“እምበኣርሲ ንዅሉ ኽፍኣትን ኵሉ ጕርሕን ግብዝናን ቅንእን ኵሉ ሕምየትን ኣርሕቕዎ። እግዚኣብሄር ሕያዋይ ምዃኑ ጥዒምኩም እንተ ዄንኩምሲ፡ ብእኡ ንምድሓን ምእንቲ ኽትዓብዩ፡ ከም’ቶም ሕጂ እተወልዱ ሕጻናት ነቲ ሕዋስ ዘይብሉ መንፈሳዊ ጸባ ብሃግዎ።” 1ጴጥ 2፡1-3 (ኤፌ 4፡14,15)
እዚ ዕለት’ዚ ራብዓይ ሰንበት ናይ ዘመነ ጽጌ’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ጥቅምቲ 17፡ እቲ ቐዳማይ ሰማእት ሊቀ ዲያቆናት ቅዱስ እስቲፋኖስ ዚዝከረሉ ዕለት’ዩ። ብዛዕባ ቅዱስ እስቲፋኖስ፡ ኣብ’ቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ናይ ግብ 6፡8-15 ተጠቒሱ ኣሎ (ግብ 6፡15 ፡ 7፡1-60)። ንባብና ኣአንፊትዎ ኸም ዘሎን፡ ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ከም ዚነግረናን፡ ቅዱስ እስቲፋኖስ ሓያል መምህርን ስብከቱን ትምህርቱን ከም መዓር ዚጥዕምን ነበረ። ቅዱስ እስቲፋኖስ፡ ካብ’ቶም በታ ቐዳመይቲ ቤተ ክርስትያን ተሓርዮም፡ ብቕዱስን ሃዋርያትን ንኼወግዱ ብጽድቅን ብፍትሕን ኬመሓድሩ እተሓርዩ ሾብዓተ ድያቆናት ሓደ ነበረ። ንሱ ብመንፈስ ቅዱስ ጥበብን ጸጋን ሓይልን ዝመልኦ ሰብ ነበረ። ጐይታ ብእኡ ገይሩ ኣብ ማእከል’ቲ ህዝቢ ዓበይቲ ትእምርትን ተኣምራትን ብምግባር ዘኽበሮ፡ ዓብይ ናይ ኣምላኽ ሰብ ነበረ። ሰይጣን ነዚ ናይ እስቲፋኖስ ናይ ጸጋ ኣገልግሎት ኪዕገሶ ስለ ዘይከኣለ፡ ኣይሁድ ብብርቱዕ ህልኽ ከም ዚከራኸርዎ ገበረ። እንተ ዀነ ካብ ሓይሊ ሰይጣን ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ኣዝዩ ስለ ዚብርትዕ፡ ነቲ እስቲፋኖስ ዚዛረበሉ ዝነበረ መንፈስን ጥበብን ኪማጐትዎ ኣይተኻእሎምን። ስለ’ዚ ነታ ትምኒት ኣቦኦም ድያብሎስ ምእንቲ ኺገብሩ፡ መንዚዖም ናብ’ቲ ደም ቅዱሳን ዚጸምእ ዋዕላ ኣይሁድ ወሰድዎ (ዮሃ 8፡44)። ሓሰውቲ መሰኻኽር ሓባቢሎም ድማ፡ ኪረትዑሉ ዘይክእሉ ናይ ሓሶት ክስሲ ኣቕረቡሉ። እንተ ዀነ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ስለ ዘይተፈልዮ፡ ጸላእቱ ኣትኲሮም ምስ ረኣይዎ፡ ገጹ ኸም ናይ መልኣኽ ከም ዝመሰለ ተገንዘቡ። ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ኣዝዩ ዜስተንክር ስእሊ ናይ ምድሓን ኣምላኽ ከም ዚረኣዮም ገይሩ ምስ ተዛረቦም፡ ልቦም ብቝጥዓ ተቓጸሉ ኣሰናኖም ሓርቀሙሉ። እግዚኣብሄር ኬትብዖ ስለ ዝደለየ ድማ ብመንፈስ ቅዱስ መልኦ፡ መሳዅቲ ሰማይ ከፊቱ ድማ ክብሪ ኣቦን ወልድን በዒንቱ ኣርኣዮ። ብብርቱዕ ጭካነ እናፈጽፈጽዎ ኸለዉ፡ ንሱ ግና ብሓያል ምሕረት ምእንቲ ጸላእቱ ብምልማን፡ ልክዕ ንጐይታኡ መሰለ። ከም’ዚ ዝበሉ ኣብነታውያን ቅዱሳን ኣብ ሓያሎ ዓመታት ሓንሳእ ጥራሕ ዘይኰነ፡ መዓልቲ መጸ እናዘከርና ኣስኣሰር እምነቶም ክንስዕብ ይግብኣና’ዩ።
ነዚ ዕለት’ዚ ብቕዱስ ያሬድ ተሰሪዑ ዘሎ መዝሙር-ሰንበት “ጳጳሳት ቀሳውስት ወዲያቆናት” ዘርእስቱ’ዩ። እዚ መዝሙር’ዚ ብዛዕባ’ቲ ርእሲ ዅሎም መምህራንን፡ በይኑ መምህር ዝዀነን ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ “ረቢ ንብለካ፡ ረቢ ሊቅ ንኣምን ብከ (“መምህር ንብለካ፡ ኣታ ሊቅ መምህር ብኣኻ ንኣምን)” ብምባል ክብሪ ሂቡ ኣሎ። ንቅዱስ እስቲፋኖስ ሓያልን ምኡዝን መምህር ዝገበሮ፡ እዚ ሊቅ መምህር ዝዀነ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ዩ። ንጳጳሳትን ቀሳውስትን ድያቆናትን ብመንፈስ ቅዱስ ሓያላት መምህራን ዚገብሮም’ውን ንሱ’ዩ። ናይ ሎሚ ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን ብዛዕባ መንፈሳዊ ዕብየት ዜስተምህር ካብ ናይ 1ጴጥ 2፡1-8 ንባብና ዝተወሰደ’ዩ። ቅዱስ እስቲፋኖስ ብመንፈሳዊ ዕብየቱ ናብ’ቲ ዝለዓለ ጥርዚ ስለ ዝበጽሐ’ዩ ዕዉት ክርስትያን ዝዀነ። ዘይዓበየ ሰብ ብቑዕን ሓያልን መምህር ኪኸውን ኣይክእልን’ዩ። እዚ ዘለናዮ ናይ መወዳእታ ዘመን ድማ፡ ስሑት ትምህርትን ትንቢትን ዚበዝሓሉ ዘመን ስለ ዝዀነ፡ ብመንፈስ ዝዓበዩ ንተገልገልቶም ድማ ብመንፈስ ኬዕብዩ ዚኽእሉ ሓያላት መምህራን ዚድለዩሉ ተኣፋፊ ዘመን’ዩ። ስለ’ዚ ጳጳሳትናን ካህናትናን ድያቆናትናን በቲ ቕዱስ እስቲፋኖስ ዘገልገለሉ ካብ መንፈስ ቅዱስ ብዝዀነ ጥበብን ጸጋን ሓይልን ተመሊኦም፡ ንመጓሴኦም ካብ ጥፍኣት ኪብጀው እዚ ሕሱም ዘመን ብኣጽንዖት ይጠልበና ኣሎ። ኵላትና ምእመናን’ውን ነዚ ኻብ ስሕተትን ካብ ጥፍኣትን ኬድሕነና ዚኽእል መንፈሳዊ ዕብየት ኣዚና ኽንግደሰሉን፡ ንኽንበጽሖ ብዅሉ ነገር ክንጋደልን ይግብኣና። ነዚ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ መንፈሳዊ ዕብየት መልእኽቲ፡ ምስ’ቲ ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ኤፌሶን ዝጸሓፎ ቓል-ኣምላኽ እና’ዛመድና ኽንመሃረሉ ኢና።
“ድሕሪ ሕጂ ንሕና በቲ ኻብ’ቲ ብምጥባር ሰብን ንምፍሓስ ስሕተት ዚኸውን ተንኰልን ዚመጽእ ናይ ትምህርቲ ዅሉ ንፋስ ንየው ነጀው እንድፋእን እንኽብከብን ቈልዑ ምእንቲ ኸይንኸውንሲ፡ ብፍቕሪ ንሓቂ እናሰዓብና፡ ናብ’ቲ ርእሲ ዝዀነ ክርስቶስ ንዕበ።” ኤፌ 4፡14,15
ኣብ መሪሕ ጥቕስና’ዚ ብንጹር ተመልኪቱ ኸም ዘሎ፡ ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ንሰብ ዜጋግይ ብዙሕ ስሑት መንፈሳዊ ትምህርታት ኣሎ። ቅዱስ ጳውሎስ ድማ፡ ንስሑት ትምህርታት ምስ ብርቱዕ ንፋስ ኣመሳሲሉ ገሊጽዎ ኣሎ። ብርቱዕ ንፋስ ምስ ዚለዓል፡ ብሓይሊ ኸብኪቡ ናብ ዘይደለኻዮን ናብ ዘይትፈልጦን ቦታ ኼግዕዘካ ሓይሊ ኣለዎ። ንዘይዓበዩ ንኣሽቱ ቘልዑ፡ ብሕማም ወይ ብሽምግልና ንዝተደኸሙ ሰባት ወዘተ፡ ንፋስ ደፊኡ ኺወስዶምን ኬውድቖምን ይኽእል’ዩ። ኣብ ጽቡቕ ኣካላዊ ቝመና ንዘለዉ ድልዱላት ሰባት ግና ከም ድልየቱ ኪኽብክቦም ኣይክእልን’ዩ። ንፋስ፡ ማዕረ ኽንደይ ሓይሊ ኸም ዘለዎ፡ ዘራጊቶ ወይ ህቦብላ ኣብ ዘጋጠመና እዋን ፈቲንናዮ ንኸውን ኢና። እዚ ኣብ ገሊኣተን ሃገራት ዓለም ዚረኣይ ህቦብላ ንፋስ (Hurricane/tornado)፡ ይትረፍ ንድልዱል ሰብ፡ ንዓባይ መኪና ምስ ጽዕነታ’ውን ገፊፉ ኺወስድ ዘይጽገም’ዩ ምዃኑ ብማዕከናት ዜና እንዕዘቦ’ዩ።
ኣብ’ዚ መንፈሳዊ ዓለምና ዚረኣይ ስሑት ትምህርታት ድማ፡ ህቦብላዊ ባህርይ ኣለዎ። “ብኸም’ዚ ዝበለ ትምህርቲ ኺታለሉ ይኽእሉ’ዮም” ኢልካ ዘይትጽበዮም ለባማት ሰባት ከይተረፈ ሊኪሙልካ’ዩ ዚኸይድ። ከም’ዚ ዘመሰለ ሓደገኛ ትምህርቲ ኪኽሰት ከሎ፡ ብብዝሒ ዚጥቅዑን ተገዚዖም ዚኸዱን እቶም ኣብ መንፈሳዊ ቝልዕነት ዘለዉ ሰባት’ዮም። ጐይታና፡ ስሑት ትምህርትን ትንቢትን ብዙሓት ሰባት ከም ዜስሕት ምስ ናይ መጠንቀቕታኡ ገሊጹልና’ዩ።
““ኣነ ክርስቶስ’የ” እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ኪመጹ’ዮም፡ ንብዙሓት’ውን ኬስሕቱ’ዮም። . . .ብዙሓት ነብያት ሓሶት ኪትንስኡ፡ ንብዙሓት’ውን ኬስሕቱ’ዮም። . . . ሽዑ ገለ (ሰብ)፡ “እንሆ ክርስቶስ ኣብ’ዚ ወይ ኣብ’ቲ” እንተ በለኩም ኣይትእመንዎ። ናይ ሓሶት መሲሓንን ናይ ሓሶት ነብያትን ኪመጹ’ዮም’ሞ፡ እንተ ተኻእሎምሲ ነቶም ሕሩያት’ኳ ኼስሕቱ፡ ዓበይቲ ትእምርትን ተኣምራትን ኪገብሩ’ዮም። እንሆ፡ ኣቐዲመ ነገርኩኹም።” ማቴ 24፡5, 11,23,-25
ኣቐዲሙ ዝነገረና ምእንቲ ኼጠንቅቐና’ሞ፡ ርእስና ምእንቲ ኽንሕልው ኢሉ’ዩ። ኣቐዲሙ ኣጠንቂቑና ኼብቅዕ፡ ብናይ ስሑት ትምህርቲ ንፋስ እንተ ተወሲድና፡ ንኽሕደትና ምሕረት ኣይንረኽበሉን ኢና። እዚ ብጐይታ ዝተዋህበና ቅድመ መጠንቀቕታ፡ ንስለ ኣፍልጦ ጥራሕ ዚወሃበና ኣይኰነን። ፈሊጥናስ ርእስና እነድሕነሉ ስጕምቲ ምእንቲ ኽንወስድ’ዩ። እቲ ኽንወስዶ ዚግብኣና ስጕምቲ ድማ ካብ መንፈሳዊ ቝልዕነት ወጺእና ናብ ላዕሊ ናብ ክርስቶስ ገጽና ምዕባይ’ዩ።
ቅዱስ ሃዋርያት’ውን፡ ልክዕ ከም ጐይታኦም፡ ብዛዕባ ስሑት ትምህርታት ጽኑዕ መጠንቀቕታ ሂቦምና’ዮም።
“በቲ ዳሕራይ ዘመናት ግና፡ ገሊኦም እምነቶም ክሒዶም፡ ንመናፍስቲ ስሕተትን ንምህሮ ኣጋንንትን ከም ዚስዕቡ፡ እቲ መንፈስ ብግሁድ ይብል ኣሎ።” 1ጢሞ 4፡1
“ግናኸ ከም’ቲ ሓሰውቲ ነብያት ኣብ ማእከል ህዝቢ (እስራኤል) ተንሲኦም ዝነበሩ፡ ኣብ ማእከልኩምውን ሓሰውቲ መምህራን ኪትንስኡ’ዮም። ንሳቶም ብሕቡእ ጥፍኣት ዜስዕብ መናፍቕነት ኬምጽኡ’ዮም። ነቲ ዝተበጀዎም ጐይታ ብምኽሓድ’ውን ኣብ ልዕሊኦም ቅልጡፍ ጥፍኣት ኬምጽኡ’ዮም። ብዙሓት ድማ በቲ መገዲ ርኽስቶም ኪስዕብዎም’ዮም። ብሰሮምውን እታ መገዲ ሓቂ ኽትጽረፍ’ያ።” 2ጴጥ 2፡1-2 ካ.ት
“ኣቱም ፍቍራተይ፡ ብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም ኣለዉ’ሞ፡ እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ’ምበር፡ ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ። . . . እዚ ኸኣ እቲ ኸም ዚመጽእ ሰሚዕኩምዎ ዘለኹም ናይ ጸረ-ክርስቶስ መንፈስ’ዩ፡ ሕጂ’ውን ድሮ ኣብ ዓለም ኣሎ።” 1ዮሃ 4፡1,3
ምድራዊ ንፋስ ንብረትን ገዛውትን ኣእዋምን ከም ዚገላብጥ ናይ ሓሶት ትምህርቲ ንፋስ ድማ፡ ኣብያተ ክርስትያንን እምነታትን ኵሉ መንፈሳዊ ባህርያትን ይገላብጥ’ዩ። እምነትን ፍቕርን ትሕትናን ሓቅን ቅንዕናን ነቒሉ፡ ክሕደትን ህውከትን ትዕቢትን ሓሶትን ስሰዐን ፍትወት ስጋን ጥበራን’ዩ ዚተክል። እዚ ዜሰቅቕ ሃለዋት’ዚ ድማ፡ ኣብ’ዚ ነብያት ሓሶት ዚበዝሑሉ ዘመንና ብግሁድ ተቐሊዑ ይረኣይ ኣሎ። ናይ ሓሳዊ ትምህርቲ ህቦብላ ኸም’ዚ ዘመሰለ ምግልብባጥ ከም ዜምጽእ ድማ ቅዱሳን ሃዋርያት ኣቐዲሞም ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኾም ሓቢሮም’ዮም።
“ነቶም ዚስምዕዎ ብዜስሕቶም፡ ረብሓ ብዘይብሉ ቓል ከይበኣሱ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር እናመስከርካ፡ እዚ ኣዘክሮም። . . . ነቲ ፍረ ዘይብሉ ርኹስ ዘረባ ግና ኣግልሰሉ። ናብ ረሲእነት እናገደዱ ይኸዱ’ዮም‘ሞ፡ እቲ ዘረባኦም ከም መንሽሮ እናለሓመ ዚባላዕ’ዩ። . . . ንሳቶም፡ “ትንሳኤ ቕድሚ ሕጂ ዀይኑ’ዩ” እናበሉ ኻብ ሓቂ ዘምቢሎም፡ እምነት ሓያሎ ሰባት ይገላብጡ ኣለዉ።” 2ጢሞ 2፡14,16-18
“ብዙሓት ዘይእዘዙ ተዛረብቲ ሃተውተውን መስሓትትን ኣለዉ፡ . . . ንሳቶም ርኹስ ረብሓ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሎም፡ ዘይግባእ እናመሃሩ፡ ንብዘሎ ኣባይቲ ዚገለባብጡ፡ ምዕባስ ኣፎም ግቡእ’ዩ።” ቲቶ 1፡10,11
ናይ’ዚ መንፈሳዊ ምግልባጥ’ዚ መድሃኒት ደኣ እንታይ’ዩ፧ ነዚ ኣገዳሲ ሕቶ’ዚ ዚምልሰልና፡ እቲ ነዚ ዕለት’ዚ ተሰሪዑልና ዘሎ ኣርእስቲ’ዩ። ኣብ’ዚ ናይ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ቃል፡ ብስሑት ትምህርቲ ብቐሊሉ ዚድፍኡን ዚገላበጡን፡ እቶም ብመንፈሳዊ ቝልዕነት ዝተጠቕዑ፡ ናይ ምዕባይ ኣገዳስነት ዝዘንግዑ ምዃኖም ብንጹር ገሊጹልና ኣሎ። ቈልዓ፡ ኣሽንኳይ ድፍኢት ንፋስ ተወሲኽዎ ብዘይ ብኡ’ውን ተዓንቃፋይን ወዳቓይን’ዩ። ኣብ መንፈሳዊ ቝልዕነት ዘሎ ሰብ ይትረፍ ንስሑት ትምህርቲ ንጥዑይ ትምህርቲ’ኳ ኺርድኦ ዓቕሚ ይውሕዶ’ዩ። ዋላ’ቲ መባእታዊ ትምህርቲ ናይ ክርስትና’ውን ንኸተረድኦን ንኸተጨብጦን ኣዝዩ ኣጸጋሚ’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ኣብ መንፈሳዊ ቝልዕነት ብለው ሰባት ብዙሕ ይሽገር ከም ዝነበረ፡ ኣብ መልእኽትታቱ ደጋጊሙ ጠቒስዎ ኣሎ፡
“ኣሕዋተየ፡ ኣነ ኸኣ ከም ንስጋውያን፡ ከም ንቘልዑ ብክርስቶስ’ምበር፡ ከም ንመንፈሳውያን ክዛረበኩም ኣይኰነለይን’ዩ። ገና ስጋውያን (ቈልዑ) ስለ ዝዀንኩም ጸባ መገብኩኹም ዕጹም ብልዒ ኣይኰነን፡ ገና ኣይከኣልኩምዎን፡ ሕጂ’ኳ ኣይትኽእልዎን ኢኹም። ቅንእን ባእስን ካብ ዚህልወኩምሲ፡ ስጋውያን (ቈልዑ) ምዃንኩምዶ ኣይኰነን፡ ከም ባህሊ ሰብዶ ትኸዱ ኣየለኹምን፧” 1ቈረ 3፡1-3
“ብዛዕባ’ዚ ነገር’ዚ ዚበሃል ብዙሕ ነይሩና (ኽነሱ)፡ ዘይትሰምዑ ድንዙዛት ስለ ዝዀንኩም ግና ንኽንገልጸልኩም (ኣጸጋሚ)’ዩ። ሕጅስ ድሮ መምህራን ክትኰኑ’ኳ ምተገብኣኩም ነይሩ። እንተ ዀነ፡ ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ መባእታዊ ትምህርቲ (ትምህርቲ-ቘልዑ) ከም ብሓድሽ ዚምህረኩም የድልየኩም ኣሎ። ጸባ ደኣ’ምበር ዕጹም ብልዒ ኣየድልየኩምን’ዩ። ጸባ ዚቕለብ ዘበለ ዅሉ፡ ቈልዓ ስለ ዝዀነ፡ ብዛዕባ ነገር-ጽድቂ ተመክሮ የብሉን (ፍቱን ኣይኰነን)። ዕጹም ብልዒ ግና፡ ነቶም ጽቡቕን ክፋእን ንምፍላይ ብተመክሮ ገዛእ ርእሶም ዜላምዱ ብጹሓት’ዩ።” እብ 5፡11-14 ካ.ት
ካብ’ዚ ሃዋርያዊ መልእኽቲ’ዚ ብዛዕባ መንፈሳዊ ቝልዕነት ኣገደስቲ መለለዪ ባህርያት ተዘርዚሮም ኣለዉ።
1. ስጋውያን’ዮም፦ ብዛዕባ ስጋውያን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ዅሉ ሓቅታት ከኣ ንኣታቶም ዚምልከት’ዩ። (ሮሜ 8፡5-9,12,13፣ ገላ 5፡16-24፣ 6፡7,8)
2. ብባህሊ ሰብ’ምበር ብቓል ኣምላኽ ኣይምርሑን’ዮም። (ኢሳ 29፡13,14፣ ቈሎ 2፡8,20-22)
3. ይትረፍ ነቲ ረቂቕ ምስጢር ዝሓዘለ ዕጹም ትምህርቲ ነቲ መባእታዊ ትምህርቲ’ኳ ኪርድእዎን ኬቋጽርዎን ኣይክእሉን’ዮም። ዋላ ዅሉ ሳዕ እናተማህሩ’ውን ናብ ፍልጠት-ሓቂ ኣይበጽሑን’ዮም (2ጢሞ 3፡5-7፣ 1ጢሞ 2፡3,4)።
4. ጽቡቕን ክፋእን ኪፈልዩ ኣይክእሉን’ዮም (ኢሳ 7፡14፣ ኤር 15፡19፣ ህዝ 22፡26)።
5. ጽድቂ ናይ ምግባር ድልየትን ዓቕምን የብሎምን፡
ካብ’ዚ ዚኸፍእ መንፈሳዊ ምግደራ ኺህልው ዚሕሰብ’ውን ኣይኰነን። ካብ’ዚ መወዳእታኻ ዜበላሽው መንፈሳዊ ቚልዕነት እንናገፈሉ እንኮ መድሃኒት’ምበኣር መንፈሳዊ ዕብየት ምዕባይ’ዩ። መሪሕ ጥቕስና፡ እቲ ፍታሕ ንሱ ምዃኑ ብንጹር ኣመልኪቱና ኣሎ። ኣብ መንፈሳዊ ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ ስጋዊ ጕዳያት’ውን፡ ምዕባይ እቲ ዝበለጸ ፍታሕ ምዃኑ፡ መዓልታዊ ትዕዝብትና’ዩ። ዝወለድናዮ ህጻን፡ ዝተኸልናዮ ተኽሊ፡ ዘጥረናዮ እንስሳ እንተ ዘይዓብየልና እንታይ ምዀንና፧ ካልእ ኵሉ ንግደፎ’ሞ፡ ኣብ ደቅና ነተኵር። ዘዝወለድናዮ ናጽላ (Neonate) ኰነ ህጻን (Infant) ካብ’ታ ዘለዋ ደረጃ ፍሕት ኢሉ ኸይዓበየ እንተ ዚነብር፡ ምውላድ ከም መርገምዶ ከም በረኸት ምተቘጽረ ነይሩ፡ ብመንፈሳዊ ህይወትና ከይዓበና ብቝልዕነትና ኽንነብር ከለና፡ ንእግዚአብሔር ከምኡ ዝበለ ጓሂ ኸም ዚስምዖኸ ይርድኣናዶ ይኸውን፧
ካብ ስጋዊ ቝልዕነት ንላዕሊ፡ ንመንፈሳዊ ቝልዕነት ዝገደደ ዚገብሮ ድማ፡ ብፍቓድካ ብምርጫኻ እትነብሮ ምዃኑ’ዩ። ዝወለድናዮ ናጽላ ኺዓብይ እንተ ዘይከኣለ፡ ንሱ ዝገበሮ ዝዀነ ጕድለት የብሉን። ንኺዓብይ ኢሉ ኺገብሮ ዚኽእል ዋላ ሓንቲ ስጕምቲ’ውን የለን። ስለ’ዚ ስለ ዘይዓበየ ኸብድኻ ይበልዓካ ትድንግጸሉ’ምበር ክትፈርደሉ ኣይትኽእልን ኢኻ። መንፈሳዊ ቝልዕነት ግና ብምርጫኻ እትነብሮ’ምበር፡ ወደቓ ኰይኑ ኣይመጻካን’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ንመንፈሳዊ ቝልዕነት ፍርዲ ጥራሕ ዚወሃቦ። ብምርጫና ንመንፈሳዊ ቝልዕነት ደርቢና ብመንፈሳዊ ብጽሕና ኽንነብር ስለ እንኽእል ከኣ’ዩ፡ “ዕበዩ፡ ወስኹ” ዚብል ተደጋጋሚ ትእዛዝ ተዋሂቡና ዘሎ።
“ብጸጋን ብፍልጠት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ደኣ ዕበዩ።” 2ጴጥ 3፡18
“. . . ከም’ቲ እትመላለስዎ’ውን ዘለኹም ኣዚኹም ብእኡ ኽትስስኑ፡ ብጐይታና ኢየሱስ ንልምነኩምን ንምዕደኩምን ኣለና።” 1ተሰ 4፡1,2
“ብትግሃት ዘበለ ተጋደሉ፡ ኣብ እምነትኩም ደግነት ወስኹ፡ ኣብ’ቲ ደግነት’ውን ፍልጠት፡ ኣብ’ቲ ፍልጠት ከኣ ምግታእ ርእስኻ፡ ኣብ’ቲ ምግታእ ርእስኻ ድማ ዓቕሊ ኣብ’ቲ ዓቕሊ’ውን ፍርሃት እግዚአብሔር፡ ኣብ ፍርሃት እግዚአብሔር ድማ ምፍቃር ኣሕዋት፡ ኣብ ምፍቃር ኣሕዋት’ውን ፍቕሪ ንዅሉ ሰብ (ወስኹ)። እዚ ነገር’ዚ እንተ ኣሎኩም፡ እናማዕበለ’ውን (እናዓበየውን) እንተ ኸደ ንምፍላጥ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሃካያትን ዘየፍርዩን ክትኰኑ ኣይሓድገኩም’ዩ፡ . . . ስለ’ዚ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ንጽውዓኹምን ንምሕራይኩምን ከተጽንዕዎ ኣዚኹም ተጋደሉ። እዚ እንተ ገበርኩምሲ፡ ከቶ ኣይከተደልህጹን ኢኹም። ከምኡ’ውን ናብ’ቲ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለኣለማዊ መንግስቲ ምእታው ብምልኣት ኪወሃበኩም’ዩ።” 2ጴጥ 1፡5-11
ስለ’ዚ እናዓበኻ፡ እናወሰኽካ፡ እናሰሰንካ፡ እናማዕበልካ ምኻድ ናይ መንፈሳዊ ህይወት ባህርይ’ዩ። እቲ ምዕባይ ድማ ብሓንቲ ጽላት ናይ ህይወት ጥራሕ ዘይኰነ፡ ብዅሉ ኪኸውን ከም ዚግባእ ተነጊሩና ኣሎ። ብትግስቲ ዓቢኻ ኸተብቅዕ፡ ብፍቕሪ እንተ ጐዲልካ፡ ልክዕ ከም መራሒ ቤተ ክርስትያን ኤፌሶን ንስሓ ዜድልዩ ኸቢድ ኣበሳ’ዩ ዚዀነካ። እንተ ዘይተነሳሕካ ድማ ቀዋሚ ቐንዴልካ (ኣብ ኣምላኽ ዝነበረካ ተቐባልነትን ክብርን) ኪንቀል (ወይ ኽትስእኖ) ትኽእል ኢኻ (ራእ 2፡2-5)። ነቲ ብኣምላኽ ዝተዋህቦ ጽውዓን ሕርየትን ክሳዕ መዓልቲ ጐይታ ኣጽኒዑ ኺሕዘ ዚኽእል፡ እቲ ዝዓበየ ጥራሕ’ዩ። ካብ ኢድ ቈልዓ ዝደለኻዮ ነገር ክትምንዝዕ ይከኣል’ዩ። ካብ ኢድ ብጹሕ (ወይ እኹል) ሰብኣይ ምምንዛዕ ግን ሕልሚ ዀይኑ’ዩ ዚተርፍ። ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ምእታዊ ብምልኣት ዚወሃቦም ድማ ነቶም ሳላ ብጽሕናኦም ንጽውዓኦምን ሕርየቶምን ኣጽኒዖም ኪሕዙ ዝኸኣሉ’ዮም።
ጐይታና፡ ንናይ ዕብየት ኣገዳስነት ኬመልክት ምስ ደለየ ብምስላ ፍረ-ኣድሪ ገይሩ ገሊጹልና ኣሎ። “ካልእ ምስላ ኸም’ዚ ኢሉ መሰለሎም። መንግስተ ሰማያት፡ ሰብ ወሲዱ ኣብ ግራቱ ዝዘርኣ ፍረ ኣድሪ’ያ እትመስል። (ፍረ-ኣድሪ) ካብ ኵሉ ኻልእ ኣዝርእቲ ትንእስ። ምስ በቘለት ግና፡ ኣዕዋፍ ሰማይ መጺኦም ኣብ ጨናፍራ ኽሳዕ ዚዓርፋ፡ ካብ ኵሉ ተኽሊ ኣሕምልቲ እትዓብይ ኦም ትኸውን።”ማቴ 13፡31,32
ሓንቲ ፍረ ኣድርን ሓንቲ ዑፍን ዘለወን ናይ ክብደት ፍልልይ ንኸተነጻጽሮ’ውን ዚኸብድ’ዩ፡ እዛ ተኽሊ ኣድሪ፡ ሓንቲ ጥራሕ ዘይኰነ ብዙሓት ኣዕዋፍ ክትጸውር ዘኽኣላ፡ እዚ ናይ ምዕባይ ምስጢር’ዩ። ሓደ እዋን ንጐይታና፡ “እምነት ወስኸና” ኢሎም ምስ ሓተትዎ፡ “ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ ትህልወኩምሲ ነዚ ሳግላ፡ “ተመንቊስካ ኣብ ባሕሪ ተተኸል” ምበልኩምዎ’ሞ ምተኣዘዘኩም ነይሩ።” ኢሉ መለሰሎም (ሉቃ 17፡5,6)። መብዛሕትና “ንእሽቶ እምነት እኽልቲ’ያ” ኸም ዝበሎም ጌርና ኢና እንርድኦ። እዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ካብ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቂ ዝረሓቐ’ዩ። ምኽንያቱ ጐይታንናንእሽቶን ጐደሎን እምነት ከም እኹል ገይሩ ኣይቅበልን’ዩ። ናይ ጐይታ መልእኽቲ፡ “ዓባዪት እምነት እንተ’ልዩኩም” ዚብል’ዩ። ካብ ኵሉ ተኽሊ ዝነኣሰት ክነሳ ሳላ ዕብየታ ልዕሊ ኻልኦት ዓበይቲ ኣእዋም ዝተመርጸት’ያ። ናይ ሕጂ ምንኣሳ ዘይኰነስ ናይ መጻኢ ዕብየታ ተራእይዎ’ዩ ዝሓረያ። ንኣና ዚሓርየና’ውን ብዕብየትና’ምበር ብኻልእ ኣይኰነን። ምኽንያቱ ዕብየት’ዩ ናብ ፍረ ዜብጽሓና። እቲ ዘይፈርይ ድማ ይቝረጽ’ምበር ኣይምረጽን፡ ኣይነሓፍን ከኣ’ዩ (ማቴ 3፡10፣ 7፡19፣ 21፡19፣ ሉቃ 13፡6,7፣ ዮሃ 15፡2)። ብመንፈሳዊ ህይወት እንተ ዘይዓቢና ፍረ ህይወትና ግብሪ-ስጋ (ሓጢኣት) ጥራሕ’ዩ ዚኸውን (1ቈረ 3፡1-3)። ፍረ-መንፈስ፡ ብመንፈስ ናይ ዝዓበዩ ናይ ዝዀኑ ሰባት ባህርይ’ዩ’ምበር፡ ብናይ ክርስቶስ ነገር ቈልዑ ናይ ዝዀኑ ኣይኰነን (ገላ 5፡22)። መንፈሳዊ ቝልዕነትን ስጋውነትን ተመሳሳሊ (ተተኻኻኢ) ቃል’ዩ። ስጋውያን ዘበሉ፡ ነቲ ምስ መንፈስ ቅዱስ ምስ ክርስቶስ ዚጻረር ጥራሕ’ዮም ዚመርጹን ኪገብሩ ዚኽእሉን። ስለ’ዚ ንኣምላኽ ኬስምርዎ (ወይ ኬሐጕስዎ) ኣይክእሉን’ዮም። ስጋውነት (ወይ መንፈሳዊ ቝልዕነት) ምስ ኣምላኽ ኣብ ጽልኢ’ዩ ዚጸምደካ። እቲ ንኣምላኽ ዚጸልእ ከኣ ናይ መን ፈታውን መሓዛን ምዃን ብሩህ’ዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ኸኣ’ዩ ስጋውያን ኵሉ ጊዜ ጥፍኣት ዚዓጽዱ (ገላ 5፡16-18፣ 6፡8፣ ሮሜ 8፡5-9,12,13)።
ዘለናዮ ዘመን ከኣ ብናይ ስሕተትን ሓሶትን ነገር ኣዕለቕሊቑ’ዩ ዘሎ። ከም’ዚ ዘመን’ዚ ገይሩ ነብያት ሓሶትን መምህራን ሓሶትን ዚበዝሑሉ ዘመን ቅድሚ ሕጂ ዝተኸሰተ ኣይመስልን’ዩ። ናይ’ዚ ኸም’ዚ ዝበለ መፈንጠራ ቐንዲ ግዳያት እቶም መንፈሳውያን ቈልዑ ምዃኖም፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣነጺሩ ገሊጹልና’ዩ። ነዚ ብዝሕን ሓደገኛነትን ናይ ሓሶት እናረኣየ ንምዕባይ ዘይተግህ ክርስትያን፡ እቲ ዘለኣለማዊ ጥፍኣት ዚብርሆን ዜብህጎን ጥራሕ’ዩ ኪኸውን ዚኽእል። ቃል ኣምላኽ እንተ ዀነ፦
“(ብዛዕባ’ዚ) ኣጸቢቕካ ትጋህ፡ እናዓበኻ ትኸይድ ከም ዘለኻ፡ ኣብ ኵሉ ምእንቲ ኺግለጽሲ፡ ነዚ ነገር’ዚ ኵለንተናኻ ወፍይ።”ኢሉ ምዒዱናን ኣዚዙናን ኣሎ (1ጢሞ 4፡15 ካ.ት)። ድሕር’ዚ ምህሮ’ዚ ዚተርፈና ነገር እንተ’ልዩ፡ ኣብ ደምበ ቘልዑ ወይ ኣብ ደምበ ብጹሓት ምህላውና፡ ህይወትና መርሚርና ምርግጋጽ ጥራሕ’ዩ። ንህይወትና ኣብ ቍልዕነት እንተ ረኺብናያ፡ ንምዕባይ ኣጸቢቕና ኽንተግህን ኵለንተናና ኽንውፍይን ይግብኣና። ብዛዕባ’ቲ ብቝልዕነትና ንልቢ ኣምላኽ ዘጕሃናሉ ሓጢኣት ከኣ ብዘየጣዕስ ሓቐና ንስሓ ህይወትና ንፈውስ። ናይ ምዕባይ ረብሓን መኣዛን ከኣ ነስተማቕሮ። ምስ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኴንና ኸኣ፡ “ቈልዓ ኸለኩ፡ ከም ቈልዓ ተዛረብኩ፡ ልቢ ቘልዓ ነበረኒ፡ ከም ቈልዓ ሓሰብኩ፡ ሰብኣይ ምስ ኰንኩ (ምስ ዓበኹ) ግና፡ ነቲ ነገር ቈልዓ ሓደግኩ።” ንበል (1ቈረ 13፡11)። ኩለንተናውን ዘየቋርጽን ዕብየት መለለዪና ይኹን!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
27 ጥቅምቲ/ት 2024 | ጥቅምቲ 17, 2016 ግዕዝ (7ይ ሰንበት: ቊ.፯/7) |
||
ምስባክ መዝ. 26(27)፡12 “ኢትመጥወኒ ለነፍሰ እለ ይሣቅዩኒ። እስመ ቆሙ ላዕሌየ ሰማዕተ ዓመፃ። ወሐሰት ርእሰ ዓመፃ” “ሓሰውቲ ምስክር ዓመጻ ዜተንፍሱን ሰባት ተላዒሎም’ዮም’ሞ፡ ንኣደዳ ተጻረርተይ ኣይተሕልፈኒ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
1ጢሞ 3፡1-10 |
ዲያቆን |
|
1ጴጥ 2፡1-8 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 6፡8-ፍጻመ |
ንፍቅ ካህን |
|
ሉቃ 21፡12-19 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ዘእግዝእትነ ማርያም | መዝሙር፦ ጳጳሳት ቀሳውስት ወዲያቆናት |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ