Day 37 (6th Tuesday of the Holy Great Fast)
“Therefore, putting away lying, ‘Let each one of you speak truth with his neighbour,’ for we are members of one another.” (Eph 4:25)
Day 15 (3rd Monday of the Great Fast)
“And He said to them, “You are those who justify yourselves before men, but God knows your hearts. For what is highly esteemed among men is an abomination in the sight of God.” (Luke 16:15)
“ነቲ ብእኡ ዚኣምን ኣይኪፍረዶን’ዩ፡ ነቲ ብእኡ ዘይኣምን ግና ብሓደ ወዱ ኣምላኽ ስለ ዘይኣመነ ድሮ ተፈሪድዎ’ዩ። እቲ ፍርዲ ኸኣ እዚ’ዩ፡ ብርሃን ናብ ዓለም መጸ፡ ደቂ ሰብ ግና ግብሮም ክፉእ ስለ ዝዀነ፡ ካብ ብርሃንሲ ጸልማት ፈተዉ። ምኽንያቱ እቲ ኽፉእ ዚገብር ዘበለ ዅሉ፡ ግብሩ ምእንቲ ኸይግለጽ ብርሃን ይጸልእ’ምበር፡ ናብ ብርሃን ኣይመጽእን’ዩ። እቲ ሓቂ ዚገብር ግና፡ ከም ትእዛዝ ኣምላኽ ስለ ዝገበረ፡ ግብሩ ምእንቲ ኺግለጽ ናብ ብርሃን’ዩ ዚመጽእ።” ዮሃ 3፡18-21 ካ.ት
ትምህርቲ ትምህርቲ ስማ ጥዕምቲ:
መብልዒት እንጀራ ቀለብ ሊቃውንቲ:
መጥፊኢት ድንቁርና ኣጽዋር ናይ መሃዝቲ:
ህያብ ናይ ፈጣሪ ምርኩስ ናይ መራሕቲ:
ብርሃን ናይ ነበርቲ ሻቁሎት ናይ ዓመጽቲ:
ጉዝጓዝ ናይ ደቂ ሰብ ናይ ስድራ ሕብስቲ:
ማሕበራዊ ክብረ-ጸጋ ቁጠባዊ ርስቲ:
ናይ ሓሳር መፍትሒ ዘይጠፍእ መብራህቲ:
ናይ መነባብሮ ብልሓት ናይ ስራሕ ናውቲ:
ናይ ፖለቲካ ልሳን ንሓቂ መማጎቲ:
ናይ መንእሰይ ተስፋ ናይ ሂወት ስጉምቲ:
ናይ ቁሩብ ዓመት ሽግር ንሓዋሩ ሃብቲ:
ተማሃሩ መንእሰያት ኩልኹም ናእሽቲ:
ዕድመ ኣይውስንን እንተላይ ዓበይቲ:
ክማሃር ኣለዎ ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ:
ነጋዳይ ሓረስታይ ሓዊስካ ሹማምንቲ:
እርጋን ከየርከበ ከይከደ መዓልቲ።
ብሰሉስ 18 ሚያዝያ 2023፡ ብብፁዕ አቡነ መቃርዮስ ጳጳስ ዲበ ኩሉ ዝምራሕ ሕብረት አብያተ ክርስቲያናት ተዋህዶ ምስቲ ብብፁዕ አቡነ ሲኖዳ ክምራሕ ዝጸንሐ ኅብረት አብያተ ክርስቲያናት ምሉእ ውህደንት ዕርቅን ጌሩ ኣሎ። ኣምላኽ ምሉእ ዕርቂ ስለዝገበረልና ስብሓት ይኹኖ።
ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ዕርቂ ኣብዚ መላግቦ ተወከስ።
ብስም ኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ፩ደ ኣምላኽ ኣሜን።
ኣብ ትግራይ ዝካየድ ንዘሎ ኲናት ንምኹናን ዚወጸ መግለጺ መንበረ ጵጵስና።
“እምበኣርስከ እዚ ቃል እዚ ንገሮም፥ እታ ድንግል ጓል ሕዝበይ ብብርቱዕ መውቃዕቲ፥ ብዘሰቂ ቁስሊ ተሰቢራ እያ እሞ፥ ኣዕይንተይ ለይትን መዓልትን ከየቋረጻ ንብዓት የውሕዛ ኣለዋ። ናብ መሮር እንተ ወጻእኩ እነሆ ብሰይፊ ዝሞቱ፥ ናብ ከተማ እንተ ኣቶኹ ድማ፥ እነሆ ብጥሜት ዝቓህመሙ፥ ክሳዕ ነቢይን ካህንን እኳ ናብ ዘይፈልጥዎ ሃገር ይኸዱ ኣለዉ።” ኤር. 14:17-18።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ