In the name of the Father, the Son and the Holy Spirit, One God: Amen
This year’s youth Retreat composed of priests, parents and youth from the Seattle WA, Oakland CA, Portland OR, and Vancouver Canada churches.
Official Letter: Standing Conference of Oriental Orthodox Churches Calls Upon Eritrean Church to End Schism and Restore H.H. Abune Antonios I to His Throne
ስለቶም ኣብ 2011 ኣብ ማያት ሊብያ ዝሃለቑ 325 ኤርትራውያን ዝተዋህበ መጸናንዒ ቃል ብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ
ቪድዮ
In the name of the Father and the Son and the Holy Spirit, One God, Amen.
“ግናኸ እቲ (ኣባና ዘሎ) ዓብዪ ሓይሊ፡ ናይ ኣምላኽ’ምበር፡ ናትና ከም ዘይኰነ ምእንቲ ኺገሃድ፡ እዚ (ናይ ዓብዪ ሓይሊ) ሃብቲ’ዚ ኣባና፡ ከም ኣብ ኣቕሓ መሬት ዝተቐመጠ’ዩ)። ብዅሉ ወገን ንጽቀጥ፡ ግናኸ ኣይጸብበናን’ዩ፡ እንገብሮ ይጠፍኣና፡ ግናኸ ተስፋ ኣይንቐብጽን ኢና፡ ንስጐጕ፡ ድርቡያት ግን ኣይኰንናን። ይደፍኡና፡ ግናኸ ኣይንጠፍእን ኢና።” 2ቈረ 4፡7-9 ካ.ት + ቀ.ት.
ኣብዚ ዕለተልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እነኽብረሉ በዓል'ዚ፥ ሰማያውያን መላእክትን ምድራውያን ሰባትን “ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ሰማያት ሰላም ድማ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት” ይኹን (ሉቃ. 2፡14) እናበሉ ሓቢሮም ዝዘመርሉ ዕለት እዩ። እዚ መዝሙር ልደት ክርስቶስ: ንኽልተ ነገድ (ሰማያውያንን ምድራውያንን) ሓደ ዝገበረ: ሎሚ ንዓለምና ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ዘድልያ እዋናዊ መዝሙር-ሰላም እዩ: ስለምንታይሲ: ሰብ ብዝፈጠሮ ዓመጽን በደልን ዓለምና ትርበጽ ስለዘላ። እዚ ድማ: ሰብ: እቲ ኣብ ህይወቱ ዘድልዮ ዝዓበየ ነገር ሰላም ስለዝሓረሞ እዩ። ሠለስተ ዓይነት ሰላም ድማ የድልዮ።
ተሞክሮ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ኣብ ናይ ሓበሻ ኣብያተ ክርስቲያናትን (ኣብያተ ክርስቲያናት ኤርትራን ኢትዮጵያን) ብመንጽር ግብጻዊት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን
እቲ ኣብ ሃገረ-ስዊስዘርላንድ ክገብሩዎ ዝጸንሑ ዑደት ድሕሪ ምፍጻም፣ ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ-መቃርዮስ ብዕለት 03/10/2021፣ ኣብታ ርእሰ-ከተማ ዓባይ-ብሪጣንያ ዝኾነት ከተማ-ሎንዶን`ዮም ዝኣተዉ። ኣብዚ ከኣ ናይ ቤተ-ክርስቲያን ቅድስቲ-ማርያም ሎንዶን ማኅበረ-ምእመናን፣ “ባርከነ ኣባ-መቃርዮስ” እናበሉ፣ ብዓቢይ ክብሪ ተቐቢሎሞም።
ተመስገን ኣምላኸይ ሓለቓ ናይ ጓሶት
ተመስገን ኣምላኸይ ሓለቓ ናይ ጓሶት፡
ንህዝቡ ዚመርሕ ብብዙሕ ብሒደት፡
መጓሰ ምስ ተዘርወ፡ ብትልሚ ናይ ሓሶት:
እንጦንዮስ ወመቃርዮስ ዘትረፍካልና ሰረት።
ኣነስ ነቶም ዘኽብሩኒ ኣኽብሮም፥ ነቶም ዝንዕቁኒ ኸኣ ኣሕስሮም ይብል እግዚኣብሔር። (1 ሳሙ 2፡30) ንዝብል ኃይለ-ቃል ብምስትውዓል እንተ ተረዲእናዮ፡ ንልዑል እግዚኣብሔር ብተወፋይነት ዘገልገለ፥ ዝተኣዘዘ፥ ምእንቲ ስሙ ውርደትን ስደትን ዝተቐበለ፥ እሙን ሰብ ካብ መጀመርታኡ ዳሕረዋዩ ከም ዝጽብቕ፥ ታሪኹ ከኣ ከም ወርቒ መመሊሱ ከም ዝዅላዕ፥ ካብ ታሪኽ ዮሴፍ ወዲ ያዕቆብን፡ ካብቲ ዝሓለፈ ሮቡዕ ዝነበረ ጽንብል ዕለተ-ልደት ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ ዲበ-ኵሉን ብግልጺ ርኢናዮ ኢና። ክብሪ ንኣምላኽና ይኹን። ናይ በረኸትን ብዙሕ ታሪኽን ዝኽርን ዝተነግሮ ግሩም ምሸት።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ