ክቕድሱ ከለዉ፡ በቲ ጐይታና የሱስ ይዛረበሉ ኔሩ’ዩ ተባሂሉ ዝእመነሉ ቋንቋ ኣራማይስጥ (ናይ ሎሚ ሲራይክ) እዮም ዝቕድሱ፡ ወግዓዊ መጸውዒ ስሞም “ኣግናጤዎስ ዘካ ቀዳማዊ” ዝብል ክኸውን ከሎ፡ ወግዓዊ መዓርገ ስልጣኖም ድማ፡ “ፓትርያርክ ዘ ኣንጾክያን ናይ መላእ ምብራቕን” ዝብል ነበረ።
ኣባ ዲዮስቆሮስ ብዝወረዶም ወቕዒ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ስንክልና ኣጋጢምዎም ኣብ ካርቱም ክሕከሙ ድሕሪ ምጽናሕ ለውጢ ስለዘየርኣዩ ብህጹጽ ናብ ኣስመራ ተመሊሶም። ብፁዕ ኣቡን ዲዮስቆሮስ፥ ዝርኣይዎ ዝዛረቡ: ብግርህነቶም ዝልለዩ ሰብ እዮም። እንተኾነ ፍርሃት እግዚኣብሔር ዘይብሎም ከም ኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስ፥ ኣባ ሉቃስ: ቀሺ ሃብቶም ርእሶም: ቀሺ ሳሙኤል ጸጋይን ዝበሉ ሰባት ንግርህነት ናይዞም ሽማግለ ኣቦ መዝሚዞም ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኣብ ሓደጋን ተነጽሎን ኣውዲቖማ እዮም። ከም ሳዕቤኑ ድማ ህልው ኩነት ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ካብ ኩነት ሃገርና ብዘይፍለ መልክዑ ኣብ ኣሰካፊ ህሞት ይርከብ።
ማዕረ እቲ ንእግዚኣብሔር ዝበደልናዮን ንብድሎን ዘሎና እኳ እንተዘይኮነ፣ ኣምላኽ ብባህርዩ ፍቕሪ ብምዃኑ፣ ካብ ዓመጻና ንኽንምለስ፣ ይቕንጥወና ኣሎ። ዓመጻ ሕዝብና ኣብ ንሓድሕድና ጥራይ ዝተሓጽረ ኣይመስልን፣ ሕልፍ ሓሊፉ ኣንጻር እግዚኣብሔር ኣጽዋር ተሰኪምና ዝተለዓልና ኢና እንመስል።
ሎሚ መዛግብቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ገንጺልና ክንርእዮ ዝደለኹሉ ምኽንያት፡ ቁጽሪ ዘይብሎም ነገሥታት ምድሪ ጥርሖም ተወሊዶም፡ ጥርሖም ድማ ከም ዝሞቱ ዝፈለጡ በዓል መን ነበሩ፧ ጸላኢ ክለዓሎም ከሎ “ዎ እግዚኣብሔር፡ ንስኻ ኢኻ እሞ፡ ሰብ ኪሕይለካ ኣይትሕደግ ኢሎም ብምእዛዞም፡ ንህዝቦም ጽላል ዝነበሩ፡ በዓል መን ከም ዝነበሩ፡ ክንፈልጦም ካብ ምእዛዞም ክንመሃርን ስለ ዝደለኹ እየ። እቶም ኣነን ቅልጽመይን ዝበሉ፡ ንልቦም ዘምለኹ፡ ዘይተኣኣዘዙ ድማ ንህዝቦም ጥፍኣት ዘምጽኡ ነገሥታት በዓል መን ነብሩ፡ ካብ ነገሥታት እስራኤል ክንመሃር ጽቡቕ ኰይኑ ይስምዓኒ።
ናይታ ንሕና በዘልማድ ካላሺን እንብላ ብወግዒ ግን ኤኬ- 47 ተባሂላ እትፍለጥ ብረት (ኣፈሙዝ ወይ ጠበንጃ) መሃዚ ዝኾኑ ሩስያዊ ሚኻኤል ካላሺንኮቭ፡ ሒደት ኣዋርሕ ቅድሚ ሞቶም፡ ናብ ናይ ሩስያ ኦርቶዶክስ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ ኪሪል፡ ናይ ጣዕሳ ደብዳቤ ጽሒፎም ምንባሮም፡ ትማሊ ሰኑይ 13 ጥሪ 2014 ዝወጸ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ፡ ዝብል ዜና እየ ዘንብብ ዘለኹ። ሓቢርና እሞ ነንብቦ፡-
በስመ ኣብ ወወልድ መንፈስ ቅዱስ ሓደ ኣምላኽ! ኣሜን::
መእተዊ
ሓዳስ ዓመት ክትጅምር ከላ ብሓድሽ ተስፋ ኢና ንቕበላ። ነፍሲ ወከፍ ደቒቕ ድማ ኣፍራይትን ጠቓሚትናን ክትከውን ንምነ።ርሑስ ሓዲሽ ዓመት ይግበረልና ብምባል ድማ ነንሕድሕድና ሰላምታ ንለዋወጥ። እሞ ተስፋ ሓዲሽ ዓመት፥ ኣምላኽ ብእምነት ከፈጽመና ብወገና ክንኮኖን ክንገብሮን ዘሎና ከምዚ ዝስዕብ ይመስል።
ገዳም ጼዴንያ ካብ ርእሰ ከተማ ሶርያ፡ ደማስቆ 20 ማይልስ ንወገን ሰሜን ኣብ ዘሎ እምባታት ተደኩኑ ዘሎ ጥንታዊ ገዳም እዩ፡፡ ካብ ነዊሕ ዓመታት መንበረ ፓትርያርክ ኣንጾክያ ዝኾነ ገዳም ፡ ብብዙሕ ጥንታዊ ታሪኹ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ርክብ ዘለዎ ቅዱስ ስፍራ እዩ። ብዙሓት ሊቃውንቲ ቤተክርስትያን ከም ዝገልጽዎ፡ እዚ ገዳም’ዚ ብድሕሪ ቅዱስ ስፍራ ኢየሩሳሌም ብሃይማኖታዊ ኣገዳስነቱ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ይሰርዕዎ፡፡ ካብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለምና በብዓመቱ ብርክት ዝበሉ ነጋድያን እምነቶም ከሐድሱ፡ ካብ’ቲ ገዳም በረኸት ክካፈሉ፡ ክፍወሱ ናብዚ ገዳም ይጓዓዙ፡፡
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ