“(ንሳኦል ካብ ስልጣኑ) ምስ ሰዓሮ ድማ፡ ንጉስ ኪኸውን ንዳዊት ኣተንስኣሎም፡ ‘ዳዊት ወዲ እሴይ ኵሉ ፍቓደይ ዚገብር ሰብኣይ ዝኸም ልበይ ረኸብኩ’ ኢሉ ኸኣ መስከረሉ። . . . ዳዊት ብዘመኑ ንፍቓድ ኣምላኽ ምስ ኣገልገለ ዓረፈ፡ . . . ።” ግብ 13፡22,36
እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ሳልሳይ ሰንበት ናይ ዘመነ ኣስተርእዮ’ዩ። ነዚ ዕለት’ዚ ብቕዱስ ያሬድ ዝተደርሰ መዝሙር ሰንበት ከኣ “እሙነ ኮነ ልደቱ” ዘርእስቱ’ዩ። እዚ መዝሙር’ዚ ናይ መድሓኒና ክርስቶስ ልደት ክዉን ከም ዝዀነ (ከም ዝተፈጸመ)፡ እቲ ብመላእኽቲ ዝተመስገነ ክርስቶስ ካብ ሰማያት ከም ዝወረደ ካብ ማርያም ከም ዝተወልደ፡ ኣብ ቤተልሄም ተወሊዱ ኣብ ናዝሬት ከም ዝዓበየ ብግህዶ ከም ዝተራእየ፡ ንሱ ኣኽሊል ሰማእታት፡ መድሓኒ ነገስታት፡ ጓሳ ኣህዛብ ከም ዝዀነ፡ ንመድሓኒና ክርስቶስ ልደቱ ኽዉን፡ ምምጽኡ ድማ ብርሃን ከም ዝዀነ ዚገልጽ’ዩ። ነዚ ዕለት’ዚ ዝተሰርዐ ናይ ሉቃ 2፡41-52 ንባብ ቅዱስ ወንጌል ድማ፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ መበል 12 ዓመት ዕድሚኡ ምስ ስድራ ቤቱ ናብ ኢየሩሳሌም ዝኸደሉን ዅሉ’ቲ ሽዑ ዝተኸሰተ ፍጻመታትን ዚትርኽ ክፍሊ’ዩ። እዚ ታሪኽ’ዚ ናይ ቅድመ ጥምቀት ፍጻመ’ኳ እንተ ዀነ፡ መንነቱ ዘግሃደሉ ኣገዳሲ ፍጻመ ስለ ዝዀነ ኺጥቀስ ዚግብኦ’ዩ። ወዲ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ቈልዓ ዀይኑ፡ ከም መዛኑኡ ኺጻወት ዘይኰነ፡ ኣብ ማእከል ሊቃውንቲ ዀይኑ ኪሰምዕን ኪሓትትን መረጸ። እቶም ዝሰምዕዎ ዅላቶም፡ በቲ ዝተዓዘብዎ ምስትውዓሉን በቲ ዝሰምዕዎ መልሱን ኣዝዮም ተገረሙ። በዛ ተግባር’ዚኣ፡ ነቶም ዝተዓዘብዎ ዅላቶም፡ ተራ ቘልዓ ዘይምዃኑ፡ ከም ዚረኣዮም ገይሩ’ዩ። ከይተዀልፈ ምስኣቶም ዝርርቡ እንተ ዚቕጽል ነይሩ፡ እቶም ሰማዕቱ ብዛዕባኡ ናብ ዝሓሸ መደምደምታ ኺበጽሑ ምኸኣሉ ነይሮም። እቲ ብዛዕባ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝነበሮ ፍልጠት፡ ነዚኣቶም ጥራሕ ዘይኰነስ ንኻልኦት ብዙሓት’ውን የስተንክር ከም ዝነበረ፡ ቅዱስ ወንጌል መስኪሩልና ኣሎ። ሓደ እዋን ኣብ ቤት መቕደስ እናመሃረ ኸሎ፡ እቶም ብትምህርቱ ዝተገረሙ ሰባት፡ “እዝስ ከይተማህረ ኸመይ ገይሩ ጽሑፋት ይፈልጥ፧” እናበሉ ኣስተንከሩ (ዮሃ 7፡15)። ናብ ከባቢ ዓዱ (ናብ ናዝሬት) መጺኡ ብዙሕ ተኣምራት ምስ ገበረን ብዙሕ ምስ መሃረን፡ እቶም ሰማዕቱ ኣዝዮም ተገረሙ፡ እቲ ምግራሞም ድማ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ተገሊጹ’ሎ።
“ነዚ ጥበብ’ዚ፡ ነዚ ሓይሊ’ዚኸ ካበይ ረኸቦ፧ እዝስ ወዲ’ቲ ጸራቢ (ዮሴፍዶ) ኣይኰነን። . . . እዚ ዅሉ ደኣ ኻበይ ተዋህቦ” ኢሎም ክሳዕ ዚግረሙ፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም መሃሮም።” ማቴ 13፡54-56
ነዚ ሕቶ’ዚ ብናይ ንዕቀት ስምዒት’ምበር ብቕንዕና ስለ ዘይሓተትዎ፡ ናብ ቅኑዕ መደምደምታ ኼብጽሖም ኣይከኣለን። ብቕኑዕ ሕልና ዘልዓልዎ ሕቶ እንተ ዚኸውን ግን፡ ናብ ምሉእ ብርሃን ዜብጽሕ ኣገዳሲ ሕቶ’ዩ። ካብ’ዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌልን፡ ካብ’ዚ ዝተጠቕሰ ክፍልታት ወንጌልን ከም ‘ንርድኦ’ምበር፡ ፍልጠቱ ዀነ ኣስተምህሮኡ፡ ብዛዕባኡ ንጹር ኣስተርእዮ (ምግላጽ) ከም ዚህቡ ኸነስተውዕል ንኽእል ኢና።
ሰባት ኪዛረብዎ ኸለው ዚህቦ ዝነበረ መልሲ’ውን ብዛዕባ መንነቱ ንጹር ኣስተርእዮ ይህብ ከም ዝነበረ፡ ንባብና ገሊጹልና ኣሎ። ናይ ኢየሩሳሌም ንግደቶም ወዲኦም ኪምለሱ ኸለዉ፡ ጐይታና ምስ’ቶም ሊቃውንቲ ስለ ዝተረፈ፡ ተመሊሶም ንኺረኽብዎ፡ ኣስታት ሰለስተ መዓልቲ ወሰደሎም። ከም ወላዲት መጠን፡ “ስለምንታይ ከም’ዚ ገበርካና፧ እናጐሃና ንደልየካ ኔርና” ምስ በለቶ ዝሃቦ፦
“ንምንታይ’ሞ ‘ትደልዩኒ፧ ኣብ’ቲ ናይ ኣቦይ ዘበለ ክኸውን ከም ዚግብኣኒዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧” ዚብል መልሲ፡ ብዛዕባ’ቲ ቅድስቲ ወላዲቱን ቅዱስ ዮሴፍን ኣጸቢቖም ዚፈልጥዎ መለኮታዊ መንነቱ ኣስተርእዮ ንምሃብ ዘልዓሎ ሕቶ’ዩ። ነቲ ምስጢር ኣጸቢቖም ዚፈልጥዎ ኽነሶም’ኳ፡ ነቲ ዘረባኡ ኸም ዘየስተውዓልዎ ቅዱስ ሉቃስ ወንጌላዊ ጠቒሱ ኣሎ። እዚ ናይ’ዚ ዕለትዚ መዝሙር ቅዱስ ያሬድ፡ “ወአስተርአየ ገሃደ” ኸም ዝበለ፡ ብመልሱ፡ ብትምህርቱ፡ ብተኣምራቱ ዀነ ብኻልእ ኵሉ ግብሩ፡ ነቲ ብስጋ ዝተኸወለ መለኮትነቱ የስተርእይን የግህድን ነበረ። እቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ምስባኽ’ውን፡ “እግዚኣብሄር እግዚእ አስተርአየ ለነ” ዚብል ምስ ትምህርትናን ዘመንናን ዚሰማማዕ ትሕዝቶ ዘለዎ’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን ካብ’ቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝሃቦ ትምህርቲ ናይ ግብሪ ሃዋርያት ንባብና ዝተወስደ’ዩ።
እግዚኣብሄር ንንጉስ ዳዊት “ከም ልበይ” ኢሉ ዝመስከረሉ ንምንታይ’ዩ፧ ድኹም ስጋ-ለበሰ ፍጥረት፡ ከም ልቢ ኣምላኽ ክሳዕ ምዃን ኪዓብይ ይኽእል ድዩ፧ ብዘይ ዝዀነ ጥርጥር፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ ኪበጽሖ ዚኽእል ንቡር ደረጃ’ዩ። ምኽንያቱ ሰብ ገና ኺፍጠር ከሎ፡ ነዚ ዝዓይነቱ ከም ልቢ ኣምላኽ ናይ ምዃን ልዑል ደረጃ ተዓዲልዎ ዝተፈጥረ’ዩ። ናይ’ዚ ኣበሃህላ’ዚ ሓቅነት ድማ ኣብ’ቲ፦
“ኣምላኽ ከኣ፡ ‘ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበር . . . ‘ በለ። ኣምላኽ ድማ፡ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ፡ ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ። ተባዕታይን ኣንስታይን ገይሩ ፈጠሮም። ኣምላኽ ከኣ ባረኾም።” ዚብል ቃል ተጋሂዱን ተረጋጊጹን ኣሎ (ዘፍ 1፡26-28)። ኣምላኽ ብባህርዩ ረቂቕ መንፈስ፡ ንሕና ግን፡ ብተፈጥሮና ግዙፍ ስጋ ስለ ዝዀንና፡ ምምስሳልና ብኣካላዊ መልክዕን ቍመናን ኪኸውን ከም ዘይክእል፡ መግለጺ ዘየድልዮ ርዱእ ሓቂ’ዩ። እቲ ብምስልን መልክዕን ምምስሳልና’ምበኣር፡ መንፈሳዊ ናይ ባህርይ ምምስሳል’ዩ። እዚ ምምስሳል’ዚ ተፈጥራዊ ትዕድልትና ስለ ዝዀነ፡ ዝዀነ ዓይነት ትእዛዝን መምርሕን ከየድለየና፡ ካብ ኣምላኽ እንፍለየሉ ዝዀነ ይኹን ባህርይን ግብርን ዘይብልና ኽንከውን’ዩ ዚግባእ። ብምስልን መልክዕን ናይ ኣምላኽ ንዝተፈጥረ ሰብ፡ ንኣምላኽ ምምሳል፡ ኣምላኽ ዚደልዮ ምፍላጥ፡ ኣምላኽ ዝኣዘዞ ምግባር ኬጽልኦ ኪኸብዶ ኣይክእልን፡ ኣይግባእን ከኣ’ዩ። ብኣንጻሩ ነቲ ኣምላኽ ዚጸልኦ ምፍታው፡ ኣምላኽ ዝኸልከሎ ምግባር’ዩ ኣዝዩ ኪኸብዶ ዚግባእ። ይትረፍ ባዕሉ ፈትዩን መሪጹን ኪገብሮ፡ “ግበሮ” እናበለ ብምፍርራህን ብመከራን ስቓይን ብምስግዳድን ኪስሕቶ ንዚፍትን’ኳ ኪእዘዞ ኣይግባእን’ዩ። ምኽንያቱ ብመልክዕን ምስልን ናይ ኣምላኽ ንዝተፈጥረ ክቡር ሰብ፡ መልክዕን ምስልን ናይ ኣጋንንቲ ምልባስ፡ ካብ ሞትን ስቓይን ናይ ስጋ ዝኸፍአ ውርደት’ዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ነቶም ንናቱ መልክዕን ምስልን ንዒቖም፡ ፍቓዱ ብምግሃስ ነጋንንቲ ኺመስሉ ዝመረጹ ሰባት ካብ ገጹ ኣርሒቑ ናብ’ቲ ስፍራ ዲያብሎስን ኣጋንንቱን፡ ናብ ገሃነም ይድርብዮም። ፍቓድ ኣምላኽ ከይትገብር፡ ከም ልቢ ኣምላኽ ከይትኸውን ምምራጽ ማለት፡ ዝሓሸ ገዲፍካ ነቲ ዝገደደ፡ ዝቐለለ ገዲፍካ ነቲ ዝኸበደ ምምራጽ ዝዓይነቱ ናይ ዕሽነትን ድንቍርናን ምርጫ’ዩ።
ቅዱስ ዳዊት ድማ፡ ነዚ “ከም ልቢ ኣምላኽ ምዃን” ኪዕወተሉ ዝኸኣለ፡ ካባና ዝተፈልየ ፍሉይ ፍጥረት ስለ ዝዀነ ኣይኰነን። መልክዑ ዘለለየ፡ ትዕድልቱ ዝፈለጠ፡ ምርጫኡ ዘጸበቐ ሰብ ስለ ዝዀነ ጥራሕ’ዩ ኺዕወት ዝኸኣለ። እዚ ምስትውዓል’ዚ ንዅላትና ብማዕረ ዝተዓደለ ህያብ’ዩ። ኣብ’ዚ ዘለናዮ ምዕቡል ዘመን፡ ነቲ ተፈጥራዊ መልክዕካ እንተ ዘይተቐቢልካዮን እንተ ዘይፈቲኻዮን፡ መልክዕካ ለዊጥካ ካልእ ሰብ ናይ ምምሳል ተኽእሎታት (ዕድላት) ተኸሲቱ ኣሎ። ዘይናትካ ኣርቲፊሻል ጸጕሪ፡ ዝተፈላለዩ ዓይነት መድሃኒታትን ሕብርታትን ምጥቃም፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ከከም ዓቕሚ ገንዘብካ ብመጥባሕቲ (Plastic surgery) ካልእ መልክዕን ቅርጽን ናይ ምውናን ዝምባለታት ይገንን ኣሎ። እዚ ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ንኣምላኽ ክትመስል ናይ ዘይምድላይ ዝንባለ ድማ፡ ልክዕ ከም’ዚ ዝጠቐስናዮ መልክዕካን ቍመናኻን ናይ ምቕያር ፈተነ’ዩ። ንኣምላኽ ምምሳል ኣጽሊኡናስ፡ ብሓገዝ ርኹሳት መናፍስቲ፡ ንድያብሎስ ናይ ምምሳል እኩይ ፈተነ’ዩ። ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዝተዋህበና ባህርያዊ ትዕድልቲ ግን፡ ቅዱስ ጳውሎስ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ።
“እቶም ሕጊ ሙሴ ዘይብሎም ኣህዛብ፡ ነቲ ኣብ ሕጊ (ሙሴ) ዘሎ (ትእዛዛት) ብባህርዮም ተደሪኾም ካብ ዚገብርዎስ፡ ንሳቶም ሕጊ ሙሴ እንተ ዘይብሎም’ኳ ንርእሶም ሕጊ’ዮም። በዚ ኸኣ ንሳቶም ሕልናኦም እናመስከረሎም፡ ሓሳቦም’ውን ሓንሳእ እናወቐሶም ሓንሳእ’ውን እናደገፎም ንሓድሕዱ እናተኻሰሰ ወይስ እናተኸላኸለ) እቲ ግብሪ ሕጊ ኣብ ልቦም ጽሑፍ ምዃኑ የርእዩ ኣለው።” ሮሜ 2፡14,15 ካ.ት
እዚ ቓል’ዚ ሕጊ ኣምላኽ ኣብ ልብና ኣብ ሕልናና ጽሑፍ ምዃኑ’ዩ ዜረጋግጸልና ዘሎ። እዚ ኸኣ ገና ኽንፍጠር ወይ ክንውለድ ከለና ኣትሒዙ ዝተጻሕፈ’ዩ። ነዚ ሕልናና’ዚ ምስማዕ ምስ ኣበናዮ’ዩ፡ እግዚኣብሄር ነቲ ሕጊ ጽሒፉ ብኢድ ሙሴ ገይሩ ዝሃበና። እቲ ምስ ኣምላኽ ዜመሳስለና መልክዕና ድማ፡ እቲ ሕጊ ኣምላኽ ዘለዎ ሕልናና’ዩ። እቲ ኣምላኽ ዚደልዮን ዚጸልኦን፡ ኣብ ባህርይና ዝሰረጸ ናይ ገዛእ ርእስና ባህርይ’ውን’ዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ክንፍጠር ከለና ኣትሒዝና፡ ፍቓድ ኣምላኽ ጥራሕ ንምግባር፡ ባህርይ ኣምላኽ ጥራሕ ንምንጽብራቕ ኢና ዝተፈጠርና። ንሕና ደቂ ሰባት ብሓጢኣት ምስ ዲያብሎስ ምስ ተዳቐልና ግን፡ ንፍቓድ ኣምላኽ ነውርና፡ ንፍቓድ ስጋናን ንፍቓድ ሰይጣንን ምግልጋል ግን ክብረትናን ንቡርናን ጌርናዮ ንርከብ። ከም ‘ኒ ቅዱስ ዳዊትን ንእኡ ዚመስል ኻልኦት ቅዱሳን ግን፡ ነቲ መበቈላውን (Original) ባህርያውን ትዕድልቶም ስለ ዝዓቀብዎ፡ ኣምላኽ “ዝኸም ልበይ” ኢሉ ኽሳዕ ዜኽብሮም፡ ንፍቓድ ርእሶም መስዋእቲ ብምግባር፡ ንፍቓድ ኣምላኽ ተገዝኡን ኣገልገሉን።
ንፍቓድ ኣምላኽ ከይንቕበሎን ከይንገብሮን እቲ ውሽጥና ‘እምቢ’ ኢሉ ዚኣብየና ደኣ ንምንታይ’ዩ፧ እንታይ፡ዩ ዚዕንቅፈና ዘሎ፧ ተፈጥራውን ባህርያውን ዝዀነ ሒዝናዮ ዝተወለድናን ዕንቅፋት የብልናን። ኣብ ገነት ኤደን ግን ነቶም ቀዳሞት ወለድና፡ ንኣዳምን ሄዋንን፡ ሓደ ፈተናን መኻልፍን ኣጋጢምዎም ነበረ። ሳጥናኤል ዝተባህለ መልኣኽ፡ ሓደ ኻብ’ቶም ንዝፋን ኣምላኽ ዜጽልሉ ኪሩቤል’ዩ ዝነበረ። እንተ ዀነ ብመልክዑን ብጥበቡን ብሓይሉን ካብ’ቶም ካልኦት መላእኽቲ ኸም ዚበልጽ ምስ ረኣየ፡ ልቡ እምብዛ ተዓበየ’ሞ፡ “ኣነ ኣምላኽ’የ፡ ኣብ ዝፋን ኣምላኽ ድማ ተቐሚጠ ኣለኹ” ኢሉ ብትዕቢት ተዛረበ፡ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ድማ ዓለወ፡ ኣምላኽ ድማ ንእኡን ነቶም ዝሰዓብዎ መላእኽትን፡ ካብ መንግስቱ ኣውጺኡ ከም ርኹሳት ደርበዮም (ህዝ 28፡2,12-18 ፣ ኢሳ 14፡12-15)። ስለ’ዚ ድማ እቲ ናይ ማዕርግ ስሙ ተለዊጡ፡ “ሰይጣን፡ ድያብሎስ፡ ኣባዶን፡ ኣፋልዮን” ኰነ፡ መላእኽቱ ድማ “ኣጋንንቲ ተባህሉ (ራእ 9፡11 ፣ 12፡7-9 ፣ 20፡1,2)። እዚ ሰይጣን’ዚ፡ ከም’ቲ ንሱ ኣብ’ታ ቕድስቲ ቦታ፡ ኣብ ሰማያዊት ቅድስተ ቅዱሳን ኰይኑ ዝዓለወን ዝሓጥአን፡ ነቲ ብመልክዕን ምስልን ናይ ኣምላኽ ዝተፈጥረ ሰብ ኣብ’ታ ቅድስቲ ቦታ፡ ኣብ ገነት ኣምላኽ ከሎ ኬስሕቶ’ሞ፡ ካብ ገነት ኬስጕጎን ኬደርብዮን ተላዕለ። እዛ መሳቲት ጥበቡ’ዚኣ ድማ፡ ልክዕ’ታ ናቱ ኣተሓሳስባ ናብ ሰብ ከም ‘ትሰርጽ ምግባር ኰነ። ንፍቓድ ኣምላኽ ብምግሃስ፡ ንሕጊ ኣምላኽ ብምጥሓስ፡ ንርእሶም ኣማልኽቲ ኪዀኑ ከም ዚኽእሉ ኣእመኖም። ንሳቶም ድማ፡ “ሕጊ ኣምላኽ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኣፍሪስካ ኣምላኽ ኪኽወን ዚከኣል እንተ ዚኸውን፡ ንምንታይ’ቲ ፈታኒኦም ሕጊ ኣምላኽ ስለ ዘፍረስ ኣምላኽ ዘይኰነ፧” ዚብል ሕቶ ኺሓትቱን ነቲ እኩይ መፈንጠራኡ ኼፍሽልዎን ምተገብኦምን ምኸኣሉን ነይሮም። ንሳቶም ግን ብዕሽነቶም ነቲ ፍሽለቱ ዝተረጋገጸ ሰይጣናዊ ሜላ ኺፍትንዎ መረጹ። ምስ ፈተንዎ ድማ ኵሉ ሳዕቤናት ናይ’ቲ ዕልወቶም ኣብ ህይወቶም ተጋህደ፡ ካብ ገነት ተሰጕጎም ድማ ናብ’ዛ ብሰሮም ዝተረግመት ምድሪ ጸበባ ኣተው።
በዚ ፈተናኡ’ዚ ሰይጣን ነቲ ብኣምላኽ ዝተዓደለና ናይ ነጻ ምርጫን ነጻ ፍቓድን ክቡር ትዕድልቲ’ዩ መዝሚዝዎ። እግዚኣብሄር ነዚ ናይ ነጻ ምርጫን ፍቓድን ስልጣን’ዚ ንሰብ ዝሃበሉ ዕላማ ኣዝዩ ሰናይ’ዩ። ካብ’ቲ ልኡላዊ ባህርዩ ዝመቐለና፡ ነቲ ፍቓዱ ተገዲድና ዘይኰነስ ፈቲና ኽንግዝኦ’ሞ፡ ብእኡ ድማ ኣዝዩ ብሉጽ ክብሪ ኽንረኽበሉ ኢሉ’ዩ። ካብ’ዚ ባህርዩ’ዚ እንተ ዘይመቕለና፡ ልክዕ ከም ኣድገ በቕሊ፡ ከም ጤለ በጊዕ፡ ከም ዝዀነ ኻልእ በሃም እንስሳ ዄንና ምተረፍና ኔርና። እንስሳ፡ ካብ ኣምላኽ፡ ዝዀነ ዓይነት ባህርይ ስለ ዘይተመቕሉ፡ ፍርዲ የብሎምን፡ ዓስቢ ኸኣ የብሎምን። ናይ እንስሳ ተፈጥሮ ብደረጃኡ ኻብ ናይ ሰብ ኣዝዩ ትሑት’ዩ። እንስሳ ብደመ ነፍሲ ብባህረት (By Instinct)’ዮም ዚምርሑ (ይሁ 10,19 ቀ.ት ፣ 2ጴጥ 2፡12 ካ.ት + ቀ.ት + NIV)። ሰብ ግና ኣእምሮን ሕልናን ዝተዓደሎ፡ ኣመዛዚኑ ዚሓስብ ፍጥረት’ዩ። ስለ’ዚ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ናይ ነጻ ምርጫን ነጻ ፍቓድን ትዕድልቲ ኼመሓድረሉ ዚኽእል ዓቕሚ ኣለዎ። ፈትዩ ብምእዛዝ ነዚ ናይ ነጻ ምርጫን ፍቓድን ስልጣኑን’ዚ ንኽብሪ ኣምላኽ ኪጥቀመሉ፡ ወይ’ውን ንፍቓድ ስጋኡን ንፍቓድ ሰይጣንን ንምግልጋል ኪጥቀመሉ ይኽእል’ዩ። እግዚኣብሄር ንሰብ እዚ ኽብሪ’ዚ ዝሃበሉ ዕላማ፡ ንኺፍትኖን ንኼፈንጥሮን ኢሉ ኣይኰነን። እግዚኣብሄር ንሰብ ይምክሮ (Test Trial)’ምበር፡ ኣይፍትኖን’ዩ (Tempt)። እግዚኣብሄር ዓመጻ ዘይብሉ ሰናይን ፍትሓውን ኣምላኽ ምዃኑ ኣይንዘንግዕ (ያእ 1፡13,14 ፣ መዝ 106፡1 ፣ 107፡1)። ነቲ እግዚኣብሄር ለኪዑን መጢኑን ዝሃቦ ልኡላዊ ስልጣን፡ ነቲ ዝዓበየ ናይ እግዚኣብሄር ልኡላዊ ስልታን እንተ ኣግዝኦ፡ ማለት ፍቓድ ርእሱ ገዲፉ ንፍቓድ ኣምላኽ እንተ ኣገልገለ፡ ዝተዳለወሉ ዓብይን ዘለኣለማውን ክብሪ ኣሎ። ብኣንጻሩ ንፍቓድ ርእሱ ኼገልግል መሪጹ ንፍቓድ ኣምላኽ እንተ ረገጾን እንተ ገሃሶን ድማ፡ ዝተዳለወሉ መሪርብ ዘለኣለማውን ፍዳ ኣሎ። ሰብ ሕማቕን ኣዕናውን ምርጫ ዚመርጽ፡ ብድርኺት ሰይጣን ምስ ዚምራሕ’ዩ። ጥዑይን ሃናጽን ምርጫ ዚመርጽ ድማ፡ ብድርኺት መንፈስ ቅዱስ ምስ ዚምራሕ’ዩ። ስለ’ዚ ንፍቓድ ኣምላኽ ምእዛዝ ዚኸብደና ዘሎ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ዝሃበና ናይ ምምራጽን ፍቓደኛ ናይ ምዃንን ሰይጣን፡ ነቲ ቕዱስ መንፈስ ገዲፍና፡ ነቲ ርኹስ መንፈስ ንድያብልሶ ነግዝኦ ስለ ዘለና’ዩ። እቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዚምራሕ፡ ነቲ ፍቓድ ኣምላኽ ብመንጽር ናቱ ስጋዊ ረብሓ ኣይርእዮን’ዩ። ብዅለንተናኡ፡ ማለት ብስጋ ዀነ ብመንፈስ፡ በቲ ዝተዋህቦ ልኡላዊ ናይ ምርጫ ስልጣን ንኣምላኽ ጥራሕ ኬገልግል ከም ዚግብኦ ፈትዩ ኣሚኑሉን ተቐቢልዎን ተወፍዩሉን ስለ ዝዀነ፡ ዋላ ብሰይፊ ኺምተር፡ ብኣራዊት ኪብላዕ ኰነ ብሓዊ ኺሓርር ዚገብሮ ፈተና የጋጥሞ፡ ካብ’ታ ንፍቓድ ኣምላኽ ምግልጋል ኬነቓንቖ ዚኽእል የለን። በቲ ንረብሓኡ ዝተዋህቦ ሓለፋ ንኣምላኽ ኬዋርድ ንርእሱ ድማ ኼጥፍእ ዝዓሸወ ሰብ ግና፡ ንዘጋጠሞ ዅሉ ዅነታት ፍቓድ ኣምላኽ ንምግሃስ ጥራይ’ዩ ዚጥቀመሉ። እግዚኣብሄር ግና ብውህበቱ ዘይጠዓስ እሙን ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ረብሓን ሳዕቤንን ናይ ምርጫ ደኣ የፍልጠና’ምበር፡ ኣየሕድገናን’ዩ (ሮሜ 11፡28,29)።
“ርኣይ፡ ሎሚ ህይወትን ጽቡቕን፡ ሞትን ክፉእን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ ኣለኹ። . . . ህይወትን ሞትን፡ በረኸትን መርገምን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ ኸም ዘለኹ፡ ኣባኻ ንምስክር ሎሚ ሰማይን ምድርን ጸዊዐ ኣለኹ። እምበኣርሲ ንስኻን ዘርእኻን ብህይወት ምእንቲ ኽትነብር፡ ህይወት ሕረይ።” ዘዳ 30፡15,19
ነፍሲ ወከፍ ትእዛዝ ኣምላኽ ፍቓድ ኣምላኽን፡ ብኸም’ዚ ጥቕሲ’ዚ ዘይተጻሕፈልና ኪኸውን ይኽእል’ዩ። ዋላ ብዝተፈልየ ኣቀራርባ ደኣ ይቕረበልና’ምበር፡ ናይ ነፍሲ ወከፍ ናይ መወዳእታ መልእኽቲ ግን እዛ ኣቀራርባ ናይ ዘዳ 30፡15,19’ያ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ርኣይ፡ ሎሚ ስርቅን ልግስን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ ኣለኹ።” ዚብል ጥቕሲ የለን። እቲ ብዛዕባ ስርቂ ዀነ ብዛዕባ ልግሲ ዝተዋህበ ዅሉ ትእዛዛት ግን፡ ናይ መወዳእታ መልእኽቱን ቅርጹን ከም’ዚ ዝበልናዮ ዚብል’ዩ። እዚ ትእዛዝ’ዚ ኸኣ ነቲ ናይ ነጻ ምርጫን ነጻ ፍቓድን ስልጣን ንዝተዋህቦ፡ ንሰብ፡ ጥራሕ ዚቐርብ’ዩ። እግዚኣብሄር “ዝኸም ልበይ” ኪብለና ንደልይ እንተ ዄንና፡ ነዚ ኣምላኽ ንረብሓና ኢሉ ዝሃበና ስልጣን፡ ንኽብሪ ኣምላኽን ንረብሓናን እነውዕሎ ብልህታት ክንከውን ይግብኣና።
ፍቓድ ርእስና ገዲፍና ንፍቓድ ኣምላኽ ክንግዛእ ዜኽእለና ምስጢር እንታይ’ዩ፧ ኣሰሩ ምእንቲ ኽንስዕብ ዝተዋህበና ግብራዊ ኣብነትከ ኣሎዶ፧ ብርግጽ ኣሎ፡ ምህላው ጥራሕ ዘይኰነ ብቝጽሪ’ውን ኣዝዩ ብዙሕ’ዩ። ናይ ክልቲኡ፡ ማለት ናይ’ቲ ጽቡቕን ናይ’ቲ ሕማቕን ኣብነት ኣዝዩ ብዙሕ’ዩ። ናይ ህይወት ተልእኾና፡ ከም ልቢ ኣምላኽ ምዃን’ያ። ብኻልእ ኣዘራርባ ነቲ ዝተዋህበና መልክዕን ምስልን ናይ ኣምላኽ ዓቂብካ ምንባር’ዩ። ናይ ሰይጣን ገድልን ቃልስን ድማ፡ ነዛ ተልእኾና’ዚኣ ክንንዕቃን ክንድርብያን ምግባር’ዩ። ምስልና ዓቂብና፡ ንኣምላኽ መሲልና፡ ከም ልቢ ኣምላኽ ኴንና ኽንነብር እተኽእለና ጥበብና ድማ፡ ኣብ ኵሉ ዅኘታትን ኵሉ ጊዜን ፍቓድ ኣምላኽ ጥራሕ ምግባር’ዩ። ሓዳርና፡ ሕልምና፡ ባህግና፡ ኰታ ኵሉ ነገርና “ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር” ኪኸውን ይግባእ። ፍቓድ ኣምላኽ ዚትግበረሉ ፍሉይ ኵነታት፡ ጒዳያት፡ ቦታታት የለን። ኣብ’ቲ እንነብረሉ፡ እንሰርሓሉ፡ እንመሃረሉ ወዘተ ቦታን ጊዜን ዝምድናታትን፡ ኵነታትን፡ ጕዳያትን ኢና ንፍቓድ ኣምላኽ ‘ንፍጽሞ። ንፍቓድ ኣምላኽ ዘለና ተገዛእነት፡ በቶም ‘ንዋስኦም ዓይነት ሰባትን ዝምድናታትን ኣይልወጥን’ዩ። ምስ ሕሱማትን ጥዑማትን፡ ኣብ ዕግርግርን ሰላምን፡ ብዘይካ ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ካልእ ኣማራጺ የብልናን። ህይወትና ብኣምላኽን በቲ ቕዱስ ፍቓዱን’ምበር፡ ብሰባት፡ ብዅነታት፡ ብውሽጣዊ ስምዒታትና ኣይምራሕን’ዩ።
ቅዱስ ዳዊት “ዝኸም ልበይ” ኢሉ ኺምስከረሉ ዝበቕዐ፡ ብምንታይ ምዃኑ መሪሕ ጥቕስና “ኵሉ ፍቓደይ ዚገብር ሰብ” ብምባል ነቲ ምስጢር ኣግሂዱልና ኣሎ። እዚ ዓወት’ዚ ግን ስቕ ኢልካ ብወዝቢ ኣይተበጽሖን። ኣብ ህይወት ዳዊት ዝተገልጸ ክልተ ኣገደስቲ ነጥብታት ኣለዋ። እታ ሓንቲ “ባህጊ”፡ እታ ኻልኣይቲ ኸኣ “ጸሎት” እየን።
“ኣምላኸየ፡ ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ ኣሎኒ፡ ‘ሕግኻ’ውን ኣብ ውሽጢ ልበይ’ዩ’ በልኩ ። . . . ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ’ሞ፡ ምግባር ፍቓድካ ምሃረኒ፡ (እቲ) ሰናይ መንፈስካ ብቕኑዕ መገዲ (ብመገዲ ፍቓድካ ይምርሓኒ።” መዝ 40፡7,8 ፣ 143፡10
ስለ’ዚ ንሕና’ውን ክንዕወት እንተ ዄንና፡ ነዚ ድሙቕን ቅዱስን ኣርኣያ’ዚ ኽንስዕቦ ይግብኣና። ባህግናን ድልየትናን ትምኒትናን እቲ ቐንዲ ገዛኢና’ዩ። እንብህጎ ነገር ንምርካብ፡ ናብ እንምነዮ ደረጃን ቦታን ንምብጻሕ ዘይንገብሮ ነገር የለን። ባህጊ ልብና’ዩ ናብ’ቲ ‘ንደልዮ ዘለና ዚስሕበናን ዚደፍኣናን። ስለ’ዚ ኣብ ምግባር ፍቓድ ኣምላኽ ናይ ብሓቂ ኽንዕወት ዝቘረጽና ሰባት እንተ ዄንና፡ ንምግባር ፍቓድ ኣምላኽ መተካእታ ዀነ መመላእታ ዘይብሉ እንኮ ባህግና ኽንገብርሮ ይግብኣና። ንዘጋጠመና ዅሉ ዅነታትን ዕድላትን ፍቓድ ኣምላኽ ንምፍጻም ክንጥቀመሉን ክንምዝምዞን ይግባእ። ናይ ቅዱስ ዳዊት ትሕዝቶ ግን “ባዶ ባህጊ” ጥራሕ ኣይነበረን። ንልቡ ብሕጊ ኣምላኽ መሊእዎ ነበረ። ንፍቓድ ኣምላኽ ከኣ ኣብ ሕጊ ኣምላኽ ጥራሕ ኢና ‘ንረኽቦ። ስለ’ዚ እቲ ኸም ልቢ ኣምላኽ ናይ ምዃን፡ ንኣምላኽ ናይ ምምሳል ልዑል ባህጊ ዘለዎ ሰብ ኣቐዲሙ፡ ነቲ ቕዱስ ጴጥሮስ ኣብ መልእኽቱ “ነቲ ሕዋስ ዘይብሉ መንፈሳዊ ጸባ ብሃግዎ” ዝበሎ ኼተግብር ይግብኦ (1ጴጥ 2፡2,3)። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰፊሩ ዘሎ ሕጊ ኣምላኽ፡ ናብ ልቡ ኼግዕዞን ኣብኡ ኺዓቝሮን ወርትግ ኬስተንትኖን ኪዝክሮን ዝኸኣለ ሰብ’ዩ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ናይ ምፍላጥን ናይ ምግባርን ክቱር ባህጊ ዚህልዎ፡ ቅዱስ ዳዊት ኣብ መዝ 27፡8
“ልበይ ኣብ ክንዳኻ ዀይኑ፡ ‘ንገጸይ ድለይዎ’ ይብለኒ ኣሎ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ንገጽካ እደልዮ እኔኹ፡” ብምባል ኣዝዩ ዜገርም ቃል ጽሒፉልና ኣሎ። ካብ’ዚ ቕዱስ ቃል’ዚ ልቢ ዳዊት ንዳዊት ዘይኰነስ ንኣምላኽ እትውክል ልቢ ምንባራ ኢና ንርዳእ። እቲ ቛንቋኣ’ውን ናይ ኣምላኽ’ምበር፡ ናይ ዳዊት ኣይነበረን። ብናይ እግዚኣብሄር ቀዳማይ ኣካል (First person) ኣበሃህላ “ንገጸይ ድለይዎ”’ምበር ከም ንኻልኣይ ኣካል (Second Person) “ንገጽ ኣምላኽ ድለይዎ” ኣይበለን። እቲ ብሕጊ ኣምላኽ ዝመልአ፡ ንፍቓድ ኣምላኽ እንኮ ባህጉ ዝገበረ ልቢ፡ ካልእ ቋንቋ የብሉን። “ዝኸም ልበይ ናብ ዚበሃለሉ ደረጃ ዚዓብይ ድማ፡ እቲ ንኣምላኽ ዚውክል ልቢ ዘጥረየ ሰብ ጥራይ’ዩ። እቲ ዓብይ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ሊቀ መዘምራን ኣሳፍ፦
“ኣብ ሰማይ ብዘይካኻ መን ኣሎኒ፧ ንኣኻ ካብ ረኸብኩስ፡ ኣብ ምድሪ ዝደልዮ የብለይን። ስጋይን ልበይን እንተ ማህመነ’ኳ ኣምላኽ (ባዕሉ) ንዘለኣለም ከውሒ ልበይን ክፍለይን እዩ።” ኢሉ ኣሎ (መዝ 73፡25,26)። እቲ ንምግባር ፍቓድ ኣምላኽ እንኮ ባህጊ ዝገበረ ሰብ፡ ናብ’ዛ ፍጽምቲ ደረጃ’ዚኣ’ዩ ዚዓብይ። ናይ መጀመርታ ዀነ ናይ መወዳእታ ባህጊ፡ እግዚኣብሄርን ፍቓዱን ጥራሕ’ዩ ዚኸውን። እታ ኻልኣይቲ ቅዱስ ዳዊት ዝተጠቕመላ ፍትንቲ መንፈሳዊት ጥበብ ድማ፡ ጸሎት’ያ። ናብ ከቢድ ጸበባ ዜእተወና ዘሎ፡ ድኹማት ፍጥረት ምዃንና’ዩ። ሰይጣን ከኣ ነዚ ድኻምና’ዚ እናመዝመዘ’ዩ ዚጻወተልናን ዜበላሽወናን ዘሎ። ኣምላኽ ድማ “ግበሩ” ምባል ጥራሕ ዚፈልጥ ደረቕ ጐይታ ኣይኰነን። ናትና ድኻምና፡ ናይ ፈታኒና ሓይሊ፡ ናይ’ዛ ‘ንነብረላ ዘለና ዓለም ባህርይ ዚፈልጥ ኣምላኽ’ዩ። ብባህርዩ ድማ ደጋፊ፡ ሕያዋይ፡ ደንጋጺ፡ ተበጃዊ ኣምላኽ’ዩ። ናይ’ዚ ባህርዩ’ዚ ተረባሕቲ ‘ንኸውን ድማ፡ ድኻምና ፈሊጥና ትውክልትና ምሉእ ብምሉእ ኣብኡ ምስ ‘ንገብር’ዩ። ናይ ትውክልቲ ዝበለጸ መግለጺ ድማ ጸሎት’ዩ። ከም’ቲ ቅዱስ ዳዊት ዝበሎ፡ “ፍቓድካ ግለጸለይ፡ ምግባር ፍቓድካ ድማ ምሃረኒ ኣኽእለኒ ኸኣ” እናበልና መዓልታዊ ኽንጽልይን ክንምሕጸንን ይግብኣና። ብጸሎትን ብግብራዊ ስጕምትን ዘይተሰነየ ባዶ ባህጊ ናብ ዜብጽሓና የብሉን። ስለ’ዚ ኸኣ፡ “ከየባተኽኩም ጸልዩ፡ ጸሎት ኣዘውትሩ፡ ከይቀበጽኩም ጸልዩ” ዚብል ምዕዶን ትእዛዝን ብተደጋጋሚ ተዋሂቡና ኣሎ (ሉቃ 18፡1 ፣ ሮሜ 12፡12 ፣ ቈሎ 4፡2 ፣ 1ተሰ 5፡17)። “ጸሎት”፡ ሓደ ኻብ’ቲ ኸነዘውትሮ ዚግብኣና ፍቓድ ኣምላኽ’ዩ። ኣብ’ቲ ፍቓድ ኣምላኽ ዝዀነ ጸሎት እንተ ፈሺልና፡ ዳርጋ ኣብ ኵሉ ፍቓድ ኣምላኽ ከም ንፈሽል ዝዀነ ጥርጥር የልቦን። ዘይንጽልይ እንተ ዄንና፡ ፍቓድ ኣምላኽ ናይ ዘይምግባርና ዕንቅፋት፡ ሰይጣንን ሰባትን ኵነታትን ዘይኰነ፡ ንሕና ባዕላትና ኢና።
እቲ ዝለዓለ ኣርኣያና እቲ ናይ ኵላቶም ቅዱሳን ቀዳሲ ዝዀነ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን፡ ነዛ ‘ንብላ ዘለና ምስጢር ኣብ ትምህርቲ፡ ኣብ ናብራኡ ዀነ ኣብ ጸሎቱ ግርም ገይሩ በሪሁልና’ዩ።
“ብልዐይሲ ፍቓድ ናይ’ቲ ዝለኣኸኒ ኽገብር፡ ዕዩኡ’ውን ክፍጽም’ዩ። . . . ካብ ርእሰይ (ብፍቓደይ) ገለ ኽገብር ኣይክእልን’የ። ፍቓድ ናይ’ቲ ዝለኣኸኒ’ምበር፡ ፍቓደይ ክገብር ኣይደልን’የ’ሞ፡ ፍርደይ ከኣ ቅኑዕ’ዩ። . . . ኣነ ፍቓድ ናይ’ቲ ዝለኣኸኒ’ምበር ፍቓደይ ምእንቲ ኽገብር ኣይኰንኩን ካብ ሰማይ ወሪደ ዘለኹ። . . . ኣቦይ ዚከኣል እንተ ዀይኑ፡ እዛ ጽዋእ’ዚኣ (እዛ ስቓይን ሞትን’ዚኣ) ኻባይ ትሕለፍ፡ ግናኸ ንስኻ ከም ‘ትደልዮ’ምበር፡ ኣነ ኸም ዝደልዮ ኣይኹን።” ዮሃ 4፡34 ፣ 5፡30 ፣ 6፡38 ፣ ማቴ 26፡39
ነዚ ቓል ናይ መድሓኒና፡ ልክዕ ከም ስምና፡ ሓለፋ ስምና’ኳ ደኣ ክንፈልጦን ክንምርሓሉን ክንትግብሮን ይግብኣና። ኣብ’ዚ ተዘርዚሩ ዘሎ ቓል ጐይታ፡ ንፍቓድ ኣቦኡ ከም ዕለታዊ ምግቡን ከም ተልእኾ ህይወቱን ከም ዚርእዮ ተመልኪትና ኣለና። ነዛ ንፍቓድ ኣምላኽ ከም ዕለታዊ ምግብኻ ምርኣይ ካብ ጐይታና’ምበር፡ ካብ ዝዀነ ኻልእ ኣካል ኣይሰማዕናያን። እቲ ዝበረኸ ጥርዚ ናይ ኣርኣያታት ከኣ ንሱ ባዕሉ’ዩ። “ክርስትያን’የ” ዚብል ኵሉ ነዛ ኣርኣያ ክርስቶስ’ዚኣ ኪውንናን ኪለብሳን ይግብኦ። ኣብ’ዚ ቓል ጐይታ ዝተገልጸ ኻልእ ምስጢር እቲ “ፍቓደይ ኣይደልን’የ፡ ፍቓደይ ክገብር ኣይክእልን’የ” ዚብል’ዩ። እቲ “ኣይክእልን’የ፡ ዚብል ቃል፡ ናይ ዓቕሚ ወይ ናይ ክእለት ጒዳይ ኣይኰነን። ኣሽንኳይ ንሱ፡ ንሕና’ኳ ነቲ ጽዩቕ ፍቓድና ኽንገብሮ ኣይተጸገምናን። እቲ “ኣይደልን’የ፡ ኣይክእልን’የ” ምባሉ፡ ናይ ምርጫን ናይ ውሳነን ጒዳይ’ዩ። ንሕና ድማ “ምስሊ ወዱ ኽንመስል” ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ከምዝተመደብና ክርስትያን ሰባት መጠን፡ ነዚ ናይ ጐይታ ኣርኣያ ኽንስዕቦን ንፍቓድና ክንጽየፍን ክንሕሰሞን ግዴታና’ዩ። ሽዑ ኢና ነቲ “ኸም ልቢ ኣምላኽ” ናይ ምዃን ልዑል መንፈሳዊ ደረጃ ኽንበጽሖን ክንውንኖን ንኽእል።
እምበኣር፡ ብመንጽር’ቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዘሎና መርገጽን ኣታሕዛን፡ ህይወትና እንታይ ከም ዚመስል ብዕቱብ ንመርምር። ተበላሽዩ ንዝጸንሓና ዅሉ ብንስሓ ነሕውዮ። ነቲ ጽቡቕ ዝጸንሓና ድማ ነዕብዮ። ንፍቓድ ኣምላኽ ብዚምልከት፡ ምሉእ ብምሉእ ንክርስቶስ ከም ዝመሰልናዮ ነረጋግጽ። ምኽንያቱ ገበርቲ ፍቓዱ፡ ብኽብሪ ክርስቶስ ኪኸብሩ’ዮም!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
12 ጥሪ (ጥር) 2024 | ጥሪ 4, 2016 ግዕዝ (መበል 18 ሰንበት: ቊ.፲፰/18) |
||
ምስባክ መዝ.፻፲፯(፻፲፰)፡፳፮-፳፯ “እግዚአብሔር እግዚእ አስተርአየ ለነ። ግበሩ በዓለ በትፍሥሕት በኅበ እለ ያስተሐምምዎ። እስከ አቅርንቲሁ ለምሥዋዕ።” “እቲ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ’ዩ፡ ካብ ቤት እግዚኣብሄር ንባርኸኩም ኣሎና። እግዚኣብሄር ኣምላኽ’ዩ፡ ንሱውን ኣብረሃልና፡ ነቲ መስዋእቲ በዓል ዓመት ክሳዕ ኣቕርንቲ መሰውኢ ብገመድ እሰሩ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
2ቈረ 1፡13-ፍጻመ |
ዲያቆን |
|
1ዮሃ 2፡22-ፍጻመ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 13፡20-27 |
ንፍቅ ካህን |
|
ሉቃ 2፡41-ፍጻመ |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦እሙነ ኮነ ልደቱ | መዝሙር፦ ኖላዊ ዘመጽአ |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ