እዚ ሰንበት እዚ ሓሙሻይ ሰንበት ኣብዚ ዘሎናዮ ዘመነ ልድት እዩ። ናይ ሎሚ ናይ ወንጌል ትምህርትና ድማ ንህይወትን ኣገልግሎትን፡ ሃና ጓል ፋኑኤል ዝድህስስ ኪከውን እዩ።
እዛ ኣደ እዚኣ ብዓሌታ ካብ ነገድ ኣሴር እያ። ኣሴር ሓደ ካብቶም 12 ነገዳት እስራኤል እዩ። ገና ብንእስነታ ሓዳር ጌራ ክትነብር ጀመረት።
ሕሊና ማለት እግዚኣብሔር ኣምላኽ ብመለኮታዊ ጥበቡ ጌሩ ኣብ ሕይወትና ዘቐመጦ: ሕማቕ ስርሓትን ዘይሕጋዊ ነገራትን ክንፍጽም ከሎና ኣንጻርና ኮይኑ ዝቃወመናን ናብ ኣምላኽ ዝጠርዕን ድምጺ ውሽጣዊ ነፍስና እዩ። ኣምላኽ ክፈጥረና ከሎ ጽሩይ ኣእምሮን ዘይተበላሸወ ሕይወትን ሂቡ፡ ብቕንዕና ሠናይ ክንገብርን ሠናይ ድማ ክንረክብን ኢሉ ፈጠረና። ንሕና ግና ዓመታት እንዳወሰኽና ክንዓቢ ከሎና ብተንኮል ሰይጣን ተታሊልና ብዙሕ ጌጋታት ብምፍጻም ንፈጣሪና ነሕዝኖ ኢና። ስለዝኾነ ድማ እዩ ብዙሕ ግዜ ዘይግባእ ስራሕ እንተ ገበርና ሚዛን ሕሊናና ዝነቕፈናን፡ ውሽጣዊ ልብና ከኣ ጣዕሳ ዝስምዓናን።1 ጴጥ 3፡16.
እዚ ሰንበት እዚ፡ 28 ጥሪ 2018፡ ራብዓይ ሰንበት ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎናዮ ቅነ፡ ቅነ ልደት እዩ። ትሕዝቶ ናይ ወንጌል ምንባብና ድማ ካብቲ ብዛዕባ ናይ ጐይታና ዕቤትን፡ ወዲ 12 ዓመት ምስ ዀነ ኣብ መዓልቲ ፋሲካ ኣብ ማእከል ሊቃውንቲ ብምዝርራቡ ዘርኣዮ ምስትውዓልን ዝገለጾ ሓቅታትን ዝድህስስ እዩ።
እዚ ሰንበት እዚ ንበዓል ጥምቀት ጐይታና ዝምልከት መልእኽቲ እነመሓላልፈሉ መዓልቲ እዩ። ጐይታና ከም ኵሉ ሰብ ምስ ዓበየ፡ ንእስራኤል ክገሃድ ቅዱስ ዮሃንስ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ናይ ንስሓ ጥምቀት ክሰብኽ ጀመረ። ስለዚ ጥምቀት ክርስቶስ ምስ ሕብረት ኣቦን መንፈ ቅዱስን ንህዝቡ ዝተጋህደሉ (ዝተገልጸሉ) ፍጻሜ እዩ።
ሎሚ ንኹሉ ህዝቢ ዝኸውን መድሓኒ ንሱ ከኣ ክርስቶስ ጐይታ ተወሊዱልኩም ስለ ዘሎ ተሓጐሱ። ሉቃ 2፣11
መእተዊ፣- ልደትን ቅንያቱን
መምህር ዓምደብርሃን ሞይቶም ዝብል መርድእ ይስማዕ ኣሎ። ንዓይ ብውልቂ ዝስመዓኒ ሓዘን ወሰን የብሉን። ከመይሲ ብቐረባ ካብ ዝፈልጥዎም ሓደ ስለ ዝኾንኩ እየ። ነታ ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንና’ውን እዚ ናቶም ሞት ዓቢይ ማህሰይቲ እዩ።
“እቲ ደገ ኣባጊዕ ኣነ ከም ዝዀንኩ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።…እቲ ደገ ኣነ እየ። ብኣይ ዚኣቱ ኪድሕን፡ ኪኣቱን ኪወጽእን መጓሰዪውን ኪረክብ እዩ።…እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ህይወቱ በጃ ኣባጊዑ የሕልፋ።” (ዮሃ 10፡7,9,11)።
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ