Date: July 18, 2005
Place: The Office of the Holy Synod
Time: 10:00AM
“እምበኣርስ ንኣምላኽ ተገዝእዎ፡ ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ’ሞ፡ ንሱ ኻባኻትኩም ኪሃድም’ዩ።"ያእ 4፡7።
ብዙሕ ህዝቢ ይብሉኺ ሰላም
ብግእዝ ይብሉኺ ሰላም
ብኣራማይክ ይብሉኺ ሰላም
ብትግረ ይብሉኺ ሰላም
ብትግርኛ ይብሉኺ ሰላም
ብኣምሓርኛ ይብሉኺ ሰላም
ብዓረብ ይብሉኺ ሰላም
ብእብራይስጢ ይብሉኺ ሰላም
ካልኦት ውን ይብሉኺ ሰላም
ተደላይት ቃል ኣብ ኩሉ ዓለም።
ክርስቶስ ተንሥኣ እሙታን ----------- በዓቢይ ኃይል ወሥልጣን፡
ኣሰሮ ለሰይጣን ----------------------------- ኣግዓዞ ለኣዳም
ሰላም ----------------------------------------- እምይእዜሰ
ኮነ ----------------------------------------- ፍስሓ ወሰላም
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን።
ቀኖናዊ ኣሕጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ካናዳን ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ህሉው ኩነታት ኣድሂቡ ዘውጸኦ መግለጺ እንሆ።
ጳጳስ ዲበ ኵሉ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ዝመርሕዎ ልኡኽ ኣሕጉረ ስብከታትን፡ ብብፁዕ ኣቡነ ሲኖዳን ዚመሓደሩ ልኡኻትን፡ ምስ ፖፕ ቴዎድሮስ ዳግማዊ፡ ፓትርያርክ ዘመንበረ ማርቆስ እስክንድርያ ብ18 መጋቢት 2022 ተራኺቦም፡ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራን ዕረፍቲ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ሰማዕትን፥ ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቦም። ኣብቲ ርክብ፡ መንበረ ማርቆስ ንሰማዕትነት ቅዱስ እንጦንዮስ ኣብ ሕቶ ከም ዘይተእትዎን፥ “እንጦንዮስ ሰማዕት እንበለ ደም”, "Antonios the Confessor" ተባሂሎም ኪጥቀሱ ከም ዝግባእን፡ እዚ ኸኣ ንመላእ ሕዝበ ክርስቲያን ኪሕበር ከም ዘለዎን፡ ፖፕ ቴዎድሮስ ዳግማዊ፥ ኣፍሊጦም። ቅዱስነቶም፡ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ፍቕርን ሓድነትን ንምስፋን ብዝከኣሎም ዘበለ ኪሰርሑ ምዃኖም'ውን ገሊጾም ኣለዉ።
በዚ ምኽንያት ኩለን ኣብያተክርስቲያን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ፥ “እንጦንዮስ ሰማዕት እንበለ ደም”, "Antonios the Confessor" እናበላ፥ ጸሎት ከዕርጋ ብኽብሪ ንሕብር። ብተመሳሳሊ ኣገባብ፥ ምእመናን'ውን “እንጦንዮስ ሰማዕት ብዘይ-ደም” እናበሉ ስሞም ብወግዒ ክጽውዕዎምን ጸሎቶም ከዕርጉን ንሕብር።
እግዚኣብሔር ቤተክርስቲያንናን ህዝቢ ኤርትራን ይባርኽ።
ወርሓዊ እትሕተም ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ወግዓዊት ልሣን ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ: እንሆ ኣብዚ ኣንብብዋ።
እዚ ኣብ ኣርእስቲ ተገሊጹ ዝርከብ ዘሎ ቃል፣ ነቶም ኣብ ምጉሳይ ከብቲ ዝሓደሩ፣ ጓሶት ቤተ-ልሔም ዝተነግረ ናይ ብሥራት ቃል`ዩ። ከመይሲ ንሳቶም እቶም ጓሶት፣ ምድሪ ደሓን ኣሎ ኢሎም ደቂሶም ኣብ ዝነበሩሉ ከውታ ለይቲ። ክብሪ እግዚኣብሔር ኣብ ዙርያኦም በርሀ፣ በቲ ኩነት ከኣ ኣዚዮም ፈርሁ። መልኣከ-እግዚኣብሔር ብሃንደበት ናብኣቶም መጺኡ ከኣ “-እንሆ ንኹሉ ሕዝቢ ዝኸውን፣ ዓቢይ ሓጎስ አበሥረኩም ኣሎኹ`ሞ ኣይትፍርሁ። ምኽንያቱ ድማ ሎሚ መድኃኒ-ክርስቶስ ጎይታ ተወሊዱልኩም ኣሎ-” ተባሂሉ`ዩ ዝተነግሮም። እቶም ጓሶት ግና ዝፈልጡዎ ነገር ኣይነበሮምን። ስለዚ ድማ በቲ እቲ መልኣኽ ዝበሎም ተሓቢሮም፣ ንቤተ-ልሔም ኣቢሎም ኣቕኒዖም`ዮም ዝኸዱ። (ሉቃ-2/6)
The Eritrean Orthodox priests’ annual meeting in North America was held on February 7-9, 2019, at St. Mary and St. Demiana Coptic Convent in Georgia, USA. Clergy members from Canada and the United States attended the meeting.
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ