Day 6 (1st Saturday of the Great Fast)
“My son, give me your heart, And let your eyes observe my ways.” (Pro 23:26)
UN URGES RELIGIOUS FREEDOM IN ERITREA AS GOVERNMENT CRACKS DOWN ON FAITHFUL
“ድሕሪ ነዊሕ እዋን ከኣ ጐይታና ናይ’ቶም ገላዉ መጺኡ ምሳኣቶም ኪጸባጸብ ጀመረ፡ እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝተቐበለ ኸኣ፡ ‘ጐይታይ፡ ሓሙሽተ መክሊት ሃብካኒ፡ እንሆ ድማ ካልእ ሓሙሽተ መክሊት ረባሕኩ’ እናበለ ኻልእ ሓሙሽተ መክሊት ኣምጽአ፡ ጐይታኡ ድማ፡ ‘ጽቡቕ፡ ኣታ ሕያዋይን እሙንን ኣገልጋሊ! ብውሑድ ተኣሚንካ ኢኻ’ሞ፡ ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ክሸመካ’የ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እተው።’ በሎ።” ማቴ 25፡19-21 ካ.ት (መዝ 12፡1)
ብስም ኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ፩ደ ኣምላኽ ኣሜን።
ኣብ ትግራይ ዝካየድ ንዘሎ ኲናት ንምኹናን ዚወጸ መግለጺ መንበረ ጵጵስና።
“እምበኣርስከ እዚ ቃል እዚ ንገሮም፥ እታ ድንግል ጓል ሕዝበይ ብብርቱዕ መውቃዕቲ፥ ብዘሰቂ ቁስሊ ተሰቢራ እያ እሞ፥ ኣዕይንተይ ለይትን መዓልትን ከየቋረጻ ንብዓት የውሕዛ ኣለዋ። ናብ መሮር እንተ ወጻእኩ እነሆ ብሰይፊ ዝሞቱ፥ ናብ ከተማ እንተ ኣቶኹ ድማ፥ እነሆ ብጥሜት ዝቓህመሙ፥ ክሳዕ ነቢይን ካህንን እኳ ናብ ዘይፈልጥዎ ሃገር ይኸዱ ኣለዉ።” ኤር. 14:17-18።
ከም-ዝፍለጥ ኣብ ዋዜማ በዓል ሓዲሽ-ዓመት ኢና ንርከብ ዘሎና። እዚ ማለት ድማ ነቲ ምሳና ክጎዓዝ ዝጸንሐ፣ 2013 ዓ/ም ዘመነ-ማቴዎስ ኣፋኒና፣ 2014 ዓ/ም ዘመነ-ማርቆስ ክንቕበል ማለት`ዩ። ነዚ ተኸቲሉ`ውን፣ ኣብቲ ክንቕበሎ ዘሎና ሓዲሽ-ዓመት፣ ብዙሕ ዝዓይነቱ ተስፋን ትጽቢትን ክህልወና ከም-ዝኽእል፣ ከም ርዱእ ዝውሰድ እዩ። ከመይሲ ሃይማኖት ዘለዎ ሰብ፣ ኩሉ ግዜ እምነቱ ኣብ እግዚኣብሔር ብምግባር`ዩ፣ ብተስፋ ዝነብር። ከምኡ ስለ-ዝኾነ ድማ`ዩ ቅዱስ-ዳዊት`ውን “-እስመ በተስፋ ኀደረ ሥጋየ-” ክብል እንሰምዖ።
“-ዘእምንእሱ ሕይወቱ፣ ውስተ ቤተ-እግዚኣብሔር-” ብምባል ዝግለጹ፣ ንመንፈሳዊ ኣገልግሎት ዝተጸውዑ ዕድለኛታት ሰባት ኣለዉ። ሓደ ካብዚኣቶም ድማ፣ እዞም ሕጂ ብሞት ተፈልዮሙና፣ መንገዲ ሰማይ ኣቕኒዖም ዝኸዱ ዘለዉ፣ ሊቀ-ኅሩያን ግደይ ገብረ እዮም ክንብል ዘኽእለና፣ እኹል ምኽንያት ኣሎ። ሊቀ-ኅሩያን ኣብ ቤተ-ክርስቲያን`ዮም ተወሊዶም፣ ኣብኣ`ውን ዓብዮም ከበሃል ይከኣል። ስለ`ዚ ከኣ ኢና “-ዘእምንእሱ ሕይወቱ ውስተ ቤተ-እግዚኣብሔር-” ብምባል ክንገልጾም ዝደለና።
ብሓዋርያዊ መሪሕነት ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ 3ይ ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ ዝምእከልን ብቡራኬ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ-ዲበኵሉ ዝመሓደርን ቀኖናዊ ንኡስ ሃገረ ስብከት ካናዳ ካብ ጥሪ 2021 ኣ.ፈ ብወግዒ ቆይሙ መንፈሳዊ ሥርሑ ጀሚሩ ኣሎ። ነዚ ንኡስ ሃገረ ስብከት እዚ ንምቛም ብመንበረ-ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ዝተመደቡ ኣቦታት ካህናት ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዞም ምስ ኩሎም ኣቦታት ውሉደ-ክህነት ነበርቲ ካናዳ ዝኾኑ መንፈሳዊ ዘተን ልዝብን ከካይዱ ድሕሪ ምጽናሕ፥ ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት ብርትዓዊ መገዲ ሰለስተ ኣባላት ዝሓዘት ጊዚያዊ መንፈሳዊ ምምሕዳር ብምምራጽ እዩ ብወግዒ ቆይሙ ዘሎ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ