S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሞት ኣይከኣሎን (መበል 32 ሰንበት: ቊ.፴፪/32, 2025 | 2017 ግዕዝ

“. . . ኢየሱስ ናዝራዊ፡ በቲ ኣምላኽ ብእኡ ኣብ ማእከልኩም ዝገበሮ ሓይልን ተኣምራትን ትእምርትን፡ ኣምላኽ ዝመስከረሉ ሰብኣይ ነበረ። ነዚ፡ (ብመሰረት) ምዱብ ምኽሪ ኣምላኽን ዘለኣለማዊ ፍልጠቱን ዝተወፈየ ኢየሱስ፡ ብኢድ ናይቶም ሕጊ ዘይብሎም (ኣህዛብ) ሰቐልኩምዎን ቀተልኩምዎን፡ ሞት ኣጽኒዑ ኺሕዞ ስለ ዘይከኣለ ኸኣ፡ ኣምላኽ ካብ ማእሰር ሞት ፈቲሑ ኣተንስኦ።ግብ 222-24 .

ርሑስ በዓል ትንሳኤ ይግበረልና!! ነዚ ብጾምን ጸሎትን ጽቡቕ ገጽሊ እምነት ዝተጋደልናሉ ዘመነ ጾም ብህይወትን ብሰላምን ኣስጊሩ፡ ብሕያውነቱ ብርሃነ ትንሳኤ ኽንርእይ ኣብቂዑና ክብሪ ነቲ ቕዱስ ስሙ ይኹን። ትንሳኤ ክርስቶስ፡ እምኒ ዅርናዕ ናይ እምነት ክርስትናዩ። ትንሳኤ ክርስቶስ፡ ንዅሉ ዘርኢ ኣዳም ዘለኣለማዊ ድሕነት ዘውሓሰ ዓብዪ መለኮታዊ ምስጢርዩ። ንእምነት ክርስትና ኣዝዩ ፍሉይ እምነት ዚገብሮ፡ ብትንሳኤ ዚኣምን ምዃኑዩ። ትንሳኤ ክርስቶስ ዓመታዊ ጽምብልና ጥራይ ዘይኰነስ ብዓብዪ ዕለታውን ግብራውን ናብራንዩ። እዚ ሓቂ ኣብ ምስጢረ ትንሳኤ ሙታን ብዕምቈት እንመሃሮ ትምህርቲዩ። ስለ ንትንሳኤ ብልዑል መንፈሳዊ ሓጐስ ብድምቀት ከነብዕሎ፡ ማዕሪኡ ኸኣ ኣብ ትንሳኤ ክርስቶስ ሕቡራት ኴንና ናብራ-ትንሳኤ ኽንነብር ይግብኣናዩ። ቅዱሳን ሃዋርያትምስ ክርስቶስ ተንሲእኩም እንተ ዄንኩምእናበሉ በዓልና ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ንሕናውን እንሓብሮ መዓልታውን ግብራውን ናብራና ምዃኑ ደጋጊሞም ገሊጾምልና ኣለው (ሮሜ 64,5 ቈሎ 220-22 31) ምኽንያቱ ኣብ ናብራ ትንሳኤ እንተ ዘየሊና፡ ናብራ-ሞት ኢና ንነብር ዘለና ማለትዩ። ናብራ ሞት እናነበርካስ በዓለ ትንሳኤ ምኽባር ድማ ንሓድሕዱ ዘይቃደው ስግንጢር ዝዀነ ግብዝ ምርጫን ኣካይዳንዩ።

ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ካብ በዓለ ትንሳኤ ኽሳዕ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ዘሎ 50 መዓልታትዘመነ ትንሳኤተባሂሉ ይጽዋዕ። ነዚ ቕዱስ ዕለት ብቕዱስ ያሬድ ዝተሰርዐ መዝሙር፡ይትፌሣሕ ሰማይዘርእስቱዩ። እዚ መዝሙር ሰማይን ምድርን ኣኽራንን ኰረቢትን ዕጸዋት (ኣትክልቲ) መሮርን በዚ መዓልቲ ትንሳኤ ዓብይ ሓጐስ ኪሕጐሱ ዚዕድም መዝሙርዩ። ምድሪውን ብደም ክርስቶስ ተሓጺባ ፋሲካ ኸምትገብር፡ ኣይሁድ ነቲ ፍጹም ንጉስ ከም ዝፈረድዎ፡ እቶም ዓቀይቲ (ወተሃደራት) ንኽዳውንቱ ከም ዝተኻፈልዎ፡ ብዘንጊ ኸኣ ርእሱ ኸም ዝሃረምዎ፡ ጐድኑውን ብዅናት ኸም ዝወግእዎ፡ ንሱ ኸኣ ትንሳኤኡ ኣብ መዓልቲ ሰንበት ከም ዝገበረ፡ ንነገስታትን ነህዛብን ሰላሙ ኸም ዝጸገዎም ዚገልጽ ናይ ፍስሃ መዝሙርዩ። እቲ በዚ መዝሙር ዝተሰርዐ ናይ ዕለት ንባብ ቅዱስ ወንጌል ዮሃ 201-18’ዩ። እዚ ኽፍሊ ወንጌል ብዛዕባ ትንሳኤ ክርስቶስ ብዝርዝር ተሪኹልና ኣሎ። እቲ ናይ ግብ 222-36 ንባብ ድማ፡ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ መዓልቲ ጰራቅሊጦስ ብዛዕባ ሞትን ትንሳኤን ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብመንፈስ ቅዱስ ዝሃቦ 3000 ነፍሳት ዝማረኸ ስብከት ዚገልጽ ንባብዩ። እቲ ናይ 1ቈረ 1520-41 ንባብ ከኣ ትንሳኤ ክርስቶስን ናትና ትንሳኤ ሙታንን እናዛመደ ዜስተምህር፡ ጐይታና በዅሪ ትንሳኤ ሙታን ምዃኑ ዜበስር ሃዋርያዊ መልእኽቲዩ። እቲ ናይ 1ጴጥ 315-22 ንባብ ድማ፡ ጐይታና ብስጋ ሞይቱ ብመንፈስ (ብመለኮት) ህያው ከም ዝዀነ ዚገልጽ ናይ እምነት ተዋህዶና መሰረት ዝዀነ ቓል ድሕሪ ምሃቡ፡ ጥምቀት ክርስትያንን ትንሳኤ ክርስቶስን ዘለዎ ዝምድናን ውጽኢትን ዚገልጽ ዓሚቝ ምስጢር ትንሳኤ ዝሓዘለ ንባብዩ። ናይ ዕለት ኣርእስትና ድማ ካብ ናይ ግብሪ ሃዋርያት ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ስብከት ዝተወስደዩ። ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ በዓለ መንፈስ ቅዱስ መዓልቲ ነቲ ኣብ ናይ ጐይታና ደቀ መዛሙርቲ ብዝረኣዮ ለውጢ ኣዝዩ ተገሪሙ ዝነበረ ኪነግድ ናብ ኢየሩሳሌም ዝተኣከበ ህዝቢ፡ ብዛዕባ ኣባኣቶም ዝተጋህደ ለውጢ ንምብራህ ዝሃቦ ስብከትዩ። ካብ ትንቢት ዮኤል ብምጥቃስ ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊኦም ከም ዝወረደ ድሕሪ ምግላጽን ንመንፈስ ቅዱስ መን ከም ዘፍሰሶ ኬብርሃሎም ጀመረ። ነዚ ህያብ መንፈስ ቅዱስ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦ ዘፍሰሶ፡ እቲ ንሳቶም ምስ ኣህዛባውያን ገዛእቶም ተሓባቢሮም ሰቒሎም ዝቐተልዎ ኢየሱስ ምዃኑ ገለጸሎም። ነዚ ቕድሚ ምግላጹ ግን፡ ንሓይሊ ሞት ስዒሩ ኸም ዝተንስአ ኺገልጸሎም ኣድለየ። ነቲ ብዛዕባ ትንሳኤ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብቕዱስ ዳዊት ዝተነግረ ትንቢታዊ መዝሙር ጠቒሱ ትርጕሙ ድሕሪ ምብራሁ፡ ናብ ሰማያት ዓሪጉ ንመንፈስ ቅዱስ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦ ተቐቢሉ ኸም ዘፍሰሶ፡ እግዚኣብሄር ኣቦ ድማ ነቲ ቕዱስ ወዱ ኢየሱስ፡ ጐይታን ክርስቶስን ከም ዝገበሮብዘላ ቤት እስራኤል ብርግጽ ትፍለጥብምባል ብኣጽንዖን ብትብዓትን ሰበኸ። ኣብ ኣስታት 3000 ሰባት ዝፈረየ ስብከቱ ድማ ነዚ ናይ ዕለት መሪሕ ጥቕስና ብምዝራብ፡ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሓይሊ ትንሳኤ ካብ ሓይሊ ሞት ስለ ዚብርትዕ፡ ሞት ኣጽኒዑ ኺሕዞ ኸም ዘይከኣለ፡ ስለ ኸኣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንማእሰር ሞት ፈቲሑ ብዓወት ከም ዝተንስአ ኣበሰረና።

መሪሕ ጥቕስና ንሞት ከም ሓደ ኣካልነት ዘለዎ፡ ኪሕዝን ኪለቅቕን፡ ኪስዕርን ኪሰዓርን ዚኽእል ገይሩ ዚገልጾ፡ ሞት እንታይ ግዲ፧ ሞት፡ ህይወትን ህላወን ዘለዎ ኣካል ድዩ፧ ቃል እግዚኣብሄር ኣነጺሩን ደጋጊሙን ከም ዚገልጸልና፡ ሞት ኣካልነት (personality) ዘለዎ ርኹስ መንፈስዩ። ሓደ ኻብቶም ናይ ሰይጣን ስልጣናትን ሕልቅነታትን ድማዩ። ብናይ ቤተ ክርስትያንና ኣበሃህላውንመልኣከ ሞትተባሂሉ ዚጽዋዕ፡ ናይ ጥፍኣት መልኣኽዩ። ብርግጽ ሞት ናይ ኣምላኽ ናይ በይኑ ስልጣንን ፍርድንዩ። እግዚኣብሄር ኪመውት ንዝፈረደሉ ሰብ እንተ ዘይኰይኑ፡ መልኣከ ሞት ብስልጣኑ ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ዋላ ሓጥእ ሰብውን እንተ ዀነ፡ ኪቐትልን ኪወስድን ኣይክእልንዩ። ሞት ዝፈረደን ዝኣዘዘን እግዚኣብሄርምበር፡ ሰይጣን ወይ ከኣ እቶም ናቱ ስልጣናት ኣይኰኑን። ኣብ ምድራዊ ስርዓት፡ ፈራዲ ኣካል ፈሪዱ ንፈጻሚ ኣካል ኣሕሊፉ ኸም ዚህብ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ዝፈቐዶን ዝኣዘዞን ሞት ዜተግብር ድማ፡ እዚ ናይ ሞት መንፈስ (መልኣከ ሞት)’ዩ።

ሞት፡ ኣካልነት ዘለዎ ናይ ጥፍኣት መንፈስ ምዃኑ ዜረጋግጸልና፡ ክርስቶስ ጐይታና፡ እቲ ሰዓሪ ገንሸል፡ ካብ ዝፈትሖም ሾብዓተ መሓትም፡ እቲ ራብዓይ ማሕተም ምስ ተፈትሐ ዝተገልጸ ዓብዪ ምስጢርዩ። ነዚ ራእዩ ቕዱስ ዮሃንስ፡ ብኸም ዚስዕብ ኣስፊሩልና ኣሎ።

“(እቲ ዝተሓርደ ገንሸል፡ ናይ ይሁዳ ኣንበሳ) ነቲ ራብዓይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ንዓ ርኣይዚብል ድምጺ ናይ ራብዓይ እንስሳ ሰማዕኩ። እንሆ ቡላ (ጸሊም) ፈረስውን ረኣኹ። ስም ናይ ተወጢሕዎ ዝነበረውንሞት’’ዩ። ሲኦልውን ይስዕቦ ነበረ። ንራብዓይ ኣፍ ምድሪ (ንርብዒ ህዝቢ ዓለም) ድማ ብዅናትን ብጥምየትን ፌራን ብኣራዊት ምድርን ገይሮም ኪቐትልዎ (ካብ ኣምላኽ) ስልጣን ተዋህቦም።ራእ 67,8 .

ምስጢርን መንነትን ናይ ሞት ብስእላዊ መገዲ ዜብርሃልና ዘሎ እዚ ትንቢታዊ ራእይዩ። እግዚኣብሄር ብልኡላዊ ስልጣኑ ስለ ዚድርቶምበር፡ ብዘይካ ምቕታል ካልእ ሞያን ቍም ነገርን ስለ ዘይብሉ፡ ንዅሉ ሰብ ኣጽኒቱ ኣብ ሲኦል ምኸተቶ ነይሩ።

ናይ ሞት ኣካልነት ዜረጋግጸልና ኻልኣይ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ፡ እቲ ጐይታና ብምጽኣቱ ተገሊጹ ኣብ መንበር ፍርዱ ተቐሚጡ ዚፍጽሞ መስርሕ ፍርዲ ዚገልጽ ናይ ራእይ ዮሃንስ ክፍሊዩ።

ምውታት ድማ፡ ዓበይትን ንኣሽቱን፡ ኣብ ቅድሚ (ዓብዪ ጻዕዳ ዝፋን) ደው ኢሎም ረኣኹ። መጻሕፍቲውን ተገንጸሉ፡ መጽሓፍ ህይወት ዝዀነ ኻልእ መጽሓፍውን ተገልጸለ። እቶም ምውታት ድማ፡ ከም ኣብ መጻሕፍቲ ተጻሒፉ ዝጸንሐ፡ ከከም ግብሮም ተፈርዱ፡ ባሕሪ ድማ፡ ነቶም ኣብኣ (ዝጸንሑ) ምውታት ሃበት። ሞትን ሲኦልንውን ኣብኣቶም (ንዝጸንሑ) ምውታት ሃቡ፡ ነፍሲ ወከፎም (እቶም ምውታት) ድማ ከከም ግብሮም ተፈርዱ። ሞትን ሲኦልንውን ናብ ቐላይ ሓዊ ተደርበዩ።ቀላይ ሓዊማለት፡ ካልኣይ ሞትዩ። ስሙ ኣብ መጽሓፍ ህይወት ተጻሒፉ ዘይተረኽበ ዘበለ፡ ናብ ቐላይ ሓዊ ተደርበየ።

እዚ ትንቢታዊ ቓል እዚ መልኣከ ሞት ነተን ማሪኽወን ዝጸንሓ ነፍሳት ኣረኪቡ፡ ንርእሱ እቲ ዝኸፍአ ትንሳኤን መወዳእታን ዘይብሉ ሞት ኪመውት ምዃኑ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። እዚካልኣይ ሞትተሰምዩ ዘሎ ቐላይ ሓዊ፡ ስጋ ንዝለበሱ ሰባት ጥራሕ ዘይኰነ፡ ነቶም ረቀቕቲ ናይ ጥፍኣት ርኹሳት መላእኽቲ ኸይተረፈ ዜሳቕይ ዝሓሰመን ዝመረረንዩ። እምበኣር ሞት፡ ንርእሱ መዋቲ ፍጥረትዩ።

ናይ ሞት መንነት ዚገልጸልና ሳልሳይ ክፍሊ ኸኣ እቲ ብነብዪ ሆሴእ ዝተነግረ ብቕዱስ ጳውሎስ ከኣ ፍጻሜኡ ዝተገልጸ ትንቢታዊ ቓልዩ።

እቲ ሓላፊ ዘይሓልፍ ምስ ለበሰ፡ እቲ መዋቲውን ዘይመውት ምስ ለበሰ፡ ሽዑ ጽሑፍ፡ሞት ብዓወት ተዋሕጠዝበሎ ቓል ኪፍጸምዩ። ሞት፡ ኣበይ ኣሎ ብልሕኻ፧ ኣታ ሲኦልከ ኣበይ ኣሎ ዓወትካ። ብልሒ ናይ ሞት፡ ሓጢኣትዩ፡ ሓይሊ ሓጢኣትውን ሕጊዩ። ግናኸ ነቲ ብጐይታናን ኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ (ኣብ ልዕሊ ሞት) ዓወት ዚህበና ኣምላኽ፡ ስብሓት ይኹኖ።” 1ቈረ 1554-57 (ሆሴ 1314)

ኣካልነት ስለ ዘለዎዩ፡ ብስሙ ጸዊዑኣበይ ኣሎ ብልሕኻ፧ዚብሎ ዘሎ። እቶም ካብ ኣቤል ጀሚሮም ዝነበሩ ዅሎም ቅዱሳን ክርስቶስ ሞይቱ ብዓወት ክሳዕ ዚትንስእ ንሓይሊ ሞት ዝሰዓረ የብሎምን። ጐይታ ንሞት ምስ ሰዓሮ ግን፡ ቅዱስ ጳውሎስ ተኣሚንዎ ኸም ዘሎ፡ ብክርስቶስ ዝኣመነ ዅሉ ኣብ ልዕሊ ሞት ዓወት ረኸበ። እዚ ማለት ከኣትንሳኤ ህይወት ዚረክብ ኰነማለትዩ። ትንሳኤ ሙታን ክሳዕ ዚኸውን ድማ ኣብ ትሕቲ ስልጣን ሞት ኣብ ሲኦል እናተሳቐና ዘይኰነ፡ ኣብ ትሕቲ ስልጣን ክርስቶስ ኣብ ገነት ኣዕሪፍና ንጸንሕ። ኣካልነት ሞት ዜረጋግጹልና ኻልኦት ሓያሎ ጥቕስታትውን ኣለዉና (ኢሳ 2815-18 መዝ 4914)

ሞት ብኸመይ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሰብ ስልጣን ኪህልዎ ዝኸኣለ፧ ኵላትና ኸምንፈልጦ፡ መጽሓፍ ቅዱስውን ኣነጺሩ ኸም ዜረጋግጸልና ጠንቂ ሞት፡ ሓጢኣት (ሮሜ 512) ሓጢኣት ከኣ ንሕጊ ኣምላኽ ምፍራስ (1ዮሃ 34 ሮሜ 415) እግዚኣብሄር ንኣዳምን ሄዋንን ምስ ፈጠሮም ሓንትን እንኮን ትእዛዝ ጥራሕ ዝሃቦም (ዘፍ 216,17) ነዛ ትእዛዝዚኣ ናይ ምጥሓስ ሳዕቤን ሞት ምዃኑ ኸኣ ብንጹር ኣፍለጦም። ንሳቶም ግና ነቲ ንረብሓኦም ዝተዋህቦም ትእዛዝን ምኽርን ናይ ኣምላኽ ንዒቖም፡ ነቲ ናይ ሰይጣን ሓሶትን ሓባባሊ ዘረባን ኪሰምዑ መረጹ። ሓጢኣት ምስ ገበሩ ድማ ናይ ክልተ ዓይነት ሞት ግዳያት ኰኑ፡ እቲ ቐዳማይ፡ ቅጽበታዊ መንፈሳዊ ሞት ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ግና ኣካላዊ ሞት ዘይኰነስ ኣካላዊ መዋትነት (Physical mortality) ወሪሱ። እዚ ማለት፡ ብኡንብኡ ብኣካል ኣይሞቱን፡ እቲ ሰብነቶም ግና ካብ ዘይመውት ናብ መዋቲ ኣካል ተለወጠ። ሓጢኣት ግን ተራ ፍጻመ ወይ ተራ ተግባር ኣይኰነን። ሓጢኣት ንርእሱ ብህይወት ኪነብርን ኪመውትን፡ ኪገዝእን ኪግዛእን ዚኽእል፡ ሃረርታን ሃቐናን ዘለዎ፡ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዚገዝኣሉ ናቱ ሕጊ ዘለዎ ባህርይ (ዘፍ 47 ሮሜ 521 612-14 75,8-11,13-15,17,20,23 82,12,13 ገላ 322,23 ቈሎ 35) ብመሰረት ጥቕስታት ሓጢኣትን ሞትን ሲኦልን ንጥፍኣት ሰብ ዝተዓጥቁ ሰለስተ ጸላእቲዮም። ሞት ብሓጢኣት ይወግእ፡ ሓጢኣት ብሞት ይገዝእ፡ ሲኦል ድማ ነቲ ብሓጢኣትን ሞትን ዝተቐትለ ዅሉ ነፍሲ ውሒጡ ንዘለኣለም ኬሳቕይ ይነብር። ስለ ንሞት ዕድልን ስልጣንን ዝሃቦ፡ እቲ ንሕና እንእዘዞን እንግዝኦን ሓጢኣትዩ። ሞት ዜብቅዕ ድማ ሓጢኣት ምስ ዜብቅዕዩ። ኣካላዊ መዋትነት ኣብ ቦትኡ ሃልዩ፡ እቲንዛረበሉ ዘለና ሞት ግና መንፈሳዊ ሞትዩ። መንፈሳዊ ሞት እንተ ዜብቅዕ፡ ኣካላዊ ሞት ድማ መብቅዐ ነይሩ። ቅዱስ ጳውሎስ ነቲ ብሓጢኣት እንሞቶ ሞት መንፈሳዊ ሞት ምዃኑ፡ ብኸም ዚስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ።

ንስኻትኩም ብበደልኩምን ብሓጢኣትኩምን ምውታት ነበርኩም።  . . . ኣምላኽ ንብዘሎ ኣበሳና ሓደገልና። ንኣኻትኩምውን ብኣበሳኹምን በቲ ዘይተገዝረ ሓጢኣተኛ ስጋኹምን ሞይትኩም ንዝነበርኩም፡ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረኩም።ኤፌ 21 ቈሎ 213 .

እዚ ሃዋርያዊ መልእኽታት ብህይወት ናብ ዘለዉ፡ ኬንብቡን ኪሰምዑን ናብ ዚኽእሉ ምእመናን ስለ ዝተጻሕፈ፡ እቲ ቐደም ብምኽንያት ኣበሳኦም ሞይቶም ዝነበሩ ሞት፡ መንፈሳዊ ሞት ምንባሩ ዜረጋግጸልናዩ። ጐይታና ብሞት ስጋኡ ንሞት ዝሰዓሮ ካብ መንፈሳዊ ሞት ምእንቲ ኼድሕነናዩ። ምኽንያቱ ገና ኣብ መንፈሳዊ ሞት እናሃለወ ብስጋ ዝሞተ ሰብ፡ ናብ ኻልኣይን ዘለኣለማውን ሞት፡ ናብ ቐላይ ሓዊ ተደርብዩ ምስ ድያብሎስን ኣጋንንቱን ዚነብር። ብእምነት ክርስቶስ ካብ መንፈሳዊ ሞት ዝተንስአ ሰብ፡ ብስጋ ሙማት ኣይተርፈሉንዩ። ከም ቅዱስ ጳውሎስ፡ንኣይ ህይወተይ ክርስቶስዩ፡ ሙማትውን ረብሓይዩ።ዝበሎ ግና፡ ሳላ ሞት ክርስቶስ፡ ሞት ስጋ ናብ ረብሓ ተለዊጡ (ፊል 121) ናይ ብሓቂ ኣብ ጽቡቕ መንፈሳዊ ቝመናን ጥዕናን እንተሊና፡ ሞት ስጋ ሃረር ዚበሃልን ዚበሃግን ትዕድልቲምበር፡ ከም ዚፍራህን ዚጽላእን ወጽዓ ኽንቈጽሮ ኣይንኽእልን፡ ኣይግባእን ከኣዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ናይ ሞት-ስጋ ናፍቖት ዝነበሮ ሃዋርያ ዝነበረ። እንተ ዀነ ሕያዋይን እሙንን ባርያ ክርስቶስ ስለ ዝነበረ፡ ምእንቲቶም ዜገልግሎም ህዝበ ክርስትያን፡ ኣብ ዓለምዚኣ ንገለ ቝሩብ ዓመታት ብህይወት ኪጸንሕ ከም ዜድልዮ ይረኣዮ ነበረ። ኣብ መንጎ ኽልተ ተጻራሪ ዚመስል ክልተ ምርጫታት ተቐርቂሩ ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ንሰብ ፊልጲ፦ “. . . ከም ዅሉ ሳዕ (ዝገበሮ) ሕጂውን እንተ ዀነ፡ እንተ ብህይወት እንተ ብሞት፡ ንክርስቶስ ብትብዓት ከኽብሮየ። ከመይ ንኣይ ህይወት ማለት ክርስቶስዩ፡ ሙማት ከኣ ረብሓይዩ። (ኣብ ዓለምዚኣ) ብህይወት እንተ ደኣ (ክንጸንሕ) ኰይነ ገና ፍረ ዘለዎ ዕዮ (ይጽበየኒ ኣሎ) ማለትዩ። ነየናይ ከም ዝመርጽ ግና ኣይፈልጥንየ። ብኽልቲኡ (ምርጫ) እጭነቕ ኣለኹ። ዜሕሸኒ ስለ ዝዀነ ግና፡ ካብ (ስጋይ ብሞት) ተፈልየ፡ ምስ ክርስቶስ (ክነብር) ሃረርታይዩ። እንተ ዀነ ንኣኻትኩም ምእንቲ ኼሕሸኩም ብህይወት ምጽንሐይ (ኣድላዪ) (ብህይወት) ከም ዝጸንሕ ከኣ ብርግጽ ፈሊጠ ኣለኹ . . . “ ብምባል ንሓደ ሓቀኛ ክርስትያን ሞት-ስጋ ኣዝዩ ተበሃጊ ትዕድልቲ ምዃኑ ብምግላጽ ግብራዊ ኣብነት ኰነና (ፊሊ 120-25 .) ጐይታና ብምጽኣቱ ተገሊጹ ትንሳኤ ሙታን ምስ ኰነ ግን እቲ ብሞት ዝበስበሰን ዝፈረሰን ስጋና ኪትንስእን ናብ ዘይመውት ክቡር ስጋ ኺልወጥን (1ቈረ 549-54 ፊል 320,21 ሉቃ 2034-30) ምድሓን ነፍስና ብሞትን ትንሳኤን ናይ ክርስቶስ ድሮ ተፈጺሙዩ። ምድሓን ስጋና ኸኣ ኣብ መዓልቲ ምጽኣቱን ትንሳኤ ሙታንን ኪፍጸም (ሮሜ 823 እብ 928 ቲቶ 211 1ጴጥ 18,9)

ዝምድና ሞትናን ሞት ክርስቶስን ኣብ ምንታይዩ፧ ክርስቶስ ስለ ዝሞተን ስለ ዝተንስአን ጥራሕ፡ ንሕና ኻብ ድርብ ሞት እንድሕነሉ ምኽንያት እንታይዩ፧ ዓስቢ ሓጢኣት፡ ዘለኣለማዊ ሞት (ሮሜ 623 ሮሜ 515 1ቈረ 1521 1ዮሃ 511) ሰብ ኰይኑ ዘይሓጥእ ስለ ዘየለ ድማ፡ ባዕሉ ካብ ሞት ኪድሕን ዚኽእል ሓደ የለን። ሰብ ኪድሕነላ ዚኽእል እንኮ መገዲ፡ ነታ ንሱ ኪኸፍላ ዚግብኦ ሞት ዚሞተሉ ኻልእ ኣካል ምስ ዚረክብ ጥራሕዩ። ሞት ሰብ፡ ብሞት እንስሳ ወይ ከኣ ብሞት ካልእ ሰብ ኪዕረቕን ኪኽፈልን ኣይክእልንዩ። ምኽንያቱ ኸኣ፡ እንስሳ ነቲ ብኣርኣያ ስላሴ ዝተፈጥረ ሰብ ዚምጥን መንነትን ክብርን ስለ ዘይብሉ፡ ከም ጽላሎትን ትእምርትን ናይ ሞት ክርስቶስ ኰይኑ ደኣ ኼገልግል ይኽእልምበር፡ ብሞቱ ሓጢኣት ሰብ ኬርሕቕ ኣይክእልን (እብ 913 101,4) ካልእ ሰብ ኣብ ክንዲ ዅላትና መስዋእቲ ኸይከውን ድማ፡ ካብ ኣዳም ዝተወልደ ሓጢኣት ዘይብሉ ንጹህ ሰብ ስለ ዘየለ፡ ንርእሱ ሞት ዚግብኦ መድሓኒ ዜድልዮንምበር መስዋእቲ ዀይኑስ ንኻልኦት ኬድሕን ኣይክእልንዩ። ዋላ ብናይ ኣምላኽ ተኣምር፡ ፈጺሙ ሓጢኣት ዘይብሉ ሓደ ሰብ እንተ ዚርከብኳ፡ ንሓጢኣት ፈጺሙ ኬርሕቕ ዚኽእል ዘለኣለማውን ህያውን መስዋእቲ ኪኸውን ስለ ዘይክእል፡ ካብ መስዋእቲ እንስሳ ዚሓይሽ ኣገልግሎት ኪህልዎ ኣይክእልንዩ። እዚ ሓቂዚ፡ንሓጢኣት ኣርሒቑስ ንሓጥኣን ኬድሕን ዚኽእል፡ ብዘይካ ኣምላኽ ዝዀነ ይኹን ካልእ ኣካል የለንናብ ዚብል ቅኑዕ መደምደምታ ዚመርሓና። መለኮት ስለ ዘይመውት ግን፡ ምእንታና ሞይቱ ዋጋ ሓጢኣትና ምእንቲ ኪኸፍል፡ ኣምላኽ ብተዋህዶ ሰብ ኰነልና። መለኮት ምስ ስጋ ፍጹም ተዋሂዱ ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ዘይመውት መለኮት ንሞት ናይ ዝተዋሃዶ ስጋ ገንዘቡ ገበሮ። ሞት ስጋኡ ድማ ብምኽንያት ክብሪ ናይ ዝተዋሃደ መለኮት ኣዝዩ ኽቡር ሞት ኰነ። እቲ መዋቲ ስጋኡ ንናይ መለኮት ህያውነት ገንዘቡ ስለ ዝገበሮ ድማ ንሓይሊ ሞት ስዒሩ ማእሰር ሞት ፈቲሑ ተንስአ። ስለ ኸኣብስጋ ሞተ፡ ብመንፈስ (ብመለኮት) ግና ህያው ኰነተባህለልና (1ጴጥ 318) ብዛዕባ ሓጢኣትናን ምእንቲ ድሕነትናን ጽድቅናን ዝተፈጸመ ሞትን ትንሳኤን ስለ ዝዀነ ድማ፡ “(ክርስቶስ) ብሰሪ ሓጢኣትና በጃ ተዋህበ፡ ስለ ጽድቅናውን ተንስአ፡ተባህለልና (ሮሜ 425 ኢሳ 535,6 1ቈረ 1517 2ቈረ 520,21)

ክርስቶስ ደኣ ነዚ ንዅሉ ወለዶታት ደቂ ኣዳም ዝሰዓረ ሞት ብኸመይ ሰዓሮ፧ ንምንታይ ሞት ኣጽኒዑ ኺሕዞ ዘይከኣለ፧ እቲ ቐዳማይ ምኽንያት፡ፍጹም ሰብ ጥራሕ ዘይኰነ ፍጹም ኣምላኽውን ስለ ዝዀነዚብል ምዃኑ ርዱእን ቅቡልንዩ። ካብ ዘየለ ነገር ንዅሉ ፍጥረት ዝፈጠረ ኣምላኽ፡ ንዝሞተ ስጋ፡ እሞ ድማ ምስኡ ንዝተዋሃደ ኣካሉ ንዝዀነ ስጋ ኻብ ሞት እንተ ኣተንስኦ፡ ካብ ኵሉ ኻልእ ንምውታት ዘተንስአ ተኣምራት ብዙሕን ዓብይን ፍሉይነት ከም ዘለዎ ዜርእይ ኣይኰነን። ትንሳኤ ክርስቶስ ግን ካብ ካልእ ትንሳኤታት ኣዝዩ ዝተፈልየ ዓብይን ክቡርን ትንሳኤዩ። እቲ ፍሉይነቱ ኸኣ ካብ መለኮታዊ ምኽንያቱ ንላዕሊ እቲ ሰብኣዊ ምኽንያቱ ዝዓዘዘ ስለ ዝዀነዩ። ምኽንያቱ ጠንቂ ሞት ሓጢኣት ስለ ዝዀነ፡ ምኽንያት ናይ ትንሳኤውን ምስ ሓጢኣት ዝተዛመደ ኪኸውን ይግብኦ። ሞትን ትንሳኤን፡ ክልተ ተጻረርቲ ፍጻመታትን ኵነተ ህላወንዮም። ልክዕ ከምኡ እቲ ናይ ምኽሳቶም ጠንቅን ምኽንያትንውን ክልተ ተጻረርቲ ምኽንያት ኪኸውን ይግባእ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ናይ ሞት ጠንቂ ሓጢኣት ምግባር እንተ ዀይኑ፡ ናይ ህይወት ናይ ትንሳኤ ምኽንያት ድማ ሓጢኣት ዘይምግባር ኪኸውን ይግባእ። እቲ ሓጢኣት ብሓደ ምኽንያት እቲ ትንሳኤ ድማ ብኻልእ ዝተፈልየ ምኽንያት እንተ ኣጋጢሙ ግን፡ ነቲ ሞትን ነቲ ትንሳኤን ዜዛምድ ዝዀነ ጒዳይ ስለ ዘየለ፡ ክልቲኡ (ሞትን ትንሳኤን) ተመላላኢ ውጽኢት ኣይኪህልዎንዩ። እቲ ጐይታና ምእንታና ዝሞቶ ሞት ብሰሪ ሓጢኣትና ዝተፈርደ ሞትዩ። እቲ ምእንታና ዝተንስኦ ትንሳኤ ድማ ሓጢኣት ዘይፈጸመ ንጹህን ጻድቕን ብምዃን ዝተፈጸመዩ። ጐይታና ባዕሉ ዀነ ኵላቶም ነብያትን ሃዋርያትን ክርስቶስ ፈጺሙ ኸም ዘይሓጥአን፡ ኣበርን መንቅብን ዘይብሉ ፍጹም ጻድቕን ንጹህን ምዃኑ ኣረጋጊጾምልናዮም (ኢሳ 535-9 ሉቃ 2314,41 ዮሃ 846 ግብ 314 2ቈረ 521 እብ 415 726 914 1ጴጥ 222 1ዮሃ 35) ስለ ሞት ነዚ ሓጢኣት ዘይብሉ ቅዱስ ሰብ ኣጽኒዑ ዚሕዘሉ ዝዀነ ይኹን ሕጋዊ መሰረት የብሉን። ሓንትን ቀላልን ሓጢኣት ፈጺሙ እንተ ዚነብር ግና፡ ዓስቢ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሓጢኣት ሞት ጥራሕ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ትሕቲ ሞት ተታሒዙ ኺነብር ናይ ግድን ምዀነ። እቲ ንበዳሊ ኸም ንጹህ ዘይርእይ ጻድቕ ኣቦውን ኣይምነሓፎን ነይሩ። ንሞቱ ኣዝዩ ዓብይ ክብሪ ዘውሃቦ ጽድቁን ንጽህናኡንዩ። ናይ ትንሳኤኡን ህያውነቱን መሰረትውን ጽድቁን ቅድስናኡንዩ።

እዚ ዝተገልጸ ትንሳኤኡ ምስ ናትና ትንሳኤ ሙታን ብኸመይ ዚዛመድ፧ ቅዱስ ጳውሎስ፡ እቲ ካብ ሓጢኣት እንሞቶ ሞት ንሞት ክርስቶስ እንተ መሲሉ፡ እቲ ብሓዳስ ህይወት ብጽድቂ እንትንስኦ ትንሳኤ ኸኣ፡ ንትንሳኤ ክርስቶስ ከም ዚመስል ኣረጋጊጹልና ኣሎ (ሮሜ 61-11) ንሕና ትንሳኤ ህይወት እንረክብ፡ ትንሳኤና ንትንሳኤ ክርስቶስ እንተ መሊሱ ጥራሕዩ። ካብ ህይወትና ንሓጢኣት ኣርሒቕና ጽድቂ ጥራሕ እንገብር እንተ ዄንና ኢና፡ ከም ክርስቶስ ካብ ጊዝያዊ ናይ ስጋ-ሞት ኣብ ጊዜ ምጽኣት ትንሳኤ እንረክብ። ሰብ ብዘይ ሓጢኣት ብጽድቂ ጥራሕ ዚነብር ብኽልተ መገዲዩ። እቲ ቐዳማይ ሓጢኣት ብዘይምግባር ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ከኣ ብንስሓ ንህይወቱ ብምጽራይዩ። ጐይታና ብዛዕባ ትንሳኤና፡ኣብ መቓብር ዘለው (ምውታት) ድምጺ (ናይ ክርስቶስ) ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእያ። ሰናይ ዝገበሩ ናብ ትንሳኤ ህይወት፡ (ሓጢኣት) ዝገበሩ ኸኣ ናብ ትንሳኤ ፍርዲ ኺወጹዮምሞ፡ በዚ ኣይትደነቑ።ብምባል መሰረት ትንሳኤና እንታይ ምዃኑ ኣረጋጊጹልና ኣሎ (ዮሃ 528,29) ናብ ድሕሪት ተመሊስና (retrogradely) ናይ ክርስቶስ ናይ ትንሳኤኡ መሰረት ሓጢኣት ዘይብሉ ጻድቕ ምዃኑዜብለና ኸኣ ንሱዩ። ምኽንያቱ እቲ ቕድም ክርስቶስ ደሓር ከኣ ንሕና እንትንስኦ ትንሳኤ፡ ሓደ ዓይነት ትንሳኤዩ። እቲ በዅሪ ትንሳኤ ዝዀነ ክርስቶስ፡ ብዘይ ሓጢኣት ብጽድቂ ብምምልላስ ንሞት እንተ ስዒርዎ፡ እቶም ብናይ ክርስቶስ ዓወት ኣብ ልዕሊ ሞት ክንዕወት ብኣምላኽ ዝተሰርዓልና ክርስትያን ድማ ካልእ ኣማራጺ የብልናን። ክርስቶስ ፈጺሙ ሓጢኣት ብዘይ ምፍጻም ጽድቁ ዝገለጸ። ንሕና ግን ውዱቓት ስለ ዝዀንና ኸም ናቱ ዝበለ ፍጹምነት ድማ ስለ ዘይብልና፡ ብዘየቋርጽ ንስሓ ድማምበር ፈጺምና ሓጢኣት ብዘይምፍጻም ጥራሕ ክንጸድቕ ኣይከኣልንዩ። ብጸጋ ኣምላኽ ተደጊፍና ኻብ ሓጢኣት ንዕቀብ፡ ብምኽንያት ድኻም ስጋና ናብ ሓጢኣት ኣብ ዝወደቕናሉ ኣጋጣሚታት ድማ ብሓቀኛን ቅቡልን ንስሓ ርእስና ኻብ ሓጢኣት ኣንጺህና ናብ ጽድቂ ክርስቶስ ክንምለስ ይግብኣና። ምኽንያቱ ሓጢኣት ኣብ ዘለዎ ትንሳኤ ፍርዲምበር፡ ትንሳኤ ህይወት የልቦን።

እምበኣር ኣብ ኽቡር ዕለት ትንሳኤ ነቲ ናይ ክርስቶስ ዚመስል ትንሳኤ ኸምንትንስእ፡ ተኻፈልቲ ዓወት ክርስቶስ ከምንኸውን ብምርግጋጽ፡ ድርብ ትንሳኤ፡ ማለት ናይ ክርስቶስን ናትናን ትንሳኤ ነብዕል። ምኽንያቱ ንሕናውን በታ ክርስቶስ ዝተንስኣላ ትንሳኤ፡ ናብ ትንሳኤ ህይወት ዘይንትንስእ እንተ ዄንና፡ ትንሳኤኡ እነኽብረሉ መንፈሳዊ ብቕዓት የብልናን ማለትዩ። እቶም ብስጋ ብህይወት እናሃለና ኻብ መንፈሳዊ ሞትና ዘይተንሳእና፡ ኣብ መዓልቲ ምጽኣቱ ብናቱ ትንሳኤ ኽንጐዳእምበር፡ ኣይክንረብሕን ኢና። ስለ ናይ ሕጂ ነብዕሎ ዘለና በዓለ ትንሳኤ ተረባሕቲ ምእንቲ ኽንከውን፡ ካብ ናይ ሓጢኣት ሞት መንፈሳዊ ትንሳኤ ምርካብና ነረጋግጽ!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

20 ሚያዝያ 2025 | ሚያዝያ 12, 2016 ግዕዝ (መበል 32 ሰንበት: ቊ.፴፪/32)

ምስባክ

መዝ. ፸፯(፸፯)፣፷፭-፷፮

“ወተንሥአ እግዚአብሔር ከመ ዘንቃሕ እምንዋም። ወከመ ኃያል ወኅዳገ ወይን።ወቀተለ ፀሮ በድኅሬሁ።”

ዓዲ፡ መዝ.፻፲፯(፻፲፰)፡፳፬,፳፭

“ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚአብሔር። ንትፌሣሕ ወንትኃሠይ ባቲ። ኦ እግዚኦ አድኅንሶ።”

ንባባት

ኣንባቢ

1ቈረ 15፡20-41

ዲያቆን

1ጴጥ 3፡15-ፍጻመ

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 2፡22-36

ንፍቅ ካህን

ዮሃ 20፡1-18

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ ዘጎርጎርዮስ መዝሙር፦ ይትፌሣሕ ሰማይ

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div