ናይታ ንሕና በዘልማድ ካላሺን እንብላ ብወግዒ ግን ኤኬ- 47 ተባሂላ እትፍለጥ ብረት (ኣፈሙዝ ወይ ጠበንጃ) መሃዚ ዝኾኑ ሩስያዊ ሚኻኤል ካላሺንኮቭ፡ ሒደት ኣዋርሕ ቅድሚ ሞቶም፡ ናብ ናይ ሩስያ ኦርቶዶክስ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ ኪሪል፡ ናይ ጣዕሳ ደብዳቤ ጽሒፎም ምንባሮም፡ ትማሊ ሰኑይ 13 ጥሪ 2014 ዝወጸ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ፡ ዝብል ዜና እየ ዘንብብ ዘለኹ። ሓቢርና እሞ ነንብቦ፡-
በስመ ኣብ ወወልድ መንፈስ ቅዱስ ሓደ ኣምላኽ! ኣሜን::
መእተዊ
ሓዳስ ዓመት ክትጅምር ከላ ብሓድሽ ተስፋ ኢና ንቕበላ። ነፍሲ ወከፍ ደቒቕ ድማ ኣፍራይትን ጠቓሚትናን ክትከውን ንምነ።ርሑስ ሓዲሽ ዓመት ይግበረልና ብምባል ድማ ነንሕድሕድና ሰላምታ ንለዋወጥ። እሞ ተስፋ ሓዲሽ ዓመት፥ ኣምላኽ ብእምነት ከፈጽመና ብወገና ክንኮኖን ክንገብሮን ዘሎና ከምዚ ዝስዕብ ይመስል።
ገዳም ጼዴንያ ካብ ርእሰ ከተማ ሶርያ፡ ደማስቆ 20 ማይልስ ንወገን ሰሜን ኣብ ዘሎ እምባታት ተደኩኑ ዘሎ ጥንታዊ ገዳም እዩ፡፡ ካብ ነዊሕ ዓመታት መንበረ ፓትርያርክ ኣንጾክያ ዝኾነ ገዳም ፡ ብብዙሕ ጥንታዊ ታሪኹ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ርክብ ዘለዎ ቅዱስ ስፍራ እዩ። ብዙሓት ሊቃውንቲ ቤተክርስትያን ከም ዝገልጽዎ፡ እዚ ገዳም’ዚ ብድሕሪ ቅዱስ ስፍራ ኢየሩሳሌም ብሃይማኖታዊ ኣገዳስነቱ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ይሰርዕዎ፡፡ ካብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለምና በብዓመቱ ብርክት ዝበሉ ነጋድያን እምነቶም ከሐድሱ፡ ካብ’ቲ ገዳም በረኸት ክካፈሉ፡ ክፍወሱ ናብዚ ገዳም ይጓዓዙ፡፡
ብጹዕ ኣቦና ኣቡነ መቃርዮስ፡ ኣብ እስራኤል፡ ጀርመን፡ ስዊትዘርላንድ፡ ስዊድንን ዓድ እንግሊዝን ሓዋርያዊ ዑደት ንምክያድ ጉዕዞኦም ድሮ ብሃገረ እስራኤል ፈሊሞሞ ኣለዉ። ከም
ዓሚ ከምዚ ሎሚ ብሕጋውን መንፈሳውን ኣገባብ መበል 118 ፓትርያርክ ሃገረ ግብጺ ፖፕ ቴድሮስ 2ይ ዝተመርጽሉ ክቡር ወርሒ ሕዳር እዩ። እቲ ብመትሮፖሊታን ብፁዕ ኣቡነ ባካምዮስ መሪሕነት ዝተኻየደ ወግዓዊ ምርጫ ፓትርያርክ ከኣ ብዲሞክርሲያውን ሓዋርያውን ሕጊ (ዕጫ) ሰብን እግዚኣብሔርን ዝተሓጎስሉ መንፈስ ቅዱስ ዝሠመሮ፥ ንዓለም ዘደነቐን ምርጫ እዩ ነይሩ እንተ ተባህለ ምግናን ኣይኮነን። እዚ ማለት እቲ ዝነበረ ሥነ-ሥርዓትን ሕጋዊ ኣገባብን ካብ ምቕራብ ሕጹያት
ነብሰሄር ሓውና ኣብርሃ ገብረገርግስ ገብረ ናብታ ብተስፋ እንጽበያ ቅድስቲ ሃገር ሓሊፉ።
ናብታ “ካብቲ ዝፋንውን ዓው ዝበለ ድምጺ፥ እንሆ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ፥ ንሱውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ፥ ንሳቶም ከኣ ህዝቡ ኪዀኑ እዮም፥ ኣምላኽ’ውን ባዕሉ ምሳታቶምን ኣምላኾምን ኪኸውን እዩ። ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሓሊፉ እዩ እሞ፥ ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፥ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን፥ ወይ ጫውጫው፥ ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ፥ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።” (ራእይ 21፡3-4) እትብል ኢዩ ሓሊፉ ዘሎ።
“ዎ እግዚኣብሔር” ክሳብ መዓስ እዩ መከራና ክቕጽል፧ ክሳዕ መዓስ ኢኻ ይቕረ ዘይትብለልና፡ ብሓቂ ድዩ ተስፋና ጸልሚቱ፧ ካንዶ ሥጋና ንኣሞራን ንዓሳ ባሕርን ክንከውን ፈሪድካናን ደርቢኻናን ኢካ፧ ወረ ክሳብ መዓስ ኢኻ ንኣውያትና ዘይትሰምዓና፧ ዎ እግዚኣብሔር እቲ ብዘመን ኣቦታትና ዝነበረ ምሕረትኻ ኣበይ ተሰወረ፧ በጃኻባ ዘክረና፡ ንድኻምና ኣይትጸብጽብ፡ ይኣክል በለና። ዎ እግዚኣብሔር ንሓድሕና ክንማናጨት መሰክሒ ዓለም ኰይና ኢና’ሞ ዝንሳሕ ልቦና ሃበና፡ ካብዚ ንደሓር ነዚ መከራ እዚ ክንጻወሮ ዓቕሚ የብልናን።
ጽንዓት ንስድራቤት፡ መንግሥተ ሰማይ ንምዉታት፡ ልቦና ንኹላትና ሃበና
ዶ/ር ሽሞንዲ ኃይለ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ