“ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሕ ማሕደር ኣሎ፡ እንተ ዘይህልው ግና ምነገርኩኹም ነይረ፡ ሕጂ ግና ስፍራ ኸዳልወልኩም እኸይድ ኣለኹ። ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳለኹልኩም፡ ኣብ’ቲ ኣነ ዘለኽዎ፡ ንስኻትኩም’ውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትህልው፡ ተመሊሰ ኽመጽእ’የ’ሞ፡ ምሳይ ክወስደኩም’የ። ናብ’ቲ ኣነ ዝኸደ መገዱ ትፈልጥዎ ኢኹም። . . . መገድን ሓቕን ህይወትን ኣነ’የ። ብዘይ ብኣይ ሓደ’ኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።” ዮሃ 14፡2-4,6 ካ.ት
ይዝከረኒ ኣብ ዓድና ከለኹ ንእሽተይ፡
ቀደም ክጻወት ምስ ኩሎም የዕሩኽተይ፡
ሻኲ ተወሰጥ ቃርሳ ምስ ያህለለይ:
ሸደድ ገበጣ እንተላይ ሓንዳይ፡
ሕንቂል ሕንቅሊተይ ሰሰናቢተይ፡
እንካ ኣዝግነኒ ሻነ ብምንታይ፡
ተባሂሉ ክጽወት ኣብ ዓደይ፡
ደስ ይብለኒ ክዝክር ባህለይ።
መግለጺ ፋልማይ ውሁድ ዓመታዊ ጉባኤ ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤ/ክ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ናይ ሰማዕት እንበለ ደም ቅዱስ እንጦንዮስ ቀዳማዊ ቅድስና ተኸቲለን ኣብ ትሕቲ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስን፥ ብፁዕ ኣቡነ ሲኖዳን ዝነበራ ኣብያተ ክርስቲያናት ብ29 ሚያዝያ 2023 ብመሪሕነት ክልቴኦም ብፁኣን ጳጳሳት፡ ሓያለ ጳጳሳት ናይ ኣሓት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ዝተረኽብሉ፡ ኣብ ኒው ዮርክ ብመስዋእቲ ቅዳሴ ዝተዛዘመ ውህደት ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያንና ዓብዪ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ። ድሕሪዚ ታሪኻዊ ዕለት፡ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ (ሕብራት ሃገራት ኣመሪካን ካናዳን) ሕጉ ኣጽፊፉ፡ ውሁድ ምምሕዳር ተኺሉ፡ ክሳብ ሕጂ መሠረት ኣብ ምንጻፍ እዩ ጸኒሑ፡ ብኣብዝሓ ሸነኹውን ብጽቡቕን ተስፋ ብዝህብን መንፈሳዊ ጎደና ይጉዓዝ ኣሎ።
‘ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡’ ክሳዕ እትብሉ፡ ካብ ሕጂ ኣይክትርእዩንን ኢኹም።” ማቴ 23፡38-39። እንሆ፡ ድሕሪ ሾብዓተ ሰናብትን ሳምንትን ናይ ጾም፡ ናብዚ “ሆሳእና” ዝተሰምየ ሓያሎ ትንቢታት ዝተፈጸመሉ፡ናብ ሕማማት ዜስግረና በዓል በጽሒና ኣሎና። እዚ ናይ ሆሳእና ዕለት’ ዚጽምብል ደኣ ይመስል እምበር ናይ ምህለላን ምሕጽንታን መዓልቲ እዩ ዝነበረ። ምኽንያቱ፡ “ሆሳእና” ዚብል ናይ እብራይስጢ ቃል ኰይኑ፡ ትርጕሙ ድማ “ኣድሕን” ማለት እዩ። እዚ ቃል ትንቢት እዚ ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት ብኣፍ ነብዪ ዳዊት፡ “ ዎ እግዚኣብሄር ኣድሕን ኰታ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣሰልጥን (ኣዐውት) ኰታ። እቲ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡” Read More
ንሕና ከም ሕዝቢ፣ ማለት ከም ሕዝቢ-ሓበሻ መጠን፣ ናይ ሞት መጸዋዕታ ክመጸና ከሎ፣ ምቕባሉ ዝኸብደና ሕዝቢ ምዃንና ኢና እንፍለጥ። ኣብ ዝኾነ ግዜ እቲ “መርድእ” ዝበሃል ዜና ክመጽእ ከሎ፣ እቲ ክግበር ዝርአ ናይ ኣበኻኽያ ባህልና፣ መግለጺ ክርከበሉ ይኽእል`ዩ ክበሃል`ውን ኣይከኣልን። ብሓጺሩ ሞት ኣብ ሕዝብና፣ ዳርጋ ከም መወዳእታ ዓለም ኮይኑ`ዩ ዝርአ እንተ-ተባህለ ምግናን ኣይኮነን። እዚ ልማድ`ዚ ከኣ ግዜ ክቕይሮ ዘይከኣለ፣ ዳርጋ ኣብ ደምና ከም-ዝተወሃሃደ ውርሻ ኮይኑ`ዩ፣ ኃቢሩና ክጎዓዝ ዝርከብ ዘሎ።
ዓመታዊ ክብረ በዓል ናይ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ከተማ ሻርሎት ሰሜን ካሮላይና ከምቲ ልሙድ ዓመት መጸ ብኽብሪ ዝበዓል ሎሚ ዓመትውን ብቀዳም ዕለት 20 ሕዳር 2021 ኣ.ፈ (፲፩ ሕዳር ፳፻፲፬ ዓ.ም) ብዝደመቐን ምዕሩግ ኣገባብን ንመበል 12ተ ግዜኡ ተኸቢሩ ውዒሉ። እዚ ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ሰሜን ኣሜሪካ ብዝመጹ ብብዝሒ ኣጋይሽ ነጋድያን፥ ምእመናን ነበርቲ ከተማ ሻርሎት፥ ውሉደ ክህነትን መንእሰያት ተመሃሮ ትምህርቲ ሰንበትን ዝተሳተፍዎ፥ ዓቢይ መንፈሳዊ ክብረ በዓል ብኃይሊ ኣምላኽን፥ ብረድኤት ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክትን ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ተስፋን በረኸትን ብዝመልኦ ድሙቕ ኣገባብ እዩ ተኸቢሩ ውዒሉ።
መበል 22 ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ ኣብ ከተማ ሲንሲናቲ ኦሃዮ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ስላሴ ክካየድ እዩ። ጉባኤ፥ ሓሙስ ሓምለ (July) 30 - ክሳብ ሰንበት 2 ነሓሰ (August) 2020 ዓ. ም ክካየድ እዩ። ምእመናን ህዝበ ክርስቲያን ናይ ስራሕ ዕረፍትኹምን ናይ መገሻ መደባትኩምን ኣብዚ ጉባኤ'ዚ ከተሕልፍዎ ብስም ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኣኽብሮት ንዕድም።
We are blessed, today, Sunday, October 13, 2019, to have had His Grace Bishop Gregory, celebrating the liturgy of the Eucharist & ordaining four Psaltos. His Grace Bishop Gregory laid hands on Nahum Beyene, Nahum Amanuel, Remon Sedra, and Youssef Sedra as Psalters. Attending the ordination were parents, Coptic and Eritrean faithful including Fr. Youstos Ghaly, priest of St. Mark Coptic Orthodox Church in New Orleans, LA.
Please remember the newly ordained kids in your prayer so that God would grant them the fruit of the Holy Spirit.
Day 38 (6th Wednesday of the Holy Great Fast)
“And not only that, but we also glory in tribulations, knowing that tribulation produces perseverance; and perseverance, character; and character, hope.” (Rom5:3-4)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ