ኢየሱስ ኣብ ሓንቲ ስፍራ ኺጽሊ ጸኒሑ ምስ ወድአ፥ ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ፥ “ጐይታይ፥ ከምቲ ዮሓንስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝመሃሮም ጸሎት ምሃረና” በሎ። ንሱ ኸኣ በሎም፡- “ክትጽልዩ ኸለኹም ኸምዚ በሉ፥(ሉቃ 11፡1-2)
ዝኾነ ፍጡር ብሰላም ክድቅስ ዘይደልን ዘይምነን የልቦን። ዘየደቅስ ኩነታት እናሃለወ ከሎ ግና፥ ክድቅስ ዝኽእል የልቦን። ናይታ ቅድስቲ ቤተ-ክርስቲያንና ኩነታት’ውን፥ ኣብዚ እዋን’ዚ ከደቅሰና ዝኽእል ኮይኑ ኣይርከብን ዘሎ። ንሳ እዛ ቅድስቲ ዝኾነት ቤት፥ ሰላምን ቅሳነትን ከይረኸበት ከኣ፥ ንሕና እቶም ብጸጋ-ጥምቀት ካብ ማህጸና ዝወጻእና ደቃ፥ ሰላም ረኺብና ድቃስ ክወስደና ዝሕሰብ ኣይኮነን። ስለዚ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ንዓና ነቶም ኦርቶዶክሳውያን፥ ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ካልእ ነገር፥ ቅድሚት ንሰርዖ ዓቢይን ወሳንን ጉዳይ ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ ስለዚ’ዩ።
ትርጉምን ኣገዳስነትን ሓድነት፥
እቲ ዓለማዊ ይኹን መንፈሳዊ ምርድኣት ዝሰማማዓሉ ነገር ኣሎ። ንሱ ድማ ሓድነት ወይ ሕብረት ምንጪ ኩሉ ሓይሊ ምዃኑ እዩ። ሓድነት ዝብል ቃል ዘመሓላልፎ ትርጉም፡ ሓደ ምዃን ወይ ምስማማዕ ማለት እዩ።
ብዲያ ዶ/ር ገ/እግዚኣብሔር ደብረጽዮን
ጥቕምን ኣድላይነትን ተስፋ
ኣብቲ ዝሓለፈ ትምህርትና (ተስፋ ምጽኣቱ ኣበይ ኣሎ፧ ዝብል)፡ ዳግም ምጽኣት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሰማያት፡ ንዓና ንሰዓብቱ ናይ ተስፋ ምንጪ ዝዀነ ፍጻሜ ምዃኑ ርኢና ኔርና። ንሎሚ ኣብዚ ክፍሊ ትምህርትና እንምልከቶ ድማ፡ እቲ እንጽበዮ ተስፋና እንታይ እዩ፧ ዝብል ክኸውን እዩ።
መበል 90 ዓመት ዝኽሪ ዕለተ-ልደት ቅዱስ እንጦንዮስ 3ይ ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤል ሻርሎት ሰሜን ካሮላይና፡ ብፍሉይ ክብርን ዝኽርን ክበዓል ምዃኑ ንሕብር።
ኣባ ሉቃስን ግርማይን ኣብ ዝኸድዎ ኩሉ፥ ዝሕተትዎ ሕቶ፥ ኩነትታ ፓትርያርክ እንጦንዮስን ጉዳይ ሕግን መምርሒ ቤተ ክርስቲያንን እዩ።
ንቡር ከይተርፍ ሲኖዶስ ኢለ ክጽውዖ። እምበር፤ ሲኖዶስ ኢዩ ክትብሎ ዘኽእል ዝኾነ ይኹን ኣቃዉማን ስርዓትን የብሉን። ገዛእ ፓትርያርኩ ንበላዒ ኣሕሊፉ ዝሃበ፤ ርእሱ ዘዘቅንዐ ኣገልጋሊ ናብ ቤት ማእሰርቲ ዝዉርዉር እኮ ኢዩ ሲኖዶስና።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ