S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንጾም ዘበርትዕ ሓይልን ሰውነትን፡

ንጸሎት ዝተግህ ቀልብን ክፉት ልብን፡

ሰናይ ዝገብር ሕልናን ትግሃትን፡

ጽቡቕ ዝሪኢ ብርሃን ዓይንን ባህግን፡

ክንዝክርዶ ክንትርኽ ክንዝቲ፡

ብዛዕባ ኣደ እታ ለባም ሰበይቲ፡

ኽፋእ ዘይብላ ቅንጣብ ሓንቲ፡

ጽያፍ ዘይወጻ ሓላል ብርኽቲ፡

ገዛኣ ዝመጸ ዋላ ፍርቂ ለይቲ፡

ከምቲ ዝፍለጥን ወትሩ ዝገሃድን: ብልሒ እንተሃልዩ ምስትውዓል ይፍጠር: ምስትውዓል እንተተፈጢሩ: ምርድዳእ ይሰምር: ምርድዳእ እንተሰሚሩ: ፍቅርን ሰላምን ይዓዝዝ: ፍቅርን ሰላምን እንተዓዚዙ: ደቂ ሰባት ሰናይ ሂወት የሕልፉ:: ኣብ ሕድሕድ ደቂሰባት ዝተፈላለየ ስነ-ልቦናን ስነ-ምግባርን፡ ስነ-ሓሳብን ምስትውዓልን፡ ምርድዳእን ምስትንታንን፡ ተውህቦታት ክህልዎም ባህርያዊ እዩ:: ካብዚኣቶም ዝነቐሉ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ሕልፍ ዝበሉ ብልሕን ብልሓትን፡ ዓቅምን ክእለትን፡ ካልኦትን ከም ዘለወን ኣብ ናይ ክልቲኦም ናይ ሂወት ዝምድና ተጋሂዶም ይረኣዩ እዮም:: እዞም ዝስዕቡ ኣብነታት ከም መረዳእታ ንከታተል::

ብዙሓት ኣመንቲ ክርስትና ሰንበት መጸ ኣንጊህና ተሲእና፡ ኣካላትና ተሓጺብና፡ ጽጉርና ዘርጊፍና ተመሺጥና፡ ሳእንታትና ወላዊልና፡ ጽሩይ ክዳን ተኸዲና፡ እኽለ-ማይ ከይለኸፍና፡ መኪናና ኣልዒልና፡ ካብ ቤትና ተበጊስና ናብ ቤተክርስቲያን ንኸይድ። ከምቲ ዝሓመመ ሰብ ናብ ቤት ሕክምና ካብ ሓኪም ረዲኤት ሕክምና ክረክብ ዝኸይድ ከምኡ ውን ንሕና ምእመናን ናብ ቤተ ክርስቲያን ዘኺደና እቲ ቀንዲ ምኽንያት ብጸሎትን ብቅዱስ መንፈስን ምስ ልዑል ኣምላኽና፡ መንፈሳዊ ሓኪምና፡ ንምርኻብ ኮይኑ ካብኡ ኸኣ ጸጋ በረኸቱን ምሕረቱን ረዲኤቱን ክንቅበል፡ ብመንፈስ ቅዱስ ክንባረኽ፡ ቃለ ቅዱስ ወንጌል ክንሰምዕ፡ ሰማያዊ ጽድቅን ሂወትን ንኽንረክብ ተስፋ ብምግባር ኢዩ። ከም ኣመንቲ መጠን ብወገና ከኣ ምስ እምነትናን ግብርናን ተሳኒዩ ዝኸይድ ግቡእን ቅቡልን ባህርያትን ስነ-ምግባር ከነዘውትርን ከነማልእን ከምዘሎና ንርዳእ። እዚ ዕላማን ምኽንያትን መሰረት ብምግባር ንመረዳእታ ዝኸውን ከም ኣብነት ስዒቡ ዝቀርብ ብኣቓድዎ ንከታተል።

ኣነ መንእሰይ ኢየ፡ ካብ ሃገረይ ዝወጻእኩ፡

ናብ ስደት ኣምሪሐ፡ ከርፋሕ ናብራ ምስ ጸላእኩ፡

ኣብ ዝኾነ ሕብረተሰብ ግቡእ መንፈስ ምትሕብባር ክህሉ ወይ ዘይክህሉ ናይ ደቂ ሰባት ድሌትን ብስለትን ምርጫን ይውስኖ። ኣብ ደቂ ሰባት ቅኑዕ መንፈስ ምትሕብባር ክህሉ ከሎ ኣብ ሂወቶም ረብሓ ኣለዎ። ኣብ ሕድሕዶም: ክብረት: ሓድነት: ጥምረት: ስምረት: ቅሳነት: ዕርቂ የኸትል። ከምኡ ውን ካብ ኣምላኽ ግቡእ ዓስቢ ኣይስኣንን። በንጻሩ ኣብ ደቂ ሰባት ምዕሩይ መንፈስ ምትሕብባር እንተ  ዘይሃልዩ ግን ኣብ ሂወቶም ክሳራ ኣሎዎ። ኣብ ሕድሕዶም  ሕስረት: ውርደት: ፍሽለት: ጥልመት ክፍኣት: ክሕደት የስዕብ። ብእኡ መጠን ከኣ ካብ ኣምላኽ ጸጋን በረኸትን ኣይርከብን። ኣብ ሕብረተሰብና ብሰንኪ ዝተፈላለዩ ዓንቀፍቲ ምኽንያታት (ከም ኣብ ሕድሕድ ምንኻስን ምክሳስን) ኣብ ዕለታዊ ሂወትና ነዘውትሮ መንፈስ ምክብባርን ምትሕባርን ዛሕቲሉ ይርኤ ኣሎ። እቲ ኣብዚ እዋን'ዚ ዘገርም ኣብ ገለ ደቂ ሰባት ዘይኮኑ ፍጥረታት ግን ኣብ ሕድሕዶም መንፈስ ምትሕብባር ከዘውትሩ ከም ባህርያዊ ተውህቦኦም መሲሉ ይርአ። ካብዞም ዝስዕቡ ደቂ ሰባት ዘይኮኑ ፍጥረታት ኣብ ሂወቶም መንፈስ ምትሕብባር ከመይ ኢሉ ከምዘገልግል ክንርኢ ኢና። ከምኡ’ውን ንሕና ደቂ ሰባት ስነ-ልቦና ሓዘል ትምህርቲ ገለ ኣይፍለጥን ካብዞም ዘይደቂ ሰባት ገለ እንተተማሃርና እንተቀሰምና ሓደ ሓደ ኣብነታት ከም መረዳእታ ንከታተል።

ምስጋና ነዘውትር ኣብ ዝኾነ እዋን:

ንኣደታትና ንኣንስትና ብጉቡእ ነመስግነን:

ደቂ ኣንስትዮ ይመስገና ብሓባር ኩለን:

እዘን ብሩኻት ኣሓትና መዘና ዘይብለን:

ንዝዓበና ንዝነኣስና ኣለይትና ንሰን:

ንዓና ኩርዓትና ሓበንና ንሳተን :

ክብሪ ንኣምላኽና ሞገስ ንዓታተን::

ኣብ ሂወት ደቂ ሰባት ወትሩ ከም ዘጋጥም: ሰብ ዘኽበረ ይኸብር ሰብ ዘሕሰረ ይሓስር:: ንሰባት እንተ ኣኽቢርና ንገዛእ ርእስና ንኸብር ንሕፈር:: ግን  ንሰባት እንተዘይኣኽቢርና ንገዛእ ርእስና ንሓስር ንድፈር:: እዚ ማለት ከኣ ንዝኾነ ሰብ እንተኣኽቢርና እቲ ዘኽበርናዮ ሰብ የኽብረና:: ንዝኾነ ሰብ እንተዘይኣኽቢርና ግን እቲ ዘየኽበርናዮ ሰብ የሕስረና:: ስለዚ: ንገዛእ ርእስና ክንከብር ወይ ክንሓስር ዝድሩኹ ምኽንያታት ኩሎም ካብ ገዛእ ርእስና ዝነቅሉ እዮም:: ክብረት ኣብ ነፍስወከፍና ክህሉ ዝኽእል ኣብ ሕድሕድና ምክብባር  ክህሉ ከሎ ጥራይ ምዃኑ ንረዳእ:: 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div