“ናብ’ቲ ናይ ሓድሽ ኪዳን መንጎኛ ዝዀነ ኢየሱስን፡ ናብ’ቲ ኻብ ደም ኣቤል ብዝበለጸ ዚዛረብ ምንጻግ ደምን ኢኹም በጺሕኩም ዘለኹም። እምበኣር ነቲ ዚዛረበኩም ዘሎ ምስማዕ ከይትኣብይዎ ተጠንቀቑ። (ምኽንያቱ) እቶም ካብ ምድሪ ዝተዛረቦም ምስማዕ ምስ ኣበይዎ ካብ ፍርዲ ኻብ ዘይመለቑ፡ ንሕና ግዳ ነቲ ኻብ ሰማይ ዚዛረበና ምስማዕ ምስ ‘ንኣብይ ከመይ ኢልና ኽንመልቝ ንኽእል፧” እብ 12፡24,25 ካ.ት።
እዚ ዕለት’ዚ ሻድሻይ ሰንበት ናይ ዘመነ ኣስተርእዮ’ዩ። ደጊም ናይ ዘመነ ኣስተርእዮ ሓንቲ ሰንበት ጥራሕ’ያ ‘ትተርፈና። ብድሕሪኡ ናብ ዘመነ ጾም (ዓብይ ጾም) ኽንኣትው ኢና። ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ለካቲት 13 ኽሳዕ ለካቲት 20 ዘሎ ዕለታት ኣብ መዓልቲ ሰንበት ምስ ዚውዕል፡ ዚዝመር መዝሙር ቅዱስ ያሬድ፡ “ተበሃሉ ጻድቃን” ዘርእስቱ’ዩ። ብመሰረት’ዚ መዝሙር’ዚ፡ ነዚ ዕለተ ሰንበት’ዚ ተሰሪዑ ዘሎ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ጐይታና፡ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ንሱ ምዃኑ ድሕሪ ምዝራቡ ዝሰዓበ ናይ ኣይሁድ ክርክር ዚትርኽ’ዩ። እቶም መኽሰሲ ረኺቦም ምእንቲ ኼጥፍእዎ ዚከታተልዎን ዚተሃላለኽዎን ዝነበሩ ሕሱማት ኣይሁድ፡ ካብ’ቲ ዘረባኡ ኣምላኽነቱ የግህድ ከም ዝነበረ ይርድኦም ነበረ። ብእኡ ኣሚኖም ነይሮም እንተ ዚዀኑ፡ ነቲ ምህሮኡ ጽቡቕ ገይሮም የስተውዕልዎ ስለ ዝነበሩ፡ ምሃነጾም ነይሩ። ንሳቶም ግን ብኣንጻሩ ኪቐትልዎ ካብ ገጽ ምድሪ ኼጥፍእዎ ይደልዩ ስለ ዝነበሩ፡ እቲ ምስትውዓሎም ንሓጢኣቶምን ነቲ ኽፉእ ሃቐናኦምን የብዝሖ ነበረ። ቅድሚ’ዚ ንባብና ኣብ ዘሎ ጥቕስታት (ጥ 24-33)፡ ብዙርያኡ ኣኽቢቦም፡ “ክሳዕ መዓስ ኢኻ ላሕ እተብለና፧ ንስኻ ክርስቶስ እንተ ዄንካ ኣግሂድካ ንገረና” ኸም ዝበልዎ ተጻሒፉልና ኣሎ። ንሱ ኸኣ “ነጊረኹም ኣይኣመንኩምን። እዚ ብስም ኣቦይ ዝገብሮ ዘለኹ ግብርታት፡ (ክርስቶስ ምዃነይ) ይምስክረለይ ኣሎ።” ኢሉ መለሰሎም። ከም ኣመሎም ብዳርባ እምኒ ኪቐትልዎ ተላዕሉ’ሞ፡ ኣብ’ቲ ንባብና ተተሪኹ ኸም ዘሎ “ስለ ኣየናይ ግብሪ ኢኹም ክትቀትሉኒ ትደልዩ ዘለኹም፧” ኢሉ ምስ ሓተቶም፡ “ስለ’ቲ ምጽራፍካን ሰብ ክነስኻ ንርእስኻ ኣምላኽ ስለ ምግባርካን’ዩ፡” ኢሎም መለሱሉ። ነዛ መልሲ’ዚኣ ዝመረጹሉ ምኽንያት፡ ብመሰረት ሕጊ ኣይሁድ ሞት ዜፍርድ ስለ ዝዀነ’ዩ። ንሱ ግና ነቲ ዘረባኡ እንተ ዘይኣመንዎ’ኳ፡ እንተ ወሓደ ነቲ ኣሉ ዘይበሃሎ ግብሩ ኺኣምንዎ ብሕያውነት መለሰሎም። እዚ ዅሉ ኽፉእ ሃቐናኦም፡ ምስማዕ ናይ ዝኣበየ ሰብ ሃቐና’ዩ። ዝሰምዐ ፈትዩ ይእዘዝ፡ ምስማዕ ዝኣበየ ኸኣ ንገዛእ መድሓኒኡ ይሰቕልን ይቀትልን። ናይ ዘይምስምዖም ኰነ ናይ ዘይምእማኖም ጠንቂ እንታይ ምዃኑ፦
“ንስኻትኩም ግና፡ ከም’ቲ ዝበልኩኹም፡ ካብ’ተን ኣባጊዐይ ስለ ዘይኰንኩም (ኣይትሰምዑን) ኣይትኣምኑን ኢኹም። እተን ኣባጊዐይ ግና ድምጸይ ይሰምዓ፡ ኣነ ኸኣ አለልየን፡ ንሳተን’ውን ይስዕባኒ’የን።” ብምባል መለሰሎም (ዮሃ 10፡26,27)። እዚ ናይ ጐይታ ቓል ነቶም ዘይኣባጊዑ፡ ብእኡ ንዘይኣምኑ ጸላእቱ ዝተዘርበ’ዩ። እዚ ናብ እብራውያን ዝተጻሕፈ መልእኽቲ ቕዱስ ጳውሎስ ግና፡ ናብ’ቶም ብክርስቶስ ኣሚኖም ኣባጊዑ ዝዀኑ ህዝበ ክርስትያን ዝተጻሕፈ መልእኽቲ’ዩ። እዚ ናይ ዘይምስማዕ ጸገም’ምበኣር፡ ኣብ’ቶም ዘይኣመኑ ዘይኣባጊዑ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ኣብ’ቶም ኣባጊዑ’ውን ኪኽሰት ተኽእሎ ዘለዎ ሰራም መንፈሳዊ ሕማም’ዩ። ነዚ ሓቂ’ዚ መሪሕ ጥቕስና ኣነጺሩ ኣቐሚጥዎ ኣሎ። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ኻብ’ዚ ንዘለኣለማዊ ጥፍኣት ኣሕሊፉ ኺህበና ዚኽእል ሰራም ሕማም’ዚ ምእንቲ ኽንጥንቀቕን ምእንቲ ኽንሓውይን’ያ፡ ነዚ መኣዲ ትምህርቲ’ዚ ኣዳልያትልና ዘላ።
ምስማዕ ማለት ግን፡ እንታይ ማለት’ዩ፧ ንምንታይ’ዩኸ ክሳዕ ክንዲ’ዚ ዕዙዝ ኣገዳስነት ዚህልዎ፧ ምስማዕ፡ ክልተ ዓይነት’ዩ። ምኽንያቱ ኽልተ ዓይነት እዝኒ’ዩ ዘሎና። እቲ ቐዳማይ ዓይነት እዝኒ፡ እዝኒ-ስጋ’ዩ። እዚ ማለት ከኣ፡ እዚ ብየማናይን ጸጋማይን ሸነኽ ናይ ገጽና ጠቢቑ ዘሎ ደጋዊ ሸሓኒ፡ ምስናይ ኵሉ ውሽጣዊ ናውቱ ማለት’ዩ። ብርግጽ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኽፍሊ ኣካላት’ዩ። ሓደ ኻብ’ቶም ሓሙሽተ ናይ ስምዒት ህዋሳትና ዝዀነ ምስማዕ ከኣ፡ በዚ ኽፍሊ ኣካላትና’ዚ ዚፍጸም’ዩ። እቲ ኻልኣይ ዓይነት እዝኒ ኸኣ፡ እዝኒ-ልቦና’ዩ፡ ወይ’ውን “መንፈሳዊ እዝኒ” ኺበሃል ይኽእል’ዩ። እዞም ክልተ ዓይነት ኣእዛን’ዚኣቶም፡ ተመላላእቲ’ዮም። እዚ ኸም ሸሓኒ-ሳተላይት ዝዀነ ሸሓኒ እዝንና፡ ዝረኽቦ ድምጺ’ዩ ዚእክብ። ኣይመርጽ ኣይመምይ፡ ስርሑ ዘዝረኸቦ ድምጺ እናኣከበ ናብ ውሽጢ ሓንጐል ምልኣኽ ጥራሕ’ዩ። እቲ ናይ ውሽጢ እዝኒ ልቦና ግን ነቲ ዝተኣከበ ዚጠቕምን ዘይጠቅምን ድምጽታት መምዩ፡ ነቲ ኺሰምዖ ዚደልይ ጥራሕ’ዩ ዚመርጽ። ኣብ ባህልና “ልቢ’ዩ ዚሰምዕ፡ ልቢ’ዩ ዚርእይ” ዚብል ልሙድን ዝውቱርን ብሂል ኣሎ። ናብ ሸሓኒ እዝንና ዝበጽሐ ዅሉ ድምጺ፡ ናብ እዝኒ ልቦናና ኣይበጽሕን’ዩ። ኣብ መንፈሳዊ ህይወትና ኣዝዩ ዓብይ ጸገም ዚፍጠር፡ ንቓል እግዚኣብሄር ብሸሓኒ እዝንና’ምበር፡ ብእዝኒ ልቦናና ዘይንስምዖ ምስ ‘ንኸውን’ዩ። ኣብ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ኰነ ኣብ’ዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ትምህርትና፡ “ምስማዕ” ክንብል ከለና ነቲ ብእዝኒ ልቦናና ምስማዕ’ምበር፡ ነዚ ናይ እዝኒ ስጋ ዚምልከት ኣይኰነን። ብርግጽ ብእዝኒ ስጋ ኸይሓለፈ፡ ናብ እዝኒ ልቦና ዚበጽሕ ድምጺ ዳርጋ የለን። ቅዱሳን መላእኽቲ ወይ መንፈስ ቅዱስ ባዕሉ ኺዛረበና ኸሎ፡ እዝኒ-ስጋ ብዘይሰምዖ ድምጺ ኺዛረቡና ይኽእሉ’ዮም (ግብ 22፡9)። ናብ እዝኒ ስጋ በጺሑ ኼብቅዕ፡ ናብ እዝኒ ልቦና ኸይበጽሐ ዚተርፍ ድምጺ ግን ማእለያ የብሉን። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ደጋጊሙ “እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ” ዚብለሉ ዝነበረ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ (ማር 4፡23 ፣ ማቴ 11:15 ፣ 13:9, 43 ፣ Mark 4:9 ፣ ሉቃ 8:8፣ 14:35፣ ራእ. 3:6, 13, 22; 13:9 )። ነቲ ንሱ ሽዑ ዝዛረቦ ዝነበረ ብእዝኒ ስጋ ይሰምዕዎ ኸም ዝነበሩ ዝዀነ ዓይነት ጥርጥር ኣይነበሮን። እትሰምዕ እዝኒ-ልቦና ዘይብሎም ሰባት ከም ዚበዝሑ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ ግና፡ ነዛ ቓል’ዚኣ ይደጋግመሎም ነበረ። ንኣገልገልትን መራሕትን ናይ ቤተ ክርስትያን ከይተረፈ ናይ ዘይምስማዕ ሽግር ከም ዚፈታተኖም ስለ ዚፈልጥ ድማ፡ ንሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ብራእያት ኪዛረቦ ኸሎ፡ “እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንኣብያተ ክርስትያን ዚብለን ዘሎ ይስማዕ” ይብል ነበረ (ራእ 2፡7,11,17,29 ፣ 3፡6,13,22)። እቶም ብእዝኒ ልቦናኦም’ውን ዚስምዑ፡ ከም ቅዱስ ዳዊት ዝበሉ ናይ ኣምላኽ ሰባት ግን፦ “ስልጣን ናይ ኣምላኽ ምዃኑ፡ ኣምላኽ ሓንሳእ ተዛረበ፡ (ኣነ ኸኣ) ክልተ ሳዕ ሰማዕክዎ።” ይብሉ (መዝ 62፡11)። እቶም እዝኒ ልቦናኦም ደፊኖም ዚነብሩ ሰባት ከኣ ብኣንጻሩ፦ “ኣምላኽ ሓንሳእ፡ ክልተ ሳዕ ይዛረብ፡ ሰብ ግና ኣየቕልብን (ኣይስምዕን)’ዩ።” ይበሃለሎም (እዮ 33፡15)። ስለ’ዚ ብመንፈሳዊ ቋንቋ፡ “ምስማዕ” ማለት ብእዝኒ ልቦናኻ ምስማዕ ማለት’ምበር፡ ብእዝኒ ስጋ ምስማዕ ማለት ኣይኰነን። ብእዝኒ ልቦናኻ ናይ ምስማዕ ኣገዳስነት ከኣ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ግሩም ገይሩ ገሊጹልና ኣሎ።
“ግናኸ ብእኡ ኸይኣምኑ፡ ከመይ ኢሎም ኪጽውዕዎ’ዮም፧ ብዛዕባኡ ኸይሰምዑኸ፡ ከመይ ገይሮም ብእኡ ኺኣምኑ’ዮም፧ ብዘይ ሰባኪኸ ከመይ ገይሮም ኪሰምዑ’ዮም፧ ..... እምበኣርሲ እምነት ካብ ምስማዕ’ያ፡ እቲ ዚሰምዕ’ውን ቃል ክርስቶስ’ዩ።” ሮሜ 10፡14,17 ካ.ት።
ብዘይምስማዕ እምነት ዘየለ እንተ ዀይኑ፡ ብዘይ እምነት ከኣ ንኣምላኽ ኬስምሮን ኬኽብሮን ዚኽእል ሰብ ስለ ዘየለ፡ ናይ ምስማዕ ኣገዳስነት ማዕረ እምነት ኪስራዕ ዚኽእል’ዩ። ምኽንያቱ ንእምነት ዚወልዳስ፡ ምስማዕ’ዩ።
ምስማዕ ኣብ ዓይነት ናይ ህይወትናን ናብራናን እንታይ ጽልዋ ኣለዎ፧ ምስማዕን ዘይምስማዕን፡ ምስ ሞትን ህይወትን ዚዳረግ ፍልልይ’ዩ ዘለዎ። እቲ ዚበሃል ዘሎ ናይ ህይወትን ሞትን ፍልልይ ከኣ፡ ምስ’ዚ ስጋዊ ህይወትን ሞትን ዘይኰነስ፡ ምስ’ቲ ኻልኣይን ዘለኣለማውን ሞትን ህይወት’ዩ። ምኽንያቱ እቶም ዚሰምዑ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት፡ እቶም ዘይሰምዑ ኸኣ ናብ ዘለኣለማዊ ሞት’ዮም ዚኣትዉ። ጐይታና፡ ዓይነት ኣሰማምዓና፡ ንዓይነት ህይወትናን ዘለኣለማዊ መጻኢናን ማዕረ ኽንደይ ከም ዚጸልዎን ከም ዚልውጦን ንኼብርሃልና፡ “ምስላ ዘርእን ዘራእን” ዘርእስቱ ኣዝዩ መሃርን ሃናጽን ምስላ መሲሉልና ኣሎ (ሉቃ 8፡4-15 ፣ ማር 4፡1-20 ፣ ማቴ 13፡1-23)። እዚ ምስላ’ዚ ኣርባዕተ ዓይነት ሰማዕቲ ኸም ዘለና’ዩ ዚነግረና። ምስማዕ ድማ፡ ነቲ ድሕሪ ብእዝኒ ስጋ ምስማዕካ ዘሎ ውጽኢት ከይተረፈ ኸም ዜጠቓልል ብንጹር ዜረድእ ምስላ’ዩ። እቲ ቐዳማይ ዓይነት ሰማዒ፡ እቲ ዚስማዕ ቃል ብወዝቢ ኣብ ኣእዛኑ ዝወደቖ’ምበር፡ ናይ ምስማዕ ድልየት ዝነበሮ’ውን ኣይመስልን’ዩ። ከም’ዚ ዝበለ ልቢ ድማ እቲ ቘሊባ ሰይጣን ዚዕንድረሉ ልቢ ስለ ዝዀነ፡ ንዅለን’ተን ኣብ ልቡ ዝዓለባ ቓላት ሓንቲ ኸይተረፈ ይለቕመን’ሞ፡ ከም ዘይስምዐ ሰብ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ኣብ’ቲ ዚሰምዖ ቦታ’ውን ፈጺሙ ኸም ዘይነበረ ኽሳዕ ዚመስል ከንቱ ሰብ ይገብሮ። እቲ ኻልኣይ ሰማዒ ኸኣ ብደጊኡ ኽትርእዮ ኸለኻ ሕጉስን ውፉይን ሰማዒ’ዩ ዚመስል፡ ነቲ እዝኒ ልቦናኡ ግን ነቕ ብዘይብል ጽኑዕ ከውሒ ጸቒጡ’ዩ ዚሰምዕ። ናይ መወዳእታ ፍሪኡ ኸኣ ጥልመትን ንድሕሪት ምምላስን’ዩ ዚኸውን። ገና ናብ ፍረ፡ ናብ ትግባረ ኸይበጽሐ ኸሎ፡ እቲ መስርሕ ምስማዑ ዝተቘጽየ ሰብ’ዩ። ስለ’ዚ ምስ ሰማዕቲ ኺምደብ ዘይክእል ሰብ’ዩ። እቲ ሳልሳይ ሰማዒ ኸኣ ዝገደደ’ዩ። እቲ እዝኑን ልቡን ንዅሉ ዓይነት ዘራእቲ ኽፉት’ዩ። እሾዅ ንዚዘርእ ብሓጐስ ይቕበል፡ ስርናይ ንዚዘርኣሉ’ውን ብሓጐስ ይቕበል። ኪዳን ዘይብሉ ኣመንዝራ ልቢ’ዩ ዘለዎ። ንዝመጸ ዘራኢ ንዝመጸ ዘራእቲ ብማዕረ የአንግዶ። ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ኣምላኽን ዓለምን ማዕረ ኽብሪ’ዩ ዘለዎም። ኣብ’ዚ ልቢ’ዚ እሾዅ’ምበር፡ ስርናይ ክድንፍዕ ኣይክእልን’ዩ። ምኽንያቱ እቲ እሾዅ ብዋጋ’ቲ ስርናይ’ዩ ዚነብር። ምስናይ እሾዅካ ንስርናይ ከተአንግድ ምምራጽ፡ ነቲ ስርናይን ንዘራኢኡን ክትሰምዕን ከተኽብርን ዘይኰነስ ብኣንጻሩ ኸተዋርድ ከም ዝተዓጠቕካ’ዩ ዜቃልዕ። እቲ ራብዓይ ሰማዒ ግን ደሓን ይእተው፡ ንልቡ ኻብ ከውሕን እሾዅን ኣጽርዩ፡ ነቲ ስርናይ ብኽብሪ’ዩ ዚቕበሎ፡ ንፈራይነቱ ኺዕንቅፉን ዝመጹ ፈተናታት ብልዑል ትዕግስቲ እናመከተን እና’ምከነን ናብ ዓወት ይበጽሕ። ብሰሪ’ቲ ዘየቋርጽን ዝተራቐቐን ውዲታት ናይ’ቲ ቘሊባ ሰይጣን መጠንን ዓይነትን ናይ ፍሪኡ ብመጠኑ ክብ ለጠቕ ይብል ይኸውን፡ ገሊኡ 30፡ ገሊኡ 60፡ ገሊኡ ድማ 80 ይኸውን። “ካብ ምፍራይ በዅሩ፡ መኻን ኰይኑ” ግን ኣይበሃለሉን’ዩ። ስለ’ዚ ምስማዕ፡ “ካብ ክሳብ” ዚበሃል መስርሕ’ምበር፡ ነቲ ቓል ኣምላኽ ኣብ እዝኒ ስጋኻ ዚንስነሰሉ ሒደት ደቃይቕ ወይ ሒደት ሰዓታት ዚምልከት ጥራሕ ኣይኰነን። “ምስማዕ” ዚበሃል ካብ’ታ ምዝራእ ክሳዕ ምፍራይ ዘሎ ዅሉ ጊዜን መስርሕን’ዩ። እንተ በቲ ሰራቒ ሰይጣን፡ እንተ ብኸውሒ፡ እንተ ብእሾዅ እቲ መስርሕ እንተ ተዓንቂፉ፡ እቲ ፈራዲ ዚህቦ መደምደምታ “ኣይሰምዐን”’ዩ ዚኸውን። ምኽንያቱ ምስናይ ከውሕኻን ምስናይ እሾዅካን ከለኻ ምስማዕ፡ ጥዕና ዘለዎ ቝምነገረኛ ምስማዕ ኣይኰነን። እዚ ምስላ’ዚ ኽንዲ’ቲ መሃርነቱ፡ ክንድኡ ኸኣ የሕዝነካን የፍርሃካን’ዩ። ምኽንያቱ ዓብላሊ ቝጽሪ ዘለዎም እቶም ዘይሰምዑ’ዮም። ሰለስተ ርብዒ ናይ’ቶም ሰማዕትኻ ምስ’ቶም ዘይሰምዑ ተመዲቦም ድራር ገሃነም ከም ዚዀኑ ኻብ ምስማዕ ዚኸፍእ እንታይ ኻልእ መርድእ ኣሎ፧
ሰማዕቲ ወይ ዘይሰምዑ ምዃንና ዜመሓላልፎ መልእኽቲ እንታይ’ዩ፧ ዝዀነ ይኹን ተግባር ወይ ምርጫ፡ ድምጺ ዘይብሉ ሓያል መልእኽቲ’ዩ ዜመሓላልፍ። ንሕና ነታ ሽዓ ‘ንገብራ ዘለና ተግባር ጥራይ’ምበር፡ ነቲ ጓሳ እተመሓላልፎ መልእኽቲ ኣይነድህበሉን ኢና። ዘይምድሃብ ጥራይ ግን ኣይኰነን፡ ግብራዊ መልእኽቲ ነመሓላልፎ ከም ዘለና’ውን ብመሰረቱ ኣይንፈልጥን ኢና። እቲ ‘ነመሓላልፎ መልእኽቲ ብቐዳምነት ብዛዕባ’ቲ ዝኣዘዘ ኣምላኽ ኪኸውን ከሎ፡ ብኻልኣይ ደረጃ ኸኣ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና’ዩ። ገሊኡ ግብራዊ መልእኽትና፡ ንኣምላኽ ከቢድ ጸርፊ ምጽራፍ’ዩ። ንጉስ ሰለሞን፦ “እቲ ንድኻ ዚጭቝን ንፈጣሪኡ ይጸርፍ ..... እቲ ንድኻ ዚርሕርሓሉ ንእግዚኣብሄር የለቅሖ።” ዚብል ቃል ጽሒፉ ኣሎ (ምሳ 14፡31 ፣ 19፡17)። እቲ ዚጭቍን ኰነ እቲ ዚርሕርሕ፡ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ዘሎ ድኻ ጥራሕ’ዮም ዚርእዩ’ምበር፡ ንኣምላኽ ኣይርእይዎን’ዮም። እቲ ድምጺ ኣልቦ ግብራዊ መልእኽቶም ግን ንሰማያቲ ሰንጢቑ ናብ’ቲ ልዑል ኣምላኽ ድሮ በጺሑ ኣሎ። ነቲ ጨቛኒ፡ “ኣታ ንምንታይ ደኣ ንፈጣሪኻ ትጸርፎ፧” እንተ ንብሎ፡ እምብዛ ሰምቢዱ፡ “ወሪዱኒ፡ ኣበይ ረኺበዮ ደኣ’የ ዝጸርፎ፧ እንታይ ኢለ’የኸ ዝጸረፍክዎ፧” ኢሉ ብቝጥዓ ምሓተተና ነይሩ።
እምበኣር ምስማዕና ዀነ ዘይምስማዕና ኸኣ፡ ሰፍ ዘይብል ከቢድ፡ ኣዝዩ ኸቢድ መልእኽቲ’ዩ ዜመሓላልፍ። ነቲ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ዜመሓላልፎ መልእኽቲ፡ ጐይታና ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ፦ “እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝዀነ፡ ንቓል ኣምላኽ ይሰምዕ’ዩ። ንስኻትኩም (ኣይሁድ) ግና፡ ካብ ኣምላኽ ኣይኰንኩምን’ሞ፡ ስለ’ዚ ኢኹም ዘይትሰምዑ። “ ዮሃ 8፡47።
እቲ ኻብ ኣምላኽ ዘይኰነ ዅሉ ኸኣ፡ ካብ’ቲ ናይ ሓሶት ኣምላኽ፡ ካብ ድያብሎስ ምዃኑ ግሁድ’ዩ (ዮሃ 8፡44 ፣ 1ዮሃ 3፡8-10 ፣ 4፡4-6)። ስለ’ዚ እንተ በቲ ሰራቒ ተመንጢልና፡ እንተ ብገዛእ ኸውሕና ተዓጊትና፡ እንተ ብገዛእ እሾዅና ተሓኒቕና ኻብ’ቲ ምሉእ ምስማዕ እንተ ጐደልና፡ “ካብ ኣምላኽ ኣይኰንኩን፡ ስለ’ዚ ንኣምላኽ ዜስምዕ ምኽንያትን ንኣምላኽ ናይ ምስማዕ ሓላፍነትን ግዴታን የብለይን” ዚብል ንመንነትና ዜቃልዕ፡ ነቲ ልዑል ኣምላኽ ዜስተናዕቕ ኣዝዩ ኽፉእን ግናይን መልእኽቲ ነመሓላልፍ ከም ዘለና ንፍለጥ። እዚ ኽፉእ መልእኽትና’ዚ ማዕረ ኽንደይ ከቢድ ምዃኑ ዚርድኣና፡ መስጣ ናይ ዘይምስማዕና ኣብ መዓሙቝ ገሃነም፡ ኣብ’ቲ ብዲን (ብሳልፈር) ዚፈልሕ ቀላይ ሓዊ ምስ ተፈደናዮ’ዩ። ስለ’ዚ ኢና ደምበና ኽንልውጥ ዚግብኣና። ድሕሪ ምጽኣት ተጣዒስካ ዚመጽእ ለውጢ ስለ ዘየለ፡ ሎሚ ንለብም’ሞ ካብ ደምበ ጸልማት፡ ካብ ደምበ ዘይስምዑ ሃዲምና ነምልጥ። ኣብ ደምበ ሰማዕቲ ድማ ንተዓቘብ። ሽዑ ኽብርናን ሓጐስናን እምብዛ ኺዓዝዝ’ዩ (ምሳ 1፡20-33 ይነበብ)።
ነቲ ምስማዕና ኣዝዩ ኽቡር፡ ነቲ ዘይምስማዕና ግን ከቢድ ዕሽነት ዚገብሮ እንታይ’ዩ፧ ብዘይውልውል፡ የማነ-ጸጋም ከይበልና፡ እታ መልሲ “መንነት ናይ’ቲ ዝዛረበና ዘሎ ኣካል” ትብል’ያ። እቲ ንቡርን ባህርያውን ግብረ መልሲ፡ “እቲ ልዑል ኣምላኽ ተዛሪቡ፡ እቲ ድኹም ሰብ ከኣ ሰሚዑ” ኽትከውን ከላ’ዩ። እታ ግብረ መልሲ እንተ ተገልቢጣ’ሞ፡ ናብ ኣሉታ እንተ ተለዊጣ፡ ሰማይን ምድርን ዘይጾርዎ ኣበሳ’ዩ ዚኸውን። እግዚኣብሄር ዚኣክል፡ ልዑል፡ ክቡር፡ ቅዱስ ..... ኣምላኽ፡ ንሰብ፡ ነዚ ሓጥእ፡ ድኹም፡ መዋቲ ፍጥረት ተዛሪብዎስ፡ “ሰብ ግና ኣይሰምዕን ኢሉ ኣብዩ” ኺበሃል፡ ትንተና’ኳ ዘየድልዮ ከቢድ ኣበሳ’ዩ። ኣብ ምስማዕን ዘይምስማዕን’ኳ ኸይተብጽሐ፡ “ኣምላኽ መዛርብቲ ሰብ ኰይኑ” ኢልና ኽንሓስቦ ጥራይ’ኳ ምስ ውርደት ዚዳረግ’ዩ። ሰናይ ኣምላኽ፡ ጽቡቕና ዚደልይ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ ግና በቲ መሓርን ሕያዋይን ባህሪኡ ተደሪኹ፡ ምስ ሰብ ምዝራብ ክብረቱ ገበሮ። ክብሪ ነቲ ቕዱስ ስሙ፡ ክብሪ ንሕያውነቱ ይኹን። በቲ ንድሕነትና ኺብል ዝተጋህደ መሓርን ሰናይን ባህርዩ ምእንቲ ኸይንጻወትን ከይንላገጽን’ዩ፡ “ምስማዕ ከይትኣብይዎ ተጠንቀቑ” ኢሉ ቅዱስ ጳውሎስ ዜጠንቅቐና ዘሎ። ጐይታና፡ ነታ ኣብ እግሩ ተቐሚጣ፡ ኣፋን ልባን ከፊታ ትሰምዖ ዝነበረት ማርያም ሓብቲ ኣልኣዛር፡ በታ ብሓልዮት ሓዳር ልባ ዝተሓንቀ ሓብታ ኽትንቀፍ ምስ ሰምዐ፡ “ማርታ ማርታ ብብዙሕ ነገር ትጭነቕን ትጕህይን ኣለኺ (ትሕነቒ ኣለኺ)፡ እቲ ዜድልይ ግና ሓደ ነገር ጥራሕ’ዩ። ማርያምሲ ኻብኣ ዘይውሰድ ጽቡቕ ግደ ሓርያ ኣላ።” ኢሉ መሃራ (ሉቃ 10፡38-42)።
እምበኣር ናብ ርእስና ንመለስ፡ ኣሰማምዓና ንፈትሽ። ምስማዕ ካብ’ቲ ዘይምለቖ መዓት እንኮ መዋጽኦና’ዩ። ዘይምስማዕ ከኣ መንፈሳዊ ርእሰ ቕትለት፡ ረቒቕ ማሕነቕቲ’ዩ። ንኣምላኽ ምስማዕ፡ ተኻፋሊ መለኮታዊ ኽብሪ ዚገብር፡ ክብረትና’ዩ። ዘይምስማዕ ከኣ፡ ናብ ደረጃ እንስሳ፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ናብ ደረጃ ኣጋንንቲ ዜውርድ፡ ውርደተኛ ምርጫ’ዩ። እምበኣር ከም’ዛ ለባም ኣደ፡ ከም ማርያም፡ ነቲ ሰይጣን ካባና ኺምንዝዖ ዘይክእል ጽቡቕ ግደ፡ ክቡር ግደ ንሕረይ። ከመይሲ እቲ ኣምላኽ ካባና ዚደልዮ ሓደን እንኮን ነገር፡ ምሉእን ፈራይን ዝዀነ ምስማዕ ጥራሕ’ዩ። እምበኣር ነቲ ንኣና ብምዝራብ ዘኽበረና ኣምላኽ፡ ንሕና ኸኣ ንእኡ ጥራሕ ብምስማዕ ነኽብሮ!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
25 ለካቲት 2024 | የካቲት 17, 2016 ግዕዝ (መበል 24 ሰንበት: ቊ.፳፬/24) |
||
ምስባክ መዝ. ፵፱(፶)፡፬-፮ “አስተጋብኡ ሎቱ ጻድቃኑ። እለ ይገብሩ መሥዋዕተ ዘበሕጉ። ይነግራ ሰማያት ጽድቀ ዚአሁ።” ዓዲ፡ መዝ ፹፰(፹፱)፡፯,፰ “እግዚአብሔር ስቡሕ በምክረ ቅዱሳን። ዓቢይ ወግሩም ዲበ ኵሎሙ እለ ዓውዱ። እግዚኦ አምላከ ኃያላን መኑ ከማከ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
እብ 12፡12-25 |
ዲያቆን |
|
1 ዮሃ 4፡7-13 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 7፡29-35 |
ንፍቅ ካህን |
|
ዮሃ 10፡34-ፍጻመ |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ ዘ፫፻ት - ግሩም | መዝሙር፦ ተበሃሉ ጻድቃን |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ