ጐይታና ነቶም ሰብዓን ክልተን ኣርድእቱ በብኽልተ ድሕሪ ምምዳብ፡ እቲ ዚግባእ መምርሕን ስልጣንን ኣዕጢቝ፡ “መንግስቲ ኣምላኽ ናባኻትኩም ቀሪባ ኣላ” ኢሎም ኪሰብኩ ለኣኾም። በቲ ዝተኣዘዝዎ መሰረት ተልእኾኦም ፈጺሞም ኵላቶም ናብኡ ተመልሱ። ነቲ ዝለኣኾም ጐይታ ድማ ጸብጻቦም ኪህብዎ ጀመሩ። ካብቲ ዝፈጸምዎ ተልእኾ እቲ ብዝያዳ ዝመሰጦም ድማ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣጋንንቲ ዝተመከርዎ ስልጣን ነበረ። “ጐይታይ፡ ኣጋንንቲ ድማ ብስምካ ይግዝኡና ኣለው፡” ኢሎም ብሓጐስ ነገርዎ። ጐይታ ድማ፡ ነቲ ሓጐሶም ዜዕዝዝ፡ “ሰይጣን ከም መብረቕ ካብ ሰማይ ኪወድቕ ከሎ ረኣኽዎ” ዚብል ብስራት ነገሮም።
ኣጋንንቲ ኻብ ሓደ ሰብ እንተ ኣውጻእካዮ፡ ኣብ ካልእ ሰብ ኪሓድሩ ይኽእሉ እዮም። ናይ ጐይታ ዕላማን ተልእኾን ግና ሰይጣን ብዓብዪ ካብ ሰማያት ናብ መዓሙቕ ክሳዕ ዚወድቕ ምስዓር እዩ። እዚ ድማ ኣብ መስቀል እዩ ዚፍጸም። ጐይታና ብሞቱ ነቲ ሓይሊ ሞት ኣብ ኢዱ ዝሓዘ፡ ንዅሉ ዘርኢ ኣዳም ድማ ብፍርሃት ሞት ዚገዝእ ዝነበረ ሰይጣን ሰዓሮ። ነቲ ዕዳ ጽሕፈት ናይ ሓጢኣት ብደሙ ደምሲሱ ኸኣ ንሰይጣን ኣጽዋሩ ገፊፉ ኣስተሓፈሮ። “ሞት ብዓወት ተዋሕጡ። ዎ ሞት ኣበይ ኣሎ ብልሕኻ፧ ኣታ ሲኦልከ ኣበይ ኣሎ ዓወትካ፧” ኢሉ ድማ ፈከረሉ፡ ናብ ገዛእ ግዝኣቱ ናብ ሲኦል ወሪዱ ድማ ነቶም ምድሓኑ ዚጽበዩ ዝንበሩ ዅሎም ቅዱሳኑ ማሪኹ ወጸ (እብ 2፡14-16፣ ቈሎ 2፡14,15፣ 1ቈረ 15፡54,55፣ ኤፌ 4፡8፣ 1ጴጥ 3፡19፣ 4፡6)። ቅድሚ ስቕለትን ትንሳኤን ናይ ክርስቶስ ከምቲ ንኢያሱ ወዲ ይሆጻዳቅ ዝገበሮ (ዘካ 3፡1,2) ሰይጣን ኣብ ቅድሚ ዝፋን ኣምላኽ ደው ኢሉ ንሰባት ናይ ምኽሳስ ስልጣን ነበሮ። እዚ ናይ ሓጢኣትን ሞትን ስልጣኑ ምስ ተገፍፈ ግና፡ ብድሕሪኡ ኣብቲ ቦታ እቲ ኸይቀውም ካብ ሰማያት ከም እተደርበየ፡ “ኣብ ሰማይ ኸኣ ውግእ ኰነ፡ ሚካኤል መላእኽቱን ምስቲ ገበል ተዋግኡ፡ እቲ ገበልን መላእኽቱን ከኣ ተዋግእዎም። ኣይሰዓርዎምን ከኣ፡ ድሕርዚ ስፍራኦም ኣብ ሰማይ ኣይተረኽበን። እቲ ንብዘላ ዓለም ዜሰሕታ ዘሎ ዲያብሎስን ሰይጣንን ዚበሃል ዓብዪ ገበል፡ እቲ ናይ ጥንቲ ተመን ተደርበየ፡ ናብ ምድሪ ተደርበየ፡ መላእኽቱ’ውን ምስኡ ተደርበዩ። ኣብ ሰማይ ከኣ ዓው ብዝበለ ድምጺ፡ እቲ ለይትን መዓልትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና ዚኸስሶም ኸሳስ ኣሕዋትና፡ ተደርብዩ እዩ እሞ፡ ሕጂ ምድሓንን ስልጣንን መንግስትን ናይ ኣምላኽና ዀይኑ፡ ምልኪ ኸኣ ናይቲ ቕቡኡ እዩ፡’ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።” ብዚብል ቃል ተገሊጹልና ኣሎ (ራእ 12፡7-10)። ጐይታ ዝረኣዮ ውድቀት ሰይጣን እዚ እዩ።
ደጊሙ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ተመንን ዕንቅርቢትን ሓይሊ ጸላእን (ዲያብሎስን) ስልጣን ከም ዝሃቦም ኣረጋገጸሎም። እቶም ተመንን ዕንቅርቢትን ተባሂሎም ዘለው፡ እቶም ኣጋንንቲ ናይ ዲያብሎስ፡ እቶም መዓይይቲ ሰይጣንን ዝዀኑ ሰባትን እዮም። ናይ ሰይጣን ሰባት፡ ብተመንን ዕንቅርቢትን ከም ዚምስሉ፡ በቲ ንነብዪ ህዝቅኤል ዝተነግሮ፡ “. . . ዋላ’ኳ ምስ ኣምዐን እሾኽን እንተ ዀንካ ኣብ ማእከል ዕንቅርቢታት ተቐሚጥካ ክነስኻስ፡ ዓላዊት ቤት እዮም እሞ፡ ንቓላቶም ኣይትፍርሃዮ፡ ገጾምውን ኣየሰምብድካ።” ዚብል ቃል ተገሊጹልና ኣሎ (ህዝ 2፡6)። ዮሃንስ መጥምቕን ጐይታናን’ውን ንፈሪሳውያን፡ “ኣቱም ውሉድ ኣትማን፡ ውሉድ እቲ መንደላይ ተመን” ኢሎምዎም ኣለው (ማቴ 3፡17፣ 12፡34፣ 23፡33)። ቅዱስ ዳዊት’ውን ብዛዕባ እቶም ዚጻረርዎ ዝንርበሩ ሰባት፡ “ረሲኣን ካብ ከርሲ ወላዲቶም ጀሚሮም ኣግለሱ፡ . . . ሕንዚ ተመን ዚመስል ሕንዚ ኣለዎም፡ ከምቲ . . . ኣእዛኑ ዚዓብስ ጸማም ተመን እዮም። . . . መልሓሶም ከም ኣትማን የብልሑ፡ ኣብ ትሕቲ ኸናፍሮም ሕንዚ ኣፍዑት ኣሎ።” ብምባል ገሊጹ ኣሎ (መዝ 58፡3-5፣ 140፡3፣ ሮሜ 3፡13)። ስለዚ ጐይታ ተመነ-ዕንቅርቢት ከም ዚረግጹ ኺነግሮም ከሎ፡ ከም ዚስዕሩ የበስሮም ኣሎ እምበር ነቶም ዚጻረርዎም ሰባት ከም ዚረግጽዎም ሕነ ኸም ዚፈድይዎም ኣይነገሮምን። ነዚ ተስፋ እዚ በቲ ንመራሒ ቤተ ክርስቲያን ፊላደልፍያ፡ “ንግብርኻ እፈልጦ ኣሎኹ። ዓቕምኻ ሒደት እዩ፡ ንቓለይ ሐሊኻዮ ንስመይውን ኣይከሐድካዮን እሞ፡ እንሆ፡ ሓደ እኳ ኺዐጽዎ ዘይኽእል ክፉት ደገ ሂበካ ኣሎኹ። እንሆ፡ ካብቶም፡ ኣይሁድ ኢና፡ ዚብሉ ማሕበር ሰይጣን፡ ግናኸ ይሕስዉ ኣለዉ እምበር፡ ኣይሁድሲ ዘይኰኑ፡ እህበካ ኣሎኹ። እንሆ፡ ንሳቶም ከም ዚመጹን ኣብ ቅድሚ እግርኻ ኸም ዚሰግዱን ኣነ ኸም ዘፍቀርኩኻ’ውን ከም ዚፈልጡን፡ ክገብሮም እየ። ንቓል ትዕግስተይ ስለ ዝሐሎኻዮ፡ ኣነ ድማ ካብታ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ኽትፍትኖም ናብ ኲላ ዓለም እትመጽእ ሰዓት ፈተና ኽሕልወካ እየ።” ዝተባህለሉ ቓል ኪበርሃልና ይኽእል እዩ (ራእ 33፡8-10)።
ጐይታ ኣጋንንቲ ስለ ዝተመልኩሎም ኪሕጐሱ ምስ ረኣዮም፡ ናይ ሓጐሶም ምኽንያቱ ብዝዓበየ ኣርእስቲ እምበር ንስዑራት ኣጋንንቲ ብምውጻእ ኪኸውን ከም ዘይግብኦ ነገሮም። ንክርስትያን እቲ ዝዓበየ ዓወቱ ስሙ ኣብ ሰማያት ኣብ መጽሓፍ ህይወት ኬጽሕፍ ምኽኣሉ እዩ። ስሙ ኣብኡ ዝተጻሕፈ ሰብ፡ ኣብ ምድሪ ኸሎ ወዲ መንግስተ ሰማያት ምዃኑ ኣረጋጊጹ ኣሎ ማለት እዩ። ነጋንንቲ ብስም ክርስቶስ ዚመልኩ ዅሎም ስሞም ኣብ ሰማያት ኣይጸሓፍን እዩ። እቶም ጐይታና “ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ፡ ከቶ ኣይፈለጥኩኹምን (ካበይ ምዃንኩም ኣይፈልጠኩምን’የ)፡ ካባይ ርሓቝ” ዝበሎም ሰባት፡ ብስም ጐይታ ዚንበዩ፡ ብስሙ ኣጋንንቲ ዜውጽኡ፡ ብስሙ’ውን ዓበይቲ ግብርታት ሓይሊ ዚገብሩ እዮም ዝነበሩ። እንተ ዀነ ፍቓድ ኣምላኽ ዘይኰነስ ግብሪ ዓመጻ ዚፍጽሙ፡ ኣገልገልቲ ፍቓድ ሰይጣን ስለ ዝነበሩ፡ ጐይታ ኣይተቐበሎምን፡ ኣፍልጦ ኣይሃቦምን፡ ንስሞም ኣብ መጽሓፍ ኣየስፈሮን። ስለዚ ንሓደ ሰብ ዓብይ ውሕስነት ዜውህቦ ብስም ክርስቶስ ኪሰርሕ ምኽኣሉ ዘይኰነስ፡ ክርስቶስ ዜፍቅሮን ኣብቲ ናቱ መጽሓፍ ህይወት ኬስፍሮ ዚፈትው ስም ኬጥርይ ምኽኣሉ እዩ። ክርስቶስ ዚጽየፎ ስም ሒዝካ፡ ብስም ክርስቶስ ብዙሕ ስራሕ እንተ ስራሕካ፡ ስም ክርስቶስ ብምርኻስካን ከም ዚጽረፍ ብምግባርካን ደኣ ንሓጢኣትካ ተብዝሖን ተብእሶን እምበር ዋላ ሓንቲ ረብሓ ኣይትረኽበሉን ኢኻ። ኣብ መጽሓፍ ህይወት ዚሰፍር፡ ክርስቶስ ኪሰምዮ ዚብህጎ ስም ዚህልወካ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ብምግባርን ጽቡቕ ፍረ መንፈስ ብምፍራይን ጥራይ እዩ። ነብዪ ሚልክያስ፡ ‘ሽዑ እቶም ንእግዚኣብሄር ዚፈርሁ ንሓድሕዶም ተዘራረቡ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ጽን በለ ሰምዐ’ውን፡ ነቶም ንእግዚኣብሄር ዚፈርሁን ንስሙ ኸኣ ዚሓስቡን ዚኸውን መጽሓፍ መዘከርታ ኣብ ቅድሚኡ ተጻሕፈ። በታ ኣነ ዝገብረላ (ዝፈርደላ) መዓልቲ ንሳቶም ገንዘበይ ኪዀኑኒ እዮም፡ ኣነ ኸኣ ከምቲ ወላዲ ነቲ ዜገልግሎ ውሉድ ዚንሕፎ ኽንሕፎም እየ። ንስኻትኩም ድማ ከም ብሓድሽ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ጻድቕን ረሲእን፡ ኣብ መንጎ እቲ ንኣምላኽ ዚግዝኦን ዘይግዝኦን ዘሎ ፍልልይ ክትርእዮ ኢኹም።” ኢሉ ዝጸሓፎ ቓል፡ ሰብ ብኸመይ ኣብ መጽሓፍ ህይወት ከም ዚሰፍር ጽቡቕ ገይሩ ዜመልክተና እዩ (ሚል 3፡16-18)። ቅድሚ ዅሉ፡ ንእግዚኣብሄር ምፍራህ ማለት፡ “ንኽፍኣት ምጽላእን ካብ ክፉእ ምርሓቕን” ማለት ምዃኑ ንዘክር (ምሳ 8፡13፣ 16፡17፣ እዮ 28፡28)። ስለዚ እዞም ፈራህቲ እግዚኣብሄር ንሓድሕዶም ኪዘራረቡ ኸለው፡ ካብ ክፉእ ቃላት ርሒቖም እግዚኣብሄር ኪስምዖ ዚብህጎ ዘረባ ይዛረቡ ነበሩ። እግዚኣብሄር እዚ ኽቡር ዘረባ ናይዞም ፈራህቱ ንዘለኣለም ነባሪ ዀይኑ ምእንቲ ኺነብር፡ ኣብ መጽሓፍ መዘከርታ ኣብ ቅድሚኡ ኺጸሓፍ ኣዘዘ። ሰናይ ተግባር ኪገብሩ ኸለው’ውን ብተመስጦ ኣተኵሩ ይዕዘብ እሞ ኣብኡ ኣብቲ መጽሓፍ ህይወት ኣብ ጐድኒ እቲ ስሞም ይምዝግቦ። ኣብታ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ከከም ግብሩ ዚፈርደላ መዓልቲ ድማ ገንዘቡ እዮም እሞ፡ ካብቲ ሽዑ ዚወርድ መዓትን ቍጥዓን ንሒፉ፡ ናብ መንግስቱ ናብቲ ኽብሩን ሓጐሱን የእትዎም። እግዚኣብሄር ነቶም ብሓሳቦምን ብቓላቶምን ብግብሮምን ዚግዝእዎ እዩ ኣብቲ ናይ ህይወት መጽሓፍ ዜስፍሮም። ነቶም ዘይግዝእዎን ከም ዘሎ እኳ ፈጺሞም ዘይሓስብዎን ግና ኣብ ካልእ መጽሓፍ’ዩ ዚጽሕፎም። ሽዑ ናብቲ ቐላይ ሓዊ፡ ናብቲ ካልኣይ ሞት ኣሕሊፉ ኺህቦም እዩ። ብዛዕባ’ቲ ዝረኣዮ ራእይ፡ ሃዋርያ ዮሃንስ፡ “ምውታት ድማ፡ ዓበይትን ንኣሽቱን፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ደው ኢሎም ረኣኹ፡ መጻሕፍቲ’ውን ተገንጸሉ። ካልእ መጽሓፍ ከኣ ተገንዘለ፡ እዚውን እቲ መጽሓፍ ህይወት እዩ። እቶም ምውታት ድማ፡ ከምቲ ኣብቲ መጻሕፍቲ ተጻሒፉ ዝጸንሐ፡ ከከም ግብሮም ተፈርዱ። ባሕሪ ድማ ነቶም ኣብኣ ዘለው ምውታት ወፈየት፡ ሞትን ሲኦልን’ውን ኣባታቶም ዘለው ምውታት ወፈዩ። ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ግብሮም ተፈርዱ። . . . ዝዀነ ይኹን (ሰብ) ኣብ መጽሓፍ ህይወት ተጻሒፉ ዘይተረኽበ፡ ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበየ።” ብምባል ገሊጹልና ኣሎ (ራእ 20፡11-15)። ስለዚ እንተ ኣብቲ መጽሓፍ ህይወት፡ እንተ ኣብቲ ካልእ መጻሕፍቲ ጥፍኣት ኽንምዝገብ እንመርጽ ባዕላትና ኢና። እቲ ምርጫ ድማ ብኣካይዳና ብቓላትናን ኢና እንፍጽሞ። ኣብኡ ኸሎ፡ “ኣብ መጽሓፍ ህይወትዶ ክትጸሓፍ ትደልይ ኢኻ፧” ተባሂሉ ዝተሓትተ ሰብ፡ ብዘይ ጥርጥር ሕራይ ምበለ። እቲ ብሓሳቡ ዚመርጾን እቲ ብግብሩ ዚመርጾን ግና ኣዝዩ ዓብዪ ፍልልይ ኣለዎ። ስለዚ እቲ ሓቀኛ ምርጫኡ ኺፈልጥ ዚደልይ ሰብ፡ ነቲ ምስ ሰባት ዚዛረቦ ቃላትን ዚገብሮ ግብርን ዚሓስቦ ሓሳባትን ይምዘን።
እቲ ኣዝዩ ዜሕዝን ግና፡ ኣብ መጽሓፍ ህይወት ተጻሒፉ ጸኒሑስ ዚፈሓቝ ሰብ ምህላው እዩ። ንመራሒ ቤተ ክርስቲያን ሳርዴስ፡ “ክዳውንቶም ዘይጸየቝ ሒደት ስማት ኣለውኻ፡ ንሳቶም ብቝዓት እዮም እሞ፡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም ምሳይ ኪመላለሱ እዮም። እቲ ዚስዕር ከምኡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ኪኽደን እዩ ንስሙ’ውን ካብ መጽሓፍ ህይወት ኣይክፍሕቆን እየ፡ ኣብ ቅድሚ ኣቦይን ኣብ ቅድሚ መላእኽቱን ድማ ንስሙ ኽእመኖ እየ።” ዝተባህለሉ ቓል፡ እቲ ንጽህና ልብሲ ምድሓኑ ኣብ ምሕላው ዝተዓወተ ጥራይ ስሙ ካብ መጽሓፍ ህይወት ከም ዘይፈሓቝ ኣረጋጊጹልና ኣሎ (ራእ 3፡4,5)። ናብታ ቅድስቲ ኸተማ ብደጌታት ዚኣትው፡ ኣብታ ኦም ህይወት ድማ መሰል ዚረኽቡ፡ እቶም ክዳውንቶም ብሓጢኣት ከይጽየቕ ዚጥንቀቑ፡ እንተ ተጸየቑ ድማ ቀልጢፎም ዚሓጽቡ ምዃኖም ቃል እግዚኣብሄር “እንሆ፡ ቀልጢፈ እመጽእ ኣሎኹ፡ እቲ ንቓላት ትንቢት እዚ መጽሓፍ እዚ ዚሕሉ ኸኣ ብጹእ እዩ፡ በለኒ። ነዚ ነገር እዚ ዝሰማዕክዎን ዝርኤኽዎን ኣነ ዮሃንስ እየ። ምስ ሰማዕኩን ምስ ርኤኹን ከኣ፡ ኣብ ቅድሚ ኣእጋር እቲ ነዚ ነገር እዚ ዘርኣየኒ መልኣኽ ክሰግድ ፍግም በልኩ። . . . ኣብታ ኦም ህይወት መሰል ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ናብታ ኸተማ’ውን ብደጌታታ ምእንቲ ኺኣትዉስ፡ እቶም ክዳውንቶም ዚሐጽቡ ብጹኣን እዮም። እቶም ኣኽላባትን ጠንቈልትን ኣመንዝራታትን ቀተልትን መምለኽቲ ጣኦታትን ንሓሶት ዚፈትውዎን ዚገብርዎን ዘበሉ ዂሎም ግና ኣብ ወጻኢ እዮም። ” ብምባል ኣረጋጊጹልና እዩ (ራእ 22፡7,8,27፣ 22፡14,15)። እምበኣር ዝኸበርኩም ስድራ ቤት ኣምላኽ፡ ምርጫና ነጸብቕ። ንጽህና ናይቲ ለቢስናዮ ዘለና ስጋን፡ ልብሲ ምድሓንን ንሓልው። ከምዚ እንተ ገበርና፡ ስምና ንዘለኣለም ብደም ክርስቶስ ኣብቲ መጽሓፍ ህይወት ተጻሒፉ ኺነብር ዘለኣለማዊት ቤትና እታ ቕድስቲ ኸተማ ኽትከውን፡ ምስቲ ንድሕነትና ክቡር ደሙ ዘፍሰሰ ቅዱስ ገንሸል ነጊስና ኽንነብር ኢና።
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ
ዕለት፥ ሰንበት ነሓሰ 5, 2018 (ሓምለ 29, 2010 ግእዝ) |
||
ናይቲ መዓልቲ ስብከት መዝ 77፡17-18 ቃለ ወሀቡ ደመናት አሕፃከ ይወፅኡ ቃለ ነጐድጓድከ በሠረገላት ኣስተርአየ መባርቅቲሁ ለዓለመ “ደበናታት ብርቱዕ ማያት ኣፍሰሰ፡ ጠፈር ድምጹ ኣስምዔ፡ ፍላጻታትካውን ተወርወረ። ድምጺ ነጐድጓድካ ኣብ ህቦብላ ነበረ፡ መባርቕ ንዓለም ኣብርሃ፡ ምድሪ ተናወጸት ኣንቀጥቀጠትውን።” |
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት |
|
ንባብ |
ኣንባቢ |
|
1ተሰ 2፡1-13፣
|
ዲያቆን |
|
ወንጌል፡ ሉቃ 10፡17-25 |
1ጴጥ 2፡1-13 |
ንፍቀ ዲያቆን |
ቅዳሴ፡ ዘኤጲፋንዮስ (ዐቢይ) |
ግብ 20፡1-13 |
ንፍቀ ካህን |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ