“ነቶም ህዝቢ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ ድማ በሎም፡ “ዝዀነ ይኹን ደድሕረይ ኪስዕበኒ ዚደልይ እንተሎ፡ ገዛእ ርእሱ ይቕበጽ፡ መስቀሉ የልዕል’ሞ ይስዓበኒ። ንህይወቱ ኼድሕና ዚደልይ ኼጥፍኣ’ዩ። እቲ ንህይወቱ ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ዜጥፍኣ ግና ኬድሕና’ዩ።” (ማር 8፡34,35) 2ቈረ 5፡15
እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ሳልሳይ ሰንበት ናይ’ዚ ፈሊምናዮ ዘሎና ሓድሽ ዓመት’ዩ። ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ መስከረትም 17 ኽሳዕ መስከረም 23 (መስ.27 ==‘ ጥቅ.3.ፈ) ዘሎ ቕንያት “መስቀል” ይብሃል። እዚ በዓለ መስቀልን ዘመነ መስቀል’ዚ ዝተሰርዓሉ ዕላማ፡ ብመሰረት ትውፊት ቤተ ክርስትያንና፡ ንግስቲ ኢለን፡ ኣደ ንጉስ ቈስጠንጢኖስ፡ ነቲ ኣይሁድ ብጐሓፍ ናይ ከተማ ኢየሩሳሌም ዝደበይዎ መስቀል ጐይታና ኣዂዒታ ዝረኸበትሉ መዓልትን ቅንያትን ንምዝካር’ዩ። ኣገዳስነት ናይ’ቲ ብክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታና ኣብ መስቀል ዝተፈጸመ ግብሪ ምድሓን ንኸነስተንትነሉ ዝተሰርዐ ንኡስ ዘመን ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ መዝሙርን ንባባትን ምስባክን፡ መስቀል-ጠቀስ ትሕዝቶ ዘለዎ’ዩ። እቲ ብመዘምራን ቤተ ክርስትያንና ዚዝመር ነዚ ዕለት’ዚ ዝተሰርዐ መዝሙር-ሰንበት፡ “ዝንቱ ውእቱ መስቀል” ዘርእስቱ ዀይኑ፡ ኵሉ ንኽብሪ ናይ’ቲ ኣብ መስቀል ዝተፈጸመ ግብሪ ምድሓን ዚገልጽ’ዩ። ኣብ’ቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ማር 8፡27-38፡ ጐይታና ባዕሉ ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኺጸግብን ኪነዓቕን ኪቕተልን፡ ድሕሪ ሳልስቲ’ውን ኪትንስእ ከም ዚግብኦ ብምግላጽ፡ ኣገዳስነት ናይ’ቲ ኣብ መስቀል ዚፍጸም ሞቱ ኣብሪሁ ገሊጹልና ኣሎ። ኣብ’ቲ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ናይ 1ቈረ 1፡17-31 ንባብ ድማ ቃል መስቀል ንኣና ንክርስትያን ጥበብናን ሓይልናን ምዃኑ፡ ጐይታና ሳላ ተሰቒሉ ዝሞተልና ንኣና ጥበብናን ጽድቅናን ቅድስናናን ድሕነትናን ከም ዝዀነልና ኣብሪሁልና ኣሎ (1፡18,19,30,31)። እቲ ናይ 1ጴጥ 4፡1-11 ንባብና ድማ ጐይታና ኣብ መስቀል ሓሳረ-መከራን ሞትን ዝጸገበ፡ ንሕና ንፍትወት ስጋ ኻብ ምንባር ድሒንና ንፍቓድ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንነብር ምዃኑ፡ ምስ’ዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ትምህርትና ዚሰማማዕ ቃል ሂቡና ኣሎ (1ጴጥ 4፡12)። እቲ ናይ ግብ 2፡22-32 ንባብና’ውን፡ ነቲ ኣብ መዓልቲ ጰራቅሊጦስ፡ ብድርኺት መንፈስ ቅዱስ ብዛዕባ ስቕለትን ሞትን ትንሳኤን ናይ ጐይታና ዝሃቦ ዓሚቍ ምስጢር ዝሓዘለ ስብከት ዚገልጽ’ዩ። ናይ ኵሉ ክርስትያናዊ ስብከት ሕመረት ወይ ማእከላይ መልእኽቲ፡ እቲ “እተሰቕለ ክርስቶስ” ምዃኑ ዜመልክተና ድማ’ዩ (1ቈረ 1፡23 ፣ 2፡1,2)።
ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ትምህርትና ብዛዕባ’ቲ ኣባና ኺፍጸም ዚግብኦ ዕላማ ስቕለት ጐይታና ዚምልከት’ዩ። መሪሕ ጥቕስና፡ ገዛእ ርእስና ቐቢጽና፡ መስቀልና ኣብ ጸጽባሕ እና’ልዓልና ኽንስዕብ ኣዚዙና ኣሎ። ገዛእ ርእስና እንቐብጸሉ ዕላማ ድማ፡ ነዚ ምድራዊ ህይወት ምእንቲ ርእስና ምንባር ገዲፍና፡ ምእንቲ’ቲ ኣብ መስቀል ዝሞተልና ጐይታ ምእንቲ ኽንነብር’ዩ። ነዚ ዕላማ’ዚ ብንጹር ኣስፊሩልና ዘሎ ድማ ቅዱስ ጳውሎስ’ዩ።
“ድሕሪ ሕጂ እቶም (ብህይወት) ዘለዉ፡ ነቲ ምእንትኦም ዝሞተን ዝተንስአን’ምበር፡ ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ፡ ንሱ ኣብ ክንዲ ዅላቶም (ኣብ መስቀል) ሞተ።” 2ቈረ 5፡15
እዚ ቕዱስ ሃዋርያ፡ በዚ መልእኽቱ’ዚ ናይ’ቲ ኣብ መስቀል ዝተፈጸመ ናይ መስዋእቲ ክርስቶስ ዕላማ እንታይ ምዃኑ ኣብሪሁ ገሊጹልና ኣሎ። ኣብ’ዚ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ቅዱስ ጳውሎስ ጥቕሲ’ዚ፡ እቲ ናይ ክርስቶስ ናይ መስዋእቱ ዕላማ፡ ናትና ናይ ህይወትና ዕላማ ኪኸውን ከም ዚግባእ ብንጹር ተነጊሩና ኣሎ። ስለ’ዚ ብህይወት ክሳዕ ዘለና፡ ዕላማ ሞቱን ዕላማ ምንባርናን ተሰማሚዑን ተመላሊኡን ይኸይድ ከም ዘሎ ናይ ምርግጋጽ ሓላፍነት ኣብ ዝባንና’ዩ ወዲቑ ኣሎ። ምኽንያቱ እቲ ምእንታና ዝሞተ ጐይታ ዕላማኡ ብዓወት ፈጺሙስ፦ “ዎ ኣቦ! . . . ኣነ ነቲ ኽገብሮ ዝሃብካኒ ግብሪ ፈጺመ፡ ኣብ ምድሪ ኣኽበርኩኻ። ዎ ኣቦይ፡ ሕጂ ድማ በቲ ዓለም ከይተፈጥረት ኣባኻ ዝነበረኒ ኽብሪ ኣባኻ ኣኽብረኒ።” ኢሉ ተኣሚኑን ናብ ሰማያት ናብ ሕቝፊ ኣቦኡ ዓሪጉን’ዩ (ዮሃ 17፡4,5)። ሕጂ ተሪፉ ዘሎ እቲ ናትና ናይ ምንባርና ዕላማ’ዩ። ንሕና’ውን ኣርኣያ ጐይታና ተኸቲልና፡ ዕላማ-ምንባርና ኸም ዚግባእ ክንፍጽምን፡ ነዛ ንሱ ዝበላ ቓል ብትብዓት ክንደግምን ይግብኣና። እቲ ብኣምላኽን ኣብ ኣምላኽን ኪኸብር ዚደልይ ኵሉ ክርስትያን፡ ንሱ ኣቐዲሙ ንኣምላኽ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ኬኽብሮ ይግባእ። ምኽንያቱ ዘየኽበርካዮን ዘዋረደካዮን ኣምላኽ ኬኽብረካ ምጽባይ ዘይክውንነታዊ ግርምቢጥ ትጽቢት’ዩ። ዘይዘራእካዮ እኽሊ ኺፈርየልካን ክትዓጽድን ኣይከኣልን’ዩ። ስለ’ዚ ነቲ ብኣምላኽ ዝተዋህበና ተልእኾን ዕላማን፡ ብዕቱብ ንገብሮን ንነብሮን ምህላውና ኸነረጋግጽ ዝለዓለ መንፈሳዊ ሓላፍነትና’ዩ። ሓደ ኻብ’ቲ ርእስና ኽንምርምረሉ ዚግባእና ሕቶታት ከኣ፡ “ምእንቲ መን እነብር ኣለኹ፧” ዚብል’ዩ። ነዛ ሕቶ’ዚኣ እንህቦ ግብራውን ሓቀኛን መልሲ፡ ዘለኣለማዊ መጻኢና እንታይ ከም ዚመስልን ኣበይ ከም እነሕልፎን ኣነጺሩን ኣግሂዱን ብስእላዊ መገዲ ዜርእየና’ዩ።
ናይ ክርስቶስ ናይ ሞቱን ትንሳኤኡን ዕላማ እንታይ’ዩ፧ ደጋጊምና ኸም እንመሃሮ፡ ክርስቶስ ዋጋ ሓጢኣትና ኪኸፍልን ፍቕሪ ኣምላኽ ኪገልጸልናን’ዩ ዝሞተን ዝተንስአን። ፈጸምቲ ናይ’ቲ ሓጢኣት ባዕላትና ኽነስና፡ ነቲ መሪር ዋጋኡ ባዕላትና ኽንከፍሎ ግና ዚከኣል ኣይኰነን። ምኽንያቱ ዋላ ንዘለኣለም ብሞት ተቐጺዕና’ኳ፡ ንዓስቢ ሓጢኣት ከፊልና ኸነዳቕሶ ኣይከኣልን’ዩ። ሞት-ስጋን ዋጋ ሓጢኣትን ፈጺሙ ኺመጣጠን ዘይክእል’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ድሕነት ንምርካብ ሞት ናይ’ቲ ፍጹም ኣምላኽ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብግዲ ዘድለየ። ጐይታና ፍጹም ሰብ ጥራሕ ነይሩ እንተ ዚኸውን ብሞቱ’ውን ኬድሕነና ኣይምኸኣለን ነይሩ። ስግው መለኮት ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ሞት ስጋ ገንዘቡ ገይሩ ኣዝዩ ኸቢድ ዋጋ ስለ ዝኸፈለ፡ ንኣበሳ ናይ ኵሉ ዘርኢ ኣዳም ዓስቡ ንዘለኣለም ከፊሉ፡ ንዅሉ ሰብ ድሕነት ሃበ። ካብ ኣዳም ጀሚሩ ኽሳዕ ምጽኣት ጐይታ ናይ ዝነበርና ሰባት ሞት ተደሚሩ፡ ክንዲ’ቲ ጐይታና ንሰለስተ መዓልትን ለይትን ብስጋ ዝሞቶ ሞት ኣይከውንን’ዩ። ኪጽወር ዘይክአል ከቢድ ሞት ስለ ዝሞተ፡ ምድሪ ኣንቀጥቀጠት፡ ጸሓይ ከኣ ጸልመተት። ናይ ሳልስቲ፡ እሞ ኸኣ ናይ ሓደ ሰብ ሞት ክነሱ፡ ናይ ቢልዮናት ሰባት ዘለኣለማዊ ሞት ኪኸፍል ዝኸኣለ ኸቢድን ክቡር ሞትን’ዩ። ዋላ ሓደ’ኳ ናይ ሓጢኣቱ ዋጋ ኸፊሉ ወዲኡስ ብድሕሪኡ ካብ ዕዳ ሓጢኣቱ ነጻ ዀይኑ ኺድሕን ዚኽእል ስለ ዘይብልና፡ መለኮት ዓስቢ ሓጢኣትና ብሞት ስጋኡ ምእንቲ ኪኸፍል ምስጢረ ተዋህዶ (ምስጢረ-ስጋዌ) ተፈጸመ። ብዘይ’ዛ ናይ ክርስቶስ ሞት፡ ድሕነት ኪረክብ ዚኽእል ሓደ’ኳ የልቦን። ስለ’ዚ ዕላማ ሞት ክርስቶስ፡ ንዓስቢ ሓጢኣትና ብሞቱ ኸፊሉ፡ ንሓጢኣት ካባና ኣርሒቑ፡ ካብ ዘለኣለማዊ ሞት ሓራ ኺገብረናን፡ ዘለኣለማዊ ህይወትን ክብርን ኬውርሰናን’ዩ (ዮሃ 3፡15,16,36፣11፡25፣ ሮሜ 5፡12-21፣ 8፡3,31-39፣ ቈሎ 2፡10-15፣ እብ 9፡23-28፣ 10፡11-14፣ 1ጴጥ 2፡24)።
ዋጋ ሓጢኣትናስ ተኸፊሉ፡ ብድሕሪኡ ናትና ግደኸ እንታይ’ዩ፧ ናይ ሓጢኣትና ዋጋ ኣዝዩ ኸቢድን መሪርን ምዃኑ ብሩህ’ዩ። ዋጋ ሓጢኣትና በቲ ጻድቕ ጐይታ ድሕሪ ምኽፋሉ፡ ደጊምና ኣብ ሓጢኣትና ክንነብር ግቡእ ኣይኰነን። ንሱ ንሓጢኣትና ኼርሕቕ ተሰዊኡስ፡ ገና ኣብ ሓጢኣት ንነብር እንተ ዄንና፡ ነቲ ምእንታና ዝኸፈሎ መሪር ሞት ከንቱ ንገብሮ፡ ካብኡ ዚመርር ሞት ደጊሙ ኪኽፈለልና ድማ ንጠልብ ኣለና ማለት’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ብሞት ክርስቶስ ድሕሪ ምእማንና፡ ፈቲና ሓጢኣት ኣብ ምግባር እንተ ተጸሚድና፡ መልእኽቲ ናይ’ዚ እኩይ ጽምዶና’ዚ እንታይ ምዃኑ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ኣብሪሁልና ኣሎ።
“ስለ’ዚ ኸኣ ፍልጠት ሓቂ ምስ ረኸብና፡ ፈተና ሓጢኣት እንተ ገበርና ዜሰክሕ ምጽባይ ፍርድን፡ ነቶም ተጻረርቲ እትበልዕ ቅንኢ ሓውን ኪኸውን’ዩ’ምበር፡ ደጊምሲ ስለ ሓጢኣት ዚስዋእ መስዋእቲ የልቦን።” እብ 10፡26,27
ሞት ክርስቶስ፡ “ሓንሳእ ንሓዋሩ” እትኽፈል’ምበር፡ ከም ሞት ናይ መስዋእቲ እንስሳ ዚደጋገም ሞት ኣይኰነን (እብ 8፡27፣ 9፡25-28፣ 10፡1-3,10-14)። ስለ’ዚ ብሞት ክርስቶስ ኣሚኑ ክርስትያን ድሕረ ምዃኑ፡ ብጽድቂ’ምበር ብሓጢኣት ዚነብር ሰብ ኪህልው ኣይግባእን’ዩ። ምኽንያቱ ናይ ሓጢኣት ዕላማ ኵሉ ጊዜ ሞት’ዩ። ስለ’ዚ እቲ ፈትዩ ሓጢኣት ዚፍጽም ሰብ፡ ሞት’ዩ ዚዕድምን ዚጠልብን ዘሎ። ኣብ ምድሪ ቕድሚ ሕጂ ናይ ዝተፈጸመን ብድሕሪ ሕጂ ናይ ዚፍጸምን ሓጢኣት ሞት ድማ ድሮ ብሞት ክርስቶስ ተኸፊሉ’ዩ። ንሕና ሰባት በዚ ዝተኸፍለ ሞት እንድሕን፡ ነዚ ሞት’ዚ ኣሚንናሉስ ምስ እንሓብሮ’ዩ። ምስ ሞት ክርስቶስ ሕብረት እንገብር ከኣ ብኽልተ ምስጢራት’ዩ። እቲ ቐዳማይ፡ እቲ ዘይድገም ምስጢር፡ ምስጢረ ጥምቀት፡ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ምስጢር ከኣ እቲ ኽሳዕ ዕለተ ሞትና ዚደጋገም ምስጢረ ንስሓ’ዩ።
“እምበኣርሲ እንታይ ክንብል ኢና፧ ጸጋ ምእንቲ ኺዓዝዝሲ፡ ኣብ ሓጢኣትዶ ንጽናዕ፧ ያእ ኣይፋልናን። ንሕና ኻብ ሓጢኣት ዝሞትና፡ ከመይ ኢልና ሕጂ ኣብኡ (ኣብ ሓጢኣት) ክንነብር፧ ወይስ ብክርስቶስ ኢየሱስ እተጠመቕና ዘበልና ዅላትና ብሞቱ ኸም እተጠመቕናዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እምበኣሲ ኸም’ቲ ክርስቶስ ብኽብሪ ኣቦኡ ኻብ ምዉታት ዝተንስአ፡ ከምኡ ኸኣ ንሕና ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ ኽንመላለስ ናብ ሞት ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርና። ሞትና ንሞቱ መሲሉ ሕቡራቱ እንተ ዀንናስ ፡ ከምኡ ኸኣ ብትንሳኤኡ ኽንሓብሮ ኢና.....። ማለት፡ ሞቱ ሓንሳእ ንዅሉ ጊዜ ኻብ ሓጢኣት’ዩ ዝሞተ፡ ህይወቱ ግና ንኣምላኽ’ዩ ዚነብር። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ካብ ሓጢኣት ከም ዝሞትኩም፡ ብክርስቶስ ኢየሱስ ግና (ንርእስኹም ዘይኰነ) ንኣምላኽ ህያዋን ከም ዝዀንኩም፡ ርእስኹም ቍጸሩ።” ሮሜ 6፡1-5,10,11
“. . . ብእኡ (ብክርስቶስ) ተገዘርኩም። ብጥምቀት’ውን ምስኡ ተቐበርኩም ብግብሪ ናይ’ቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣምላኽ ድማ ምስኡ ተንሳእኩም።” ቈሎ 2፡11,12
ስለ’ዚ ጥምቀት ማለት ምስ ክርስቶስ ሙማት ማለት’ዩ። እዚ ቕዱስ ሃዋርያ ገሊጹልና ኸም ዘሎ ኸኣ፡ “ሞቱ ሓንሳእ ንዅሉ ጊዜ ኻብ ሓጢኣት’ዩ ዝሞተ”። ስለ’ዚ ሞትና ንሞቱ ኺመስል እንተ ዀይኑ ንሕና’ውን ሓንሳእ ንዅሉ ጊዜ ኻብ ሓጢኣት ክንመውት ይግብኣና ማለት’ዩ። እንተ ዀነ ውዱቕ ስጋ ለቢስና ስለ ዘለና፡ ካብ’ዚ ናይ ውርደት ስጋ ተላቒቕና፡ ስጋና ነቲ ኽቡር ስጋ ክርስቶስ ናብ ምምሳል ክሳዕ ዚልወጥ፡ ደጋጊምና ናብ ሓጢኣት ምውዳቕና ዘይተርፍ’ዩ (1ዮሃ 1፡8-10፣ ፊሊ 3፡21፣ ሮሜ 8፡23)። እምበኣር ሓጢኣት ዳግማይ ትንፋስ ዘሪኡ ኣብ ህይወትና ኸይገዝእ’ሞ፡ ናብ’ቲ ዝነበርናዮ ጥፍኣት ከይመልሰና፡ ብንስሓ ደጋጊምና ኸነርሕቖ ንሕና’ውን ኵሉ ጊዜ ኣብ’ቲ ሞት ክርስቶስ ሕቡራት ኴንና ምእንቲ ኽንነብር፡ እቲ ኽቡርን ረቂቕን ምስጢረ ንስሓ ተሰርዓልና። እምበኣር ምስጢረ ንስሓ፡ ዕድሜና ምሉእ ኣብ ሞት ክርስቶስ ሓቢርና ኽንነብር ኬኽእለና ዝተሰርዓልና ምስጢር’ዩ። ብምስጢረ ጥምቀትን ንስሓን ኵሉ ጊዜ ኽንመዉት ዜድልየና፡ ብሓዳስ ህይወት ብምምልላስ ኣብ ትንሳኤኡ ምእንቲ ኽንሓብሮ’ዩ። ብሓዳስ ህይወት ምምልላስ ማለት ከኣ ብጽድቂ ምንባር ማለት’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ነዚ ሓቂ’ዚ፦ “ንሓጢኣት መዊትናስ ንጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር፡ ንሱ (ክርስቶስ) ባዕሉ ንሓጢኣትና ኣብ ስጋኡ ኣብ ዕንጸይቲ ጾሮ፡ ብቝስሉ ኢኹም ዝሓወኹም።” ብምባል ገሊጹልና ኣሎ። (1ጴጥ 2፡24)።
ምእንቲ’ቲ ዝሞተልና ጐይታ’ምበር ምእንቲ ርእስና ኸይንነብር ዝተኸልከልናሉ ምኽንያቱ እንታይ’ዩ፧ ምእንቲ ርእሱ ኺነብር ዚፍቀደሉ፡ እቲ ብገዛእ ርእሱ ህልውና ዘለዎን ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ዝደለየ ኺገብር ስልጣንን ክእለትን ዘለዎ ኣካል ጥራሕ’ዩ። ከም’ዚ ዝበለ ኣካል ከኣ መለኮታዊ ኣምላኽ ጥራሕ’ዩ። ንሕና ግና እግዚአብሔር ዝሰርሓና ፍጡራት ኢና’ምበር፡ ብገዛእ ርእስና ናብ ህላወ ዝመጻእና ናይ ገዛእ ርእስና ህይወት ዘለና ኣካላት ኣይኰንናን። እግዚአብሔር ንርእሱ ኢሉ’ዩ ፈጢሩና። ስለ’ዚ ንእኡ ኢልና’ምበር ንርእስና ኢልና ኽንነብር ስልጣን ኰነ መሰል የብልናን። ናይ ገዛእ ርእስና ስለ ዘይኰነና፡ ንፍቓድ ናይ’ቲ ፈጣሪናን ዋናናን እግዚአብሔር ጥራሕ’ምበር ፍቓድና ኽንገብር ኣይፍቀደልናን’ዩ። ህይወት ሂቡ ዚፈጥረና፡ ዓመታት ዕድመና ዚውስነልና፡ ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ብመጋቢነቱ ዜናብረና፡ መዓልትና ምስ ኣኸለ ብሞት ዜግዕዘና ንሱ’ዩ። ስለ’ዚ ንርእስና ዝገበርናላን ዘሕለፍናላን ሓንቲ’ኳ የብልናን። ኣብ ህይወትና ድማ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኸውን ዋንነት’ኳ የብልናን።
“እቲ ዓለምን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ዝገበረ ኣምላኽ፡ ንሱ ጉይታ ሰማይን ምድርን’ዩ። . . . ንሱ ህይወትን ትንፋስን ኵሉ ነገርን ንዅሉ ዚህብ’ዩ፡ . . . ብእኡ ኢና እንነብርን እንወሳወስን ብእኡ ኸኣ ኢና ዘለና’ሞ፡ ንሱ ኻብ ሓደ ሰብ ኣብ ርእሲ ዅላ ምድሪ ኺነብሩ ዅሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ። ንሱ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሓቐ ኽነሱ፡ ምናልባሽ ሃሰስ ኢሎም እንተ ረኸብዎ ንኣምላኽ ምእንቲ ኺደልዩ፡ ንመናበሪኦም ድማ ውሱን ዘመናት ድዉብ ደረትን ሓገገሎም።” ግብ 17፡24,28
ኣብ ክሕደት ዝተጸምደ ሰብ እንተ ዘይኰይኑ፡ ነዚ ሃዋርያዊ ቓል’ዚ ድሕሪ ምንባቡ፡ ናይ ርእሱ ኸም ዝዀነን ምእንቲ ርእሱ ኸም ዚነብርን ኪሓስብ ዚኽእል የለን። ኣብ’ዚ ዘንበብናዮ ጥቕሲ፡ “ምእንትኡ’ምበር ምእንቲ ርእስኹም ኣይትንበሩ” ዚብል መልእኽትን ትእዛዝ የልቦን። ነዚ ቓል’ዚ ምስ ኣንበብናን ምስ ኣመንናሉን ግና፡ ናብ’ቲ መደምደምታ’ቲ ባዕላትና ኽንበጽሕ’ዩ ዚግባእ። ኣጸቢቑ ምእንቲ ኺበርሃልና፡ ንመኪና ኸም ኣብነት ወሲድና ንዘራረብ። ሓንቲ ዝሰራሕናያ ወይ ዝዓደግናያ መኪና ኣላትና ንበል። እዛ መኪና’ዚኣ ባዕላ ናብ ህላወ ኣይመጸትን፡ ንኣና ኸተገልግለና ኢልና ባዕላትና ዘምጻእናያ’ያ። እንተ ደለና ንዕቅባ እንተ ዘይደለና እንጕሕፋ ወይ እንሽጣ’ያ። ነዳዲ መሊእና ናብ’ቲ እንደልዮ ቦታ እንወስዳ ባዕላትና ኢና። እንተ ሓመመት ብገንዘብና እነሕውያ ባዕላትና ኢና። ዋላ ዘይከኣል’ኳ እንተ ዀነ፡ ክንጐዓዘላ ደሊና “እምቢ” ኢላ እንተ ትኣብየና፡ ንየማን ክትጥወይ እናደለናያ ንጸጋም እንተ ትኸደና፡ ደው ክትብል እናደለናያ መገዳ እንተ ትቅጽል፡ ካብ ዝዓሸግናያ ቦታ ብዘይ ፍቓድና ናብ ዝደለየቶ ቦታ ግዒዛ እንተ ትጸንሓና እንታይከ ምበልና፧ እንታይ ምዀንና፧ እንታይ ምገበርና ንኸውን፧ እቲ ናይ ኣምላኽ ፍጥረት ክነሱ፡ ንርእሱ ኢሉ ዚነብር ሰብ ከኣ፡ ልክዕ፡ ከም’ዚ ዝዓይነቱ መልክዕ-ህይወት ዘለዎ ሰብ’ዩ። ኣብ’ቲ ብመልክዕ ኣምላኽ ዝተፈጥረ፡ ሃብቲ ኣእምሮ ዝተዓደለ ሰብ፡ ከም’ዚ ዝበለ ኣብ በሃማት እንስሳታት’ኳ ዘይረኣይ ባህርይ ኪረኣይ ከሎ ድማ ዝበኣሰ’ዩ ዚኸውን። ነዚ ርዱእ መንፈሳዊ ሓቂ’ዚ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ።
“ካባናስ ሓደ’ኳ ንርእሱ ኢሉ ዚነበር የልቦን’ሞ፡ ንርእሱ ዚመውት ከኣ ሓደ’ኳ የልቦን። ብህይወት እንተ ነበርና፡ ንጐይታ ኢና እንነብር፡ ወይስ እንተ ሞትና ንጐይታ ኢና እንመውት’ሞ፡ ብህይወት እንተ ነበርና ወይሲ እንተ ሞትና፡ ናይ ጐይታ ኢና። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ክርስቶስ ጐይታ ምዉታትን ህያዋንን ምእንቲ ኪኸውን ኢሉ፡ ዝሞተን ህያው ዝዀነን።” ሮሜ 14፡7-9
ነዚ ሓቂ’ዚ ዘይምፍላጥናን ፈሊጥና ኽነስና ዘይምቕባልናን’ዩ፡ ንዅሉ ህይወትና ብሓጢኣት ዜጋዕዝዮ ዘሎ። ምኽንያቱ ኣብ’ቲ ዕላማ እንተ ተጋጊና፡ ኣብ ትሕቲ ግጉይ ዕላማ ዄንና እንገብሮ ዅሉ ድማ ግጉይ ተግባር’ዩ ዚኸውን። ኣብ ትሕቲ’ዚ ግጉይ ዕላማ ዚግበር ተግባር፡ ይትረፍ’ቲ ኽፉእ ግብሪ ዋላ’ቲ ጽቡቕ ግብሪ’ውን ክፋእ’ዩ ዚኸውን። እትገብረሉ ዕላማ ብዘየገድስ፡ ክፉእ ግብሪ ዅሉ ጊዜ ኽፋእ’ዩ። ምእንቲ ርእስኻ ኢልካ እትገብሮ ግብሪ ጽድቂ’ውን ክፋእ ግብሪ’ዩ። ጽድቂ ርእስኻ ክትተክል ካብ ምድላይ ዚኸፍእ ግብሪ ዓመጻ ፈጺሙ የልቦን። ስለ’ዚ ምግባርና ዀነ ምንባርና ንርእስናን ዘይኰነስ ነቲ ዝሞተልና ጐይታ ኢልና ንገብሮ ምህላውና ኸነረጋግጽ ይግባእ።
ንርእስና ምንባር ሓዲግና ምእንታኡ ንነብር ከም ዘለና ብኸመይ ኢና እንፈልጥ፡ ብኻልእ ኣዘራርባ ብኸመይ ኢና ምእንቲ ጐይታ ጥራሕ ክንነብር እንኽእል፧ እታ ቐዳመይቲ ጥበብ፡ ናይ ርእስና ዘይምዃንና፡ ናቱ ናይ በይኑ ምዃንና፡ ናይ ህይወት ተልእኾና ድማ ምእንትኡ ምንባር ምዃና ብዘየዳግም መገዲ ምእማንን ነዛ ዕላማን ተልእኾን’ዚኣ ንምትግባር ከኣ ውፋያት ምዃንን’ያ። እዛ ርድኢት (Conviction)’ዚኣ እንተ ዘይብልና ግን ነዚ ተልእኾና ይትረፍ ክንትግብሮ ኽንሓስቦ’ውን ኣይከኣልን’ዩ። ኣብ ሓደ ስራሕ ተቘጺርና ኽንሰርሕ ከለና፡ ኵሉ ጕልበትና፡ ክእለትና፡ ፍቓድና ዀነ ጊዜና ናትና ኣይኰነን። ነቲ ኣሰራሒና ፈቲና ኣረኪብናዮ ኢና። ኣብ’ታ ናይ ስራሕ ቦታና ኽሳዕ ዝሃለና፡ ኣብ ገዛእ ርእስና ዋንነት ከም ዘይብልና ዄንና ኢና ንሰርሕ። እዛ ስምዒት’ዚኣ ኽሳዕ ዘላ፡ ምስ’ቲ ኣሰራሒና ተሰማሚዕና ሓሳብ ልቡ እናሰመርናሉ ኢና ንነብር። ፍቓድናን ድልየትናን ከነተግብር ካብ ዝተዓጠቕናላ እዋን ንደሓር ግን፡ ካብ’ቲ ኣስራሒናን ስራሕናን ምስንባትና ዘይተርፍ’ዩ። ኣብ ህይወት ክርስትና ድማ በዛ መገዲ’ዚኣ ጥራሕ ኢና ኽንነብር እንኽእል። ቅዱስ ዳዊት ንሱ ባዕሉ፡ እቲ ዘለዎ ዅሉ ንብረትን ስልጣንን ፍቓድን ተግባርን ናይ እግዚአብሔር ምዃኑ ምሉእ ርድኢትን እምነትን ስለ ዝነበሮ፡ እግዚአብሔር “ዝኸም-ልበይ” ክሳዕ ዚብሎ ኣዝዩ ኣሓጐሶ (1ዜና 29፡3-18፣ 1ሳሙ 13፡14፣ ግብ 13፡22)።
ብድሕር’ዚ ብኻልኣይ ደረጀ እንገብሮ ኸኣ፡ ዝዀነ ኽንሓስቦ እንደልይ ሓሳብ፡ ክንዛረቦ እንደልይ ቃላት ኰነ ክንገብሮ እንደልይ ግብሪ እቲ እግዚአብሔር ዚደልዮ ጥራሕ ምዃኑ ምርግጋጽ’ዩ። ምእንቲ ርእስና ዲና ምእንትኡ ኽንገብሮ ቕድሚ ምውሳንና፡ እቲ ዚግበር ብመሰረቱ ኣምላኽ ዚፈቕዶ ድዩ ዘይፈቕዶ ምርግጋጽ ይግባእ። ንሱ ዘይፈቕዶ ተግባር ምእንትኡ ኢልካ ኽትገብሮ ስለ ዘይከኣል፡ ዓይነት ናይ’ቲ መዲብካዮ ዘለኻ ተግባር ምርግጋጽ ግቡእ’ዩ። ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ ንኣምላኽ ዚኸውን ልዑል ቅንኣት ዝነበሮ ሰብ’ዩ ዝነበረ (ግብ 22፡3፣ ገላ 1፡14)። ምእንቲ ኣምላኽ ኢሉ ግና፡ ንሰባት ኣብ ምእሳርን ምስቓይን ምቕታልን ተጸምደ (ግብ 26፡9-11፣ 1ቈረ 15፡8)። በዚ ምእንትኡ ኢሉ ዝገበሮ ግብርታቱ ግን ንጐይታ የሳድዶን ይሰጕጎን’ምበር የገልግሎ ኣይነበረን። ጐይታና ብመለኮታዊ ኽብሩ ተገሊጹ እንተ ዘይዓግቶ፡ ደም ኣሽሓት ቅዱሳን መፍሰስ ነይሩ። “ምእንቲ ኣምላኽናን ሃይማኖትናን” ኢሎም ኪጻረፉ፡ ኬካፍኡ፡ ኪቃተሉ ዚውዕሉ ሰባት ኣብ ቤተ ክርስትያንናን ኣብ ማእከልናን መሊኦም’ዮም። ሃዋርያ ጴጥሮስ ምእንቲ ጐይታ ኢሉ ብሰይፊ ሰብ ኪቘርጽ ጀሚሩ ነበረ። ምእንቲ ጐይታኡ ኢሉ ስለ ዝገበሮ ጥራሕ እቲ ናይ ዓመጻ ተግባር ከም ጽቡቕ ግብሪ ሰለ ዘይቍጸር ጐይታና ገኒሑ ከም ዜቋርጾ ገበሮ (ማቴ 26፡51 ፣ ማር 14፡47)። ስለ’ዚ ምእንትኡ ኢልካ ቕድሚ ምግባርካ፡ ንዓይነት ናይ’ቲ ተግባርካ ምምርማር ኣዝዩ ኣገዳስን ብልህን ስጉምቲ’ዩ። ክፉእ ግብሪ እንተ ዀይኑ፡ ይትረፍ ምእንቲ’ቲ ጻድቕ ጐይታ ምእንቲ ርእስና ኢልና’ውን ክንገብሮ ኣይግባእን’ዩ።
ጥዕና ተግባርና ድሕሪ ምርግጋጽና፡ ብሳልሳይ ደረጃ “ነዛ ተግባር’ዚኣ ምእንቲ መን ኢለ’የ ኽገብራ ዚግባኣኒ፧” ኢልና ኽንሓትት ይግባእ። ምእንቲ ርእሶም ኢሎም ዚጾሙን ዚጽልዩን ዚምጽውቱን ከም ዘለዉ ጐይታ ኣፍሊጡና’ዩ (ማቴ 6፡1-6,16-18)። ክንገብር ከለና “ኣነ ምእንቲ ኽጸድቕ” ኢልና ዘይኰነስ፡ “ጽድቂ ኣምላኸይ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ሰባት ምእንቲ ኺግለጽ” ኢልና ኽንገብሮ’ዩ ዚግባእ። ዋላ ግብሪ ጽድቂ’ውን ይኹን፡ ምእንቲ ርእስና ወይ ምእንትኡ ኢልና ኽንገብሮ ኸለና ኣብ ምልኣትን ብቕዓትን ናይ ኣተገባብራኡ ዓብይ ፍልልይ’ዩ ዘለዎ። ምእንቲ ኣምላኽ ኢልካ ዚግበር ተግባር ደረጃኡ (Standard) ኣዝዩ ልዑል’ዩ። እቲ ናይ ሳርዴስ ቤተ ክርስትያን መራሒ፡ ብናይ ሰብ ደረጃ መለክዒ፡ “ህያው” ዚብል ማዕርግ ተዋሂብዎ ነበረ። ብናይ ኣምላኽ መለክዒ ምስ ተደረጀ ግን “ምዉት” ዚብል ትኽክለኛ መግለጺ ተዋህቦ። “ምዉት” ዝተባህለሉ ምኽንያት፡ ጐይታና፦
“ንግብርኻ ኣብ ቅድሚ ኣምላኸይ ምሉእ ኰይኑ ኣይረኸብክዎን።” ብምባል ገሊጹሉ ኣሎ (ራእ 3፡1,2)። ናይ ኵሉ ግብርታት ሓቀኛ መዛኒ ድማ እግዚአብሔር’ዩ (1ሳሙ 2፡3፣ ምሳ 16፡2 ዳን 5፡26-28)። ስለ’ዚ ዅሉ ምንባርናን ተግባርናን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሚዛን ደፊኡ ቕቡል ኪዀነልና ንደልይ እንተ ዄንና፡ ምእንትኡ ኢልና ንእኡ ብዚምጥንን ብዚበቅዕን ደረጃ ኽንገብሮ ይግብኣና። ምእንቲ ርእስና ኢልና እናገበርና “ምእንትኡ’የ ዝነበር” ክንብል ኣይከኣልን’ዩ። ነቲ ዝርካቡ ሰናይ ግብርና፡ ንሰብ’ኳ ብዘይበቅዕ ደረጃ እናገበርናዮ፡ “ምእንቲ ኣምላኽ’የ ገይረዮ” ኢልና ንሱ ኺሕጐሰልናን ካብኡ ጻማ ኽንጽበየሉን ግቡእ ኣይኰነን። ንሱ ምእንታና ኢሉ ነቲ ዝኸፍአ ሞት ሞይቱልና ኼብቅዕ፡ ንሕና ምእንትኡ ኢልና ምንባር ምእባይና፡ ከቢድ ጥልመት ምዃኑ ኸነስተውዕል ይግባእ። ምእንታኡ ኢልና ሙማትና ሓለፋ’ምበር ዕዳ ኣይኰነን። ስለ’ዚ ብኣዝዩ ልዑል ሓጐስን ተወፋይነትን ክንገብሮ’ዩ ዚግባእ። ከመይሲ፡ እቲ ምእንቲ ርእሱ ኢሉ ዚነብር፡ ንህይወቱ ኼጥፍኣ’ዩ፡ እቲ ምእንታኡ ኢሉ ዚነብር ግና ንዘለኣለም ኪውንና’ዩ’ሞ፡ ነቲ ዜርብሓና ምርጫ ደኣ ንምረጽ!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
29 መስከረም 2024 | መስከረም 19, 2016 ግዕዝ (3ይ ሰንበት: ቊ.፫/3) |
||
ምስባክ መዝ. መዝ ፶፱(፷)፡፬ “ወወሀብኮሙ ትእምርተ ለእለይ ፈርሁከ። ከመ ያምሥጡ እምገጸ ቅሥት። ወይድኀኑ ፍቁራኒከ።” “ስለ ሓቂ ምእንቲ ኺለዓል፡ ነቶም ዚፈርሁኻ ሰንደቕ ዕላማ ሃብካዮም። ፈተውትኻ ምእንቲ ኺናገፉ፡ ብየማነይትኻ ኣድሕን’ሞ ስምዓና።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
1ቈረ 1፡17-ፍጻመ |
ዲያቆን |
|
1ጴጥ 4፡1-11 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 2፡22-32 |
ንፍቅ ካህን |
|
ማር 8፡27-ፍጻመ |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ዘእግዚእነ | መዝሙር፦ ዝንቱ ውእቱ መስቀል |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ