ዲያቆን ሙሉጌታ ወልደገብራኤል እተባህለ ኢትዮጵያዊ፥ ብዛዕባ ኣመሥራርታን ኣመዓባብላን ማሕበረ ቅዱሳን ዝበሃል ማሕበር ኣብ ኢትዮጵያ ዝመሠረቱ፥ ናብ ኤርትራ መሓውሩ ከመይ ገይሩ ከም ዝዘርግሐ፥ ዝገልጽ ብኣምሓርኛ ዘውጽኦ ጽሑፍ፥ ዝረኸብናዮ ከም ዘለዎ ነቕርቦ ኣሎና፡ብተወሳኺ፥ ዲያቆን ሙሉጌታ: ሠለስተ ተኸታተልቲ መጻሕፍቲ “ማሕበረ ቅዱሳን ወይስ ማሕበረ ሰይጣን?” ዝብል ዝጸሓፎ መጻሕፍቲ ኣምላኽ እንተ ፈቒድዎ ብትግርኛ ተርጒምና ክንዝርግሖ ከነቅርቦ ኢና። ንሕጂ ግን ብቐጥታ ምስ ቤተ ክርስቲያንና ዝተተሓሓዘ ጽሑፍ ስለ ዝኾነ ከም ዘለዎ ቋንቋኡውን ከይቀየርና ናብ ተኸታተልትና ንቕርቦ።
“ንግዙኣት ነቲ ትምህርቲ እግዚኣብሔር መድሓኒና ምእንቲ ኺስልምዎ፡ ብዅሉ ደኣ ሕያወይቲ እምነት ኬርእዩ እምበር፡ መደሃሃቕቲ ኸይኰኑ ንጐይተቶም ዝግዝኡ ዳርግዳርጋ ዘይመልሱ ብዅሉ ባህ ዜብሉ ኪዀኑ ምዐዶም።” (ቲቶ 2፡9-10)
“ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ካብ ሓጢኣት ከም ዝሞትኩም ብክርስቶስ ኢየሱስ ግና ንኣምላኽ ህያዋን ከም ዝኾንኩም ርእስኹም ቁጸሩ” (ሮሜ 6፡11)
“ጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን ካብ ላዕሊ እዩ ካብቲ ለውጢ ወይስ ምምልላስ ጽላሎት ዜብሉ ኣቦ ብርሃናት እዩ ዝወርድ።” (ያዕ 1፡17)።
“ሰብ ንህይወቱ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኹ በጃ ከሕልፍ፡ ካብዚ ዝዓቢ ፍቕሪ የልቦን” (ዮሃ 15፡13)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ