5 ግንቦት/May 2024
መዘከርታ ጻድቕ ንዘለዓለም ይነብር(ዝክረ ጻድቅ ለዓለም ይኄሉ ) መዝ 112.6.
ሰንበት 12 የካቲት 2023 (5 የካቲት 215 ግእዝ) ዝኽሪ ቦኽሪ ዓመት "ሰማእት እንበለ ደም" ቅዱስ እንጦንዮስ: ኣብ ኩለን ኣብያተ-ክርስቲያን ኣሕጉረ ስብከታት መስዋዕተ-ቅዳሴን ጸሎተ-ፍትሓትን ክግበር ንሕብር። ሰንበት 29 ጥሪ 2023'ውን: ኣብ ቤተክርስቲያን ቅድስት ማርያም ኦክላንድ, ካሊፎርንያ ብሕብረት ዝኽሪ ቦኽሪ ዓመቶም ከምዝተፈጸመ ይፍለጥ።
"ሰማእት እንበለ ደም" ቅዱስ እንጦንዮስ፥ 3ይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ: ረቡዕ 9 የካቲት 2022 ዓ.ም. ፈ.(2 የካቲት 2014 ዓ.ም.ግ) ኣብ ማሕዩር ከምዝዓረፉ ይዝከር።
“ኦ እግዚኦ! ኣዕርፍ ነፍሰ ቅዱስ እንጦንዮስ፥ ወኣንብር ለነ ህየንቴሁ ሔረ ወመራሔ”
ቀኖናዊ ኣሕጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን
ከም-ዝፍለጥ ንሕና ከም ክርስቲያን መጠን፣ ምስ መስቀል ፍሉይ ፍቕሪ ዘሎና ሕዝቢ ኢና። ካብ መስቀል ዝተፈልየ ሕይወት ኣሎና ክንብል`ውን ኣይንኽእልን። ስለዚ ድማ ኢና “-መስቀል- ኃይልነ-! መስቀል-ጽንዕነ-! መስቀል-ቤዛነ-! መስቀል-መድኃኒተ-ነፍስነ-!-” ብምባል፣ መስቀል ኩሉ ነገርና ምዃኑ ከነንጸባርቖ እንርከብ ዘሎና። ኣብቲ ወርሓት መስከረም`ውን “-መስቀል ዘይበለ ካባና ይፈለ-” ዝብል ባህሊ ከም-ዘሎና ዝፍለጥ`ዩ። ስለዚ መስቀል ንዓና ኩሉ ነገርና`ዩ እንተ-ተባህለ፣ ተጋጊኹም ከይንበሃል እንስከፈሉ ምኽንያት የብልናን።
ጳጳስ ዲበ ኵሉ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ዝመርሕዎ ልኡኽ ኣሕጉረ ስብከታትን፡ ብብፁዕ ኣቡነ ሲኖዳን ዚመሓደሩ ልኡኻትን፡ ምስ ፖፕ ታዋድሮስ ዳግማዊ፡ ፓትርያርክ ዘመንበረ ማርቆስ እስክንድርያ ብ18 መጋቢት 2022 ተራኺቦም፡ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራን ዕረፍቲ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ሰማዕትን፥ ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቦም። ኣብቲ ርክብ፡ መንበረ ማርቆስ ንሰማዕትነት ቅዱስ እንጦንዮስ ኣብ ሕቶ ከም ዘይተእትዎን፥ “እንጦንዮስ ሰማዕት እንበለ ደም”, "Antonios the Confessor" ተባሂሎም ኪጥቀሱ ከም ዝግባእን፡ እዚ ኸኣ ንመላእ ሕዝበ ክርስቲያን ኪሕበር ከም ዘለዎን፡ ፖፕ ታዋድሮስ ዳግማዊ፥ ኣፍሊጦም። ቅዱስነቶም፡ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ፍቕርን ሓድነትን ንምስፋን ብዝከኣሎም ዘበለ ኪሰርሑ ምዃኖም'ውን ገሊጾም ኣለዉ።
በዚ ምኽንያት ኩለን ኣብያተክርስቲያን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ፥ “እንጦንዮስ ሰማዕት እንበለ ደም”, "Antonios the Confessor" እናበላ፥ ጸሎት ከዕርጋ ብኽብሪ ንሕብር። ብተመሳሳሊ ኣገባብ፥ ምእመናን'ውን “እንጦንዮስ ሰማዕት ብዘይ-ደም” እናበሉ ስሞም ብወግዒ ክጽውዕዎምን ጸሎቶም ከዕርጉን ንሕብር።
እግዚኣብሔር ቤተክርስቲያንናን ህዝቢ ኤርትራን ይባርኽ።
ካብ መልእኽቲ ሓዲሽ ዓመት 2021 ዓ.ም.ፈ ዝተወስደ
Pray for His Holiness Antonios, Patriarch of the Eritrean Orthodox Church who has been under house arrest since January 13, 2006.
ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ካብ ኣቦኦም ቀሺ ገብረመድኅን ደብረጽዮን፡ ካብ ኣዲኦም ወ/ሮ ኢለን ቀለታ፡ ኣብ ዞባ ማእከል ሕምብርቲ ብዕለት 5 ሓምለ, 1919 ዓ.ም.ግእዝ (1927 ዓ.ም.ፈ) ተወልዱ። ወዲ 5 ዓመት ምስ ኮኑ ንገዳም ደብረ ጽጌ ኣቡነ እንድርያስ ተወፍዮም። ኣብ ገዳም ደብረ ጽጌ ኣቡነ እንድርያስ ካብ ፊደል ክሳብ ግብረ ዲቁና ተማሂሮም ኣብ 12 ዓመቶም ድማ መዓርግ ዲቁና ብብፁእ ኣቡነ ማርቆስ ተሾሙ። ብርድእናን ዝተፈላለየ ናይ ገዳም ኣገልግሎት ከገልግሉ ድሕሪ ምጽናሕ፥ ዘድሊ ናይ ግብረ ክህነት ትምህርቲ ምስ ተማህሩ ኣብ 1942 ዓ.ም.ግእዝ (1950) መዓርግ ምንኩስና ለቢሶም፡ ኣባ የማነ ብርሃን መነኮስ ደብረ ጽጌ ኣቡነ እንድርያስ ሰፍኣ ኮኑ። ኣብታ ዓመት'ቲኣ ድማ መዓርገ ክህነት ተቐብኡ። ካብ 1950 ክሳብ 1955 ብዝተፈላለየ ናይ ገዳም ኣገልግሎትን ሓላፍነት ከገልግሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ 1955 ብማኅበር ገዳም፡ ንኣበምኔት ተመሪጾም፡ “መምህር የማነ ብርሃን” ተባሂሎም ኣበምኔት ገዳም ደብረ ጽጌ ኣቡነ እንድርያስ ሰፍኣ ኮኑ።
Day 39 (6th Thursday of the Holy Great Fast)
“Be faithful until death, and I will give you the crown of life.” (Rev 2:10)
“According to the scriptures, one of the main characteristics of God is His absolute faithfulness. This virtue in man is also considered to be one of the ‘fruits of the Holy Spirit’ (Gal 5:22).
Day 17 (3rd Wednesday of the Great Fast)
“Abide in Me, and I in you. As the branch cannot bear fruit of itself, unless it abides in the vine, neither can you, unless you abide in Me. I am the vine, you are the branches. He who abides in Me, and I in him, bears much fruit; for without Me you can do nothing.” (John 15:4-5)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ