“ኣብ’ታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸኣ፡ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ መርዓ ዀነ፡ ኣደ ኢየሱስ’ውን ኣብኡ ነበረት። ኢየሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ናብ’ቲ መርዓ ተዓደመ።” ዮሃ 2፡1-2
ከም-ዝፍለጥ ኣብ ዋዜማ በዓል ሓዲሽ-ዓመት ኢና ንርከብ ዘሎና። እዚ ማለት ድማ ነቲ ምሳና ክጎዓዝ ዝጸንሐ፣ 2013 ዓ/ም ዘመነ-ማቴዎስ ኣፋኒና፣ 2014 ዓ/ም ዘመነ-ማርቆስ ክንቕበል ማለት`ዩ። ነዚ ተኸቲሉ`ውን፣ ኣብቲ ክንቕበሎ ዘሎና ሓዲሽ-ዓመት፣ ብዙሕ ዝዓይነቱ ተስፋን ትጽቢትን ክህልወና ከም-ዝኽእል፣ ከም ርዱእ ዝውሰድ እዩ። ከመይሲ ሃይማኖት ዘለዎ ሰብ፣ ኩሉ ግዜ እምነቱ ኣብ እግዚኣብሔር ብምግባር`ዩ፣ ብተስፋ ዝነብር። ከምኡ ስለ-ዝኾነ ድማ`ዩ ቅዱስ-ዳዊት`ውን “-እስመ በተስፋ ኀደረ ሥጋየ-” ክብል እንሰምዖ።
ብዝተወገዙ ፓትርያርክ ዝሽየሙ ጳጳሳት: ንመርገም እምበር ንበረኸት ኣይኮኑን።
“ኣቦኻ ቀቲሎም ኣቦ ኣይሃቡኻ” ዝብል ብሂል ኣበው፥ ሎሚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ኤርትራ ተራእዩ ኣሎ። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ተፈጺሙ ዘሎ ገበን ኣብ ታሪኽ ዓለም መጀመርታ ዝተፈጸመ ግፍዒን ብድዐን እዩ። ከመይሲ ብመሪሕነት ዝለዓለ ሥልጣን ቤተ ክርስቲያን፥ ብዕድመ ወዲ 96 ዓመት፥ ብግፍዒ ተኣሲሮም፥ ብፖሊስ ዝሕለዉ፥ ከሰስቶም፥ ዳነይቶም፥ ፈረድቶም፥ ሓደ ዝኾኑ፥ ኣብ ታሪኽ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ እዮም።
“-ዘእምንእሱ ሕይወቱ፣ ውስተ ቤተ-እግዚኣብሔር-” ብምባል ዝግለጹ፣ ንመንፈሳዊ ኣገልግሎት ዝተጸውዑ ዕድለኛታት ሰባት ኣለዉ። ሓደ ካብዚኣቶም ድማ፣ እዞም ሕጂ ብሞት ተፈልዮሙና፣ መንገዲ ሰማይ ኣቕኒዖም ዝኸዱ ዘለዉ፣ ሊቀ-ኅሩያን ግደይ ገብረ እዮም ክንብል ዘኽእለና፣ እኹል ምኽንያት ኣሎ። ሊቀ-ኅሩያን ኣብ ቤተ-ክርስቲያን`ዮም ተወሊዶም፣ ኣብኣ`ውን ዓብዮም ከበሃል ይከኣል። ስለ`ዚ ከኣ ኢና “-ዘእምንእሱ ሕይወቱ ውስተ ቤተ-እግዚኣብሔር-” ብምባል ክንገልጾም ዝደለና።
ብሓዋርያዊ መሪሕነት ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ 3ይ ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ ዝምእከልን ብቡራኬ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ-ዲበኵሉ ዝመሓደርን ቀኖናዊ ንኡስ ሃገረ ስብከት ካናዳ ካብ ጥሪ 2021 ኣ.ፈ ብወግዒ ቆይሙ መንፈሳዊ ሥርሑ ጀሚሩ ኣሎ። ነዚ ንኡስ ሃገረ ስብከት እዚ ንምቛም ብመንበረ-ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ዝተመደቡ ኣቦታት ካህናት ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዞም ምስ ኩሎም ኣቦታት ውሉደ-ክህነት ነበርቲ ካናዳ ዝኾኑ መንፈሳዊ ዘተን ልዝብን ከካይዱ ድሕሪ ምጽናሕ፥ ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት ብርትዓዊ መገዲ ሰለስተ ኣባላት ዝሓዘት ጊዚያዊ መንፈሳዊ ምምሕዳር ብምምራጽ እዩ ብወግዒ ቆይሙ ዘሎ።
ዓመታዊ ርክበ ካህናት መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ፡ ሎሚ ዓመት'ውን ንመበል 9ይ ዓመት ንሠለስተ መዓልታት ክካየድ እዩ። እቲ ካብ ረቡዕ 3 መጋቢት ክሳብ ዓርቢ 5 መጋቢት (March 3-5) 2021 ዓ.ም.ፈ ብናይ ርሕቀት መስመር ክካየድ እዩ። ኣብዚ መደብ ክትሳተፉ እትደልዩ ውሉደ ክህነት፥ ኣብዚ መመዝገቢ'ዚ [Form] ብምጥዋቕ ክትምዝገቡ ነዘኻኽር።
ሰንበት ዝፍኖ መደብ ኣገልግሎት - Sunday Service Schedule
ቀዳማይ መደብ (ምብራቓዊ ኣቆጻጽራ ሰዓት 8:00 - 11:00 ንግሆ)
ካልኣይ መደብ (ምዕራባዊ ኣቆጻጽራ ሰዓት 8:00 - 11:00 ንግሆ - Pacific Standard Time)
“Now, therefore,” says the Lord, “Turn to Me with all your heart, With fasting, with weeping, and with mourning.” So rend your heart, and not your garments; Return to the Lord your God.” (Joel 2:12-13)
Day 7 (1st Sunday of the Holy Great Fast)
19 “Do not lay up for yourselves treasures on earth, where moth and rust destroy and where thieves break in and steal;
20 “but lay up for yourselves treasures in heaven, where neither moth nor rust destroys and where thieves do not break in and steal.
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ