“. . . ኢየሱስ ናዝራዊ፡ በቲ ኣምላኽ ብእኡ ኣብ ማእከልኩም ዝገበሮ ሓይልን ተኣምራትን ትእምርትን፡ ኣምላኽ ዝመስከረሉ ሰብኣይ ነበረ። ነዚ፡ (ብመሰረት’ቲ) ምዱብ ምኽሪ ኣምላኽን ዘለኣለማዊ ፍልጠቱን ዝተወፈየ ኢየሱስ፡ ብኢድ ናይ’ቶም ሕጊ ዘይብሎም (ኣህዛብ) ሰቐልኩምዎን ቀተልኩምዎን፡ ሞት ኣጽኒዑ ኺሕዞ ስለ ዘይከኣለ ኸኣ፡ ኣምላኽ ካብ ማእሰር ሞት ፈቲሑ ኣተንስኦ።” ግብ 2፡22-24 ካ.ት
ርሑስ በዓል ትንሳኤ ይግበረልና!! ነዚ ብጾምን ጸሎትን ጽቡቕ ገጽሊ እምነት ዝተጋደልናሉ ዘመነ ጾም ብህይወትን ብሰላምን ኣስጊሩ፡ ብሕያውነቱ ብርሃነ ትንሳኤ ኽንርእይ ኣብቂዑና’ዩ’ሞ ክብሪ ነቲ ቕዱስ ስሙ ይኹን። ትንሳኤ ክርስቶስ፡ እምኒ ዅርናዕ ናይ እምነት ክርስትና’ዩ። ትንሳኤ ክርስቶስ፡ ንዅሉ ዘርኢ ኣዳም ዘለኣለማዊ ድሕነት ዘውሓሰ ዓብዪ መለኮታዊ ምስጢር’ዩ። ንእምነት ክርስትና ኣዝዩ ፍሉይ እምነት ዚገብሮ፡ ብትንሳኤ ዚኣምን ምዃኑ’ዩ። ትንሳኤ ክርስቶስ ዓመታዊ ጽምብልና ጥራይ ዘይኰነስ ብዓብዪ ዕለታውን ግብራውን ናብራን’ዩ። እዚ ሓቂ’ዚ ኣብ ምስጢረ ትንሳኤ ሙታን ብዕምቈት እንመሃሮ ትምህርቲ’ዩ። ስለ’ዚ ንትንሳኤ ብልዑል መንፈሳዊ ሓጐስ ብድምቀት ከነብዕሎ፡ ማዕሪኡ ኸኣ ኣብ ትንሳኤ ክርስቶስ ሕቡራት ኴንና ናብራ-ትንሳኤ ኽንነብር ይግብኣና’ዩ። ቅዱሳን ሃዋርያት “ምስ ክርስቶስ ተንሲእኩም እንተ ዄንኩም” እናበሉ በዓልና ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ንሕና’ውን እንሓብሮ መዓልታውን ግብራውን ናብራና ምዃኑ ደጋጊሞም ገሊጾምልና ኣለው (ሮሜ 6፡4,5 ፣ ቈሎ 2፡20-22 ፣ 3፡1)። ምኽንያቱ ኣብ ናብራ ትንሳኤ እንተ ዘየሊና፡ ናብራ-ሞት ኢና ንነብር ዘለና ማለት’ዩ። ናብራ ሞት እናነበርካስ በዓለ ትንሳኤ ምኽባር ድማ ንሓድሕዱ ዘይቃደው ስግንጢር ዝዀነ ግብዝ ምርጫን ኣካይዳን’ዩ።
ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ካብ በዓለ ትንሳኤ ኽሳዕ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ዘሎ 50 መዓልታት “ዘመነ ትንሳኤ” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ነዚ ቕዱስ ዕለት’ዚ ብቕዱስ ያሬድ ዝተሰርዐ መዝሙር፡ “ይትፌሣሕ ሰማይ” ዘርእስቱ’ዩ። እዚ መዝሙር’ዚ ሰማይን ምድርን ኣኽራንን ኰረቢትን ዕጸዋት (ኣትክልቲ) መሮርን በዚ መዓልቲ ትንሳኤ ዓብይ ሓጐስ ኪሕጐሱ ዚዕድም መዝሙር’ዩ። ምድሪ’ውን ብደም ክርስቶስ ተሓጺባ ፋሲካ ኸም’ትገብር፡ ኣይሁድ ነቲ ፍጹም ንጉስ ከም ዝፈረድዎ፡ እቶም ዓቀይቲ (ወተሃደራት) ንኽዳውንቱ ከም ዝተኻፈልዎ፡ ብዘንጊ ኸኣ ርእሱ ኸም ዝሃረምዎ፡ ጐድኑ’ውን ብዅናት ኸም ዝወግእዎ፡ ንሱ ኸኣ ትንሳኤኡ ኣብ መዓልቲ ሰንበት ከም ዝገበረ፡ ንነገስታትን ነህዛብን ሰላሙ ኸም ዝጸገዎም ዚገልጽ ናይ ፍስሃ መዝሙር’ዩ። እቲ በዚ መዝሙር’ዚ ዝተሰርዐ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ዮሃ 20፡1-18’ዩ። እዚ ኽፍሊ ወንጌል’ዚ ብዛዕባ ትንሳኤ ክርስቶስ ብዝርዝር ተሪኹልና ኣሎ። እቲ ናይ ግብ 2፡22-36 ንባብ ድማ፡ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ መዓልቲ ጰራቅሊጦስ ብዛዕባ ሞትን ትንሳኤን ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብመንፈስ ቅዱስ ዝሃቦ 3000 ነፍሳት ዝማረኸ ስብከት ዚገልጽ ንባብ’ዩ። እቲ ናይ 1ቈረ 15፡20-41 ንባብ ከኣ ትንሳኤ ክርስቶስን ናትና ትንሳኤ ሙታንን እና’ዛመደ ዜስተምህር፡ ጐይታና በዅሪ ትንሳኤ ሙታን ምዃኑ ዜበስር ሃዋርያዊ መልእኽቲ’ዩ። እቲ ናይ 1ጴጥ 3፡15-22 ንባብ ድማ፡ ጐይታና ብስጋ ሞይቱ ብመንፈስ (ብመለኮት) ህያው ከም ዝዀነ ዚገልጽ ናይ እምነት ተዋህዶና መሰረት ዝዀነ ቓል ድሕሪ ምሃቡ፡ ጥምቀት ክርስትያንን ትንሳኤ ክርስቶስን ዘለዎ ዝምድናን ውጽኢትን ዚገልጽ ዓሚቝ ምስጢር ትንሳኤ ዝሓዘለ ንባብ’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትና ድማ ካብ’ቲ ናይ ግብሪ ሃዋርያት ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ስብከት ዝተወስደ’ዩ። ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ በዓለ መንፈስ ቅዱስ መዓልቲ ነቲ ኣብ ናይ ጐይታና ደቀ መዛሙርቲ ብዝረኣዮ ለውጢ ኣዝዩ ተገሪሙ ዝነበረ ኪነግድ ናብ ኢየሩሳሌም ዝተኣከበ ህዝቢ፡ ብዛዕባ’ቲ ኣባኣቶም ዝተጋህደ ለውጢ ንምብራህ ዝሃቦ ስብከት’ዩ። ካብ ትንቢት ዮኤል ብምጥቃስ ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊኦም ከም ዝወረደ ድሕሪ ምግላጽን ንመንፈስ ቅዱስ መን ከም ዘፍሰሶ ኬብርሃሎም ጀመረ። ነዚ ህያብ መንፈስ ቅዱስ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦ ዘፍሰሶ፡ እቲ ንሳቶም ምስ ኣህዛባውያን ገዛእቶም ተሓባቢሮም ሰቒሎም ዝቐተልዎ ኢየሱስ ምዃኑ ገለጸሎም። ነዚ ቕድሚ ምግላጹ ግን፡ ንሓይሊ ሞት ስዒሩ ኸም ዝተንስአ ኺገልጸሎም ኣድለየ። ነቲ ብዛዕባ ትንሳኤ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብቕዱስ ዳዊት ዝተነግረ ትንቢታዊ መዝሙር ጠቒሱ ትርጕሙ ድሕሪ ምብራሁ፡ ናብ ሰማያት ዓሪጉ ንመንፈስ ቅዱስ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦ ተቐቢሉ ኸም ዘፍሰሶ፡ እግዚኣብሄር ኣቦ ድማ ነቲ ቕዱስ ወዱ ኢየሱስ፡ ጐይታን ክርስቶስን ከም ዝገበሮ “ብዘላ ቤት እስራኤል ብርግጽ ትፍለጥ” ብምባል ብኣጽንዖን ብትብዓትን ሰበኸ። ኣብ’ዚ ኣስታት 3000 ሰባት ዝፈረየ ስብከቱ ድማ ነዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ መሪሕ ጥቕስና ብምዝራብ፡ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሓይሊ ትንሳኤ ካብ ሓይሊ ሞት ስለ ዚብርትዕ፡ ሞት ኣጽኒዑ ኺሕዞ ኸም ዘይከኣለ፡ ስለ’ዚ ኸኣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንማእሰር ሞት ፈቲሑ ብዓወት ከም ዝተንስአ ኣበሰረና።
መሪሕ ጥቕስና ንሞት ከም ሓደ ኣካልነት ዘለዎ፡ ኪሕዝን ኪለቅቕን፡ ኪስዕርን ኪሰዓርን ዚኽእል ገይሩ ዚገልጾ፡ ሞት እንታይ’ዩ ግዲ፧ ሞት፡ ህይወትን ህላወን ዘለዎ ኣካል ድዩ፧ ቃል እግዚኣብሄር ኣነጺሩን ደጋጊሙን ከም ዚገልጸልና፡ ሞት ኣካልነት (personality) ዘለዎ ርኹስ መንፈስ’ዩ። ሓደ ኻብ’ቶም ናይ ሰይጣን ስልጣናትን ሕልቅነታትን ድማ’ዩ። ብናይ ቤተ ክርስትያንና ኣበሃህላ’ውን “መልኣከ ሞት” ተባሂሉ ዚጽዋዕ፡ ናይ ጥፍኣት መልኣኽ’ዩ። ብርግጽ ሞት ናይ ኣምላኽ ናይ በይኑ ስልጣንን ፍርድን’ዩ። እግዚኣብሄር ኪመውት ንዝፈረደሉ ሰብ እንተ ዘይኰይኑ፡ መልኣከ ሞት ብስልጣኑ ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ዋላ ሓጥእ ሰብ’ውን እንተ ዀነ፡ ኪቐትልን ኪወስድን ኣይክእልን’ዩ። ሞት ዝፈረደን ዝኣዘዘን እግዚኣብሄር’ምበር፡ ሰይጣን ወይ ከኣ እቶም ናቱ ስልጣናት ኣይኰኑን። ኣብ’ዚ ምድራዊ ስርዓት፡ ፈራዲ ኣካል ፈሪዱ ንፈጻሚ ኣካል ኣሕሊፉ ኸም ዚህብ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ዝፈቐዶን ዝኣዘዞን ሞት ዜተግብር ድማ፡ እዚ ናይ ሞት መንፈስ (መልኣከ ሞት)’ዩ።
ሞት፡ ኣካልነት ዘለዎ ናይ ጥፍኣት መንፈስ ምዃኑ ዜረጋግጸልና፡ ክርስቶስ ጐይታና፡ እቲ ሰዓሪ ገንሸል፡ ካብ ዝፈትሖም ሾብዓተ መሓትም፡ እቲ ራብዓይ ማሕተም ምስ ተፈትሐ ዝተገልጸ ዓብዪ ምስጢር’ዩ። ነዚ ራእዩ’ዚ ቕዱስ ዮሃንስ፡ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ኣስፊሩልና ኣሎ።
“(እቲ ዝተሓርደ ገንሸል፡ ናይ ይሁዳ ኣንበሳ) ነቲ ራብዓይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ ‘ንዓ’ሞ ርኣይ’ ዚብል ድምጺ ናይ’ቲ ራብዓይ እንስሳ ሰማዕኩ። እንሆ ቡላ (ጸሊም) ፈረስ’ውን ረኣኹ። ስም ናይ’ቲ ተወጢሕዎ ዝነበረ’ውን ‘ሞት’’ዩ። ሲኦል’ውን ይስዕቦ ነበረ። ንራብዓይ ኣፍ ምድሪ (ንርብዒ ህዝቢ ዓለም) ድማ ብዅናትን ብጥምየትን ፌራን ብኣራዊት ምድርን ገይሮም ኪቐትልዎ (ካብ ኣምላኽ) ስልጣን ተዋህቦም።” ራእ 6፡7,8 ካ.ት
ምስጢርን መንነትን ናይ ሞት ብስእላዊ መገዲ ዜብርሃልና ዘሎ እዚ ትንቢታዊ ራእይ’ዚ’ዩ። እግዚኣብሄር ብልኡላዊ ስልጣኑ ስለ ዚድርቶ’ዩ’ምበር፡ ብዘይካ ምቕታል ካልእ ሞያን ቍም ነገርን ስለ ዘይብሉ፡ ንዅሉ ሰብ ኣጽኒቱ ኣብ ሲኦል ምኸተቶ ነይሩ።
ናይ ሞት ኣካልነት ዜረጋግጸልና ኻልኣይ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ፡ እቲ ጐይታና ብምጽኣቱ ተገሊጹ ኣብ መንበር ፍርዱ ተቐሚጡ ዚፍጽሞ መስርሕ ፍርዲ ዚገልጽ ናይ ራእይ ዮሃንስ ክፍሊ’ዩ።
“ምውታት ድማ፡ ዓበይትን ንኣሽቱን፡ ኣብ ቅድሚ’ቲ (ዓብዪ ጻዕዳ ዝፋን) ደው ኢሎም ረኣኹ። መጻሕፍቲ’ውን ተገንጸሉ፡ መጽሓፍ ህይወት ዝዀነ ኻልእ መጽሓፍ’ውን ተገልጸለ። እቶም ምውታት ድማ፡ ከም’ቲ ኣብ’ቲ መጻሕፍቲ ተጻሒፉ ዝጸንሐ፡ ከከም ግብሮም ተፈርዱ፡ ባሕሪ ድማ፡ ነቶም ኣብኣ (ዝጸንሑ) ምውታት ሃበት። ሞትን ሲኦልን’ውን ኣብኣቶም (ንዝጸንሑ) ምውታት ሃቡ፡ ነፍሲ ወከፎም (እቶም ምውታት) ድማ ከከም ግብሮም ተፈርዱ። ሞትን ሲኦልን’ውን ናብ’ቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበዩ። “ቀላይ ሓዊ” ማለት፡ ካልኣይ ሞት’ዩ። ስሙ ኣብ’ቲ መጽሓፍ ህይወት ተጻሒፉ ዘይተረኽበ ዘበለ፡ ናብ’ቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበየ።”
እዚ ትንቢታዊ ቓል’ዚ እዚ መልኣከ ሞት’ዚ ነተን ማሪኽወን ዝጸንሓ ነፍሳት ኣረኪቡ፡ ንርእሱ እቲ ዝኸፍአ ትንሳኤን መወዳእታን ዘይብሉ ሞት ኪመውት ምዃኑ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። እዚ “ካልኣይ ሞት” ተሰምዩ ዘሎ ቐላይ ሓዊ፡ ስጋ ንዝለበሱ ሰባት ጥራሕ ዘይኰነ፡ ነቶም ረቀቕቲ ናይ ጥፍኣት ርኹሳት መላእኽቲ ኸይተረፈ ዜሳቕይ ዝሓሰመን ዝመረረን’ዩ። እምበኣር ሞት፡ ንርእሱ መዋቲ ፍጥረት’ዩ።
ናይ ሞት መንነት ዚገልጸልና ሳልሳይ ክፍሊ ኸኣ እቲ ብነብዪ ሆሴእ ዝተነግረ ብቕዱስ ጳውሎስ ከኣ ፍጻሜኡ ዝተገልጸ ትንቢታዊ ቓል’ዩ።
“እቲ ሓላፊ ዘይሓልፍ ምስ ለበሰ፡ እቲ መዋቲ’ውን ዘይመውት ምስ ለበሰ፡ ሽዑ’ቲ ጽሑፍ፡ ‘ሞት ብዓወት ተዋሕጠ’ ዝበሎ ቓል ኪፍጸም’ዩ። ዎ ሞት፡ ኣበይ ኣሎ ብልሕኻ፧ ኣታ ሲኦልከ ኣበይ ኣሎ ዓወትካ። ብልሒ ናይ ሞት፡ ሓጢኣት’ዩ፡ ሓይሊ ሓጢኣት’ውን ሕጊ’ዩ። ግናኸ ነቲ ብጐይታናን ኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ (ኣብ ልዕሊ ሞት) ዓወት ዚህበና ኣምላኽ፡ ስብሓት ይኹኖ።” 1ቈረ 15፡54-57 (ሆሴ 13፡14)
ኣካልነት ስለ ዘለዎ’ዩ፡ ብስሙ ጸዊዑ “ኣበይ ኣሎ ብልሕኻ፧” ዚብሎ ዘሎ። እቶም ካብ ኣቤል ጀሚሮም ዝነበሩ ዅሎም ቅዱሳን ክርስቶስ ሞይቱ ብዓወት ክሳዕ ዚትንስእ ንሓይሊ ሞት ዝሰዓረ የብሎምን። ጐይታ ንሞት ምስ ሰዓሮ ግን፡ ቅዱስ ጳውሎስ ተኣሚንዎ ኸም ዘሎ፡ ብክርስቶስ ዝኣመነ ዅሉ ኣብ ልዕሊ ሞት ዓወት ረኸበ። እዚ ማለት ከኣ “ትንሳኤ ህይወት ዚረክብ ኰነ” ማለት’ዩ። ትንሳኤ ሙታን ክሳዕ ዚኸውን ድማ ኣብ ትሕቲ ስልጣን ሞት ኣብ ሲኦል እናተሳቐና ዘይኰነ፡ ኣብ ትሕቲ ስልጣን ክርስቶስ ኣብ ገነት ኣዕሪፍና ንጸንሕ። ኣካልነት ሞት ዜረጋግጹልና ኻልኦት ሓያሎ ጥቕስታት’ውን ኣለዉና (ኢሳ 28፡15-18 ፣ መዝ 49፡14)።
ሞት ብኸመይ’ዩ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሰብ ስልጣን ኪህልዎ ዝኸኣለ፧ ኵላትና ኸም ‘ንፈልጦ፡ መጽሓፍ ቅዱስ’ውን ኣነጺሩ ኸም ዜረጋግጸልና ጠንቂ ሞት፡ ሓጢኣት’ዩ (ሮሜ 5፡12)። ሓጢኣት ከኣ ንሕጊ ኣምላኽ ምፍራስ’ዩ (1ዮሃ 3፡4 ፣ ሮሜ 4፡15)። እግዚኣብሄር ንኣዳምን ሄዋንን ምስ ፈጠሮም ሓንትን እንኮን ትእዛዝ ጥራሕ’ዩ ዝሃቦም (ዘፍ 2፡16,17)። ነዛ ትእዛዝ’ዚኣ ናይ ምጥሓስ ሳዕቤን ሞት ምዃኑ ኸኣ ብንጹር ኣፍለጦም። ንሳቶም ግና ነቲ ንረብሓኦም ዝተዋህቦም ትእዛዝን ምኽርን ናይ ኣምላኽ ንዒቖም፡ ነቲ ናይ ሰይጣን ሓሶትን ሓባባሊ ዘረባን ኪሰምዑ መረጹ። ሓጢኣት ምስ ገበሩ ድማ ናይ ክልተ ዓይነት ሞት ግዳያት ኰኑ፡ እቲ ቐዳማይ፡ ቅጽበታዊ መንፈሳዊ ሞት ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ግና ኣካላዊ ሞት ዘይኰነስ ኣካላዊ መዋትነት (Physical mortality) ወሪሱ። እዚ ማለት፡ ብኡንብኡ ብኣካል ኣይሞቱን፡ እቲ ሰብነቶም ግና ካብ ዘይመውት ናብ መዋቲ ኣካል ተለወጠ። ሓጢኣት ግን ተራ ፍጻመ ወይ ተራ ተግባር ኣይኰነን። ሓጢኣት ንርእሱ ብህይወት ኪነብርን ኪመውትን፡ ኪገዝእን ኪግዛእን ዚኽእል፡ ሃረርታን ሃቐናን ዘለዎ፡ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዚገዝኣሉ ናቱ ሕጊ ዘለዎ ባህርይ’ዩ (ዘፍ 4፡7 ፣ ሮሜ 5፡21 ፣ 6፡12-14 ፣ 7፡5,8-11,13-15,17,20,23 ፣ 8፡2,12,13 ፣ ገላ 3፡22,23 ፣ ቈሎ 3፡5)። ብመሰረት’ዚ ጥቕስታት’ዚ ሓጢኣትን ሞትን ሲኦልን ንጥፍኣት ሰብ ዝተዓጥቁ ሰለስተ ጸላእቲ’ዮም። ሞት ብሓጢኣት ይወግእ፡ ሓጢኣት ብሞት ይገዝእ፡ ሲኦል ድማ ነቲ ብሓጢኣትን ሞትን ዝተቐትለ ዅሉ ነፍሲ ውሒጡ ንዘለኣለም ኬሳቕይ ይነብር። ስለ’ዚ ንሞት ዕድልን ስልጣንን ዝሃቦ፡ እቲ ንሕና እንእዘዞን እንግዝኦን ሓጢኣት’ዩ። ሞት ዜብቅዕ ድማ ሓጢኣት ምስ ዜብቅዕ’ዩ። ኣካላዊ መዋትነት ኣብ ቦትኡ ሃልዩ፡ እቲ ‘ንዛረበሉ ዘለና ሞት ግና መንፈሳዊ ሞት’ዩ። መንፈሳዊ ሞት እንተ ዜብቅዕ፡ ኣካላዊ ሞት ድማ መብቅዐ ነይሩ። ቅዱስ ጳውሎስ ነቲ ብሓጢኣት እንሞቶ ሞት መንፈሳዊ ሞት ምዃኑ፡ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ።
“ንስኻትኩም ብበደልኩምን ብሓጢኣትኩምን ምውታት ነበርኩም። . . . ኣምላኽ ንብዘሎ ኣበሳና ሓደገልና። ንኣኻትኩም’ውን ብኣበሳኹምን በቲ ዘይተገዝረ ሓጢኣተኛ ስጋኹምን ሞይትኩም ንዝነበርኩም፡ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረኩም።” ኤፌ 2፡1 ፣ ቈሎ 2፡13 ካ.ት
እዚ ሃዋርያዊ መልእኽታት’ዚ ብህይወት ናብ ዘለዉ፡ ኬንብቡን ኪሰምዑን ናብ ዚኽእሉ ምእመናን ስለ ዝተጻሕፈ፡ እቲ ቐደም ብምኽንያት ኣበሳኦም ሞይቶም ዝነበሩ ሞት፡ መንፈሳዊ ሞት ምንባሩ ዜረጋግጸልና’ዩ። ጐይታና ብሞት ስጋኡ ንሞት ዝሰዓሮ ካብ’ዚ መንፈሳዊ ሞት’ዚ ምእንቲ ኼድሕነና’ዩ። ምኽንያቱ ገና ኣብ መንፈሳዊ ሞት እናሃለወ ብስጋ ዝሞተ ሰብ፡ ናብ’ቲ ኻልኣይን ዘለኣለማውን ሞት፡ ናብ’ቲ ቐላይ ሓዊ ተደርብዩ ምስ ድያብሎስን ኣጋንንቱን’ዩ ዚነብር። ብእምነት ክርስቶስ ካብ መንፈሳዊ ሞት ዝተንስአ ሰብ፡ ብስጋ ሙማት ኣይተርፈሉን’ዩ። ከም’ቲ ቅዱስ ጳውሎስ፡ “ንኣይ ህይወተይ ክርስቶስ’ዩ፡ ሙማት’ውን ረብሓይ’ዩ። “ዝበሎ ግና፡ ሳላ ሞት ክርስቶስ፡ ሞት ስጋ ናብ ረብሓ ተለዊጡ’ዩ (ፊል 1፡21)። ናይ ብሓቂ ኣብ ጽቡቕ መንፈሳዊ ቝመናን ጥዕናን እንተሊና፡ ሞት ስጋ ሃረር ዚበሃልን ዚበሃግን ትዕድልቲ’ምበር፡ ከም ዚፍራህን ዚጽላእን ወጽዓ ኽንቈጽሮ ኣይንኽእልን፡ ኣይግባእን ከኣ’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ናይ ሞት-ስጋ ናፍቖት ዝነበሮ ሃዋርያ’ዩ ዝነበረ። እንተ ዀነ ሕያዋይን እሙንን ባርያ ክርስቶስ ስለ ዝነበረ፡ ምእንቲ’ቶም ዜገልግሎም ህዝበ ክርስትያን፡ ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ንገለ ቝሩብ ዓመታት ብህይወት ኪጸንሕ ከም ዜድልዮ ይረኣዮ ነበረ። ኣብ መንጎ’ዚ ኽልተ ተጻራሪ ዚመስል ክልተ ምርጫታት ተቐርቂሩ ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ንሰብ ፊልጲ፦ “. . . ከም’ቲ ዅሉ ሳዕ (ዝገበሮ) ሕጂ’ውን እንተ ዀነ፡ እንተ ብህይወት እንተ ብሞት፡ ንክርስቶስ ብትብዓት ከኽብሮ’የ። ከመይ ንኣይ ህይወት ማለት ክርስቶስ’ዩ፡ ሙማት ከኣ ረብሓይ’ዩ። (ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ) ብህይወት እንተ ደኣ (ክንጸንሕ) ኰይነ ገና ፍረ ዘለዎ ዕዮ (ይጽበየኒ ኣሎ) ማለት’ዩ። ነየናይ ከም ዝመርጽ ግና ኣይፈልጥን’የ። ብኽልቲኡ (ምርጫ) እጭነቕ ኣለኹ። ዜሕሸኒ ስለ ዝዀነ ግና፡ ካብ’ዚ (ስጋይ ብሞት) ተፈልየ፡ ምስ ክርስቶስ (ክነብር) ሃረርታይ’ዩ። እንተ ዀነ ንኣኻትኩም ምእንቲ ኼሕሸኩም ብህይወት ምጽንሐይ (ኣድላዪ’ዩ) (ብህይወት) ከም ዝጸንሕ ከኣ ብርግጽ ፈሊጠ ኣለኹ . . . “ ብምባል ንሓደ ሓቀኛ ክርስትያን ሞት-ስጋ ኣዝዩ ተበሃጊ ትዕድልቲ ምዃኑ ብምግላጽ ግብራዊ ኣብነት ኰነና (ፊሊ 1፡20-25 ካ.ት)። ጐይታና ብምጽኣቱ ተገሊጹ ትንሳኤ ሙታን ምስ ኰነ ግን እቲ ብሞት ዝበስበሰን ዝፈረሰን ስጋና ኪትንስእን ናብ ዘይመውት ክቡር ስጋ ኺልወጥን’ዩ (1ቈረ 5፡49-54 ፣ ፊል 3፡20,21 ፣ ሉቃ 20፡34-30)። ምድሓን ነፍስና ብሞትን ትንሳኤን ናይ ክርስቶስ ድሮ ተፈጺሙ’ዩ። ምድሓን ስጋና ኸኣ ኣብ መዓልቲ ምጽኣቱን ትንሳኤ ሙታንን ኪፍጸም’ዩ (ሮሜ 8፡23 ፣ እብ 9፡28 ፣ ቲቶ 2፡11 ፣ 1ጴጥ 1፡8,9)።
ዝምድና ሞትናን ሞት ክርስቶስን ኣብ ምንታይ’ዩ፧ ክርስቶስ ስለ ዝሞተን ስለ ዝተንስአን ጥራሕ፡ ንሕና ኻብ’ዚ ድርብ ሞት’ዚ እንድሕነሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ፧ ዓስቢ ሓጢኣት፡ ዘለኣለማዊ ሞት’ዩ (ሮሜ 6፡23 ፣ ሮሜ 5፡15 ፣ 1ቈረ 15፡21 ፣ 1ዮሃ 5፡11)። ሰብ ኰይኑ ዘይሓጥእ ስለ ዘየለ ድማ፡ ባዕሉ ካብ ሞት ኪድሕን ዚኽእል ሓደ’ኳ የለን። ሰብ ኪድሕነላ ዚኽእል እንኮ መገዲ፡ ነታ ንሱ ኪኸፍላ ዚግብኦ ሞት ዚሞተሉ ኻልእ ኣካል ምስ ዚረክብ ጥራሕ’ዩ። ሞት ሰብ፡ ብሞት እንስሳ ወይ ከኣ ብሞት ካልእ ሰብ ኪዕረቕን ኪኽፈልን ኣይክእልን’ዩ። ምኽንያቱ ኸኣ፡ እንስሳ ነቲ ብኣርኣያ ስላሴ ዝተፈጥረ ሰብ ዚምጥን መንነትን ክብርን ስለ ዘይብሉ፡ ከም ጽላሎትን ትእምርትን ናይ ሞት ክርስቶስ ኰይኑ ደኣ ኼገልግል ይኽእል’ምበር፡ ብሞቱ ሓጢኣት ሰብ ኬርሕቕ ኣይክእልን’ዩ (እብ 9፡13 ፣ 10፡1,4)። ካልእ ሰብ ኣብ ክንዲ ዅላትና መስዋእቲ ኸይከውን ድማ፡ ካብ ኣዳም ዝተወልደ’ሞ ሓጢኣት ዘይብሉ ንጹህ ሰብ ስለ ዘየለ፡ ንርእሱ ሞት ዚግብኦ መድሓኒ ዜድልዮን’ዩ’ምበር መስዋእቲ ዀይኑስ ንኻልኦት ኬድሕን ኣይክእልን’ዩ። ዋላ ብናይ ኣምላኽ ተኣምር፡ ፈጺሙ ሓጢኣት ዘይብሉ ሓደ ሰብ እንተ ዚርከብ’ኳ፡ ንሓጢኣት ፈጺሙ ኬርሕቕ ዚኽእል ዘለኣለማውን ህያውን መስዋእቲ ኪኸውን ስለ ዘይክእል፡ ካብ መስዋእቲ እንስሳ ዚሓይሽ ኣገልግሎት ኪህልዎ ኣይክእልን’ዩ። እዚ ሓቂ’ዚ፡ “ንሓጢኣት ኣርሒቑስ ንሓጥኣን ኬድሕን ዚኽእል፡ ብዘይካ ኣምላኽ ዝዀነ ይኹን ካልእ ኣካል የለን” ናብ ዚብል ቅኑዕ መደምደምታ’ዩ ዚመርሓና። መለኮት ስለ ዘይመውት ግን፡ ምእንታና ሞይቱ ዋጋ ሓጢኣትና ምእንቲ ኪኸፍል፡ ኣምላኽ ብተዋህዶ ሰብ ኰነልና። መለኮት ምስ ስጋ ፍጹም ተዋሂዱ ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ዘይመውት መለኮት ንሞት ናይ’ቲ ዝተዋሃዶ ስጋ ገንዘቡ ገበሮ። ሞት ስጋኡ ድማ ብምኽንያት ክብሪ ናይ’ቲ ዝተዋሃደ መለኮት ኣዝዩ ኽቡር ሞት ኰነ። እቲ መዋቲ ስጋኡ ንናይ መለኮት ህያውነት ገንዘቡ ስለ ዝገበሮ ድማ ንሓይሊ ሞት ስዒሩ ማእሰር ሞት ፈቲሑ ተንስአ። ስለ’ዚ ኸኣ “ብስጋ ሞተ፡ ብመንፈስ (ብመለኮት) ግና ህያው ኰነ” ተባህለልና (1ጴጥ 3፡18)። ብዛዕባ ሓጢኣትናን ምእንቲ ድሕነትናን ጽድቅናን ዝተፈጸመ ሞትን ትንሳኤን ስለ ዝዀነ ድማ፡ “(ክርስቶስ) ብሰሪ ሓጢኣትና በጃ ተዋህበ፡ ስለ ጽድቅና’ውን ተንስአ፡” ተባህለልና (ሮሜ 4፡25 ፣ ኢሳ 53፡5,6 ፣ 1ቈረ 15፡17 ፣ 2ቈረ 5፡20,21)።
ክርስቶስ ደኣ ነዚ ንዅሉ ወለዶታት ደቂ ኣዳም ዝሰዓረ ሞት ብኸመይ ሰዓሮ፧ ንምንታይ’ዩ ሞት ኣጽኒዑ ኺሕዞ ዘይከኣለ፧ እቲ ቐዳማይ ምኽንያት፡ “ፍጹም ሰብ ጥራሕ ዘይኰነ ፍጹም ኣምላኽ’ውን ስለ ዝዀነ’ዩ” ዚብል ምዃኑ ርዱእን ቅቡልን’ዩ። ካብ ዘየለ ነገር ንዅሉ ፍጥረት ዝፈጠረ ኣምላኽ፡ ንዝሞተ ስጋ፡ እሞ ድማ ምስኡ ንዝተዋሃደ ኣካሉ ንዝዀነ ስጋ ኻብ ሞት እንተ ኣተንስኦ፡ ካብ ኵሉ ኻልእ ንምውታት ዘተንስአ ተኣምራት ብዙሕን ዓብይን ፍሉይነት ከም ዘለዎ ዜርእይ ኣይኰነን። ትንሳኤ ክርስቶስ ግን ካብ ካልእ ትንሳኤታት ኣዝዩ ዝተፈልየ ዓብይን ክቡርን ትንሳኤ’ዩ። እቲ ፍሉይነቱ ኸኣ ካብ መለኮታዊ ምኽንያቱ ንላዕሊ እቲ ሰብኣዊ ምኽንያቱ ዝዓዘዘ ስለ ዝዀነ’ዩ። ምኽንያቱ ጠንቂ ሞት ሓጢኣት ስለ ዝዀነ፡ ምኽንያት ናይ’ቲ ትንሳኤ’ውን ምስ ሓጢኣት ዝተዛመደ ኪኸውን ይግብኦ። ሞትን ትንሳኤን፡ ክልተ ተጻረርቲ ፍጻመታትን ኵነተ ህላወን’ዮም። ልክዕ ከምኡ እቲ ናይ ምኽሳቶም ጠንቅን ምኽንያትን’ውን ክልተ ተጻረርቲ ምኽንያት ኪኸውን ይግባእ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ናይ ሞት ጠንቂ ሓጢኣት ምግባር እንተ ዀይኑ፡ ናይ ህይወት ናይ ትንሳኤ ምኽንያት ድማ ሓጢኣት ዘይምግባር ኪኸውን ይግባእ። እቲ ሓጢኣት ብሓደ ምኽንያት እቲ ትንሳኤ ድማ ብኻልእ ዝተፈልየ ምኽንያት እንተ ኣጋጢሙ ግን፡ ነቲ ሞትን ነቲ ትንሳኤን ዜዛምድ ዝዀነ ጒዳይ ስለ ዘየለ፡ ክልቲኡ (ሞትን ትንሳኤን) ተመላላኢ ውጽኢት ኣይኪህልዎን’ዩ። እቲ ጐይታና ምእንታና ዝሞቶ ሞት ብሰሪ ሓጢኣትና ዝተፈርደ ሞት’ዩ። እቲ ምእንታና ዝተንስኦ ትንሳኤ ድማ ሓጢኣት ዘይፈጸመ ንጹህን ጻድቕን ብምዃን ዝተፈጸመ’ዩ። ጐይታና ባዕሉ ዀነ ኵላቶም ነብያትን ሃዋርያትን ክርስቶስ ፈጺሙ ኸም ዘይሓጥአን፡ ኣበርን መንቅብን ዘይብሉ ፍጹም ጻድቕን ንጹህን ምዃኑ ኣረጋጊጾምልና’ዮም (ኢሳ 53፡5-9 ፣ ሉቃ 23፡14,41 ፣ ዮሃ 8፡46 ፣ ግብ 3፡14 ፣ 2ቈረ 5፡21 ፣ እብ 4፡15 ፣ 7፡26 ፣ 9፡14 ፣ 1ጴጥ 2፡22 ፣ 1ዮሃ 3፡5)። ስለ’ዚ ሞት ነዚ ሓጢኣት ዘይብሉ ቅዱስ ሰብ ኣጽኒዑ ዚሕዘሉ ዝዀነ ይኹን ሕጋዊ መሰረት የብሉን። ሓንትን ቀላልን ሓጢኣት ፈጺሙ እንተ ዚነብር ግና፡ ዓስቢ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሓጢኣት ሞት ጥራሕ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ትሕቲ ሞት ተታሒዙ ኺነብር ናይ ግድን ምዀነ። እቲ ንበዳሊ ኸም ንጹህ ዘይርእይ ጻድቕ ኣቦ’ውን ኣይምነሓፎን ነይሩ። ንሞቱ ኣዝዩ ዓብይ ክብሪ ዘውሃቦ ጽድቁን ንጽህናኡን’ዩ። ናይ ትንሳኤኡን ህያውነቱን መሰረት’ውን ጽድቁን ቅድስናኡን’ዩ።
እዚ ዝተገልጸ ትንሳኤኡ ምስ’ቲ ናትና ትንሳኤ ሙታን ብኸመይ’ዩ ዚዛመድ፧ ቅዱስ ጳውሎስ፡ እቲ ካብ ሓጢኣት እንሞቶ ሞት ንሞት ክርስቶስ እንተ መሲሉ፡ እቲ ብሓዳስ ህይወት ብጽድቂ እንትንስኦ ትንሳኤ ኸኣ፡ ንትንሳኤ ክርስቶስ ከም ዚመስል ኣረጋጊጹልና ኣሎ (ሮሜ 6፡1-11)። ንሕና ትንሳኤ ህይወት እንረክብ፡ ትንሳኤና ንትንሳኤ ክርስቶስ እንተ መሊሱ ጥራሕ’ዩ። ካብ ህይወትና ንሓጢኣት ኣርሒቕና ጽድቂ ጥራሕ እንገብር እንተ ዄንና ኢና፡ ከም ክርስቶስ ካብ’ዚ ጊዝያዊ ናይ ስጋ-ሞት ኣብ ጊዜ ምጽኣት ትንሳኤ እንረክብ። ሰብ ብዘይ ሓጢኣት ብጽድቂ ጥራሕ ዚነብር ብኽልተ መገዲ’ዩ። እቲ ቐዳማይ ሓጢኣት ብዘይምግባር ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ከኣ ብንስሓ ንህይወቱ ብምጽራይ’ዩ። ጐይታና ብዛዕባ ትንሳኤና፡- “ኣብ መቓብር ዘለው (ምውታት) ድምጺ (ናይ ክርስቶስ) ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ’ያ። ሰናይ ዝገበሩ ናብ ትንሳኤ ህይወት፡ (ሓጢኣት) ዝገበሩ ኸኣ ናብ ትንሳኤ ፍርዲ ኺወጹ’ዮም’ሞ፡ በዚ ኣይትደነቑ።” ብምባል መሰረት ትንሳኤና እንታይ ምዃኑ ኣረጋጊጹልና ኣሎ (ዮሃ 5፡28,29)። ናብ ድሕሪት ተመሊስና (retrogradely)፡ ናይ ክርስቶስ ናይ ትንሳኤኡ መሰረት ሓጢኣት ዘይብሉ ጻድቕ ምዃኑ’ዩ” ዜብለና ኸኣ ንሱ’ዩ። ምኽንያቱ እቲ ቕድም ክርስቶስ ደሓር ከኣ ንሕና እንትንስኦ ትንሳኤ፡ ሓደ ዓይነት ትንሳኤ’ዩ። እቲ በዅሪ ትንሳኤ ዝዀነ ክርስቶስ፡ ብዘይ ሓጢኣት ብጽድቂ ብምምልላስ ንሞት እንተ ስዒርዎ፡ እቶም ብናይ ክርስቶስ ዓወት ኣብ ልዕሊ ሞት ክንዕወት ብኣምላኽ ዝተሰርዓልና ክርስትያን ድማ ካልእ ኣማራጺ የብልናን። ክርስቶስ ፈጺሙ ሓጢኣት ብዘይ ምፍጻም’ዩ ጽድቁ ዝገለጸ። ንሕና ግን ውዱቓት ስለ ዝዀንና ኸም’ቲ ናቱ ዝበለ ፍጹምነት ድማ ስለ ዘይብልና፡ ብዘየቋርጽ ንስሓ ድማ’ምበር ፈጺምና ሓጢኣት ብዘይምፍጻም ጥራሕ ክንጸድቕ ኣይከኣልን’ዩ። ብጸጋ ኣምላኽ ተደጊፍና ኻብ ሓጢኣት ንዕቀብ፡ ብምኽንያት ድኻም ስጋና ናብ ሓጢኣት ኣብ ዝወደቕናሉ ኣጋጣሚታት ድማ ብሓቀኛን ቅቡልን ንስሓ ርእስና ኻብ ሓጢኣት ኣንጺህና ናብ ጽድቂ ክርስቶስ ክንምለስ ይግብኣና። ምኽንያቱ ሓጢኣት ኣብ ዘለዎ ትንሳኤ ፍርዲ’ምበር፡ ትንሳኤ ህይወት የልቦን።
እምበኣር ኣብ’ዚ ኽቡር ዕለት ትንሳኤ’ዚ ነቲ ናይ ክርስቶስ ዚመስል ትንሳኤ ኸም ‘ንትንስእ፡ ተኻፈልቲ ዓወት ክርስቶስ ከም ‘ንኸውን ብምርግጋጽ፡ ድርብ ትንሳኤ፡ ማለት ናይ ክርስቶስን ናትናን ትንሳኤ ነብዕል። ምኽንያቱ ንሕና’ውን በታ ክርስቶስ ዝተንስኣላ ትንሳኤ፡ ናብ ትንሳኤ ህይወት ዘይንትንስእ እንተ ዄንና፡ ትንሳኤኡ እነኽብረሉ መንፈሳዊ ብቕዓት የብልናን ማለት’ዩ። እቶም ብስጋ ብህይወት እናሃለና ኻብ መንፈሳዊ ሞትና ዘይተንሳእና፡ ኣብ መዓልቲ ምጽኣቱ ብናቱ ትንሳኤ ኽንጐዳእ’ምበር፡ ኣይክንረብሕን ኢና። ስለ’ዚ ናይ’ዚ ሕጂ ነብዕሎ ዘለና በዓለ ትንሳኤ ተረባሕቲ ምእንቲ ኽንከውን፡ ካብ’ቲ ናይ ሓጢኣት ሞት መንፈሳዊ ትንሳኤ ምርካብና ነረጋግጽ!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
20 ሚያዝያ 2025 | ሚያዝያ 12, 2016 ግዕዝ (መበል 32 ሰንበት: ቊ.፴፪/32) |
||
ምስባክ መዝ. ፸፯(፸፯)፣፷፭-፷፮ “ወተንሥአ እግዚአብሔር ከመ ዘንቃሕ እምንዋም። ወከመ ኃያል ወኅዳገ ወይን።ወቀተለ ፀሮ በድኅሬሁ።” ዓዲ፡ መዝ.፻፲፯(፻፲፰)፡፳፬,፳፭ “ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚአብሔር። ንትፌሣሕ ወንትኃሠይ ባቲ። ኦ እግዚኦ አድኅንሶ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
1ቈረ 15፡20-41 |
ዲያቆን |
|
1ጴጥ 3፡15-ፍጻመ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 2፡22-36 |
ንፍቅ ካህን |
|
ዮሃ 20፡1-18 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ ዘጎርጎርዮስ | መዝሙር፦ ይትፌሣሕ ሰማይ |
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ