“ሓደ’ኳ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑ። ‘ኣነ ክርስቶስ’የ’ እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ኪመጽ’ዮም፡ ንብዙሓት’ውን ኬስሕቱ’ዮም። ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም። ኣስተውዕሉ፡ (ግናኸ) ኣይትሰምብዱ። እዚ ዅሉ ኪኸውን ናይ ግድን’ዩ። እንተ ዀነ መወዳእታ ሽዑ ኣይኰነን። ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፡ መንግስቲ’ውን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኺለዓል’ዩ። ኣብ ኵሉ ቦታታት ከኣ (ጥምየትን ፌራን) ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን’ዩ። እዚ ዅሉ መጀመርታ ቕልውላው’ዩ።” ማቴ 24፡4-8 ካ.ት
ብዙሕ ህዝቢ ይብሉኺ ሰላም
ብግእዝ ይብሉኺ ሰላም
ብኣራማይክ ይብሉኺ ሰላም
ብትግረ ይብሉኺ ሰላም
ብትግርኛ ይብሉኺ ሰላም
ብኣምሓርኛ ይብሉኺ ሰላም
ብዓረብ ይብሉኺ ሰላም
ብእብራይስጢ ይብሉኺ ሰላም
ካልኦት ውን ይብሉኺ ሰላም
ተደላይት ቃል ኣብ ኩሉ ዓለም።
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን።
‘ንሓድሕዳ እተፈላለየት… ቤት ትዓኑ።’ ማቴ 12:25።
መግለጺ ቀኖናዊ ኣኅጉረ ስብከታት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ከም ዝፍለጥ፥ ኣብ 2005 ኣብ ልዕሊ "ሰማዕት እንበለ ደም" ቅዱስ እንጦንዮስ 3ይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፥ ዝወረደ ቀኖና ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ዝገሃሰ ዓመጽ፡ ዘስዓቦ ጸገም፥ እታ ሓንቲ ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን ተኸፋፊላ፥ ኣብ ቃልዕ ብምውጻእ ንሓድሕዳ ክትወጋገዝን ክትወናጀልን ጸኒሓን ኣላን። ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ ከቢድ ናይ ምፍልላይ እዋን እንከላ ድማ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ቀዲሞም፥ ሎሚውን ኣቡነ ቄርሎስ፡ ይቕረ ይፍታሕ ከይተበሃሃሉ ብሞት ምፍላዮም ኣዝዩ መሪር ሓዘን ይስምዓና። ኣምላኽ ነፍሶም ይምሓር። ዘሎናሉ እዋን ይትረፍ ተፈላሊኻ፥ ሓቢርካ ንምጉዓዝ'ውን ኣጸጋሚ ዝኾነሉ ዘመን፥ ቤተ ክርስቲያን፡ ነቲ ኣደዳ ስደት፥ ፍልሰትን፥ ኲናትን ኮይኑ ዝበርስ ዘሎ ሕዝብና መዕረፊት ልቡን ቤት-ሰላሙን ክትኮኖ ዘይምኽኣላ ኣዚና ንሓዝን። እዚ ጾር እዚ ድማ ኣብ ዝባን ኩላትና ተጻዒኑ ዘሎ ከቢድ ዕዳን ሓላፍነትን እዩ።
ከም-ዝፍለጥ ሞት ክበሃል ከሎ፣ ዝፍቶ ሞት ስለ-ዘየሎ፣ ውጽኢት ሞት ኩሉ ግዜ ሓዘንን ብኽያትን እዩ። ዓይነት ሞት ግና ብዙሕ`ዩ። ከመይሲ ዘይንቡር ሞት ዘጋጥመሉ ኣጋጣሚ`ውን ስለ-ዘሎ`ዩ። ስለዚ ከኣ`ዩ “ሞትሰ ለመዋቲ ይደሉ፣ ሞታ ለማርያም ይኣጽብ እም ኩሉ” ተባሂሉ ዘሎ። እዚ ማለት ድማ “ሞትሲ ነቲ ዝመውት ግቡእ ሞት`ዩ፣ እቲ ናይ ቅድስቲ ማርያም ሞት ግና ካብ ኩሉ ዜገርም`ዩ” ከም ምባል`ዩ ዜስምዕ። ስለዚ`ውን እቲ ኣብዚ እዋን`ዚ፣ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ዝስማዕ ዘሎ ናይ ሞት መርድእ`ውን፣ ፍሉይ ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ ስለዚ`ዩ።
ሰንበት 20 የካቲት 2022 ዝካየድ ጸሎተ ፍትሓት (2ይ ቀብሪ) ቅዱስ እንጦንዮስ ቀዳማዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወፓትርያርክ ዘተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ: ካብ ሰዓት 7:00 - 11:30 ቅድሚ ቀትሪ ብምብራቓዊ ዞባ ኣሜርካ) በዚ ኣገባብዚ ክትከታተሉ ብኣኽብሮት ንሕብር።
ዕድመ ጸሎተ ፍትሓት (2ይ ቀብሪ) 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ
ዝርዝር ትሕዝቶ መደብ ጸሎተ ፍትሓት (2ይ ቀብሪ) 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ
ታሪኽ ሕይወት ቅዱስ እንጦንዮስ ቀዳማዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወፓትርያርክ ዘኤርትራ።
"ዝኽሪ ኣቡነ እንጦንዮስ" "ሥርዓተ ማኅሌት" ካብ ደብረ ሰላም መድኃኔ ዓለም ዋሺንግቶን ዲሲ" የካቲት ፲፬, ፳፻፩፬
ስርዓተ ቅዳሴ ዝኽሪ-ሰማዕት ቅዱስ እንጦንዮስ ካብ ደብረ ሰላም መድኃኔ ዓለም ዋሺንግቶን ዲሲ የካቲት ፲፫, ፳፻፲፬፣ Feb 20,2022
The Eritrean Orthodox Church Archdiocese of North America has conducted a peaceful demonstration on November 8, 2019, in Washington DC in front of the White House and Capitol Hill. The purpose of this demonstration was to highlight the case of His Holiness Abune Antonios, Patriarch of the Eritrean Orthodox Church who has been condemned to house arrest for nearly fourteen years for his religious belief. Also, to bring into light the case of all Eritrean prisoners of conscience who are suffering incommunicado without due process.
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ