ሬድዮ ቃለ ኣዋዲ ኵሉ ጊዜ ቀዳም ካብ ሰዓት 11፡30; 12፡00 ናይ ንጉሆ ብ 1120 WUST RADIO ብሓልዮት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን መድኃኔ ዓለም ዋሽንግቶን ዲሲ እናተዳለወ ኣብ ዲሲን (Washington DC) ከባቢኣን ዝመሓላለፍ መንፈሳዊ ትምህርቲ እዩ።
To Listen to Qale Awadi 1120 WUST...LIVE SAT 11፡30; 12፡00 PM
on Your Cell Phone!
Call (712) 432-6620 and Listen
Doctrinal Teachings
Faith does not contradict but beyond our senses. Faith is a higher power than our limited senses. Our senses are only capable of detecting physical or materialistic things, but there are other matters, which are beyond the material sense.
To His Holiness Abune Antonios, Patriarch of Eritrea, Our Dear Holy Father,
First and foremost, please accept our wish and constant prayer that God may grant you health and long life.
“ሕጂ ድማ (ክርስቶስ ጐይታና) ናብ የማን ኣምላኽ ልዕል ምስ በለ፡ ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ካብ ኣቦ ምስ ተቐበለ፡ ነዚ ንስኻትኩም ‘ትርእይዎን ‘ትሰምዕዎን ዘለኹም ንሱ ኣፍሰሶ።” ግብ 2፡33 (መዝ 51፡10-12)
ኣብ ቤተክርስትያን ሃገርና እንታይ ዘይግበር
እቲ ስርዓት ኣብ ቤተክርስትያን ጉዳይ ከምድልየቱ ክዕንድር
እንተ ደለየ ክሸይም እንተደለየ ከዐስክር
እንተደለየ ክመክር እንተደለየ ክምድር
አንተደለየ ክፍክር አንተደለየ ከኣስር
ሃለዋት ሃገርና ክውረ ክሳብ ባሕሪ ስግር
5 ግንቦት/May 2024
ከም-ዝፍለጥ ንሕና ከም ክርስቲያን መጠን፣ ምስ መስቀል ፍሉይ ፍቕሪ ዘሎና ሕዝቢ ኢና። ካብ መስቀል ዝተፈልየ ሕይወት ኣሎና ክንብል`ውን ኣይንኽእልን። ስለዚ ድማ ኢና “-መስቀል- ኃይልነ-! መስቀል-ጽንዕነ-! መስቀል-ቤዛነ-! መስቀል-መድኃኒተ-ነፍስነ-!-” ብምባል፣ መስቀል ኩሉ ነገርና ምዃኑ ከነንጸባርቖ እንርከብ ዘሎና። ኣብቲ ወርሓት መስከረም`ውን “-መስቀል ዘይበለ ካባና ይፈለ-” ዝብል ባህሊ ከም-ዘሎና ዝፍለጥ`ዩ። ስለዚ መስቀል ንዓና ኩሉ ነገርና`ዩ እንተ-ተባህለ፣ ተጋጊኹም ከይንበሃል እንስከፈሉ ምኽንያት የብልናን።
ጳጳስ ዲበ ኵሉ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ዝመርሕዎ ልኡኽ ኣሕጉረ ስብከታትን፡ ብብፁዕ ኣቡነ ሲኖዳን ዚመሓደሩ ልኡኻትን፡ ምስ ፖፕ ታዋድሮስ ዳግማዊ፡ ፓትርያርክ ዘመንበረ ማርቆስ እስክንድርያ ብ18 መጋቢት 2022 ተራኺቦም፡ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራን ዕረፍቲ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ሰማዕትን፥ ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቦም። ኣብቲ ርክብ፡ መንበረ ማርቆስ ንሰማዕትነት ቅዱስ እንጦንዮስ ኣብ ሕቶ ከም ዘይተእትዎን፥ “እንጦንዮስ ሰማዕት እንበለ ደም”, "Antonios the Confessor" ተባሂሎም ኪጥቀሱ ከም ዝግባእን፡ እዚ ኸኣ ንመላእ ሕዝበ ክርስቲያን ኪሕበር ከም ዘለዎን፡ ፖፕ ታዋድሮስ ዳግማዊ፥ ኣፍሊጦም። ቅዱስነቶም፡ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ፍቕርን ሓድነትን ንምስፋን ብዝከኣሎም ዘበለ ኪሰርሑ ምዃኖም'ውን ገሊጾም ኣለዉ።
በዚ ምኽንያት ኩለን ኣብያተክርስቲያን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ፥ “እንጦንዮስ ሰማዕት እንበለ ደም”, "Antonios the Confessor" እናበላ፥ ጸሎት ከዕርጋ ብኽብሪ ንሕብር። ብተመሳሳሊ ኣገባብ፥ ምእመናን'ውን “እንጦንዮስ ሰማዕት ብዘይ-ደም” እናበሉ ስሞም ብወግዒ ክጽውዕዎምን ጸሎቶም ከዕርጉን ንሕብር።
እግዚኣብሔር ቤተክርስቲያንናን ህዝቢ ኤርትራን ይባርኽ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ