል፧ መሪሕ ጥቕስና ኣነጺሩ መሊሱልና ኣሎ። ነዚ ተስፋ ወንጌል’ዚ ኽሳዕ ዕለተ ሞትና ኣጽኒዕና እንተ ሓሊናዮ፡ ድሕሪ ሞትና ኣብ ዘሎ ዘለኣለማዊ ዘመን ናትና ዀይኑ ኺነብር’ዩ። ከም’ቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝበሎ፡ ኣጽኒዕና እንተ ዘይሓዝናዮ ግን ክንምንዛዕን ክንስእኖን ንኽእል ኢና (ራእ 2፡25 ፣ 3፡11)። መሪሕ ጥቕስና ጠቒሱልና ኸም ዘሎ፡ ኣብ እምነትና ጸኒዕና፡ ከይተነቓነቕና ተሰሪትናን ደልዲልናን እንተ ነበርና። እታ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣባና ጸኒዓ ኽትነብር’ያ። ኣብ እምነትና ጸኒዕና ኸም ዘለና ዚፍለጥ ከኣ ኣበርን ነቐፋን ዘይርከቦም ቅዱሳት ሰባት ናብ ምዃን እንተ ዓቢና ጥራሕ’ዩ። ኣበር እንተ ኣብዚሕና ብኸመይ ነታ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ‘ንኸስራ፡ ቅዱስ ዮሃንስ፦
“ንሕና፡ ነሕዋት ነፍቅሮም ስለ ዝዀንና፡ ካብ ሞትሲ ናብ ህይወት ከም እተሳገርና፡ ንፈልጥ ኣሎና። እቲ ዘየፍቅር ግና ኣብ ሞት ይነብር። ንሓዉ ዚጸልእ ዘበለ ዅሉ ቐታል ነፍሲ እዩ። ቀታል ነፍሲ ዝዀነ ዅሉ ድማ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣብኡ ኸም ዘይትነብር፡ ትፈልጡ ኢኹም።” ብምባል ኣብሪሁልና ኣሎ (1ዮሃ 3፡14,15)። ፍቕሪ ደርቢና ጽልኢ ኽንሕንገጥ ከለና፡ እታ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣባና ኽትነብር ዜኽእላ ዅነታት ስለ ዝተበላሸወ፡ ኣበርን መንቅብን ስለ ዝበዝሐ፡ ሓዲጋትና ትርሕቕ’ሞ፡ ደቂ ሞት ደቂ ጥፍኣት ኴንና ንተርፍ። ምኽንያቱ ኸይተረድኣና ነቲ ብጻይና ጥራሕ ዘይኰነ፡ ነቲ “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ” ኢሉ ዝኣዘዘና ወንጌል’ውን ጸሊእናዮስ ረጊጽናዮ ኣብ ልዕሊኡ ደው ኢልና ኣለና። ወንጌል ኣብ ዘይብሉ ኸኣ ወልድ የለን፡ ወልድ ኣብ ዘይብሉ ድማ ናይ ዘለኣለም ህይወት የለን። ንናይ ዘለኣለም ህይወት ብኢዳ ወይ ብእግራ ኣይኰንና ‘ንሕዛ። ነቲ ቕዱስ ወንጌል ዝኣዘዘና ቅዱስ ትእዛዛት ብምኽባር ጥራሕ ኢና ኣጽኒዕና ኽንሕዛ ንኽእል።
እምበኣር ንተስፋ ወንጌል ከም ዝረኸብናያን ኣጽኒዕና ሒዝናያን ምህላውናን ነረጋግጽን ርእስና ንመርምርን። ብዘይ ተስፋ ወንጌል፡ ብዘይ ህይወት ዘለኣለም ምንባር ማለት፡ ገና ብህይወት ከለኻ ውሉድ ገሃነም ውሉድ ሞት ምዃን ማለት’ዩ። ጐይታና ድማ ነዛ ተስፋን ህይወትን’ዚኣ ምእንቲ ኺህበና’ዩ፡ ንርእሱ ህይወት ክነሱ ምእንታና ዝሞተ። በረኸት ናይ ሞቱን ህይወቱን’ምበር፡ ዕዳ ደሙን ሞቱን ከይንጸውር ብተስፋ ወንጌል ሃብታማት ንኹን!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
24 ሕዳር 2024 | ሕዳር 15, 2016 ግዕዝ (መበል 11 ሰንበት: ቊ.፲፩/11) |
||
ምስባክ መዝ.፻፴፬(፻፴፭)፡፮ “እስመ አነ አእመርኩ ከም ዓቢይ እግዚአብሔር። ወአምላክነሂ እምኵሉ አማልክት።ኵሎ ዘፈቀደ ገብረ እግዚአብሔር።” ዓዲ፡ መዝ.፻፲፫(፻፲፭)፣፫ “አምላክነሰ ውስተ ሰማይ ላዕለ። በሰማይኒ ወበምድርኒ።ኵሎ ዘፈቀደ ገብረ እግዚአብሔር።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
ቈሎ 1፡21-ፍጻመ |
ዲያቆን |
|
1ጴጥ 1፡13-21 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 19፡27-ፍጻመ |
ንፍቅ ካህን |
|
ዮሃ 5፡17-27 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ዘአትናቴዎስ | መዝሙር፦ ሎቱ ስብሐት |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ