“መንፈስ ገዛኢ ኣብ ልዕሌኻ እንተ ተላዕለ፡ ትዕግስቲ ንዓብዪ ኣበሳ ተህድእ እያ እሞ፡ ስፍራኻ ኣይትሕደግ።” (መክ 10፡4)
“ፊልጶስ ከኣ፡ ጐይታይ፡ ነቦ ኣርእየና እሞ ይኣኽለና በሎ።” (ዮሃ 14፡8)
ክህነት ኣብ ምድሪ ንመጀመርያ ጊዜ በቲ ኣብ ከተማ ሳሌም ሃገር ከንኣን ነጊሱ ዝነበረ መልከጼዴቅ ዝተባህለ ከንኣናዊ (ጸሊም) ንጉሥ ተጀመረ (ዘፍ፡14፡18)። እዚ ካህን እዚ ድማ ምሳሌ ናይቲ ብድሕሪኡ ዝመጽእ ዘለኣለማዊ ካህን ኢየሱስ ክርስቶስ ነበረ። (መዝ፡109-110) (እብ፡ 6፡20። 7፡1-3)
”ግናኸ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ኩላ ዝባን ምድሪ፡ ንዝነብሩ ዘበሉ ከም መፈንጠራ ክትበጽሖም እያ እሞ፡ ስስዐን፡ ስኽራንን ሓልዮት ሓዳርን ንልብኹም ከይከብድ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ብድንገት ከይትመጸኩምሲ ንነፍስኹም ተጠንቀቑ። ስለዚ ኻብዚ ዝመጽእ ኵሉ ነገር ንምሙላቕን፡ ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ ደው ንምባልን ሓይሊ ምእንቲ ክትረኽቡስ፡ ኵሉ ሳዕ እናጸለኹም ንቕሑ።” (ሉቃ 21፡34-36)
ደድሕሪ ኣሮን ክህነት ኣብ ሥልጣን ክህነት ዝመጸ ፊንሃስ ነበረ። በቲ ዝገበሮ ሰናይ ቅንኢ ርእዩ፡ ንዕኡን ንደቁን ኪዳን ክህነት ዘለኣለም ይኹም ኢሉ፡ ኪዳን ከም ዝኣተወሉ እዞም ጥቅስታት እዚኣቶም ይዛረቡ (ዘህ፡25:11-15; ሲራክ 45:24) "እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ ፊንሃስ ወዲ ኣልኣዛር፡ ወዲ ኻህን ኣሮን፡ ኣብ መንጎኦም ብምቕናኤይ ስለ ዝቐንኤ፡ ንኹራይ ካብ ደቂ እስራኤል መለሶ እሞ፡ ንደቂ እስራኤል ብቕንኣተይ ኣየጥፋእክዎምን። ስለዚ በል እንሆ ንእኡ ናይ ሰላም ኪዳነይ እህቦ ኣለኹ። ንኣምላኹ ቐኒኡ፡ ንደቂ እስራኤል ከአ ኣተዓሪቑ እዩ እሞ፡ ስለዚ ንእኡ፡ ብድሕሪኡ ድማ ንዘርኡ ኺዳን ክህነት ዘለኣለም ይኹን”። ኣብዚ ሕጂ ኣቐዲምና ክንርእዮ ዝግብኣና እቲ “ኪዳን” ዝብል ቃል እዩ።
እቲ ኣብ ትሕቲ ገማልኤል ኰይኑ ሕጊ ኦሪት ብግቡእ ዝተማህረ ሳኦል ዝተባህለ ራባይ፡ ዳሕራይ ሓዋርያ ጳውሎስ ዝተባህለ “እቲ ቀዳማይ ሥርዓት እኹል ነይሩ እንተ ዝኸውን፡ እቲ ዳሕረዋይ ድኣ ንምንታይ ኣድለየ”፧ (እብ፡7፡11) ክብል ሕቶ ዘቕረበሉ ምኽንያት፡ ቅድም በቲ ኣብ ትሕቲ ገማልኤል ኰይኑ ክመሃር ከሎ ኣድላይነት ሕጊ እምበር ኣድላይነት ጸጋ ኣይተራእዮን። ኣድላይነት ሕጊ ደረት ከም ዝነበሮ ኣብ ጸጋ ኰይኑ ምስ ረኣዮ ግና፡ እቲ ቀዳማይ ሥርዓት ንምልእቲ ዓለም ዘይኰነስ ንድሩት ዓሌት ጥራይ ከም ዝመጸ ምስ ኣስተውዓለ፡ እኹል ኣይነበረን ጥራይ ዘይኰነ፡
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ