መራሕቲ ቤተክርስትያንን ምሁራት ደቂ ቤተክርስትያንን ዝሃብዎ ትምህርትታት ኃይማኖታዊ፡ ስነ-ጥዕናዊ፡ ኣካዳምያውን ማሕበራውን ኣርእስትታት ዘጠቓለሉ ኔሮም። ብተወሳኺ ነዚ ጉባኤ ፍሉይን ዕዉትን ካብ ዝገበርዎ ነገራት፡-
1) ኣብ ርእስ’ቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ስርዑ ሰሚናራት፡ መንእሰያት ባዕላቶም ንባዕላቶም ዘካየድዎ ኣብ ኣገዳሲ ኣርእስትታት ዘተኮረ ዝርርብ (panel discussion) ነበረ። ገለ ካብቲ ብዕምቆት ዝተዘርበሉ ነገራት “ኣብ ሞንጎ ወለድን ኣብዚ ዓዲ ዝተወልዱ ደቅን ዘሎ ጋግን ንምጽባቡ ዝሕግዙ ነገራትን”፤ “ኣሉታዊ ምዕራባዊ ባህልታት፡ partying, peer pressure, dancing, tattoo, dating, etc”፤ “ኣብ ስደት ኦርቶዶክሳዊ ክርስትያን ኴንካ ክትነብር ዘሎ ብድሆታት”፤ “ቅዳሴን መዝሙርን ብእንግሊዘኛን ኣገዳስነቱ ኣብ ምዕቃብ እምነት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ኣብ ስደት”።
2) ክፉትን ዓምዩቕን ዘተ ኣብ ሞንጎ እቶም ንመንእሰያት ኣሰንዮሞም ዝመጹ መራሕቲ ኃይማኖትን ወለድን ምክያዱ ነበረ። ገለ ካብቲ ብሰፊሑ ዝተዘተየሉ ኣገደስቲ ኣርእስትታት፡- “ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ዝምድና ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስን ብመንጽር ምዕራባዊ ባህልን”፤ “ንጥቡቕ ዝምድና ወለድን ውሉድን ኣብ ስደት ዘጋጥም ዘሎ ጸገማትን ንምፍታሑ ዝሕግዙ ነገራትን”፤ “ኣብ ምፍታሕ ኣብ ስደት ዘጋጥሙ ዘሎዉ ብድሆታትን፡ ኣብያተ ክርስትያንን ን/ሃገረ ስብከትን ኪህልዎም ዝግባእ ተራን”።
እቲ ጉባኤ መንእሰያት ልዕሊ ትጽቢት ኩሎም ተሳተፍቲ ምንባሩን፡ ብሰፊሑ ንመጻኢ እንተተደፊእሉ ንትንሣኤን ሓርነትን ቤተክርስትያንን ንሓድነት ህዝብን ዝህልዎ ተራ ዓብዪ ኪኸውን ምዃኑ ኣብቲ ንምግምጋም እዚ ጉባኤ ዝተገብረ ናይ መጨረሻ ኣኼባ ተገሊጹ።
ኣብዚ ዝቐነየ ጉባኤ ዝተኻየደ ኣስተምህሮትታት (Presentations)፡
Photos ስእላዊ ሪፖርት ንምርኣይ ኣብዚ ጠውቕ (ተወከስ)።
ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን፡ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ፡
ኣዳለውቲ ጉባኤ መንእሰያት ምዕራባዊ ዞባ።
ሓምለ 01-04/2009
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ