እዚ ዕለት እዚ፡ ብቕድስቲ ቤተ ክርስቲያንና፡ “በዓለ-ሓዋርያት” ተባሂሉ እዩ ዚጽዋዕ። ካብ በዓል መንፈስ ቅዱስ ክሳዕ እዚ ዕለት እዚ ድማ ኣብቲ ቤተ ክርስቲያንና “ጾመ ሃዋርያት” ኢላ ዝሰመየቶ ጾም ኢና ተጸሚድና ጸኒሕና። ነዚ ዕለት እዚ ተሰሪዑልና ዘሎ ናይ ወንጌል ንባብ ድማ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብኸመይን ንኽንደይን ንመንን ንሃዋርያነት ከም ዝሓረየ ዚገልጸልና እዩ። መጽሓፍ ቅዱስና ኻብቶም ብዙሓት ደቀ መዛሙርቱ ነዞም ዓሰርተው ክልተ ሰባት ንሃዋርያት ንምሕራይ ዝተጠቕመሉ ረቛሒታት እንታይ ምንባሩ ኣይገልጸልናን እዩ።
እንተ ዀነ ነዞም ከም ብልሓተኛታት ሃነጽቲ ዀይኖም መሰረት ቤተ ክርስቲያን ኣብ መላእ ዓለም ኪስርቱ ዝተሓርዩ ሃዋርያት ብኣዝዩ ልዑልን ክቡርን ረቛሒታት ከም ዝሓረዮም ዜጠራጥር ኣይኰነን። ምኽንያቱ፡ ንምድራዊ ዕዮ ጥራይ ዘይኰነ፡ ንፍሉይ ሰማያዊ ኽብሪ እዩ ዝመረጾም። ኣብ ሓደ እዋን ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “እንሆ፡ ንሕና ዅሉ ሓዲግና ሰዓብናካ፡ እንታይ ኰን ክንረክብ ኢና” ኢሉ ምስ ሓተቶ፡ ጐይታና ድማ፡ “ንስኻትኩም ዝሰዓብኩምኒ፡ ብሓድሽ ልደት በታ ወዲ ሰብ ኣብ ዝፋን ክብሩ ዚቕመጠላ ጊዜ፡ ንስኻትኩም ድማ ኣብ ዓሰርተው ክልተ ዝፋን ተቐሚጥኩም ንዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል ከም እትፈርዱ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።” ብምባል ሰማያዊ መጻኢኦም እንታይ ከም ዚመስል ኣፍለጦም (ማቴ 19፡27,28)። እዚ ጐይታ ዝሃቦ ተስፋ ልክዕ ከምኡ ምዃኑ፡ ኣብቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ዝረኣዮ ራእይ፡ “ዝፋናት ድማ ረኣኹ፡ ኣባታቶም ከኣ ተቐመጡ፡ ፍርዲ’ውን (ኪፈርዱ’ውን) ተዋህቦም። . . . ናይ ኣምላኽን ናይ ክርስቶስን ካህናት ኪዀኑ፡ ምስኡ’ውን ሽሕ ዓመት ኪነግሱ እዮም እምበር፡ እቲ ኻልኣይ ሞት ኣብዚኣቶም ስልጣን የብሉን።” ብምባል ኣረጋጊጹ ኣሎ (ራእ 20፡4,6)። ኣስዒቡ’ውን፡ “ቀጽሪ እታ ኸተማ (ሰማያዊት ኢየሩሳሌም) ከኣ ዓሰርተው ክልተ መሰረት ኣለዎ ኣብኡ ድማ ዓሰርተው ክልተ ስም ናይቶም ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያት እቲ ገንሸል ኣሎ።” ኢሉ ንሃዋርያነቶም ዝተዋህቦ ኽብሪ ገለጸልና (ራእ 21፡14)። እቲ ኣብቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እምኒ መኣዝኑ ዝዀነ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን ተነዲቑን ተሰሪቱን ወዲ ዓዶም ንቕዱሳንን፡ ኣባል ስድራ ቤት ኣምላኽን ኪኸውን ዝበቕዐ ሰብ፡ እምበኣር ናብዛ ብስም ሃዋርያት ዝተሰምየ ዓሰርተው ክልተ ዝመስረቱ ቐጽሪ ዘለዋ ከተማ ኺኣትው’ዩ። ኣብዛ ምድሪ ብህይወት ከሎ ኣብ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን ዘይጸንዐ ሰብ ግና፡ ብደጌታት ናይዚ ቐጽሪ ሓሊፉ ናብታ ቕድስቲ ኸተማ ኺኣትው ኣይበቅዕን እዩ። ስለዚ ሕርየትን ኣገልግሎትን ናይዞም ቅዱሳን ሃዋርያት፡ ኣብቲ ምድራውን ሰማያውን መጻኢ ናይ ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ዓብይ ግደ ኸም ዘለዎ፡ ካብዚ ዝተጠቕሰ ክፍልታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንርዳእ ንኽእል ኢና።
ጐይታና ቅድም ነቶም ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያቱ፡ ብድሕሪኡ ድማ ነቶም ሰብዓን ክልተን ኣርድእቱ ኺልእኮም ከሎ፡ “ንኣኻትኩም ዚሰምዕ ንኣይ ይሰምዕ፡ ንኣኻትኩም ዚንዕቕ ድማ ንኣይ ይንዕቕ፡ እቲ ንኣይ ዚንዕቕ ከኣ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ ዚንዕቆ።” ብምባል ናቱ ውክልና ኸም ዝሃቦም ተጻሒፉልና ኣሎ (ሉቃ 10፡16 ማቴ 10፡40)። ስለዚ ንእኡ ወኪሎም ቃሉ ናብቲ ህዝቢ የመሓላልፉ ካብቲ ህዝቢ ዚቕበልዎ ኣኽብሮት ይኹን መከራ ድማ ንእኡ የመሓላልፉ ነበሩ። ስለዚ ድማ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “እዚ ዅሉ’ውን ካብቲ ባዕሉ ብክርስቶስ እተዓርቀና፡ ኣገልግሎት ዕርቂ’ውን ዝሃበና ኣምላኽ እዩ። ማለት፡ ኣምላኽ ንዓለም ምስ ርእሱ ኺዓርቃ ኸሎ፡ ኣብ ክርስቶስ ነበረ እሞ፡ በደሎም ኣይሓዘሎምን፡ ኣባና ኸኣ ቃል ዕርቂ ኣንበረ፡ ስለዚ ንሕና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ልኡኻት ኢና እሞ ኣምላኽ ብኣና ገይሩ ይምዕድ ኣሎ። “ምስ ኣምላኽ ተዓረቝ፡’ እናበልና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ኴንና ንልምነኩም ኣሎና።” ብምባል ጸሓፈልና (2ቈረ 5፡18-21)። ኣብቲ ኻልኣይ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ፡ “ንሕና ናይ ክርስቶስ ኣምባሳደራት ኢና” ብዚብል ጽቡቕ ኣበሃህላ ኣቐሚጥዎ ኣሎ። ስለዚ ሃዋርያነት ማለት ኣገልግሎት ዕርቂ ማለት እዩ። እቲ ንኣገልግሎት ዚጥቀሙሉ ቓል ክርስቶስ ድማ “ቃል ዕርቂ ይበሃል። ስለዚ እቲ ኣብ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን እተሰረተን እተነድቀን ኣገልጋልን ምእመንን ነዚ ቓል ዕርቂ ሒዙ ርእሱ ምስ ኣምላኽ ኪዓርቕን፡ ብምኽንያት ሓጢኣት ምስ ኣምላኽ ንዝተባእሱን ንዝተፈላለዩን ኵሎም ድማ ነዚ ቓል-ዕርቂ ተጠቒሙ ምስ ኣምላኽ ኪዓርቆም ይግባእ። ነዚ ናይ ኣምላኽን ናይ ሃዋርያቱን ቃል ዕርቂ ዘይዓጠቐን ዘይጥቀመሉን ኣገልጋሊ ቤተ ክርስቲያን ግና “ኣገልግሎት ዕርቂ እፍጽም ኣለኹ፡ ኣብ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን’የ ዘለኹ” ኪብል ኣይክእልን እዩ።
ሃዋርያት ግና ኣብ ምስባኽ እቲ ቓል ዕርቂ ጥራይ ኣይኰኑን ንክርስቶስ ወኪሎም ዘገልግሉ። ንሳቶም ኪሰብኩ ኸለው ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዘይተመስረተትሉ፡ ጣኦታት ኣብ ዜምልኹ ኣህዛብ ኣብ ዝነበሩሉ ሃገር’ዮም ዚሰብኩ ዝነበሩ። ስለዚ ኣዝዩ በዳሂ ዅነታት የጋጥሞም ከም ዝነበረ ርዱእ እዩ። ካብ ከተማ ናብ ከተማ፡ ካብ ሃገር ናብ ሃገር እናተጓዕዙ የገልግሉ ነበሩ። ብእግሮም እናተጓዕዙ፡ ብመራኽብ ተጓዒዞም ባሕርታት እናሰንጠቑ ሽፋቱን ጉርጉር ኣራዊት ብዘለውዎ ጫኻታትን እናተጓዕዙ ወንጌል ይሰብኩ ነበሩ። ስለዚ ጥሜትን ጽማትን ዕርቃንን የሸግሮም ነበረ። ካብ መበቈል ዓዶም ተዘናቢሎም ናብ ጓና ህዝብን ሃገርን ይኸዱ ስለ ዝነበሩ፡ ርእሶም ዜጸግዑሉ ማሕደር’ውን ኣይነበሮምን። ነቲ ኺነብርዎን ኪሓልፍዎን ዝተሓርዩሉ ዅነታቶም ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ኣምላኽ ንኣና ሃዋርያት፡ ድሕሪ ዅላቶም (ሰባት) ኴንና (ተሰሪዕና)፡ ከምቶም ሞት እተፈርዶም ከም ዝገበረና፡ ይመስለኒ። ስለዚ ንዓለምን ንመላእኽትን ንሰብን ትርኢት መስሓቒ ዄንና ኣሎና። . . . ክሳዕ ሕጂ ንጠምን ንጸምእን ንዓርቕን ንጽፋዕን ኣሎና፡ ማሕደር የብልናን። ብገዛእ ኣእዳውና እናዓየና ድማ ንጽዕር ኣሎና። እናጸረፉና ንምርቕ፡ እናሰጐጉና ንዕገስ፡ እናተሓሜና ንምዕድ ኣሎና። ክሳዕ ሕጂ ኸም ጐሓፍ ዓለምን ከም ናይ ኵላቶም ጐድፍን ኴንና ኣሎና።” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ (1ቈረ 4፡9,11-13)። ኣስዒቡ’ውን ንልኡኻት ክርስቶስ እንታይ ከም ዝረኸቦም፡ “ገሊኣቶም ብልግጫን ብመፍረፍትን፡ ኣብ ልዕሊ እዚ’ውን ብመቝሕን ማእሰርትን ተፈተኑ፡ ብዳርባ እምኒ ተቐትሉ፡ ተመገዙ፡ ተፈተኑ፡ ተሰዩፎም ሞቱ፡ ኣጐዛ ኣባጊዕን ዲኖ ኣጣልን ተኸዲኖም ዞሩ፡ ሰኣኑ፡ ጸበቦም ሓሳረ መከራ ጸገቡ። ዓለም ንኣታቶም ዘይትበቅዕ ኰይናስ፡ ኣብ በረኸታትን ኣብ ኣኽራንን ኣብ በዓትታትን ኣብ ጐዳጒዲ ምድርን ኰለል በሉ” ብምባል ገለጸ (እብ 11፡36-38)። እዚ ድማ ንሃዋርያነት ክትሕረይ ከሎኻ፡ ንሰማያዊ ኽብሪ ጥራይ ዘይኰነስ ንኸቢድ ጻዕርን መከራውን ከም እትሕረይ ዚገልጸልና እዩ። ጐይታና፡ ብዛዕባ ንሃዋርያ ጳውሎስ ዝጸውዓሉ ዕላማ ኺገልጽ ከሎ፡ “እዚ ሰብኣይ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣህዛብን ኣብ ቅድሚ ነገስታትን ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤልን ስመይ ኪጸውር፡ ንኣይ ሕሩይ ኣቕሓ እዩ እሞ፡ ምእንቲ ስመይ ክንደይ ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ ከም ዚግብኦ ኸርእዮ እየ።” ኢሉ ንሃናንያ ተዛረቦ (ግብ 9፡15,16)።
ኣብቲ ወንጌል ማርቆስ ብዛዕባ ሕርየት ሃዋርያት ጽሒፍዎ ዘሎ ዓንቀጽ፡ “ምስኡ ምእንቲ ኪዀኑን፡ ኪሰብኩ ምእንቲ ኺልእኮምን” ከም ዝሓረዮም ተገሊጹልና ኣሎ (ማር 3፡14)። ምስኡ ከይኰንካ ወንጌል ምስባኽ ከም ዘሎ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ብግብሪ ኣረጋጊጹልና እዩ። እቶም ምእንቲ ስጋዊ ረብሓ ኢሎም ዚሰብኩ፡ እቶም እናሰበኹን እናተነበዩን ካልእ ተኣምራታት እናፈጸሙን ምስኡ ግብሪ ዓመጻ ዜዘውትሩ ሰባት’ውን ምስ ክርስቶስ ከይኰንካ፡ ወንጌል ክትሰብኽ ከም እትክእል ዘየማትእ መርትዖ ዜቕርቡልና እዮም። እምበኣር ኵሎም ሰበኽቲ ምስ ክርስቶስ ከም ዘይኰኑ፡ ኵሎም እቶም ምስኡ ዝዀኑ ግና ካብ ምስባኽ ከም ዘይበዅሩ ክንድምድም ንኽእል ኢና ማለት እዩ። ጐይታ ድማ፡ “እቲ ምሳይ ዘይኰነ መቐናቕንተይ እዩ፡ እቲ ምሳይ ኰይኑ ዘይእክብ ድማ ይዘርው” ብምባል ምስኡ ናይ ዘይምዃን ትርጉምን ውጽኢትን ገሊጹልና ኣሎ።
እምበኣር ምልስ ኢልና ንገዛእ ርእስና ንመርምር ክርስቶስ ርእሲ መኣዝና ዝዀነት፡ ኣብ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን ኣብ ዝተሃንጸት ሃዋርያዊት ቤተ ክርስቲያን ኴንና ንክርስቶስ እንስዕብ ክርስትያን ህዝቢ ከም ምዃንና መጠን፡ ኣካይዳን ዕላማን ናይ ሃዋርያት ምስቲ ናትና ብምግንዛብ ኣበየናይ ደረጃ ህይወትን ከም ዘሎና ንፈትሽ። ሃዋርያት፡ “ኪዱ” ተባሂሎም ምስ ተነግሩ ትእዛዙ ኣኽቢሮም፡ ናብቲ ወንጌል ዘይብሉ ህዝቢ ኸይዶም በቲ ዝተዋህቦም ቃል ዕርቂ ምስ ኣምላኽ ኣተዓረቕዎ። ንሕና ግና ደወል ደዊልና ጸዊዕናዮ ንዝመጸና ህዝቢ ጥራይ ነገልግል ኣሎና እምበር፡ ናብቶም ወንጌል ዘይበጽሖም ህዝብታትን ሃገራትን ኬድና ንሰብኽ ኣየሎናን። ይትረፍ ኣብ እምነት ንዘየሎ ህዝቢ ናብ ክርስቶስ ክንጽውዕ፡ ነቲ መዛግብትና ዚፈልጦ ግናኸ ናብ ቤተ ክርስቲያን ዘይመጽእ ህዝብና እኳ ክንእክብ ኣይከኣልናን። ኣብ ጥምቀትን መርዓን ቀብርን እንተ ዘይኰይኑ፡ ኣብ ዝዀነት ካልእ መዓልቲ ናብ ቤተ ክርስቲያን ዘይቅልቀል ህዝቢ ሒዝና፡ “ሃዋርያዊት ቤተ ክርስቲያን ኣላትና ንሕና’ውን ሃዋርያዊት ኣገልግሎት ነበርክት ኣሎና” ኽንብል ይከኣልዶ፧ ነቲ ፈትዩ ዝመጸና፡ ሓደ ሚእታዊት ናይቲ ምእመንና ዘይመልእ ህዝቢኸ ነቲ ካብ ኣምላኽ ዝተቐበልናዮ “ቃል ህይወት ከም ዚግባእ ንምህሮዶ፧ ልክዕ ከም ሃዋርያት ብዛዕባ’ቲ ኣብ ትሕቲ ጕስነት ዘሎ ህዝቢ፡ “ኵሉ ምኽሪ ኣምላኽ ነገርኩኹም እምበር ዘይትረፍኩልኩም የብለይን እሞ ካብ ደም ኵልኻትኩም ንጹህ ምዃነይ፡ ሎሚ መዓልቲ እምስክረልኩም ኣሎኹ።” ክንብል ትብዓት ኣሎናዶ (ግብ 20፡26,27)። ከምቲ ጐይታና ንፈሪሳውያን፡ “ውሉድ ኣብርሃም እንተ ትዀኑስ ግብሪ ኣብርሃም ምገበርኩም ኔርኩም።” ዝበሎም፡ “ውሉድ ሃዋርያት እንተ ትዀኑስ ግብሪ ሃዋርያት ምገበርኩም ኔርኩም።” ደኾን ምበለና ይኸውን፧ (ዮሃ 8፡39)። “ነቶም ‘ሃዋርያት ኢና’ ዚብሉ እሞ ዘይኰኑ ተዓዚብካዮምሲ ሓሰውቲ ዀይኖም ከም ዝረኸብካዮም እፈልጥ ኣሎኹ” ከም ዝተባህለ፡ እቶም ኣብ መንበር ሃዋርያት ዝተቐመጥና፡ ኣገልግሎት ሃዋርያት’ውን ዝተቐበልና ዅላትና፡ “ዚብሉ እሞ ዘይኰኑ” ምእንቲ ኸይንበሃል፡ ተግባር ሃዋርያት ንግበር ዕላማ ሃዋርያት ንፈጽም (ራእ 2፡2)። ኣብ ልዕሊቲ ንሳቶም ከም ብልሓተኛ ሃናጺ ዀይኖም ዝሃነጽዎ መሰረት፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ፡ ብሓሰርን ሳዕርን ዕንጸይትን ዘይኰነ ብኽቡር ዕንጸይትን ብብሩርን ብወርቅን ተጠንቂቕና ንህነጽ።
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ
ዕለት፥ ዕለት፥ ሰንበት ሓምለ 22, 2018 (ሓምለ 15, 2010 ግእዝ) |
||
ናይቲ መዓልቲ ስብከት መዝ 19፡3-4 ኣልቦ ነገር ወኣልቦ ነቢብ ዘኢተሰምዐ ቃሎሙ። ውስተ ኵሉ ምድር ወፅአ ነገሮሙ። ወእስከ ኣጽናፈ ዓለም በጽሐ ነቢቦሙ። “ዘረባ የልቦን፡ ምዝርራብ የልቦን፡ ድምጾም’ውን ኣይስማዕን እዩ። ገመዶም ናብ ኲሉ ምድሪ፡ ቃላቶም ድማ ክሳዕ ወሰን ዓለም ይወጽእ ኣሎ፡ ንጸሓይ ከኣ ድንኳን ተኸለሎም።” |
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስንባባት |
|
ንባብ |
ኣንባቢ |
|
2ጢሞ 4፡1-ፍጻ
|
ዲያቆን |
|
ወንጌል፡ ሉቃ 6፡1-20 |
2ጴጥ 1፡12-19 |
ንፍቀ ዲያቆን |
ቅዳሴ፡ ዘሓዋርያት (ዘበደኃሪ) |
ግብ 23፡10-ፍጻ |
ንፍቀ ካህን |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ